1ሰንባላጥ፥ ንሕና ነቲ ቕፅሪ ኸም ዝነደቕናዮ ምስ ሰምዐ፥ ተቘጥዐን የመናውን ሓረቐን፤ ብኣይሁድውን ኣላገፀ።
2ኣብ ቅድሚ ኣሕዋቱን ኣብ ቅድሚ ሰራዊት ሰማርያን ከዓ፦ “እዞም ድኹማት ኣይሁድ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ? ነቲ ቕፅሪ መሊሶም ክነድቅዎ ድዮም ዝደልዩ ዘለዉ? ክስውኡኸ ድዮም? ብሓደ መዓልቲኸ ኽውድእዎ ድዮም? ካብቲ ብሓዊ ነዲዱ ትሕቲ ዅምራታት ሓመድ ዘሎኸ ንመንደቕ ዝኸውን ኣእማን ክረኽቡ ድዮም?” ኢሉ ተዛረበ።
3ጦቢያ እቲ ኣሞናዊ ድማ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሉ፦ “ኣብ ልዕሊ እቲ ብእምኒ ዝሰርሕዎ ቕፅሪ፥ ወኻርያ እንተ ደየበቶ እኳ ዝፈርስ እዩ” በለ።
4ኣነ ኸዓ “ኦ ኣምላኽና፥ ስማዕ! ተንዒቕና ኢና እሞ ላግፃኦም ናብ ርእሶም ምለሰሎም። ምእንቲ ኽብዝበዙ ንማረኽቲ ኣሕሊፍካ ሃቦም።
5ኣብ ቅድሚ እቶም ነዳቖ ኣቘጢዖምኻ እዮም እሞ በደሎም ኣይትሕደገሎም፤ ሓጢኣቶም ድማ ኣይትደምስሰሎም” ኢለ ፀለኹ።
6እቶም ህዝቢ ብምሉእ ልቦም ስለ ዝሰርሑ፥ ነቲ ቕፅሪ ነደቕናዮ፤ ምብራኹውን ክሳዕ ፍርቂ ኣብፃሕናዮ።
7ሰንባላጥን ጦብያን ሰብ ዓረብን ኣሞናውያንን ኣሽዶዳውያንን ምዕራይ ቅፅሪ ኢየሩሳሌም ከም ዝሰለጠን፥ እቲ ፍርስራስውን ክዕበስ ከም ዝጀመረን ምስ ሰምዑ፥ የመና ተቘጥዑ።
8ኵላቶም ሓደ ኾይኖም መፂኦም ድማ ንኢየሩሳሌም ክወግኡን ከሸብሩን ተመሓሓሉ።
9ሽዑ ናብ ኣምላኽና ፀለና፤ ካብኣቶም ዝተልዓለ ኸዓ ለይትን መዓልትን ዝሕልዉና ሓለውቲ ኣቖምና።
10ህዝቢ ይሁዳ ድማ “ሓይሊ እቶም ተሰከምቲ ደኸመ፤ እቲ ፍርስራስ ከዓ ብዙሕ እዩ፤ በዝ ምኽንያትዙይ ቅፅሪ ኽንነድቕ ኣይንኽእልን ኢና” በሉ።
11እቶም ፀላእትና ድማ “ኣብ ማእኸሎም ክሳዕ እንኣቱን ክሳዕ እንቐትሎምን፥ ስራሕቶምውን ክሳዕ እነቑሞ፥ ኣይፈልጡን ኣይሪኡን እዮም” በሉ።
12እቶም ኣብ ጥቓኦም ዝነብሩ ኣይሁድ እናመፁ “ካብ ኵለን ቦታታት ናባና ተመለሱ” ኢሎም ዓሰርተ ሻዕ ነገሩና።
13ስለዙይ ኣነ ነቶም ህዝቢ ብድሕሪ እቲ ቕፅሪ፥ በቲ ዘይተመልአ ቕሉዕ ስፍራታት በብማይ ቤቶም ኣስይፍቶምን ኲናውቶምን ቀስትታቶምን ሒዞም ደው ከም ዝብሉ ገበርክዎም።
14ኵነታት እቶም ህዝቢ ምስ ረአኹ ድማ ተሲአ፥ ንዓበይትን ንሹመኛታትን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን “ንኣኣቶም ኣይትፍርሑ፤ ነቲ ዓቢይን ዝፍራሕን ጐይታ ዘክሩ፤ ምእንቲ ህዝብኹምን ኣወዳትኩምን ኣጓላትኩምን ኣንስትኹምን ኣባይትኹምን ተዋግኡ” በልክዎም።
15እቶም ፀላእትና እዝ ነገር እዙይ ኸም ዝፈለጥና፥ ኣምላኽ ከዓ ንምኽሮም ከንቱ ኸም ዝገበሮ ምስ ሰምዑ፥ ንሕና ዅላትናውን ናብቲ ቕፅሪ፥ ነፍሲ ወከፍና ድማ ነናብ ስራሑ ተመለስና።
16ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሮም እቶም ሓሻኽረይ ፍርቆም ይሰርሑ ነበሩ፤ ፍርቆም ድማ ዅናትን ዋላቱን ቀስትታትን ሒዞም ድርዒውን ተኸዲኖም ደው በሉ። እቶም ኣሕሉቕ ከዓ ካብ ኵሉ ቤት ይሁዳ ብድሕሪት ይቖሙ ነበሩ።
17እቶም ቅፅሪ ዝነድቁን እቶም ተሸከምትን ድማ ብሓደ ኢዶም ይሰርሑ ነበሩ፤ ብሓደ ኢዶም ከዓ ኣፅዋሮም ይሕዙ ነበሩ።
18እቶም ነደቕቲውን ነፍሲ ወከፍ ሰይፉ ኣብ ሕቘኡ ተዓጢቑ ይነድቕ ነበረ። እቲ መለኸት ዝነፍሕ ከዓ ኣብ ጥቓይ ነበረ።
19ኣነ ድማ ንዓበይትን ንሹመኛታትን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን “እቲ ስራሕ ብዙሕን ገፊሕን እዩ፤ ንሕና ኸዓ ንስንሳትና ተረሓሒቕና፥ ኣብ ቅፅሪ ፋሕ ኢልና ኣለና።
20ስለዙይ ድምፂ መለኸት ምስ ሰማዕኹም ናብቲ ንሕና ዘለናዮ ተኣከቡ፤ ኣምላኽና ምእንታና ኽዋግአልና እዩ” በልኩዎም።
21ከምዙይ ኢልና ኻብ ወጋሕታ ጀሚርና ኽሳዕ ከዋኽብቲ ዝወፁ ንሰርሕ ነበርና፤ ፍርቅና ኸዓ ዂናት ሒዝና ንሕሉ ነበርና።
22ሽዑ ድማ ነቶም ህዝቢ “ለይቲ ሓለውቲ ኽትኮኑና ብመዓልቲ ድማ ኽትዓዩስ፥ ነፍሲ ወከፍኩም መምስ ሓጋዚኹም ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ሕደሩ” በልክዎም።
23ኣነን ብፆተይን እቶም ዝሕልዉኒ ሓሻኽረይን ክዳውንትና ኣይነውፅእን ነበርና። ማይ ክንሕፀብ እንተ ኸድናውን ነፍሲ ወከፍ ኣፅዋሩ ይሕዝ ነበረ።