ወንጌል ማርቆስ 9

BCVትግርኛ46 ፍቕድታት7:21 ስማዕ
ስማዕ 7:21 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ቀፂሉውን ኢየሱስ “ኣብዙይ ቆይሞም ካብ ዘለዉ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ብሓይሊ ኽትመፅእ እንተላ ኽሳዕ ዝሪእዋ፥ ዘይሞቱ ኸም ዘለዉ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።

2ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልቲ ኸዓ፥ ኢየሱስ ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን፥ ንበይናቶም ወሲዱ ናብ ነዊሕ እምባ ኣደየቦም፤ ኣብ ቅድሚኣቶምውን ትርኢቱ ተለወጠ።

3ክዳኑ ድማ የመና ኣንፀባረቐ፤ ኣብ ምድሪ ሓደ ሓፃባይ ከምኡ ገይሩ ኸፃዕድዎ ኽሳዕ ዘይኽእል ከዓ ፃዕደወ።

4ሽዑ ሙሴን ኤልያስን ምስ ኢየሱስ እናተዘራረቡ እንተለዉ፥ ተርኣይዎም።

5ጴጥሮስ ከዓ ንኢየሱስ “መምህር፥ ንኣና ኣብዙይ ምንባር ፅቡቕ እዩ፤ ሓደ ንኣኻ፥ ሓደ ንሙሴ፥ ሓደ ንኤልያስ ሰለስተ ዳስ ንስራሕ” በሎ።

6የመና ደንጊፆም ስለ ዝነበሩ፥ ነቲ ዝብሎ ኣይፈልጦን ነበረ።

7ብሩህ(ሀ) ደመና መፂኡ ድማ ሸፈኖም፤ ካብቲ ደመና ኸዓ፥ “እዙይ እቲ ዝፈትዎ ወደይ እዩ፤ ንእኡ ስምዕዎ!” ዝብል ድምፂ መፀ።

8ብድንገት ኣብ ዙርያኦም ቈላሕ እንተ በሉ ኸዓ፥ ኢየሱስ በይኑ እምበር፥ ሓደኳ ምስኣቶም ኣይረአዩን።

9ካብቲ እምባ ኽወርዱ እንተለዉ ድማ፥ ወዲ ሰብ ካብ ሞት ክሳዕ ዝትስእ፥ ነቲ ዝረአይዎ ንሓደኳ ኸይነግሩ ኣዘዞም።

10ነቲ ቓል ኣብ ልቦም ሒዞም፥ “ካብ ሞት ምትሳእ ማለት እንታይ ማለት እዩ?” እናበሉ ድማ ንስንሳቶም ተዘራረቡ።

11ንሳቶም ከዓ “ስለ ምንታይ ደኣ መምህራን ሕጊ ‘ቅድም ኤልያስ ክመፅእ ኣለዎ’ ዝብሉ?” ኢሎም ጠየቕዎ።

12ንሱ ኸዓ “ኤልያስ ብርግፅ ኣቐዲሙ ኽመፅእ እዩ፤ ንዅሉውን ከቃንዕ እዩ፤ ብዛዕባ ወዲ ሰብከ ብዙሕ መከራ ኸም ዝቕበልን ከም ዝነዓቕን ስለ ምንታይ ድዩ ተፅሒፉ ዘሎ? ኣነ ግና ኤልያስ ብርግፅ መፂኡ እዩ፤ ከምቲ ብዛዕባኡ ተፅሒፉ ዘሎ ድማ፥ ኵሉ ዝደለይዎ ኣብ ልዕሊኡ ኸም ዝገበሩ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።

14ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ ምስ መፀ ድማ፥ ብዙሕ ህዝቢ ኸቢብዎም፥ መምህራን ሕጊ እውን ክከራኸርዎም እንተለዉ ረአየ።

15ሽዑ እቶም ህዝቢ ምስ ረአይዎ ደንገፁ፤ ናብኡ ጐይዮም ከዓ ኢድ ነስኡሉ።

16ነቶም መምህራን ሕጊ ድማ “ብዛዕባ እንታይ ትከራኸርዎም ኣለኹም?” ኢሉ ጠየቖም።

17ሓደ ኻብቶም ህዝቢ ኸዓ “መምህር፥ ንወደይ በሃም ጋኔን ስለ ዝሓዞ፥ ናባኻ ኣምፂአዮ ኣለኹ።

18ክለዓሎ እንተሎ የውድቖ፤ የዕፍሮ፤ ኣስናኑውን ይሕርቅም፤ ይነቅፅውን፤ ንደቀ መዛሙርትኻ ኸውፅእዎ ጠይቐዮምስ ኣይከኣሉን” በሎ።

