1ፈሪሳውያንን ካብ ኢየሩሳሌም ዝመፁ መምህራን ሕግን ናብኡ ተኣከቡ።
2ገሊኣቶም ካብ ደቀ መዛሙርቱ፥ ኣእዳዎም(ሀ) እንተይተሓፀቡ እንጀራ እንትበልዑ ረአይዎም።
3ኵሎም ፈሪሳውያንን ኣይሁድን፥ ስርዓት ዓበይቲ ምእንቲ ኽሕልዉ፥ ኣእዳዎም ኣፀቢቖም እንተይተሓፀቡ ኣይበልዑን ነበሩሞ።
4ካብ ዕዳጋ እንትምለሱውን ኢዶም እንተይተሓፀቡ ኣይበልዑን ነበሩ፤(ለ) ካልእውን ብዙሕ ከም ምሕፃብ መሳተያን ኣቑሑ ገዛን ዓታሩን ዓራታትን ዝመስል ክሕልውዎ ዝወረስዎ ልማድ ነበሮም።
5መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ድማ “ስለ ምንታይ ደቀ መዛሙርትኻ ስርዓት ዓበይቲ ዘይሕልዉ? ስለ ምንታይከ ኣእዳዎም እንተይተሓፀቡ እንጀራ ዝበልዑ?” ኢሎም ጠየቕዎ።
6ንሱ ኸዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ግብዛት! ከምቲ ፅሑፍ፦ ‘እዝ ህዝቢ እዙይ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፤ ልቡ ግና ኻባይ የመና ዝረሓቐ እዩ፤ ትምህርቲ ስርዓት ሰብ እናመሃሩ፥ ብኸንቱ የምልኹኒ’ ኢሉ ኢሳይያስ ብዛዕባኻትኩም ፅቡቕ ተነበየ።
8“ትእዛዝ እግዚኣብሄር ሓዲግኩም፥ ስርዓት ሰብ ትሕልዉ ኣለኹም፤ ከም ምሕፃብ መሳተያን፥ ካልእ ኣቑሑ ገዛን፥ ካልእ ድማ ነዙይ ዝመስልን ትገብሩ ኣለኹም።
9ናይ ባዕልኻትኩም ስርዓት እናሓለኹም፥ ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዝ ኽትጥሕሱ ግቡእ ድዩ?
10ሙሴ፥ ‘ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር፤ ነቦኡ ወይ ንኖኡ ሕማቕ ቃል ዝተዛረበ ብርግፅ ይቀተል’ ኢሉ ኣሎ።
11ንስኻትኩም ግና ኸምዙይ ትብሉ፦ እቲ ነቦኡ ወይ ንኖኡ ‘እቲ ኻባይ ዝግብአኩም ሓገዝ፥ ቍርባን እዩ፤’ ማለት፥ መባእ ይኹነለይ እንተ በሎም፥
12ደጊም ነቦኡ ወይ ንኖኡ ሓደ ነገርኳ ኽገብረሎም ከቶ ኣይትፈቕዱሉን ኢኹም።
13ስለዙይ ድማ ነቲ ዝሰራዕኹምዎ ስርዓት ክትብሉ፥ ቃል እግዚኣብሄር ትጥሕሱ ኣለኹም፤ ከምኡውን ነዙይ ዝመስል ብዙሕ ትገብሩ ኣለኹም።”
14ኢየሱስ መሊሱ ነቶም ህዝቢ ናብኡ ፀዊዑ፦ “ኵልኻትኩም ስምዑ፤ ኣስተውዕሉውን።
15ካብ ሰብ ዝወፅእ እዩ ንሰብ ዘርክሶ እምበር፥ ካብ ወፃኢ ናብ ሰብ ዝኣቱስ ከርክሶ ኣይኽእልን እዩ፤
16ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ” በሎም።
17ካብቶም ህዝቢ ተፈልዩ፥ ናብ ገዛ ምስ ኣተወ ድማ፥ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እዝ ምስላ እዙይ ጠየቕዎ።
18ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ንስኻትኩምውንዶ ክሳዕ ክንድዙይ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም? ኵሉ ካብ ወፃኢ ናብ ኣፍ ሰብ ዝኣቱ፥ ንሰብ ከም ዘየርክሶ ኣይትፈልጡን ዲኹም?
