ወንጌል ማቴዎስ 23

BCV aksumትግርኛ37 ፍቕድታት5:34 ስማዕ
ስማዕ 5:34 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ድሕሪዙይ ኢየሱስ ነቶም ህዝብን ንደቀ መዛሙርቱን ከምዙይ በሎም፦

2“መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ኣብ መንበር ሙሴ ተቐሚጦም ኣለዉ።

3ስለዙይ ኵሉ ንሳቶም ዝብሉኹም፥ ግበሩን ሓልዉን፤ ንሳቶም እቲ ንሰብ ዝምህርዎ ኣይገብርዎን እዮም እሞ፥ ከምቲ ንሳቶም ዝገብርዎ ግና ኣይትግበሩ።

4ከቢድን ምፅዋሩ ዘይምቹን ፆር ጠሚሮም ንሰብ ኣብ ማእገሩ የሰክምዎ፤ ንባዕላቶም ግና በፃብዕቶም እኳ ኽነኽእዎ ኣይደልዩን።

5ኵሉ ዝገብርዎ፥ ሰብ ክሪአልና ኢሎም ይገብሩ፤ ክታባቶም የግፍሑ፤ ዘፈር ክዳውንቶምውን የንውሑ።

6ኣብ ማእዲ ዝለዓለ ስፍራ፥ ኣብ ቤተ ፀሎቶም(ሀ) ድማ፥ ኣብ ናይ ክብሪ መናብር ይቕመጡ።

7ኣብ ዕዳጋታት፥ ሰብ ኢድ ክነስአሎምን ‘መምህር’ ኢሉ ኽፅውዖምን ይፈትዉ፤

8ንስኻትኩም ግና መምህርኩም ሓደ እዩ እሞ ‘መምህር’ ኣይትበሃሉ፤ ንስኻትኩም ኵልኻትኩም ኣሕዋት ኢኹም።

9ኣብ ሰማይ ሓደ ኣቦ ስለ ዘለኩም፥ ኣብ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣቦ ኢልኩም ኣይትፀውዑ።

10ሊቕኩም(ለ) ሓደ ክርስቶስ እዩ እሞ፥ ንስኻትኩምስ ‘ሊቅ’ ኣይትበሃሉ።

11እቲ ንባዕሉ ዘልዕል፥ ክዋረድ እዩ፤ እቲ ንባዕሉ ዘትሕት ግና፥ ልዕል ክብል እዩ እሞ፥ እቲ ኻባኻትኩም ዝዓበየ፥ ኣገልጋሊኹም ይኹን።”

13“ኣቱም ግብዛት፥ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ መንግስተ ሰማይ ንሰብ ኣብ ገፁ እትዓፅዉሉ፥ ንርእስኹም ኣይትኣትዉን፤ ነቶም ክኣትዉ ዝደልዩ ድማ፥ ምእታው ትኽልክልዎም ኣለኹም እሞ፥ ወይለኹም!

14ኣቱም ግብዛት፥ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ንኽተምስሉ ኣብዚሕኹም ብምፅላይ፥ ኣባይቲ መበለታት ትብዝብዙ ኣለኹም፤ ስለዙይ ፅኑዕ ፍርዲ ኽትቅበሉ ኢኹም እሞ፥ ወይለኹም!

15ኣቱም ግብዛት፥ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ንሓደ ሰብ ናብ ሃይማኖትኩም ክተእትዉ፥ ባሕርን ምድርን እትዞሩ፤ ናብ እምነትኩም ምስ ኣተወ ድማ፥ ካባኻት???ም ብዕፅፊ ዝገደደ፥ ወዲ ገሃነም ትገብርዎ ኢኹም እሞ፥ ወይለኹም!

16ኣቱም ‘ብቤተ መቕደስ ዝምሕል፥ ኣይበደለን ደሓን እዩ፤ ብወርቂ ቤተ መቕደስ ዝምሕል ግና፥ ብማሕላኡ ይተሓዝ’ እትብሉ፥ ዕዉራት መራሕቲ ወይለኹም!

17ኣቱም ደናቝርን ዕዉራትን! ኣየናይ ይዓቢ? ወርቅዶ ወይ እቲ ንወርቂ ዝቕድሶ ቤተ መቕደስ?

