1ሰንበት ምስ ሓለፈት፥ ማርያም መግደላዊትን ማርያም እኖ ያእቆብን፥ ሰሎሜን ስጋ ኢየሱስ ኽቐብኣ ምዑዝ ሽቱ ዓደጋ።
2በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፥ ንጉሆ ፀሓይ ክትበርቕ እንተላ፥ ናብቲ መቓብር ገስገሳ።
3ንስንሳተን ከዓ “ነቲ እምኒ ኻብቲ ኣፍ መቓብር መን ከልዕለልና እዩ?” ተበሃሃላ፤ እቲ እምኒ የመና ገዚፍ ነበረ እሞ።
4ቅንዕ ኢለን እንተ ጠመታ፥ እቲ እምኒ ተገልቢጡ ረአያኦ።
5ናብቲ መቓብር ኣትየን ከዓ፥ ፃዕዳ ኽዳን ዝተኸደነ ጐበዝ፥ ብወገን የማን ተቐሚጡ ምስ ረአያ የመና ደንገፃ።
6ንሱ(ሀ) ግና “ኣይትደንግፃ፤ ንስኻትክንስ ነቲ ዝተሰቕለ፥ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ኢኽን እትደልያ ዘለኽን፤ ተሲኡ እዩ፤ ኣብዙይ የለን፤ እቲ ዝተቐበረሉ ቦታ እንሆ።
7ስለዙይ ኪዳ ንደቀ መዛሙርቱን ንጴጥሮስን፥ ‘ናብ ገሊላ ኽቕድመኩም እዩ፤ ከምቲ ዝበለኩም ከዓ፥ ኣብኡ ኽትሪእዎ ኢኹም’ ኢልክን ንገራኦም” በለን።
8ፍርሓትን ራዕድን ምድናቕን ሒዝወን ነበረ እሞ፥ ካብቲ መቓብር ወፂአን ጐየያ፤ ፈሪሐን ስለ ዝነበራ ኸዓ፥ ንሓደኳ ኣይነገራን።
9በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይ ሰሙን ንግሆ ኻብ ምውታን ምስ ተስአ፥ ነታ ሸውዓተ ኣጋንንቲ ዘውፅአላ ማርያም መግደላዊት ኣቐዲሙ ተርኣያ።
10ንሳ ድማ ኸይዳ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ፥ እናበኸዩን እናጐሃዩን እንተለዉ ነገረቶም።
11ንሳቶም ግና ንሱ ህያው ከም ዝኾነን፥ ንኣኣውን ከም ዝተርኣያን ሰሚዖም ኣይኣመንዋን።
12ድሕሪዙይ ኢየሱስ ንኽልተ ኻብኣቶም ካብቲ ኸተማ ወፃኢ ናብ ዝርከብ ዓዲ እናኸዱ እንተለዉ ኣብ መንገዲ ብኻልእ መልክዕ ተርኣዮም።
13ንሳቶም ከዓ ተመሊሶም ነቶም ብፆቶም ነገርዎም፤ እንተ ኾነ ንኣኣቶምውን ኣይኣመንዎምን።
14ብድሕሪኡ ነቶም ዓሰርተ ሓደ ደቀ መዛሙርት፥ ኣብ ማእዲ ተቐሚጦም እንተለዉ ተርኣዮም፤ ነቶም ምስ ተስአ ዝረአይዎ ኣይኣመንዎምን ነበሩ እሞ፥ ብዘይ ምእማኖምን ብትረት ልቦምን ገሰፆም።
15ከምዙይውን በሎም፦ “ናብ ኵሉ ዓለም ኪዱ፤ ንዅሉ ፍጥረት ከዓ፥ ወንጌል ስበኹ።
16እቲ ዝኣመነን ዝተጠመቐን፥ ክድሕን እዩ፤ እቲ ዘይኣመነ ግና፥ ክዅነን እዩ።
17ነቶም ዝኣምኑ፥ እዞም ምልክታት እዚኣቶም ክኽተልዎም እዮም፦ ብስመይ ኣጋንንቲ ኸውፅኡ፥ ብሓደሽቲ ቛንቋታት ክዛረቡ፥
18ኣትማን ክሕዙ፥ ዝቐትል መርዚ እንተ ሰተዩውን ከቶ ኣይጐድኦምን፤ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ሕሙማት እንተ ኣንበሩ፥ እቶም ሕሙማት ክሓውዩ እዮም።”
19ጐይታና ኢየሱስ ነዙይ ምስ ተዛረቦም፥ ናብ ሰማይ ዓረገ፤ ኣብ የማን እግዚኣብሄርውን ተቐመጠ።
20ደቀ መዛሙርቱ ድማ፥ ወፂኦም ኣብ ኵሉ ሰበኹ፤ ጐይታ ኸዓ ምስኣቶም ይሰርሕ ነበረ፤ ነቲ ቓሉውን በቲ ዝግበር ተኣምራት የፅንዖ ነበረ። ኣሜን።