1ኢየሱስ መሊሱ ብምስላ ኸምዙይ ኢሉ ነገሮም፦
2“መንግስተ ሰማያት ንወዱ መርዓ ዝገበረ ንጉስ ትመስል።
3ንሱ ነቶም ናብ መርዓ ዝተዓደሙ ኽፅውዕዎም ኣገልገልቱ ለኣኸ፤ ግና ኽመፁ ኣይደለዩን።
4መሊሱ ድማ ነቶም ዕዱማት ‘እንሆ ድግሰይ ኣዳልየ ኣለኹ፤ ስቡሓት ዝራብዓተይን ኣብዑረይን ሓሪደ፥ ኵሉ ተዳልዩ ኣሎ እሞ፥ ናብቲ መርዓ ንዑ በልዎም’ ኢሉ ንኻልኦት ኣገልገልቱ ለኣኸ።
5እቶም ዕዱማት ግና ሸለል ኢሎም፥ ገሊኣቶም ናብ ግራቶም(ሀ) ከዱ፤ ገሊኣቶም ከዓ ናብ ንግዶም ከዱ።
6እቶም ዝተረፉ ድማ፥ ነቶም ኣገልገልቲ ሒዞም ኣዋረድዎም፤ ቀተልዎምውን።(ለ)
7እቲ ንጉስ ተቘጢዑ፥ ወታደራቱ ልኢኹ፥ ነቶም ቀተልቲ ኣጥፍኦም፤ ንኸተማኣቶምውን ኣቃፀለ።(ሐ)
8ሽዑ ነቶም ኣገልገልቱ ኸምዙይ በሎም፦ ‘ድግስ እቲ መርዓ ተሰናድዩ እዩ፤ ግና ነቶም ዕዱማት ኣይተገብኦምን።
9እምበኣርከስ ናብ ኣደባባያትን ናብ ቀራናት መንገድን ኪዱ እሞ፥ ንዅሉ ዝረኸብኩምዎ ናብ መርዓ ፀውዑ’ በሎም።
10እቶም ኣገልገልቲ ድማ ናብ መንገድታት ወፂኦም፥ ንሕያዎትን ንኽፉኣትን ንዅሉ ዝረኸብዎ ኣከቡ፤ እቲ ናይ መርዓ ኣዳራሽውን ብተቐማጦ መልአ።
11“እንተ ኾነ እቲ ንጉስ ነቶም ተቐማጦ ኽርኢ ምስ ኣተወ፥ ክዳን መርዓ ዘይተኸደነ ሓደ ሰብኣይ ኣብኡ ረአየ እሞ፥
12‘ዓርከይ! ክዳን መርዓ እንተይተኸደንካ፥ ከመይ ኢልካ ናብዙይ ኣቲኻ?’ በሎ፤ ንሱ ግና ስቕ በለ።
13ሽዑ እቲ ንጉስ ንኣገልገልቱ፦ ‘ኣእዳዉን ኣጋሩን ኣሲርኩም፥ ኣብ ወፃኢ ናብ ዘሎ ፀልማት ደርብይዎ፤ ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ’ በሎም።
14ፅዉዓት ብዙሓት፥ ሕሩያት ግና ውሑዳት እዮም እሞ።”
15ድሕሪዙይ ፈሪሳውያን ብዘረባኡ ኸመይ ገይሮም ከም ዘጋግይዎ ኸይዶም ተማኸሩ።
16ንደቀ መዛሙርቶም ከዓ ምስ ናይ ሄሮድስ ሰባት ገይሮም፥ ከምዙይ ኢሎም ናብኡ ለኣኹ፦ “መምህር! ቅኑዕ ምዃንካ፥ መንገዲ እግዚኣብሄር ከዓ ብሓቂ ኸም እትምህር፥ ገፅ ሰብ ርኢኻ ድማ ኸም ዘይተዳሉ፥ ንሓደ እኳ ኸም ዘይትፈርሕ፥ ንፈልጥ ኢና።
17እምበኣር እንታይ ይመስለካ እስኪ ንገረና? ንቄሳር(መ) ግብሪ ምሃብ ይግባእ ድዩ ወይ ኣይግባእን?” በልዎ።
18ኢየሱስ ግና ተንኰሎም ፈሊጡ “ኣቱም ግብዛት! ንምንታይ ትፍትኑኒ ኣለኹም?