18‘ብመሰውኢ ዝምሕል ኣይቝፀሮን እዩ፤ በቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ መስዋእቲ ዝምሕል ግና፥ ማሕላ ይኾኖ’ ትብሉ።

19ኣቱም ደናቝርን ዕዉራትን! ኣየናይ ይዓቢ? መስዋእቲዶ ወይ እቲ ንመስዋእቲ ዝቕድሶ መሰውኢ?

20እምበኣርከስ እቲ ብመሰውኢ ዝምሕል፥ ብእኡን ኣብ ልዕሊኡ ብዘሎ ዅሉን ይምሕል።

21እቲ ብቤተ መቕደስ ዝምሕል ከዓ፥ ብእኡን በቲ ኣብኡ ዝነብርን ይምሕል።

22እቲ ብሰማይ ዝምሕል ድማ፥ ብዙፋን እግዚኣብሄርን በቲ ኣብኡ ዝነብርን ይምሕል።

23“ኣቱም ግብዛት መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ካብ ጨና ኣዳም፥ ካብ ሽላን፥ ካብ ከሙን ዓስራት እተውፅኡ፤ እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር፥ ፍትሒ፥ ምሕረት፥ እምነት ግና እትሓድጉ ኢኹም እሞ ወይለኹም! ነዙይ ምግባር፥ ነቱይውን ዘይምሕዳግ ይግባእ።

24ኣቱም ትኒንያ እተፅርዩ፥ ግመል ግና እትውሕጡ ዕዉራት መራሕቲ ወይለኹም!

25“ኣቱም ግብዛት መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ኣብ ውሽጡ ኸትርን ስሰዐን መሊኡ እንተሎ፥ ንፅዋዕን ንፃሕልን ላዕሊ ላዕሉ እትሓፅቡ፥ ወይለኹም!

26ኣታ ዕዉር ፈሪሳዊ! እቲ ፅዋዕን ፃሕልን ላዕላዩ ፅሩይ ምእንቲ ክኸውን፥ ኣቐዲምካ ነቲ ውሽጡ ሕፀቦ።

27“ኣቱም ግብዛት መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ብወፃኢ ፅቡቕ ኮይኖም ዝረአዩ፥ ውሽጦም ግና ዝበስበሰ ኣዕፅምትን፥ ርኹስ ነገርን ዝመልኡ ዝተለመፁ መቓብራት እትመስሉ፥ ወይለኹም!

28ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ብላዕሊ ንሰብ ፃድቃን መሲልኩም ትረአዩ፤ ውሽጥኹም ግና ግብዝናን ዓመፅን ዝመልአ እዩ።

29“ኣቱም ግብዛት መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ‘ብዘመን ኣቦታትና ኔርና እንተንኸውንስ፥ ኣብ ምፍሳስ ደም ነቢያት ኣይምተሳተፍናን’ እናበልኩም መቓብር ነቢያት እትሃንፁ፥ ሓወልቲ ፃድቃን እተጊፁ፥ ወይለኹም!

31እምበኣርከስ፥ ደቂ ቐተልቲ ነቢያት ምዃንኩም፥ ባዕልኻትኩም ትምስክሩ ኣለኹም።

32ንስኻትኩምውን መስፈሪ ኣቦታትኩም ምልኡ።

33ኣቱም ኣትማን፥ ውሉድ ኣፍዑት፥ ከመይ ጌርኩምከ፥ ካብ ፍርዲ ገሃነም ክተምልጡ?

34ስለዙይ እንሆ፥ ነቢያትን ጠቢባንን፥ መምህራን ሕግን እልእኸልኩም ኣለኹ፤ ንገሊኣቶም ክትቀትልዎምን ክትሰቕልዎምን፥ ንገሊኣቶም ከዓ ኣብ ቤተ ፀሎትኩም ክትገርፍዎምን፥ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲውን ክተሳጕጉዎምን ኢኹም።

35ካብ ደም እቲ ፃድቕ ኣቤል ጀሚሩ፥ ክሳዕ ደም እቲ ኣብ መንጎ ቤተ መቕደስን መሰውእን ዝቐተልኩምዎ ዘካርያስ ወዲ በራኽዩ፥ ፍዳ እቲ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ደም ኵሎም ፃድቃን፥ ኣባኻትኩም ክበፅሕ እዩ።