19ብኸብዲ ኣቢሉ ንደገ እዩ ዝወፅእ እምበር ናብ ልቢ ኣይኣቱን፤ ንዅሉ መብልዕ እናፃረየ ድማ ናብ ደገ ይወፅእ።”
20ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ንሰብ ዘርክሶ፥ እቲ ኻብ ሰብ ዝወፅእ እዩ።
21ካብ ውሽጢ ልቢ ሰብ ክፉእ ሓሳብ፥ ምንዝርና፥ ስርቂ፥ ቅትለት፥
22ዝሙት፥ ከትሪ፥ ስስዐ፥ ተንኰል፥ ስድነት፥ ቅንኢ፥ ሓሜት፥ ትዕቢት፥ ስንፍና ይወፅእ።
23እዝ ዅሉ ኽፍኣት ካብ ውሽጢ እዩ ዝወፅእ፤ ንሰብ ከዓ የርክሶ።”
24ካብኡ ተልዒሉ ናብ ሃገር ጢሮስን ሲዶናን ከደ። ናብ ገዛ ምስ ኣተወ፥ ሓደኳ ኽፈልጦ ኣይደለየን፤ እንተ ኾነ ኽሕባእ ኣይከኣለን።
25ሽዑ ኸዓ ጓላ ርኹስ መንፈስ ዝሓደራ ሓንቲ ሰበይቲ፥ ብዛዕባኡ ሰሚዓ መፀት፤ ኣብ እግሩ ተደፊኣውን ሰገደትሉ።
26እታ ሰበይቲ ኣብ ሲሮፊንቂያ ዝተወለደት ግሪካዊት ነበረት። ካብ ጓላ ጋኔን ከውፅአላ ድማ ለመነቶ።
27ኢየሱስ ድማ “እንጀራ ውሉድ ኣልዒልካ፥ ነኽላባት ምሃብ ፅቡቕ ኣይኮነን እሞ፥ ሕደጊ፤ ቅድም እቶም ውሉድ ይፅገቡ” በላ።
28ንሳ ድማ “እወ፥ ጐይታይ! ኣኽላባትውን እንተ ኾኑ፥ ኣብ ትሕቲ ማእዲ ኾይኖም፥ ዝወደቐ ርፍራፍ ውሉድ ይበልዑ እዮም” ኢላ መለሰትሉ።
29ንሱ ድማ “እዝ ቓል እዙይ ብምባልኪ፥ እቲ ጋኔን ካብ ጓልኪ ወፂኡ እዩ እሞ ኺዲ” በላ።
30ናብ ገዛኣ ምስ ተመለሰት ድማ፥ እቲ ጋኔን ወፂኡ፥ እታ ጓላውን ኣብ ዓራት ኮፍ ኢላ ረኸበታ።
31መሊሱ ኻብ ሃገር ጢሮስ ወፂኡ፥ ብሲዶና ገይሩ ብማእኸል ዓሰርተ ከተማታት ዝበሃል ዓዲ፥ ናብ ባሕሪ ገሊላ ኸደ።
32ሓደ ፀማምን በሃምን ናብኡ ኣምፂኦም ኢዱ ኸንብረሉ ለመንዎ።
33ካብቶም ህዝቢ ንበይኑ ፍልይ ኣቢሉ ድማ፥ ኣፃብዕቱ ኣብ ኣእዛኑ ኣንበረ፤ እንትፍ ኢሉውን ንመልሓሱ ነኽኦ።
34ናብ ሰማይ ቈላሕ ኢሉ፥ ብርህራሀ ኣተንፊሱ ኸዓ “ኤፍታሕ!” በለ፤ ንሱውን “ተኸፈት” ማለት እዩ።
35ሽዑ ኣእዛኑ ተኸፈታ፤ ልሳኑ ድማ ተፈትሐ፤ ኣፅርዩውን ተዛረበ።
36ንሓደኳ ኸይነግሩ ብፅኑዕ ኣጠንቀቖም፤ እቶም ህዝቢ ግና ብመጠን እቲ ዘጠንቀቖም ኣብዚሖም ኣውረዩ።
37ንሳቶም ከዓ “ኵሉ ዝገበሮ ሰናይ እዩ፤ ንፀማማት ክሰምዑ፥ ንበሃማት ክዛረቡ ይገብሮም” እናበሉ የመና ይግረሙ ነበሩ።