1ናብ ኢየሩሳሌም ንምእታው፥ ጥቓ ደብረ ዘይት ናብ ዘለዋ ቤተ ፋጌን ቢታንያን ምስ ቀረቡ፥ ክልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ለኣኸ።
2“ኣብ ቅድሜኹም ናብ ዘላ ዓዲ ኺዱ፤ ናብኣ ምስ ኣተኹም፥ ሰብ ዘይተቐመጦ እሱር ገልገል ኣድጊ ኽትረኽቡ ኢኹም፤ ፈቲሕኹም ኣምፅኡለይ።
3ዝኾነ ሰብ እንታይ ትገብሩ ኣለኹም እንተበለኩም፥ ‘ጐይታ ይደልዮ ኣሎ’ በሉዎ፤ ሽዑ ኽሰዶ እዩ” በሎም።
4ምስ ከዱ ኸዓ፥ ነቲ ገልገል ኣድጊ፥ ኣብ ደገ ኣብ ጥቓ መንገዲ ተኣሲሩ ረኺቦም ፈትሕዎ።
5ካብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ገሊኣቶም “ነቲ ገልገል ኣድጊ ንምንታይ ትፈትሕዎ ኣለኹም?” በልዎም።
6ንሳቶም ድማ ኸምቲ ኢየሱስ ዝበሎም በልዎም እሞ ሓደግዎም።
7ነቲ ገልገል ኣድጊ ናብ ኢየሱስ ወሰድዎ፤ ክዳውንቶምውን ጐዝጐዙሉሞ፥ ኣብ ልዕሊኡ ተቐመጠ።
8ብዙሓት ሰባት ኣብቲ መንገዲ ኽዳውንቶም ጐዝጐዙ። ካልኦትውን ካብ ኣእዋም ጨናፍር እናሰልዑ ይንስንሱ ነበሩ።
9እቶም ዝመርሑን እቶም ዝስዕቡን ድማ “ሆሳዕና! ብስም እግዚኣብሄር ዝመፅእ ቡሩኽ እዩ!
10እታ እትመፅእ ዘላ መንግስቲ ኣቦና ዳዊትውን ብርኽቲ እያ፤ ሆሳዕና ኣብ ኣርያም!” እናበሉ ዓው ኢሎም ድምፂ የስምዑ ነበሩ።
11ኢየሱስ ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በፅሐ፥ ናብ ቤተ መቕደስ ኣተወ፤ ኣብ ዙርያኡ ግልፅ እናበለ ንዅሉ ምስ ረአየ፥ መስዩ ነበረ እሞ ምስቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ቢታንያ ኸደ።
12ንፅባሒቱ ኻብ ቢታንያ ኽወፁ እንተለዉ ኢየሱስ ጠመየ።
13ብርሑቕ ድማ ቘፃል በለስ ረአየ፤ ፍረ እንተ ረኸበላ ኽርኢውን ናብኣ ኸደ፤ ኣብኣ ምስ በፅሐ ኸዓ፥ ጊዜ በለስ ስለ ዘይነበረ፥ እንትርፊ ቘፅሊ ፍረ ኣይረኸበላን።
14ኢየሱስ “ደጊም ካባኺ ሓደኳ ንዘለኣለም ፍረ ኣይብላዕ!” በላ፤ ደቀ መዛሙርቱውን ሰምዕዎ።
15ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በፅሑ፥ ኢየሱስ ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ፥ ነቶም ኣብታ ቤተ መቕደስ ኮይኖም ዝሸጡን ዝዕድጉን ዝነበሩ ኽሰጎም ጀመረ። ጠረጴዛ መሽረፍትን መደርደሪ ሸየጥቲ ርግብን ገምጠለ።
16ሓደኳ ኣቕሓ ፆይሩ፥ በታ ቤተ መቕደስ ክሓልፍ ኣይፈቐደን።
17“ ‘ቤተይ ንዅሎም ኣህዛብ፥ ቤተ ፀሎት ተብሂሉ ኽፅዋዕ እዩ’ ዝብልዶ ተፅሒፉ የለን እዩ? ንስኻትኩም ግና በዓቲ ኸተርቲ(ሀ) ገበርኩምዎ” በሎም።
18ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ሰሚዖም፥ ከመይ ገይሮም ከም ዝቐትልዎ ይሓስቡ ነበሩ። እንተ ኾነ ዅሉ ህዝቢ፥ ብትምህርቱ ይድነቕ ስለ ዝነበረ፥ ፈርሕዎ።
19ምስ መሰየ ድማ ኻብታ ኸተማ ወፀ።
20ንግሆ ኽሓልፉ እንተለዉ፥ እታ በለስ ካብ ሱራ ነቒፃ ረአይዋ።
21ጴጥሮስ ድማ ዘከረ እሞ “መምህር፥ እታ ዝረገምካያ በለስ እኒሃ ነቒፃ” በሎ።
22ኢየሱስ ከዓ መሊሱ፥ “ብእግዚኣብሄር እመኑ፤
23ኵሉ እቲ ዝልምኖ ኸም ዝፍፀም እንተይተጠራጠረ ብልቡ ዝኣምን፥ ነዝ እምባ እዙይ ‘ካብዙይ ተልዒልካ ናብቲ ባሕሪ ተወርወር’ እንተ በሎ፥ ከም ዝኾነሉ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
24ስለዙይ ኵሉ እትፅልይዎን እትልምንዎን፥ ከም ዝተቐበልኩምዎ እመኑ እሞ፥ ክኾነልኩም እዩ እብለኩም ኣለኹ።
25ክትፅልዩ እንተለኹም ከዓ፥ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም በደልኩም ምእንቲ ይቕረ ኽብለልኩም፥ ንብፃይኩም ዝተቐየምኩምዎ እንተ ሃልዩ፥ ይቕረ በሉሉ።
26ንስኻትኩም ይቕረ እንተ ዘይልኩም፥ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኻትኩምውን፥ በደልኩም ይቕረ ኣይብለልኩምን እዩ” በሎም።
27መሊሶም ናብ ኢየሩሳሌም መፁ፤ ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ክመላለስ እንተሎ፥ ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ዓበይትን ናብኡ መፁ።
28“በየናይ ስልጣን እዝ ነገራት እዙይ ትገብር ኣለኻ? ወይ ከዓ ነዝ ነገራት እዙይ ኽትገብር ስልጣን ዝሃበካኸ መን እዩ?” በልዎ።
29ኢየሱስ ድማ “ሓንቲ ነገር ክጥይቐኩም መልሱለይ፤ ኣነውን በየናይ ስልጣን፥ ነዝ ነገራት እዙይ ከም ዝገብር ክነግረኩም እየ።
30ጥምቀት ዮሃንስ ካብ ሰማይ(ለ) ድዩ ነይሩ ወይ ካብ ሰብ? እስኪ መልሱለይ” በሎም።
31ንሳቶም ከዓ “ካብ ሰማይ እንተ በልናዮ፥ ከመይ ደኣ ዘይኣመንክምዎ ኽብለና እዩ፤ ካብ ሰብዶ ኽንብሎ?” በሉ። እንተ ኾነ እቶም ህዝቢ ዅሎም፥ ንዮሃንስ ከም ነቢይ ይሪእዎ ስለ ዝነበሩ ነቲ ህዝቢ ፈርሑ።
33ስለዙይ “ኣይንፈልጥን” ኢሎም መለሱሉ፤ ኢየሱስ ከዓ “ኣነውን በየናይ ስልጣን ነዙይ ከም ዝገብር ኣይነግረኩምን” በሎም።