ትንቢት ሚክያስ 5

BCVትግርኛ15 ፍቕድታት3:12 ስማዕ
ስማዕ 3:12 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኣቲ ጓል ጭፍራታት ጭፍራኺ ሕዚ ኣክቢ፤ ከቢቡ ኣጨኒቑና እዩ፤ ንፈራዲ እስራኤልውን ምዕጕርቱ ብበትሪ ይወቕዕዎ ኣለዉ።

2“ኣቲ ኣብ ምድሪ ኤፍራታ ዘለኺ ቤተልሔም፥ ንስኺ ኻብተን ኣብ ይሁዳ ዘለዋ ኣእላፋት ዝነኣስኪ ኢኺ። ትውልዱ ኻብ ጥንቲ፥ ካብ ዘለኣለም ዝኾነ፥ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ክኸውን ዘለዎ ኻባኺ ኽወፀለይ እዩ።”

3ስለዙይ ክሳዕ እታ ወላዲቱ ንእኡ እትወልደላ ዘመን፥ ኣሕሊፉ ኽህቦም እዩ። ብድሕሪኡ ግና እቶም ዝተረፉ ኣሕዋቱ፥ ናብ ደቂ እስራኤል ክምለሱ እዮም።

4ንሱ ብሓይሊ እግዚኣብሄርን፥ ብግርማ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኹን፥ ንመጓሰኡ ክጓስየን እዩ። ሽዑ ንሱ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ዓብዪ ክኸውን እዩ እሞ፥ ንሳቶምውን ክነብሩ እዮም።

5ንሱ ንሰላም ክኸውን እዩ። ኣሶራዊ ናብ ሃገርና ምስ ኣተወ ምድርናውን ምስ ረገፀ፥ ሸውዓተ ጓሶትን ሸሞንተ ኣሕሉቕን ክነተስአሉ ኢና።

6ንሳቶም ንሃገር ኣሶር ብሰይፊ፥ ንሃገር ናምሩድ ከዓ፥ ኣብ በርታት ከጥፍእወን እዮም። እቲ ኣሶራዊ ናብ ሃገርና ምስ መፀ፥ ወሰንና ድማ ምስ ረገፀ፥ ንሱ ኸናግፈና እዩ።

7እቲ ተረፍ ያእቆብ፥ ኣብ ማእኸል ብዙሓት ኣህዛብ፥ ከምቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝወርድ ጠሊ፥ ኣብ ልዕሊ ሳዕሪ ኸም ዝወርድ ካፋ ንሰብ ከም ዘይሕሉ፥ ኣብ ደቂ ሰባትውን ተስፋ ኸም ዘይገብር ክኸውን እዩ።

8እቲ ተረፍ ያእቆብ ከዓ ኣብ መንጎ ኣህዛብን፥ ኣብ መንጎ ብዙሓት ህዝብታትን ከም ኣንበሳ፥ ኣብ ማእኸል እንስሳትን፥ ኣብ ማእኸል መጓሰ ኣባጊዕን፥ ሓሊፉ ከም ዝረጋግፅ፥ ዘናግፍ ከዓ ዘየለ ከም ዝምንጥል፥ ከም ሽደን ኣንበሳ ክኸውን እዩ።

9ኢድካ ኣብ ልዕሊ ፀላእትኻ ልዕል ልዕል ክትብል እያ፤ ኵሎም ፀላእትኻውን ክጠፍኡ እዮም።

10እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “በታ መዓልቲ እቲኣ ነፍራስካ ኻብ ማእኸልካ ኸጥፍእ፥ ንሰረገላታትካውን ክሰባብሮ እየ።

11ንኸተማታት ምድርኻ ኸጥፍአን፥ ንዅሉ ዕርድታትካ ድማ ኸፍርሶ እየ።

12ጥንቈላኻ ኻብ ኢድካ ኸጥፍእ እየ፤ ድሕሪ ደጊምውን ጠንቈልቲ ኣይህልዉኻን እዮም።

13ነቲ ፅሩብ ምስልታትካን ሓወልቲታትካን ካብ ማእኸልካ ኸጥፍኣ እየ። ድሕሪዙይውን ነቲ ስራሕ ኣእዳውካ ኣይትሰግድን ኢኻ።

14ንመምለኺ ዓፀዳትካ ካብ ማእኸልካ ኽነቕሎ፥ ንኸተማታትካ ኸዓ ኸዕንወን እየ።

15ነቶም ዘይሰምዑ ኣህዛብ ከዓ ብቝጥዓን ብመዓትን ሕነ ኽፈዲ እየ።”

ትርጓሜ

5:1-6

ዳዊት ስድራ ቤቱ ክሳብ ክንደይ ናብ ዝሑል ደረጃ ከም እትወርድ ድሕሪ ምግላጹ፥ ንእምነት ህዝቢ ኣምላኽ ንምብራት ትንቢት ብዛዕባ መሲህን መንግስቱን ተወሲኹ ኣሎ። ንዘለኣለም ኣምላኽ ኮይኑ ምንባሩን ከም መናስስቱ ዘለዎ ኣገልግሎቱን ተጠቒሱ ኣሎ። በዚ ድማ ቤትልሄም መበቆሉ ከም ዝኸውን ተተንቢኡ። ስለዚ ኣብ ማእከል ኣይሁድ ብፍጹም ዝፍለጥ ነበረ (ማቴ 2:5)። ምምሕዳር ክርስቶስ ንተገዛእቱ ኣዝዩ ሕጉስ ክኸውን እዩ፤ ድሕንነትን ዕረፍትን ክረኽቡ እዮም። ትሕቲ ጽላል ምክልኻል ካብ ኣሶራውያን ዝብል፥ ንቤተ ክርስትያን ወንጌልን ንኹሎም ምእመናንን ካብ ዕላማታትን ፈተነታትን ሓይልታት ጸልማት ዝኸውን ተስፋ ምክልኻል እዩ።

ክርስቶስ ከም ካህን፣ ንሓጢኣት ቤዛ ምግባሩን ምስ ኣምላኽ ዝዓርቐናን ሰላምና እዩ፤ ከም ንጉስ ድማ ንጸላእትና ብምስዓር ሰላምና እዩ። ስለዚ ነፍሳትና ብእኡ ዕረፍቲ ክረኽባ ይኽእላ። ክርስቶስ ንምክልኻልን ምድሓንን መሳርሒታት ከውፍር እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6