36ናይዝ ዅሉ ፍዳ ነዝ ትውልዲ እዙይ ከም ዝበፅሖ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”

37“ኢየሩሳሌም፥ ኢየሩሳሌም! ኣቲ ንነቢያት እትቐትሊ! ነቶም ናባኺ ዝተልኣኹ ብእምኒ እትቕጥቅጢ! ደርሆ ንጨቓውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ ኸም እትእክቦም፥ ንደቅኺ ኽእክቦም ክንደይ ዘይደለኹ! ንስኻትኩም ግና ኣበኹም።

38እንሆ ገዛኹም ዝፈረሰን ዝዓነወን ክኸውን እዩ።

39ደጊም ‘ብስም እግዚኣብሄር ዝመፅእ ቡሩኽ እዩ’ ኽሳዕ እትብሉ፥ ድሕሪ ሕዚ ኸም ዘይትሪኡኒ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”

ትርጓሜ

23:1-12 ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ሕጊ ሙሴ ይገልጹ ነበሩ፣ ንምእዛዙ ድማ የገድዱ ነበሩ። ንሳቶም ብሃይማኖታዊ ግብዝና ተኸሲሶም እዮም። ንሕና ብግንባራዊ ርእየት ጥራይ ኢና ንፈርዶ፤ ግናኸ ኣምላኽ ንልቢ ይምርምር። ፍላክተሪታት ሰርሑ። እዚኦም ኣብ ግምባሮምን ኣብ ጸጋም ኢዶምን ንምልባስ፣ ኣብኡ ኣርባዕተ ክፍሊ ሕጊ ዝተጻሕፈሎም ጥቅልላት ወረቐት ወይ ብራና ነበሩ፣ ከምቲ ኣብ ዘፀ 13:2-10፤ 13:11-16፤ ዘዳግ 6:4-9፤ 11:13-21 ተጠቒሱ ዘሎ። ካብ ካልኦት ንሕጊ ዝያዳ ቀናኣት ከም ዝኾኑ ምእንቲ ክሕሰቡ፣ ነዘን ፍላክተሪታት እዚኤን ሰፋሕቲ ገበሩወን። ኣምላኽ ንኣይሁድ ፍሉይ ህዝቢ ምዃኖም ምእንቲ ኺዝክሩ፣ ኣብ ልብሶም ጫፎታት ኪገብሩ ኣዘዞም (ዘሁ 15:38)፤ ግናኸ ፈሪሳውያን በዚ ካብ ካልኦት ዝያዳ ሃይማኖታውያን ከም ዝኾኑ ኸም ዝሕሰብ ገይሮም፣ ካብ ልሙድ ዝዓበየ ገበሩወን። ትዕቢት እቲ ናይ ፈሪሳውያን ፍቑርን ገዛእን ዝነበረ ሓጢኣት፣ እቲ ብቀሊሉ ዝሕንፍኖም ሓጢኣት ነበረ፣ ጐይታና የሱስ ድማ ኩሉ ግዜ ዝነቕፎ። ንቃል ዝተማህረ ንዘምህር ክብሪ ምሃቡ ዘመስግን እዩ፤ ግናኸ እቲ ዘምህር ንሱ ንኽብሪ ምጥላቡ፣ ወይ ድማ በዚ ምዕባዩ ሓጢኣት እዩ። እዚ ኩሉስ ክንደይ ንመንፈስ ክርስትና ይጻረር! እቲ ቕኑዕ ደቀ መዝሙር ክርስቶስ ኣብ ቀዳማይ ቦታታት ብምቕማጡ ይሓዝን። ግናኸ ኣብታ እትርአ ቤተ ክርስቲያን ዙርያኡ ዚጥምትስ፣ እዚ እቲ ዝድለ መንፈስ እዩ ኪብልዶ ይኽእል? ገለ መጠን ካብዚ ጸረ-ክርስትና መንፈስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖታዊ ማሕበርን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ልብናን ከም ዝነፍዕ ንጹር እዩ።

23:13-33 ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ጸላእቲ ወንጌል ክርስቶስ፣ ስለዚ ድማ ንምድሓን ነፍሳት ሰብ ነበሩ። ንባዕልና ኻብ ክርስቶስ ምውጋድ ሕማቕ እዩ፣ ግናኸ ንኻልኦት ድማ ካብኡ ምእጋድ ዝኸፍአ እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6