ወንጌል ማርቆስ 1

BCVትግርኛ43 ፍቕድታት10:00 ስማዕ
ስማዕ 10:00 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ናይ ወዲ እግዚኣብሄር(ሀ) ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ወንጌል መጀመርታ እዙይ እዩ።

2ከምቲ ኣብ መፃሕፍቲ ነቢያት፦(ለ) “እንሆ ‘ጐደና እግዚኣብሄር ፅረጉ፤ መንገድታቱውን ኣቕንዑ’ እናበለ ናይ ሓደ ኣብ ምድረ በዳ ዝእውጅ ድምፂ፥ ቀቅድሜኻ መንገድኻ ዝፀርግ ልኡኸይ እሰደልካ ኣለኹ” ዝብል ከም ዝተፅሓፈ፥

4ዮሃንስ ኣብ ምድረ በዳ እናጥመቐን፥ ንስርየት ሓጢኣት ዝኸውን፥ ናይ ንስሃ ጥምቀት እናሰበኸን መፀ።

5ኵሎም ሰብ ይሁዳን ሰብ ኢየሩሳሌምን፥ ናብኡ እናኸዱ ሓጢኣቶምውን እናተናዘዙ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ብእኡ ይጥመቑ ነበሩ።

6ዮሃንስ፥ ክዳኑ ኻብ ፀጕሪ ግመል ዝተሰርሐ፥ ዕጣቕ ሕቘኡ ድማ ኣዲም፥ ቀለቡውን ኣንበጣን መዓር ፅዴናን(ሐ) ነበረ።

7ንሱ ኸዓ “ካባይ ዝብርትዕ፥ ኣነ ደኒነ ስራኽ ኣሳእኑ ኽፈትሐሉ ዘይበቅዕ፥ ብድሕረይ ይመፅእ ኣሎ።

8ኣነ ብማይ ኣጥምቐኩም ኣለኹ፤ ንሱ ግና ብመንፈስ ቅዱስ ከጥምቐኩም እዩ” እናበለ ይሰብኽ ነበረ።

9በቲ ጊዜ እቱይ ከዓ፥ ኢየሱስ ካብ ናዝሬት ናይ ገሊላ መፀ፤ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ድማ፥ ብዮሃንስ ተጠመቐ።

10ኢየሱስ ካብ ማይ ምስ ወፀ፥ ሽዑ ንሽዑ ሰማያት እንትኽፈታ፥ መንፈስ ቅዱስ ድማ ኸም ርግቢ ኣብ ልዕሊኡ እንትወርድ(መ) ረአየ፤

11“ብኣኻ ዝተሓጐስኩ ዝፈትወካ ወደይ ንስኻ ኢኻ” ዝብል ድምፂ ኻብ ሰማያት መፀ።

12ሽዑ ንሽዑ ኸዓ መንፈስ [ቅዱስ] ናብ በረኻ ኣውፅኦ።

13ኣብቲ በረኻ ድማ፥ ብሰይጣን እናተፈተነ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ፀንሐ፤ ምስ ኣራዊት ከዓ ነበረ፤ መላእኽቲ እውን ኣገልገልዎ።

14ድሕሪ ምእሳር ዮሃንስ፥ ኢየሱስ ናብ ገሊላ መፂኡ፥ ወንጌል መንግስቲ እግዚኣብሄር ሰበኸ።

15“እዋኑ በፂሑ እዩ፤ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ እያ እሞ፥ ንስሃ እተዉ! ብወንጌልውን እመኑ!” ይብል ነበረ።

16ብጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኽሓልፍ እንተሎ፥ ስምኦንን ሓዉ እንድርያስን ኣስገርቲ ዓሳ ስለ ዝነበሩ፥ መርበቦም ናብ ባሕሪ ኸውርዱ እንተለዉ ረአየ።

17ኢየሱስ ድማ “ኣስገርቲ ሰብ ክገብረኩምስ ንዑ ተኸተሉኒ!” በሎም።

18ንሳቶም ድማ መርበቦም ሓዲጎም ሽዑ ንሽዑ ተኸተልዎ።

19ካብኡ ቑሩብ ሕልፍ ምስ በለ ድማ፥ ንያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ንሓዉ ዮሃንስን፥ ኣብ ጃልባኦም ኮይኖም መርበቦም ከተዓራርዩ እንተለዉ ረአዮም እሞ

