1ኢየሱስ ካብ ቤተ መቕደስ ወፂኡ እናኸደ እንተሎ፥ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐሪቦም ህንፃ ቤተ መቕደስ ኣርኣይዎ።
2ንሱ ድማ መሊሱ “እዝ ዅሉ ትሪእዎዶ ኣለኹም? ኣብዙይ፥ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ እንተይፈረሰ ኸም ዘይተርፍ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።
3ኣብ ደብረ ዘይት ተቐሚጡ እንተሎ፥ ደቀ መዛሙርቱ ንበይናቶም ናብኡ ቕርብ ኢሎም፥ “እዙይ መኣዝ እዩ ዝኸውን? ናይ ምምፃእኻን ናይ ዓለም መወዳእታን ምልክቱኸ እንታይ እዩ? እስኪ ንገረና?” ኢሎም ጠየቕዎ።
4ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ዝኾነ ሰብ ከየስሕተኩም ተጠንቀቑ!
5‘ኣነ ክርስቶስ እየ’ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ክመፁ እዮም፤ ንብዙሓትውን ከስሕቱ እዮም።
6ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም፤ ኣስተውዕሉ፤ ኣይትደንግፁ፤ እዝ ዅሉ ብርግፅ ክኸውን እዩ፤ እንተ ኾነ መወዳእታኡ ሽዑ ኣይኮነን።
7ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፥ መንግስቲ እውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኽለዓል እዩ፤ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ፥ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ክኸውን እዩ።
8እዝ ዅሉ ናይ መጀመርታ ቕልውላው እዩ።
9በቲ እዋን እቱይ ንመከራ ኣሕሊፎም ክህቡኹምን ክቐትሉኹምን እዮም፤ ስለ ስመይ ከዓ፥ ብዅሎም ኣህዛብ ፅሉኣት ክትኮኑ ኢኹም።
10ሽዑ ብዙሓት እምነቶም ብምኽሓድ፥ ንስንሳቶም ኣሕሊፎም ክወሃሃቡን ክፃልኡን(ሀ) እዮም።
11ብዙሓት ሓሰውቲ ነቢያት ክለዓሉ፥ ንብዙሓትውን ከስሕትዎም እዮም።
12ብሰንኪ ብዝሒ ኽፍኣት ከዓ፥ ካብ ብዙሓት ሰባት ፍቕሪ ኽትንኪ እያ።
13እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዝዕገስ ግና፥ ንሱ ኽድሕን እዩ።
14ንዅሎም ኣህዛብ ምስክር ምእንቲ ክኸውን፥ እዝ ወንጌል መንግስቲ እዙይ፥ ኣብ ምሉእ ዓለም ክስበኽ እዩ፤ ሽዑ መወዳእታ ክኸውን እዩ።”
15“እቲ ብነቢይ ዳንኤል ዝተነግረ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብ ዘይግብኦ ቅዱስ ስፍራ ቖይሙ ምስ ረአኹም፥ እቲ ዘንብብ የስተውዕል።
16እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ እምባታት ይህደሙ።
17እቲ ኣብ ዝባን ናሕሲ ዝፀንሐ ኸዓ፥ ኣብ ገዛኡ ንዘሎ ኽወስድ ኣይውረድ፤
18እቲ ኣብ ግራት ዝፀንሐ ድማ፥ ክዳኑ ኽወስድ ኢሉ ንድሕሪት ኣይመለስ።
19በተን መዓልቲታት እቲኣተን ንጥኑሳትን፥ ንመጥበውቲ ህፃናትን ወይለአን!
20ህድማኹም ብኽረምቲ ወይ ከዓ ብሰንበት ምእንቲ ኸይኸውን ፀልዩ።
21ሽዑ ኻብ መጀመርታ ዓለም ሒዙ ኽሳዕ ሎሚ ዘይኮነ፥ ድሕሪ ሕዚ እውን ከቶ ዘይኸውን፥ ብርቱዕ መከራ ክኸውን እዩ።
22እተን መዓልቲታት እቲኣተን እንተ ዘይሓፅራስ፥ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ኣይምደሓነን ነይሩ፤ ግና እተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ምእንቲ እቶም ሕሩያት ክሓፅራ እየን።
23ሽዑ ዝኾነ ሰብ ‘ክርስቶስ እንሆ፥ ኣብዙይ ኣሎ’ ወይ ከዓ ‘ኣብቱይ ኣሎ’ እንተበለኩም ኣይትእመኑ።
24ሓሰውቲ መሲሓትን ሓሰውቲ ነቢያትን ክለዓሉ እዮም፤ እንተ ተኽኢልዎምስ፥ ነቶም ሕሩያት እንተይተረፈ እኳ ንምስሓት፥ ዓብዪ ምልክታትን ዘደንቕ ነገራትን ከርእዩ እዮም።
25“እንሆ ኣቐዲመ ነጊረኩም ኣለኹ፤
26እምበኣር ‘እንሆ፥ ኣብ ምድረ በዳ ኣሎ’ እንተ በሉኹም፥ ናብኡ ኣይትኺዱ፤ ‘እንሆ ኣብ ውሽጢ ገዛ ኣሎ’ እንተ በሉኹምውን ኣይትእመኑ።
