ትንቢት ናሆም 2

BCVትግርኛ13 ፍቕድታት2:34 ስማዕ
ስማዕ 2:34 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እቲ ዘድቅቕ ናባኻ መፂኡካ ኣሎ፤ ነቲ ዕርድኻ ኣፅንዓዮ፤ ነቲ መንገዲ ሰልሎ፤ ሕቘኻ ኣፅንዕ፤ ንሓይልኻውን የመና ኣበርትዓዮ።

2ከተርቲ ኸቲሮምዎም እዮምሞ፥ ሃረግ ወይኖምውን ኣጥፊኦም እዮምሞ፥ ከምቲ ኽብሪ እስራኤል፥ ንኽብሪ ያእቆብውን እግዚኣብሄር ክምልሶ እዩ።

3ዋልታ እቶም ጀጋኑ ቀዪሑ እዩ፤ እቶም ተዋጋእቲውን፥ ቀይሕ ክዳን ተኸዲኖም እዮም፤ ንሱ ንውግእ ድልዊ ብዝኾነሉ መዓልቲ፥ ሰረገላታቱ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፤ እቲ ዛብያታትውን የምበጥብጥ።

4እተን ሰረገላታት ኣብ መንገዲ ብናህሪ ይኸዳ፤ ኣብ ኣደባባያት ድማ ይጋጨዋ፤ ትርኢተን ከም ሃልሃልታ ሓዊ እዩ፤ ከም መባርቕቲ ድማ ይበርራ።

5ነቶም መሳፍንቱ ይዝክር፤ ግና ብኣካይዳኦም ይዕንቀፉ፤ ቀልጢፎም ናብ ቅፅራ ይድይቡ፤ መዕቈቢውን ተዳለወ።

6ማዕፆ እቲ ሩባ ተኸፈተ፤ ቤተ መንግስቲ እቲ ንጉስ ድማ መኸኸ።

7እታ ንግስቲ ተገለፀት ተማረኸትውን፤ እተን ኣግራዳ ድማ ብሓዘን ኣፍ ልበን እናወቕዓ፥ ከም ድምፂ ርግቢ ዋይ ዋይ ይብላ ኣለዋ።

8ነነዌ ካብ ጥንቲ ጀሚራ፥ ከም ማይ ዝመልአ ሓፅቢ ነበረት፤ ሕዚ ግና ሃደሙ፤ ንሳቶምውን ደው በሉ! ደው በሉ! በልዎም፤ ዝተመለሰ ግና የለን።

9መዛግብታ መወዳእታ የብሉን፤ ብዝሒ ዝኸበረ ኣቑሑታውን ኣይቝፀሩንሞ፥ ብሩር ዝመቱ፤ ወርቅውን ውረሩ።

10ጥራሓ ኾይና እያ፤ ባዲማውን እያ፤ ልቢ መኸኸ፤ ኣብራኽ ራዕራዕ በለ፤ ሕቘ ሓመመ፤ ገፅ ኵሎምውን ፀለመ።

11እታ ሽደናት ዝበልዑላ፥ ኣንበሳን ዋዕሮን ኰራዅር ኣንበሳን ድማ፥ መፍርሒ ዘይብሎም ዝዛውኑላ ዝነበረት፥ ቦታ ኣናብስ ኣበይ ኣላ?

12ኣንበሳ ንዀራዅሩ ዝኣኽሎም መንዝዐ፤ ንዋዕሮታቱውን ሰባበረለን፤ በዓትታቱ ብግዳዩ፥ ንጕድጓዱ ኸዓ ብዝዘረፎ መልአ።

13“እንሆ ኣብ ልዕሌኺ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፤ ንሰረገላታት ኣንዲደ ኸትክኾ እየ፤ ንዀራዅር ኣናብስክውን ሰይፊ ኽበልዖም እዩ፤ ንዝዘመትክዮ ኻብ ምድሪ ኸጥፍኦ እየ፤ ድምፂ ልኡኻትክውን ካብ ደጊም ኣይስማዕን።”

ትርጓሜ

2:1-10 ኒነዌ ነዚ ፍርዲ እዚ ኣየውግዶን እያ፤ ንእግዚኣብሔር ዚጻረር ምኽሪ ወይ ሓይሊ የልቦን። ኣምላኽ ትዕቢተኛታት ከተማታት ይምልክት እሞ የውድቐን። እቲ ንኒነዌ ዚወርር ጸላኢ ኪቐርበሉ ዚኸውን ዘስካሕክሕ ፍርሃት ብዝርዝር ተገሊጹ ኣሎ። ግዝኣት ኣሶር ከም ንግስቲ ተመሲላ ኣላ፣ ናብ ባቢሎን ኪትምረኽ እያ ተቐሪባ። በደል ኣብ ሕልና ኣብ መዓልቲ ሕሰም ንሰባት ብፍርሃት ይመልኦም፤ ንብረትን ክብረትንከ ኣብ ግዜ ጭንቀትን ወይ ኣብ መዓልቲ ቍጥዓ እንታይ ኪገብረልና እዩ? እንተዀነ ግና ንኸምዚኦም ነገራት ኢሎም ክንደይ ብዙሓ…

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6