19ንሱ ኸዓ “ኣታ ዘይኣምን ትውልዲ! ኽሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ? ክሳዕ መኣዝከ ኽዕገሰኩም እየ? ናብዙይ ናባይ ኣምፅእዎ!” በሎም።

20ናብኡ ድማ ኣምፅእዎ፤ እቲ ርኹስ መንፈስ ምስ ረአዮ፥ ሽዑ ንሽዑ ናብ ምድሪ ነፅሖ፤ ኣንፈርፈረ፤ ዓፈረውን።

21ኢየሱስ ድማ ነቦኡ “ካብ መኣዝ ጀሚሩ እዩ ዝሓዞ?” ኢሉ ጠየቖ፤ ንሱ ኸዓ “ኻብ ንእስነቱ እዩ፤

22ክቐትሎ ደልዩ ኸዓ፥ ብዙሕ ሻዕ ኣብ ሓዊን ኣብ ማይን የውድቖ፤ ትኽእል እንተ ዄንካ ራህርሀልና፥ ርድአናውን”(ለ) በሎ።

23ኢየሱስ ድማ “ ‘ትኽእል እንተ ዄንካዶ ትብል ኣለኻ?’ ንዝኣምን ኵሉ ይከኣል እዩ” በሎ።

24ሽዑ ኣቦ እቲ ቘልዓ፥ “እኣምን እየ፤ ንዘይምእማነይ ርድኣዮ” እናበለ ዓው ኢሉ ድምፂ ኣስምዐ።

25ኢየሱስ እቶም ሰባት እንትጐዩ ምስ ረአየ፥ ነቲ ርኹስ መንፈስ “ኣታ በሃምን ፀማምን መንፈስ፥ እእዝዘካ ኣለኹ፤ ካብኡ ውፃእ! ድሕሪ ደጊም ናብኡ ኣይትእቶ!” እናበለ ገሰፆ።

26እቲ ርኹስ መንፈስ ገዓረ፤ ነቲ ቘልዓ ድማ ፈርፈር ኣቢልዎ ወፀ። ብዙሓት “ሞይቱ” ክሳዕ ዝብሉ ኸዓ፥ ከም ሬሳ ኾነ።

27ኢየሱስ ድማ ብኢዱ ሒዙ ኣተስኦ፤ ንሱውን ተስአ።

28ናብ ገዛ ምስ ኣተወ፥ ደቀ መዛሙርቱ ንበይናቶም ኮይኖም “ስለ ምንታይ ንሕና ምውፅኡ ዝሰኣንና?” ኢሎም ጠየቕዎ።

29ንሱ ኸዓ “እዝ ኸምዙይ ዝዓይነቱ ዓሌት ብፆምን ብፀሎትን እንተ ዘይኮይኑ ኣይወፅእን እዩ” በሎም።

30ካብኡ ወፂኦም ብገሊላ ሓለፉ፤ ኢየሱስ ነዝ ነገርዙይ ሓደኳ ኽፈልጦ ኣይደለየን።

31ንደቀ መዛሙርቱውን “ንወዲ ሰብ፥ ናብ ኢድ ሰብ ኣሕሊፎም ክህብዎ፥ ክቐትልዎውን እዮም፤ ምስ ተቐትለ ድማ፥ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኽትስእ እዩ” ኢሉ ይምህሮም ስለ ዝነበረ እዩ።

32ንሳቶም ግና ነቲ ዝበሎም ቃል ኣየስተውዓልዎን፤ ከይጥይቕዎ ድማ ፈርሑ።

33ኣብ ቅፍርናሆም በፂሑ ናብ ገዛ ምስ ኣተወ ኸዓ “ኣብ መንገዲ ትካትዑሉ ዝነበርኩም እንታይ እዩ?” ኢሉ ጠየቖም።

34ንሳቶም ከዓ ኣብ መንገዲ፥ መን ከም ዝዓቢ፥ ንስንሳቶም ይካትዑ ነበሩ እሞ ስቕ በሉ።

35ኢየሱስ ምስ ተቐመጠ ድማ፥ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ፀዊዑ “እቲ ሓለቓ ክኸውን ዝደሊ፥ ትሕቲ ዅሉን ኣገልጋሊ ዅሉን ይኹን” በሎም።

