ትንቢት ሚክያስ 2

BCV aksumትግርኛ13 ፍቕድታት2:57 ስማዕ
ስማዕ 2:57 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እቶም በደል ዝምህዙ፥ ኣብ መደቀሲኦም ከዓ ኽፉእ ዝፍሕሱ ወይለኦም! ስልጣን ኣብ ኢዶም ስለ ዝኾነ፥ ብብርሃን ወጋሕታ ኽፍፅምዎ እዮም።

2ገራሁ ይብህጉ፥ ይሕዝዎውን፤ ኣባይቲ ይምነይዎ፥ ይወስድዎውን፤ ንሰብኣይን ንቤቱን፥ ንሰብን ንርስቱን ይምንጥሉ።

3ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣብ ልዕሊ እዝ ወለዶ እዙይ፥ ክፉእ ክምህዘሉ እየ፤ እንሆ፥ ክፉእ ዘመን እዩሞ ኽሳድኩም ኣይተልዕሉን፤ ተዓቢኹም ከዓ ኣይትኸዱን።

4በታ መዓልቲ እቲኣ ብምስላ ኽምስሉልኩም ብፅኑዕ መልቀስውን ከልቅሱልኩም እዮም፤ “ንሳቶምውን ፈፂምና ጠፊእና ኢና፤ ነቲ ግደ ህዝበይ ይሰፍር፤ ንእኡ ዝኽልክል የለን፤ ነቲ ገራሁና ንኸዳዕተኛታት ይዕድል” ይብሉ።

5ስለዙይ ኣብ ማእኸል ጉባኤ እግዚኣብሄር፥ መሬት ብዕፃ ገመድ ዘውድቕ ኣይህልወካን።

6ነቶም ዝንበዩ ኣይትነበዩ ይብልዎም፤ ብኣኣቶም ትንቢት እንተ ዘይተናገሩኳ ነውሮም ኣይርሕቕን።

7“ኣታ ቤት ያእቆብ እትብሃል! ብሓቂ መንፈስ እግዚኣብሄር ዘይዕገስ ድዩ? ስራሑኸ ኸምዙይ ድዩ? ቃለይስ ብቕንዕና ንዝኸይድ ሰናይዶ ኣይገብርን?

8“ግና ኻብ ቀረባ ጊዜ፥ ህዝበይ ከም ፀላኢ ኾይኑ ተልዓለ፤ ሓሳብ ውግእ ካብ ዘይነበሮም፥ ብሰላም ካብ ዝሓልፉ ሰባት፥ ባርኖስ ካብ ልዕሊ ቐሚሾም ገፈፍኩም።

9ነንስቲ ህዝበይ ካብ ዝፈትዋኦ ኣባይተን ሰጐጕኩምወን፤ ካብ ደቀን ክብረይ ንዘለኣለም ወሰድኩም።

10ብሰንኪ እቲ ሕሱም ጥፍኣት ዘምፅእ ርኽሰት፥ ኣብዝ ስፍራዙይ ዕረፍቲ የብልኩምንሞ ተስኡ ኺዱ።

11“ንንፋስ ተኸቲሉ ስለ ወይንን ስለ ስኽራንን ትንቢት ክነግረካ እየ ኢሉ፥ ሓሰት ዝዛረብ ሰብ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ነዝ ህዝቢ እዙይ ነቢይ ይኸውን።

12“ኦ ያእቆብ፥ ኵለንትናኻ ፈፂመ ኽእክበካ እየ፤ ተረፍ እስራኤልውን ብርግፅ ክእክብ እየ። ከምተን ኣባጊዕ ባሶራ፥ ኣብ መጓሰይኣ ኸም ዘላ መጓሰ ብሓደ ኽእክቦም እየ። ካብ ብዝሒ ሰብ ዝተልዓለ፥ ድምፆም ከስምዑ እዮም።

13እቲ ሰባሪ ወፂኡ ቀቅድሚኣቶም ይኸይድ፤ ንሳቶምውን ሰይሮም ናብቲ በሪ ይሓልፉ፤ ብእኡውን ይወፁ። እግዚኣብሄር እናመርሖም ንጉሶም ቀቅድሚኣቶም ክኸይድ እዩ።”

ትርጓሜ

2:1-5

ወይለኦም ነቶም ብለይቲ እኩይ ዝሓስቡ፡ ብተግባር ንምውዓሉ ድማ ንጽብሖም ቀዲሞም ዝለዓሉ። ብድንገት ዝመጸ ሕማቕ ተግባር ምፍጻም ሕማቕ እዩ፡ ግን ብሓሳብን ብምጥንቋይን ምግባሩ ካብኡ ዝኸፍአ እዩ። ሰዓታት ገድግድን ጽሞናን ብግቡእ መገዲ ምምዕባልን ምጥቃምን ዓብዪ ጥቕሚ ኣለዎ። ስስዔ ኣብ ልቢ እንተነገሰት፡ ምሕረት ይጠፍእ። ልቢ ብእዚ እንተተታሒዙ ድማ፡ ዓመጽን ምትላልን ብቐሊሉ ንኣእዳው ይወርሰን። እቶም ብብልጽግናኦም ዝበዝሐ ትዕቢት ዘለዎም ወይ ዝተኣማመኑ፡ ብሓፈሻ ብጸበባ እዋን ተስፋ ንምቑራጽ ዝቐልጡ እዮም። ወይለኦም ነቶም ኣምላኽ ዝጥንብሎም! እዚኣቶም እቲ ዝኸፍአ መከራታት እዮም፡ ናይ እግዚኣብሔር ማሕበር ዘርሕቑና ወይ ድማ ካብ ምጥቃም መሰላቱ ዘቑርጹና።

2:6-11 ምኽንያቱ፡ “ኣይትነብዩ” ስለ ዝበሉ፡ ኣምላኽ ድማ ብቓሎም ክቕበሎም እዩ፡ ሓጢኣቶም ድማ ቅጽዓቶም ክኸውን እዩ። እቲ ዘይሓውይ ሕሙም ድማ፡ ሓኪም ደጊም ከይከታተሎ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6