20ፀውዖም። ንሳቶም ከዓ ነቦኦም ዘብዴዎስ ምስ ሰራሕተኛታቱ ኣብ ጃልባ ሓዲጎም ተኸተልዎ።

21ኢየሱስን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ቅፍርናሆም ከዱ፤ ኢየሱስ ድማ ብሰንበት ናብ ቤተ ፀሎት(ሠ) ኣይሁድ ኣትዩ ኽምህር ጀመረ።

22ከምቶም መምህራን ሕጊ ዘይኮነስ፥ ከም በዓል ስልጣን ይምህሮም ስለ ዝነበረ፥ ብትምህርቱ ተገረሙ።

23እንሆ ኸዓ ኣብቲ ቤተ ፀሎቶም፥ ርኹስ መንፈስ ዝሓደሮ ሓደ ሰብ ነበረ።

24እናእወየ “ናይ ናዝሬት ኢየሱስ፥ ንስኻ ምሳና እንታይ ኣለካ? ክተጥፍአናዶ መፂእኻ? ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ቅዱስ ምዃንካ ፈሊጠካ ኣለኹ” በለ።

25ኢየሱስ ድማ “ስቕ በል! ካብኡውን ውፃእ!” ኢሉ ገሰፆ።

26እቲ ርኹስ መንፈስ ከዓ፥ ነቲ ሰብኣይ ፈርፈር ኣበሎ፤ ብዓብዪ ድምፂ እናእወየ ድማ ኻብኡ ወፀ።

27ኵላቶም ከዓ “እንታይ ደኣ እዩ እዝ ሓድሽ ትምህርቲ እዙይ? ንርኹሳት መናፍስቲ ብስልጣን ይእዝዞም፤ ንሳቶምውን ይእዘዝዎ” እናበሉ ንስንሳቶም እናተጠያየቑ ተገረሙ።

28ሽዑ ዝናኡ ናብ ኵሉ ኸባቢ ገሊላ ወፀ።

29ሽዑ ኢየሱስ ካብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ወፂኡ፥ ምስ ያእቆብን ዮሃንስን፥ ናብ እንዳ ስምኦንን እንድርያስን ኣተወ።

30ሓማት ስምኦን ከዓ ረስኒ ሓሚማ ደቂሳ ነበረት እሞ፥ ሽዑ ብዛዕባኣ ነገርዎ።

31ኢየሱስ ድማ ናብኣ ቐሪቡ፥ ብኢዳ ሒዙ ኣተስኣ እሞ፥ እቲ ረስና ሽዑ ንሽዑ ሓደጋ፤ ንሳ ድማ ተሲኣ ኣገልገለቶም።

32ፀሓይ ዓሪቡ ምስ መሰየ፥ ንዅሎም ሕሙማትን ኣጋንንቲ ዝሓደርዎምን ናብኡ ኣምፅእዎም።

33ኵላቶም ሰባት እታ ኸተማ ድማ፥ ኣብቲ በሪ ተኣከቡ።

34ንሱ ድማ ብዝተፈላለየ ሕማም ንዝሳቐዩ ብዙሓት ሰባት ኣሕወየ፤ ብዙሓት ኣጋንንቲ እውን ኣውፅአ፤ እቶም ኣጋንንቲ ኸዓ፥ ንሱ መን ምዃኑ ይፈልጥዎ ስለ ዝነበሩ፥ ክዛረቡ ኣይፈቐደሎምን።

35ኢየሱስ ጎሕ እንተይቀደደ ገና ፀልማት እንተሎ ተሲኡ ወፀ፤ ናብ ፅምዊ ቦታ ኸይዱ ድማ ኣብኡ ፀለየ።

36ስምኦንን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ድማ ኽደልይዎ ኸዱ።

37ምስ ረኸብዎ ኸዓ፥ “ኵሉ ሰብ እኮ ይደልየካ እዩ ዘሎ” በልዎ።

38ንሱ ድማ “ኣብኡ ምእንቲ ኽሰብኽ፥ ናብተን ኣብ ከባቢ ዘለዋ ኻልኦት ዓድታት ንኺድ፤ ብዛዕባ እዙይ እየ መፂአ ዘለኹሞ” በሎም።