27መብረቕ ካብ ምብራቕ ወፂኡ፥ ክሳዕ ምዕራብ ከም ዝረአ፥ ምፅኣት ወዲ ሰብውን ከምኡ ክኸውን እዩ።
28ገምቢ ኣብ ዘለዎ፥ ኣሞራታት ኣብኡ እዮም ዝእከቡ።”
29“ድሕሪ መከራ ናይተን መዓልቲታት እቲኣተን ከዓ፥ ሽዑ ንሽዑ ፀሓይ ክትፅልምት እያ፤ ወርሒ እውን ብርሃና ኣይትህብን እያ፤ ከዋኽብቲ እውን ካብ ሰማይ ክወድቁ እዮም፤ ሓይልታት ሰማያት ድማ ኽናወፁ እዮም።
30ሽዑ ኸዓ ምልክት ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ክረአ እዩ፤ እንሆ ድማ ዅሎም ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣህዛብ፥ ወዲ ሰብ ብሓይልን ብዓብዪ ኽብርን፥ ብደመና ሰማይ እንትመፅእ ምስ ረአይዎ ኽበኽዩ እዮም።
31ንሱ ንመላእኽቱ፥ ብብርቱዕ ድምፂ መለኸት ክልእኾም እዩ፤ ንሳቶም ድማ ንሕሩያቱ፥ ካብ ሓደ ወሰን ሰማይ፥ ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰን ሰማይ፥ ካብ ኣርባዕተ መዓዝን ክእክብዎም እዮም።”
32“ምስላኡ ኻብ ኦም በለስ ተምሃሩ፤ ጨንፈራ ምስ ለምለመ፥ ቈፅላውን ምስ ጠጥዐ፥ ሓጋይ ከም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም።
33ከምኡ ኸዓ ንስኻትኩም ነዝ ዅሉ ነገራት እዙይ ምስ ረአኹም፥ ኣብ ኣፍ ደገ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ።
34እዝ ኵሉ ኽሳዕ ዝፍፀም፥ እዝ ትውልዲ እዙይ ከም ዘይሓልፍ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
35ሰማይን ምድርን ይሓልፍ፤ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን።”
36“ነታ መዓልቲ እቲኣን ነታ ሰዓት እቲኣን ግና፥ እንትርፊ ኣብ በይኑ፥ ናይ ሰማይ መላእኽቲ ኾኑ ወይ ወልድ፥(ሀ) ሓደ እኳ ዝፈልጣ የለን።
37ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝኾነ፥ ምፅኣት ወዲ ሰብ ከዓ፥ ከምኡ ክኸውን እዩ።
38ከምቲ ቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ ጊዜ፥ ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ፥ ክበልዑን ክሰትዩን፥ ከውስቡን ክዋሰቡን ዝፀንሑ እሞ፥
39ማይ ኣይሂ መፂኡ፥ ንዅሉ ኽሳዕ ዘጥፍእ ዘይፈለጡ፥ ምፅኣት ወዲ ሰብ ከዓ፥ ከምኡ ክኸውን እዩ።
40ሽዑ ኽልተ ሰባት ኣብ ሓደ ግራት ክህልዉ እዮም። እቲ ሓደ ኽውሰድ፥ እቲ ሓደ ድማ ኽሕደግ እዩ።
41ክልተ ኣንስቲ ኣብ መጥሓን(ሐ) ክጥሕና እየን፤ እታ ሓንቲ ኽትውሰድ፥ እታ ሓንቲ ድማ ክትሕደግ እያ።(መ)
42እምበኣርከስ ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዝመፅእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፥ ነቒሕኩም ሓልዉ።
43ግና እዙይ ደኣ ኣስተውዕሉ፤ በዓል ገዛ በየነይቲ ኽፍለ ጊዜ ናይ ለይቲ፥ ሰራቒ ኸም ዝመፅእ እንተ ዝፈልጥስ፥ ነቒሑ ምሓለወ ነይሩ፤ ገዛኡ ኽትኰዓት እንተላውን፥ ስቕ ኣይምበለን ነይሩ።
44እምበኣርከስ ንስኻትኩምውን፥ ብዘይ ሓሰብኩምዋ ሰዓት ወዲ ሰብ ክመፅእ እዩ እሞ፥ ተዳሊኹም ንበሩ።”
45“እቲ በብጊዜኡ ምግቦም ክህቦም ኢሉ፥ ጐይታኡ ኣብ ልዕሊ ቤተሰቡ ዝሸሞ፥ እሙንን ለባምን ኣገልጋሊ መን እዩ?
46እቲ ጐይታኡ ምስ መፀ፥ ከምዙይ እናገበረ ዝረኽቦ ኣገልጋሊ ብፁእ እዩ።
47ኣብ ልዕሊ ዅሉ ንብረቱ ኸም ዝሸሞ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
48እቲ ኽፉእ ኣገልጋሊ ግና ብልቡ ጐይታይ ክድንጕ እዩ ኢሉ፥
49ነቶም ብፆቱ ኣገልገልቲ ኽወቕዖም ይጅምር፤ ምስ ሰካራማት ድማ ይበልዕን ይሰትን።
50ጐይታ እቲ ኣገልጋሊውን፥ ብዘይ ተፀበያ መዓልትን ብዘይ ፈለጣ ሰዓትን መፂኡ፥
51ብዘሰቅቕ ሞት ይቐፅዖ፤(ሠ) ዕድሉ ኸዓ ምስ ግብዛት ይገብሮ፤ ኣብኡ ድማ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ይኸውን።”