1ናይ ወዲ እግዚኣብሄር(ሀ) ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ወንጌል መጀመርታ እዙይ እዩ።
2ከምቲ ኣብ መፃሕፍቲ ነቢያት፦(ለ) “እንሆ ‘ጐደና እግዚኣብሄር ፅረጉ፤ መንገድታቱውን ኣቕንዑ’ እናበለ ናይ ሓደ ኣብ ምድረ በዳ ዝእውጅ ድምፂ፥ ቀቅድሜኻ መንገድኻ ዝፀርግ ልኡኸይ እሰደልካ ኣለኹ” ዝብል ከም ዝተፅሓፈ፥
4ዮሃንስ ኣብ ምድረ በዳ እናጥመቐን፥ ንስርየት ሓጢኣት ዝኸውን፥ ናይ ንስሃ ጥምቀት እናሰበኸን መፀ።
5ኵሎም ሰብ ይሁዳን ሰብ ኢየሩሳሌምን፥ ናብኡ እናኸዱ ሓጢኣቶምውን እናተናዘዙ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ብእኡ ይጥመቑ ነበሩ።
6ዮሃንስ፥ ክዳኑ ኻብ ፀጕሪ ግመል ዝተሰርሐ፥ ዕጣቕ ሕቘኡ ድማ ኣዲም፥ ቀለቡውን ኣንበጣን መዓር ፅዴናን(ሐ) ነበረ።
7ንሱ ኸዓ “ካባይ ዝብርትዕ፥ ኣነ ደኒነ ስራኽ ኣሳእኑ ኽፈትሐሉ ዘይበቅዕ፥ ብድሕረይ ይመፅእ ኣሎ።
8ኣነ ብማይ ኣጥምቐኩም ኣለኹ፤ ንሱ ግና ብመንፈስ ቅዱስ ከጥምቐኩም እዩ” እናበለ ይሰብኽ ነበረ።
9በቲ ጊዜ እቱይ ከዓ፥ ኢየሱስ ካብ ናዝሬት ናይ ገሊላ መፀ፤ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ድማ፥ ብዮሃንስ ተጠመቐ።
10ኢየሱስ ካብ ማይ ምስ ወፀ፥ ሽዑ ንሽዑ ሰማያት እንትኽፈታ፥ መንፈስ ቅዱስ ድማ ኸም ርግቢ ኣብ ልዕሊኡ እንትወርድ(መ) ረአየ፤
11“ብኣኻ ዝተሓጐስኩ ዝፈትወካ ወደይ ንስኻ ኢኻ” ዝብል ድምፂ ኻብ ሰማያት መፀ።
12ሽዑ ንሽዑ ኸዓ መንፈስ [ቅዱስ] ናብ በረኻ ኣውፅኦ።
13ኣብቲ በረኻ ድማ፥ ብሰይጣን እናተፈተነ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ፀንሐ፤ ምስ ኣራዊት ከዓ ነበረ፤ መላእኽቲ እውን ኣገልገልዎ።
14ድሕሪ ምእሳር ዮሃንስ፥ ኢየሱስ ናብ ገሊላ መፂኡ፥ ወንጌል መንግስቲ እግዚኣብሄር ሰበኸ።
15“እዋኑ በፂሑ እዩ፤ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ እያ እሞ፥ ንስሃ እተዉ! ብወንጌልውን እመኑ!” ይብል ነበረ።
16ብጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኽሓልፍ እንተሎ፥ ስምኦንን ሓዉ እንድርያስን ኣስገርቲ ዓሳ ስለ ዝነበሩ፥ መርበቦም ናብ ባሕሪ ኸውርዱ እንተለዉ ረአየ።
17ኢየሱስ ድማ “ኣስገርቲ ሰብ ክገብረኩምስ ንዑ ተኸተሉኒ!” በሎም።
18ንሳቶም ድማ መርበቦም ሓዲጎም ሽዑ ንሽዑ ተኸተልዎ።
19ካብኡ ቑሩብ ሕልፍ ምስ በለ ድማ፥ ንያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ንሓዉ ዮሃንስን፥ ኣብ ጃልባኦም ኮይኖም መርበቦም ከተዓራርዩ እንተለዉ ረአዮም እሞ
20ፀውዖም። ንሳቶም ከዓ ነቦኦም ዘብዴዎስ ምስ ሰራሕተኛታቱ ኣብ ጃልባ ሓዲጎም ተኸተልዎ።
21ኢየሱስን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ቅፍርናሆም ከዱ፤ ኢየሱስ ድማ ብሰንበት ናብ ቤተ ፀሎት(ሠ) ኣይሁድ ኣትዩ ኽምህር ጀመረ።