39ኣብ ኣብያተ ፀሎት ኣይሁድ እናሰበኸን ኣጋንንቲ እውን እናውፅአ፥ ኣብ ኵሉ ገሊላ ይዘዋወር ነበረ።

40ሓደ ለምፃም(ረ) ናብኡ መፂኡ፥ ተንበርኪኹ “ፍቓድካ እንተ ደኣ ኾይኑስ ክተንፅሀኒ ትኽእል ኢኻ” እናበለ ለመኖ።

41ኢየሱስ ከዓ ራህርሀሉ፤ ኢዱ ዘርጊሑ ድማ ዳህሰሶ፤ “ፍቓደይ እዩ ንፃህ!” በሎ።

42እዙይ ምስ በሎ ሽዑ ንሽዑ ኻብ ለምፁ ነፅሀ።

43ኢየሱስ ድማ “ንሓደኳ ኸይትነግር ተጠንቀቕ! ግና ኼድካ ንባዕልኻ ንካህን ኣርኢ፤ ንኣኣቶም ምስክር ምእንቲ ክኾኖም ድማ፥ ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ” ኢሉ ብብርቱዕ ኣጠንቀቖ።

45ንሱ ግና ወፂኡ ብዙሕ ኽነግር ጀመረ፤ ስለዙይ ኢየሱስ ብገሃድ፥ ናብ ከተማ ምእታው ኣይከኣለን፤ ኣብ ፅምዊ ቦታ ደኣ ነበረ እምበር፤ እቶም ህዝቢ ድማ ኻብ ኵሉ ቦታ ናብኡ ይመፁ ነበሩ።

ትርጓሜ

1:1-8። ኢሳይያስን ማላኽይን ነፍሲ ወከፎም ብዛዕባ ምጅማር ወንጌል የሱስ ክርስቶስ፣ ብኣገልግሎት ዮሃንስ ተዛሪቦም ነበሩ። ካብዞም ነብያት እዚኦም ክንርኢ ንኽእል ኢና፣ ክርስቶስ ብወንጌሉ ኣብ ማእከልና ከም ዝመጽእ፣ ምስኡ መዝገብ ጸጋን ዘንጊ ግዝኣትን ኣምጺኡ። ብልሽውና ዓለም ክሳዕ ክንድዚ ስለ ዝኾነ፣ ንምዕባለኡ ዓብዪ ተቓውሞ ኣሎ። ኣምላኽ ወዱ ናብ ዓለም ክሰድድ ከሎ ኣቓልቦ ሂቡ፣ ናብ ልቢ ክሰዶ ከሎ’ውን ኣቓልቦ ይገብር፣ መገዱ ቕድሚኡ ንምድላው።

ዮሃንስ ንርእሱ እቲ ዝንኡስ ኣገልግሎት ብዛዕባ ክርስቶስ’ውን ዘይበቅዕ ይቖጽር ነበረ። እቶም ዝበለጹ ቅዱሳን ወትሩ እቶም ዝትሑታት እዮም ነይሮም። ካብ ካልኦት ንላዕሊ፡ ደም ቤዛነት ክርስቶስን መንፈስ ቅዱስ ንምቅዳስን ከም ዜድልዮም ይስምዖም። ክርስቶስ ብወንጌሉ ንዝተናስሑን ሓጢኣቶም ንዝተሓደገሎምን ዝህቦ ዓብዪ ተስፋ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ክጥመቑ፣ ብጸጋታቱ ክንጽሑ፣ ከምኡ’ውን ብምጽንናዑ ክሕደሱ እዮም። ንትእዛዛት፣ ቃልን፣ ምስጢራትን መብዛሕትኡ ግዜ ብዘይ ረብሓን ምጽንናዕን ንጥቀም፣ ምኽንያቱ እቲ ሰማያዊ ብርሃን ኣብ ውሽጥና ስለ ዘየብለና፤ ከምኡ’ውን ስለ ዘይንሓትት ስለ ዘየብለና፤ ከመይሲ ዘይፈሽል ቃሉ ኣለና፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ነዚ ብርሃን እዚ፡ ማለት መንፈስ ቅዱስ፡ ንዝሓተትዎ ከም ዝህቦም።

