ትንቢት ሚክያስ 1

BCVትግርኛ16 ፍቕድታት5:57 ስማዕ
ስማዕ 5:57 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ብዘመን ኢዮኣታምን ኣካዝን ሕዝቅያስን ነገስታት ይሁዳ፥ ብዛዕባ ሰማርያን ኢየሩሳሌምን ሞሬታዊ ሚክያስ ዝረኣዮ ናብኡ ኸዓ ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ።

2ኣቱም ህዝብታት ኵልኻትኩም፥ ስምዑ፤ ምድሪ እውን ብምልእታ ትስማዕ፤ ጐይታ እግዚኣብሄር ንሱውን እቲ ኣብ ቅዱስ መቕደሱ ዝኾነ ጐይታ ኣብ ልዕሌኹም ይመስክረልኩም።

3እንሆ እግዚኣብሄር ካብ ቅዱስ ስፍራኡ ኽወፅእ እዩ፤ ወሪዱ ድማ ኣብ በረኽቲ ምድሪ ኽረግፅ እዩ።

4ሽዑ እምባታት ከምቲ ሽምዒ ኣብ ቅድሚ ሓዊ፥ ከምቲ ብፀድፊ ወሪዱ ዝፈስስ ማይ ኣብ ትሕቲኡ ይመኩ፤ ሽንጥሮታት ከዓ ኽጭደዱ እዮም።

5እዝ ዅሉ፥ ብሰንኪ በደል ያእቆብን፥ ብሰንኪ ሓጢኣት ቤት እስራኤልን እዩ። በደል ያእቆብ እንታይ እዩ? ሰማርያዶ ኣይኮነትን? በረኽቲ መስገዲ ይሁዳ እንታይ እዩ? ኢየሩሳሌምዶ ኣይኮነትን?

6ስለዙይ “ንሰማርያ ኸም ኣብ ሜዳ ዘሎ ኹምራ እምንን፥ ከም ቦታ ኣታኽልቲ ወይንን ክገብራ እየ። ነእማና ናብ ሽንጥሮ ኽውርውሮ፥ ንመሰረታ ኸዓ ኽቐልዖ እየ።

7እቲ ቕሩፅ ምስልታታ ክሰባበር እዩ። እቲ ዅሉ ዋጋ ምንዝርናኣውን ብሓዊ ኽቃፀል እዩ። ብዋጋ ምንዝርና ኣኪባቶም፥ መሊሶም ድማ ዋጋ ምንዝርና ክኾኑ እዮም እሞ፥ ኣነ ንዅላቶም ጣዖታታ ኽሰባብሮም እየ።”

8“በዝ ምኽንያት እዙይ እበክን፥ ዋይ ዋይ እብልን፥ ጥራሕ እግረይን ጥራሕ ሰብነተይን ኮይነ እኸይድ፥ ከም ውኻርያ እበኪ፥ ከም ሰገን ከዓ ድምፂ ሓዘን ኣስምዕ ኣለኹ።

9ቍስላ ዘይሓዊ እዩሞ፥ ክሳዕ ይሁዳ መፂኡ፥ ኣብ ኣፍ ደገ ህዝበይ፥ ክሳዕ ኢየሩሳሌም በፂሑ እዩሞ።”

10ኣብ ጌት ኣይተውርይዎ፤ ኣብ ልዕሊ ኣኮ ብኽያት ኣይትብከዩ። ኣብ ቤት ኦፍራ ግና ኣብ ሓመድ ተንከባለሉ።

11ኣቲ ኣብ ሳፊር እትነብሪ፥ ዕርቃንኪ ወፂእኺ ብሕፍረት ሕለፊ፤ እታ ኣብ ፀዓናን እትነብር፥ ካብኡ ኣይወፀትን። ብኽያት ቤትኤፄል ስፍራኡ ኣሕደገኩም።

12መዓት ካብ እግዚኣብሄር ክሳዕ ደገ ኢየሩሳሌም ወሪዱ እዩ እሞ፥ እታ እትነብር ሰናይ ነገር ትፅበ ኣላ።

13ኣቲ ኣብ ላኪሶ እትነብሪ፥ ነቶም ኣፍራስ ኣብ ሰረገላ ፅመድዮም። በደል እስራኤል ኣባኺ ተረኺቡ እዩ እሞ፥ ንጓል ፅዮን ናይ መጀመርያ ሓጢኣት ነበረት።