36ንሓደ ቘልዓ ወሲዱ ድማ፥ ኣብ ማእኸሎም ኣቖሞ፤ ሓቝፉ ኸዓ፦

37“ካብዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ቘልዑ፥ ንሓደ ብስመይ ዝቕበል ንኣይ እዩ ዝቕበል፤ እቲ ንኣይ ዝቕበል ከዓ፥ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር ንኣይ ኣይኮነን ዝቕበል” በሎም።

38ዮሃንስ ንኢየሱስ “መምህር፥ ሓደ ብስምካ ኣጋንንቲ ኸውፅእ እንተሎ ርኢናዮስ፥ ምሳና ስለ ዘይተኸተለካ ኸልኪልናዮ” በሎ።

39ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ በለ፦ “ብስመይ ተኣምራት ዝገብር ሽዑ ንሽዑ ድማ፥ ብኣይ ክፉእ ኽዛረብ ዝኽእል የለንሞ ኣይትኸልክልዎ።

40ኵሉ ዘይቃወመና(ሐ) ምሳና እዩ።

41ንስኻትኩም ድማ ናይ ክርስቶስ ስለ ዝኾንኩም፥ ኵሉ ፅዋዕ ማይ ብስመይ ዘስትየኩም፥ ዓስቡ ኸም ዘይስእን ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”

42“ነቲ ኻብዞም ብኣይ ዝኣምኑ ኣናእሽተይ ንሓደ ዘስሕት፥ እምኒ መጥሓን(መ) ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ፥ ኣብ ባሕሪ እንተ ዝጠልቕ ምሐሾ ነይሩ።

43ኢድካ እንተ ኣስሓተትካ ቝረፃ፤ ምስ ክልተ ኢድካ [ናብቲ ሓሰኻኡ ዘይመውት፥ ሓዉውን ዘይጠፍእ] ናብ ገሃነመ እሳት ካብ እትድርበስ፥ ቈራፅ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሕሸካ።

45እግርኻ እንተ ኣስሓተትካውን ቍረፃ፤ ምስ ክልተ እግርኻ ሓሰኻኡ ናብ ዘይመውት፥ ሓዉ እውን ናብ ዘይጠፍእ ገሃነመ እሳት ካብ እትድርበስ፥ ሓንካስ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሕሸካ።

47ዓይንኻ እንተ ኣስሓተትካ መዝሒቕካ ደርብያ፤ ምስ ክልተ ኣዒንትኻ ናብቲ ሓሰኻኡ ዘይመውት፥ ሓዉ እውን ዘይጠፍእ ገሃነመ እሳት ካብ እትድርበስ፥ ነቛር ኴንካ ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ምእታው ይሕሸካ።

49ኵሉ ብሓዊ እዩ ዝምቅር፤(ሠ) ኵሉ መስዋእቲ ድማ ብጨው እዩ ዝምቅር።

50ጨው ፅቡቕ እዩ። እቲ ጨው መቐረቱ እንተ ጠፍአኸ ብምንታይ ተመቅርዎ? እምበኣር ኣብ ነፍስኹም ጨው ይሃሉኹም፤ ንስንሳትኩምውን ተሰማሚዕኹም ብሰላም ንበሩ።”