1:9-13 ጥምቀት ክርስቶስ ንነዊሕ እዋን ብዘይፍለጥ ድሕሪ ምንባሩ፡ ናይ ህዝቢ ቅድሚት ዝቐረበሉ ግዜ ነበረ። ክንደይ ዝኸውን ኣብዛ ዓለም ዘይፍለጥ ሕቡእ ክብርታት ኣሎ! ግና ኸኣ ከምቲ ክርስቶስ እተፈልጠ፡ ቶሎ ይኹን ንድሕሪት፡ ኪፍለጥ እዩ። ንሱ ኸም ኣምሳል ሓጢኣተኛ ስጋ ለበሰ። በዚ ኸኣ፡ ምእንቲ ኣባና፡ ንርእሱ ቀደሰ፡ ምእንቲ ድማ ንሕና እውን ክንቅደስን ምስኡ ክንጥመቕን (ዮሃ 17:19)።

ንጥምቀት ዮሃንስ ኣብ ዝተገዝኣሉ እዋን፡ ኣምላኽ ከመይ ብኽብሪ ከም ዝረኸቦ እምበኣር ተመልከት። መንፈስ ኸም ርግቢ ኮይኑ ኣብኡ ኪወርድ ከኣ ረኣየ። መንፈስ ኪወርድን ኣብ ልዕሌና ኪሰርሕን ከሎ እንተ ኣስተውዓልና፡ ሰማይ ኣብ ቅድሜና ተኸፊቱ ክንርኢ ንኽእል ኢና። ሰናይ ስራሕ ኣምላኽ ኣብ ውሽጥና፡ ጽቡቕ ፍቓዱ ናባናን ምድላዋቱን ንኣባና ዘሎ ናይ ርግጽ መርኣያ እዩ።

ብዛዕባ ፈተና ክርስቶስ፡ ማርቆስ ኣብ በረኻ ምንባሩን ምስ ኣራዊት ምውዓሉን ይጠቅስ። እዚ ድማ ኣቦኡ ንእኡ ከም ዝሓልዮ ዘርኣየ፡ ኣቦኡ ኸኣ ኪኣልዮ ምዃኑ ዝያዳ ዘተባብዖ እዩ። ፍሉያት ምሕላዋት ንግዜያዊ ኣድላዪ ምድላዋት መወሳወሲ እዮም። ተመን ንቀዳማይ ኣዳም ኣብ ገነት ፈተኖ፡ ንኻልኣይ ኣዳም ድማ ኣብ በረኻ ፈተኖ። ብዝተፈላለየ ፍረ ድማ እዩ። ካብኡ ጀሚሩ ድማ ንውሉድ ክልቲኦም ኣብ ኩሉ ቦታታትን ኩነታትን ይፍትኖም ኣሎ። ምትእኽኻብን ዕላልን ናይ ገዛእ ርእሶም ፈተናታት ኣለዎም። በይንኻ ምንባር፡ ኣብ በረኻ እኳ እንተኾነ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ፈተናታት ኣለዎ።

ዝኾነ ቦታ ወይ ኩነታት ካብ ፈተና ኣየድሕንን እዩ። ዝኾነ ዕዮ፡ ሕጋዊ ስራሕ፡ ምብላዕ ወይ ምስታይ እውን ኣይኮነን፡ ጾምን ጸሎትን እውን ከይተረፈ። ብዙሕ ግዜ ኣብዚኦም ግዴታት እቲ ዝዓበየ መጥቃዕቲ ይፍጸም፡ ግናኸ ኣብኦም እዩ እቲ ዝጥዕም ዓወት ዝርከብ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6