19እቲ ናይ ግብሪ ገንዘብ እስኪ ኣርእዩኒ!” በሎም። ንሳቶም ከዓ ዲናር ኣምፅኡሉ።
20ኢየሱስ ድማ “እዙይ መልክዑን ፅሕፈቱን ናይ መን እዩ?” በሎም።
21ንሳቶም ከዓ “ናይ ቄሳር እዩ” በልዎ። “እምበኣር ናይ ቄሳር፥ ንቄሳር፥ ናይ እግዚኣብሄር ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ሃቡ” በሎም።
22ነዙይ ሰሚዖም ተገረሙ፤ ሓዲጎምዎ ድማ ኸዱ።
23በታ መዓልቲ እቲኣ “ትንሳኤ ሙታን የለን” ዝብሉ ሰዱቃውያን ናብኡ መፂኦም፦
24“መምህር፥ ሙሴ ‘ሓደ ሰብ ውሉድ ከይሓደገ እንተ ሞተ፥ እቲ ሓዉ ነታ ሰበይቲ ሓዉ የእትዋ፤ ንሓዉ ድማ ዘርኢ የቑመሉ’ ኢሉ ኣሎ።
25እምበኣር ኣባና ሸውዓተ ኣሕዋት ነበሩ፤ እቲ ዓብዪ፥ ሰበይቲ ኣእትዩ እንተይወለደ ሞተ፤ ነታ ሰበይቱ ድማ ንሓዉ ሓደጋ፤
26ከምኡ ድማ እቲ ኻልኣይን ሳልሳይን ክሳዕ ሸውዓቲኦም ኣእትዮምዋ እንተይወለዱ ሞቱ።
27ድሕሪ ዅሎም ከዓ፥ እታ ሰበይቲ ሞተት።
28ኵሎም ኣእትዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ፥ ብጊዜ ትንሳኤ ሙታን ካብ ሸውዓቲኦም፥ ሰበይቲ ኣየነኦም እያ ኽትከውን?” ኢሎም ጠየቕዎ።
29ኢየሱስ ድማ “መፃሕፍቲ ኾነ ሓይሊ እግዚኣብሄር ብዘይ ምፍላጥ ትጋገዩ ኣለኹም።
30ኣብ ጊዜ ትንሳኤስ፥ ኣብ ሰማያት ከም መላእኽቲ እግዚኣብሄር እዮም እምበር፥ ኣይዋሰቡን ኣየዋስቡን።
31ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታን ግና፥ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ‘ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ እየ’ ዝተብሃለልኩምዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም? እምበኣርከስ ንሱ ኣምላኽ ህያዋን እዩ እምበር፥ ኣምላኽ ምዉታን ኣይኮነን” ኢሉ መለሰሎም።
33እቶም ህዝቢ ነዙይ ሰሚዖም ብትምህርቱ ተገረሙ።
34ፈሪሳውያን፥ ንሰዱቃውያን መልሲ ኸም ዘስኣኖም ሰሚዖም ኣብ ዙርያኡ ተኣከቡ።
35ካብኣቶም ሓደ ምሁር ሕጊ ድማ፥ ክፍትኖ “መምህር፥ ካብ ኦሪት ኣየነይቲ ትእዛዝ ትዓቢ?” ኢሉ ጠየቖ።
37ኢየሱስ ከዓ “ ‘ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻ፥ ብምሉእ ነፍስኻ፥ ብምሉእ ሓሳብካ ኣፍቅሮ፤(ሠ)
38እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እዚኣ እያ።
39እታ እትመስላ ኻልአይታ ድማ፥ ‘ንብፃይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ’ እትብል እያ።
40ኵሎም ኦሪትን ነቢያትን፥ ኣብዘን ክልተ ትእዛዛት እዚኣተን ተጠሪፎም ኣለዉ” በሎ።
41ፈሪሳውያን ተኣኪቦም እንተለዉ ኢየሱስ፦
42“ብዛዕባ ክርስቶስ እንታይ ይመስለኩም? ወዲ መንከ እዩ?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ከዓ “ወዲ ዳዊት” በልዎ።
43ኢየሱስ ድማ “ከመይ ኢሉ ደኣ፥ ባዕሉ ዳዊት ብመንፈስ ቅዱስ ‘ጐይታ ንጐይታይ፥ ንፀላእትኻ ኣብ ትሕቲ መርገፂ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፥ ኣብ የማነይ ተቐመጥ’ እናበለ፥ ከመይ ኢሉ ጐይታይ ይብሎ?
45እምበኣር ዳዊት ጐይታይ ካብ በሎ ደኣ፥ ከመይ ኢሉ ወዱ ይኸውን?” በሎም።
46እንተ ኾነ ሓደ እኳ ቓል ክምልሰሉ ዝኸኣለ ኣይነበረን። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሩ ኸዓ፥ ሓደ እኳ ኽጥይቖ ኣይደፈረን።