ትርጓሜ

9:1-13 እዚ ብዛዕባ ምቕራብ መንግስቲ ክርስቶስ ዝገልጽ ትንቢት እዩ። ሓንቲ ብልጭታ ናይ እታ መንግስቲ ኣብ ምልዋጥ ገጽ ክርስቶስ ተዋሂቡ ነይሩ። ካብ ዓለም ምፍላይን በይኑ ምስ ክርስቶስ ምዃንን ጽቡቕ እዩ፤ ምስቲ ብኽብሪ ኣብ ሰማይ ምስ ኩሎም ቅዱሳን ዘሎ ክርስቶስ ምዃንከ ክንደይ ጽቡቕ እዩ! ግናኸ ጽቡቕ ምስ ረኸብና፣ ንኻልኦት ምሕላፍ ንርስዕ ኢና፣ ብምልኣት ባህታና ድማ ብዙሕ ድሌታት ኣሕዋትና ንርስዕ። ኣምላኽ ንየሱስ ወዱ ምዃኑ የረጋግጽ፣ ከም ፍቑር ወዱ ድማ ይቕበሎ፣ ኣባኡ ድማ ንዓና ክቕበለና ድሉው እዩ። ስለዚ ንሕና ኸኣ ከምቲ ፍቑር መድሓኒና ጌርና ክንፈልጦን ክንቕበሎን ይግባእ፣ ከምኡውን ንርእስና ብእኡ ክንመሓደር ክንውፊ ይግባእ። ክርስቶስ ንነፍሲ ደስታታትን መጽናዕትን ምስ ሓደግዋ ኣይሓድጋን እዩ። የሱስ ንደቀመዝሙሩ እቲ ብዛዕባ ኤልያስ ዝነበረ ትንቢት ገሊጹሎም። እዚ ድማ ምስቲ ንዮሃንስ መጥምቕ ዝበጽሖ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ኣዝዩ ዝሰማማዕ ነይሩ።

9:14-29 ኣቦ እቲ ዚሳቐ ዝነበረ መንእሰይ ኣብ ደቀ መዛሙርቲ ንዝነበረ ምጕዳል ሓይሊ ኣስተንተነ። ክርስቶስ ግና ነቲ ስንብራት ናብ ምጕዳል እምነት ኪቚጽሮ ይደሊ። ብዙሕ ንእምነትና ተስፋ ተዋሂቡዎ እዩ። እንተ ትኣምን፡ ንቑጽ ልብኻ ኪልዝብ፡ መንፈሳውያን ሕማማትካ ኺሓውዩ፡ ድኹም እኳ እንተ ዄንካ ኸኣ ክሳዕ መወዳእታ ኽትጸንዕ ይከኣል እዩ። እቶም ብዘይምእማን ዚበኽዩ፡ ነቲ ንዘይምእማን ንምስዓር ሓጋዚ ጸጋ ካብኡ ንምርካብ ናብ ክርስቶስ ኪጥምቱ ኣለዎም። ጸጋኡ ኸኣ ንኣታቶም ኪበቕዖም እዩ። ክርስቶስ ዚፍውሶም፡ ተባዕትዩ ይፍውሶም። ሰይጣን ግና ንነዊሕ እዋን ባሮኹኡ ካብ ዝነበሩ ኺብገስ ኣይደልን እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG እውነት እላችኋለሁ፥ በዚህ ከቆሙት ሰዎች የእግዚአብሔር መንግሥት በኃይል ስትመጣ እስኪያዩ ድረስ፥ ሞትን የማይቀምሱ አንዳንዶች አሉ፡ አላቸው። አማርኛ ENGNIV And he said to them, “I tell you the truth, some who are standing here will not taste death before they see the kingdom… English GAZBIB Kana booddee Yesus, ?Dhuguma, dhuguman isinitti hima, namoota as dhaabatanii jiran keessaa, kaan utuu hin du'in, mootum… Afaan Oromoo BCV GIZ ወይቤሎሙ፦ “አማን እብለክሙ ሀለዉ እምእለ ይቀውሙ ዝየ እለ ኢይጥዕምዎ ለሞት እስከ ይሬእይዋ ለመንግሥተ እግዚአብሔር እንዘ ትመጽእ በኀይል።” giz GAZGAZ Kana booddee Yesus, ?Dhuguma, dhuguman isinitti hima, namoota as dhaabatanii jiran keessaa, kaan utuu hin du'in, mootum… Afaan Oromoo BCV aksum ቀፂሉውን ኢየሱስ “ኣብዙይ ቆይሞም ካብ ዘለዉ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ብሓይሊ ኽትመፅእ እንተላ ኽሳዕ ዝሪእዋ፥ ዘይሞቱ ኸም ዘለዉ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም። ትግርኛ AMHNIV ቀጥሎም፣ “እውነት እላችኋለሁ፤ እዚህ ከቆሙት መካከል የእግዚአብሔር መንግሥት በኀይል ስትመጣ እስከሚያዩ ድረስ ሞትን የማይቀምሱ አንዳንዶች አሉ” አላቸው። አማርኛ SWAHSUV Akawaambia, Amin, nawaambia, Pana watu katika hawa wasimamao hapa, ambao hawataonja mauti kabisa, hata watakapouona ufa… Kiswahili