14ስለዙይ ንሞሬሼትጌት ውህብቶ ኽትወሃቢ ኢኺ፤ ኣባይቲ ኣኽዚብ ንነገስታት እስራኤል መጠበሪ ክኾኑ እዮም።

15ኣቲ ኣብ ማሬሻ እትነብሪ፥ ዝወርስ ከምፀአልኪ እየ፤ ክብሪ እስራኤል ድማ ናብ ኣዶላም ክመፅእ እዩ።

16እቶም እትሕጐስሎም ደቅኺ፥ ካባኺ ተማሪኾም ከይዶም እዮም እሞ፥ ፀጕርኺ ንፀዪ፤ ርእስኺውን ላፅዪ፤ ነቲ ነዃዕኪ ድማ ኸም ናይ ንስሪ ኣግፍሒዮ።

ትርጓሜ

ምዕራፍ 1:1-7 ምድሪ ምስ ኩሎም እቶም ኣብኣ ዘለዉ ንነብዪ ንምስማዕ ተጸዊዓ ኣላ። ቅድስቲ ቤተ-መቕደስ ኣምላኽ ንሓሰውቲ ተኣመንቲ ኣይተናግፍን እያ። ልዑላት ሰባት ከም ኣኽራናት ይኹኑ ድሑራት ሰባት ከም ጐልጐላት፣ ንርእሶም ወይ ንሃገር ካብ ፍርድታት ኣምላኽ ከናግፉ ኣይክእሉን እዮም። ሓጢኣት ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ እንተተረኺቡ፣ ንሳቶም ኣይርሕርሓሎምን እዩ፤ ሓጢኣቶም ድማ ንእኡ ብዝበለጸ የቖጥዑዎ፣ ከመይሲ ብዝበለጸ የሕስሩዎ እዮም። ነቲ ቕጽዓት ሓጢኣት ክንጥዕሞ ከሎና፣ እቲ እንቕጽዓሉ ዘሎና ሓጢኣት እንታይ ምዃኑ ንምድላይ ይግባኣና። እቶም ዝለዓሉ ሰባትን ቦታታትን ብዝበለጸ ንመንፈሳውያን ሕማማት ዝተቓልዑ እዮም። እኩይ ተግባራት ናይ መራሕትን ገዛእትን ብርግጽን ብብርቱዕን ክቕጽዑ እዮም።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG በይሁዳ ነገሥታት በኢዮአታምና በአካዝ በሕዝቅያስም ዘመን ወደ ሞሬታዊው ወደ ሚክያስ የመጣው፥ ስለ ሰማርያና ስለ ኢየሩሳሌም ያየው፥ የእግዚአብሔር ቃል ይህ ነው። አማርኛ ENGNIV The word of the Lord that came to Micah of Moresheth during the reigns of Jotham, Ahaz and Hezekiah, kings of Judah–the… English GAZBIB Kun dubbii Waaqayyoo isa bara Yotaam, Ahaaz, Hisqiyaasis tarreetti Yihudaa irratti mo'anitti gara Miikiyaas nama mandar… Afaan Oromoo BCV GIZ ወኮነ ቃለ እግዚአብሔር ኀበ ሚክያስ ወልደ ሞራት በመዋዕለ ኢዮአታም ወአካዝ ወሕዝቅያስ ነገሥተ ይሁዳ ዘርእየ በእንተ ሰማርያ ወበእንተ ኢየሩሳሌም። giz GAZGAZ Kun dubbii Waaqayyoo isa bara Yotaam, Ahaaz, Hisqiyaasis tarreetti Yihudaa irratti mo'anitti gara Miikiyaas nama mandar… Afaan Oromoo BCV aksum ብዘመን ኢዮኣታምን ኣካዝን ሕዝቅያስን ነገስታት ይሁዳ፥ ብዛዕባ ሰማርያን ኢየሩሳሌምን ሞሬታዊ ሚክያስ ዝረኣዮ ናብኡ ኸዓ ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ። ትግርኛ AMHNIV በይሁዳ ነገሥታት በኢዮአታም፣ በአካዝና በሕዝቅያስ ዘመን ወደ ሞሬታዊው ወደ ሚክያስ የመጣው የእግዚአብሔር ቃል፣ ስለ ሰማርያና ስለ ኢየሩሳሌም ያየው ራእይ ይህ ነው፤ አማርኛ SWAHSUV Hili ndilo neno la Bwana lililomjia Mika, Mmorashti, katika siku za Yothamu, na Ahazi, na Hezekia, wafalme wa Yuda; mao… Kiswahili