22ከምቶም መምህራን ሕጊ ዘይኮነስ፥ ከም በዓል ስልጣን ይምህሮም ስለ ዝነበረ፥ ብትምህርቱ ተገረሙ።
23እንሆ ኸዓ ኣብቲ ቤተ ፀሎቶም፥ ርኹስ መንፈስ ዝሓደሮ ሓደ ሰብ ነበረ።
24እናእወየ “ናይ ናዝሬት ኢየሱስ፥ ንስኻ ምሳና እንታይ ኣለካ? ክተጥፍአናዶ መፂእኻ? ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ቅዱስ ምዃንካ ፈሊጠካ ኣለኹ” በለ።
25ኢየሱስ ድማ “ስቕ በል! ካብኡውን ውፃእ!” ኢሉ ገሰፆ።
26እቲ ርኹስ መንፈስ ከዓ፥ ነቲ ሰብኣይ ፈርፈር ኣበሎ፤ ብዓብዪ ድምፂ እናእወየ ድማ ኻብኡ ወፀ።
27ኵላቶም ከዓ “እንታይ ደኣ እዩ እዝ ሓድሽ ትምህርቲ እዙይ? ንርኹሳት መናፍስቲ ብስልጣን ይእዝዞም፤ ንሳቶምውን ይእዘዝዎ” እናበሉ ንስንሳቶም እናተጠያየቑ ተገረሙ።
28ሽዑ ዝናኡ ናብ ኵሉ ኸባቢ ገሊላ ወፀ።
29ሽዑ ኢየሱስ ካብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ወፂኡ፥ ምስ ያእቆብን ዮሃንስን፥ ናብ እንዳ ስምኦንን እንድርያስን ኣተወ።
30ሓማት ስምኦን ከዓ ረስኒ ሓሚማ ደቂሳ ነበረት እሞ፥ ሽዑ ብዛዕባኣ ነገርዎ።
31ኢየሱስ ድማ ናብኣ ቐሪቡ፥ ብኢዳ ሒዙ ኣተስኣ እሞ፥ እቲ ረስና ሽዑ ንሽዑ ሓደጋ፤ ንሳ ድማ ተሲኣ ኣገልገለቶም።
32ፀሓይ ዓሪቡ ምስ መሰየ፥ ንዅሎም ሕሙማትን ኣጋንንቲ ዝሓደርዎምን ናብኡ ኣምፅእዎም።
33ኵላቶም ሰባት እታ ኸተማ ድማ፥ ኣብቲ በሪ ተኣከቡ።
34ንሱ ድማ ብዝተፈላለየ ሕማም ንዝሳቐዩ ብዙሓት ሰባት ኣሕወየ፤ ብዙሓት ኣጋንንቲ እውን ኣውፅአ፤ እቶም ኣጋንንቲ ኸዓ፥ ንሱ መን ምዃኑ ይፈልጥዎ ስለ ዝነበሩ፥ ክዛረቡ ኣይፈቐደሎምን።
35ኢየሱስ ጎሕ እንተይቀደደ ገና ፀልማት እንተሎ ተሲኡ ወፀ፤ ናብ ፅምዊ ቦታ ኸይዱ ድማ ኣብኡ ፀለየ።
36ስምኦንን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ድማ ኽደልይዎ ኸዱ።
37ምስ ረኸብዎ ኸዓ፥ “ኵሉ ሰብ እኮ ይደልየካ እዩ ዘሎ” በልዎ።
38ንሱ ድማ “ኣብኡ ምእንቲ ኽሰብኽ፥ ናብተን ኣብ ከባቢ ዘለዋ ኻልኦት ዓድታት ንኺድ፤ ብዛዕባ እዙይ እየ መፂአ ዘለኹሞ” በሎም።
39ኣብ ኣብያተ ፀሎት ኣይሁድ እናሰበኸን ኣጋንንቲ እውን እናውፅአ፥ ኣብ ኵሉ ገሊላ ይዘዋወር ነበረ።
40ሓደ ለምፃም(ረ) ናብኡ መፂኡ፥ ተንበርኪኹ “ፍቓድካ እንተ ደኣ ኾይኑስ ክተንፅሀኒ ትኽእል ኢኻ” እናበለ ለመኖ።
41ኢየሱስ ከዓ ራህርሀሉ፤ ኢዱ ዘርጊሑ ድማ ዳህሰሶ፤ “ፍቓደይ እዩ ንፃህ!” በሎ።
42እዙይ ምስ በሎ ሽዑ ንሽዑ ኻብ ለምፁ ነፅሀ።
43ኢየሱስ ድማ “ንሓደኳ ኸይትነግር ተጠንቀቕ! ግና ኼድካ ንባዕልኻ ንካህን ኣርኢ፤ ንኣኣቶም ምስክር ምእንቲ ክኾኖም ድማ፥ ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ” ኢሉ ብብርቱዕ ኣጠንቀቖ።
45ንሱ ግና ወፂኡ ብዙሕ ኽነግር ጀመረ፤ ስለዙይ ኢየሱስ ብገሃድ፥ ናብ ከተማ ምእታው ኣይከኣለን፤ ኣብ ፅምዊ ቦታ ደኣ ነበረ እምበር፤ እቶም ህዝቢ ድማ ኻብ ኵሉ ቦታ ናብኡ ይመፁ ነበሩ።