ወንጌል ማቴዎስ 1

BCV aksumትግርኛ24 ፍቕድታት3:20 ስማዕ
ስማዕ 3:20 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ወዲ ዳዊት ወዲ ኣብርሃም፥ ናይ ዝኾነ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ መፅሓፍ ትውልዲ፦

2ኣብርሃም ንይስሓቅ ወለደ፥ ይስሓቅ ንያእቆብ ወለደ፥ ያእቆብ ንይሁዳን ነሕዋቱን ወለደ፥

3ይሁዳ ኸዓ፥ ካብ ትእማር ንፋሬስን ንዛራን ወለደ፥ ፋሬስ ንኤስሮም ወለደ፥ ኤስሮም ንኣራም ወለደ፥

4ኣራም ንኣሚናዳብ ወለደ፥ ኣሚናዳብ ንነኣሶን ወለደ፥ ነኣሶን ንሰልሞን ወለደ፥

5ሰልሞን ካብ ራኬብ ንቦኤዝ ወለደ፥ ቦኤዝ ካብ ሩት ንኢዮቤድ ወለደ፥ ኢዮቤድ ንእሴይ ወለደ፥

6እሴይ ንንጉስ ዳዊት ወለደ። ንጉስ ዳዊት ካብ ሰበይቲ ኦርዮ ንሰሎሞን ወለደ፥

7ሰሎሞን ንሮብኣም ወለደ፥ ሮብኣም ንኣብያ ወለደ፥ ኣብያ ንኣሳፍ ወለደ፥

8ኣሳፍ ንኢዮሳፍጥ ወለደ፥ ኢዮሳፍጥ ንኢዮራም ወለደ፥ ኢዮራም ንዖዝያን ወለደ፥

9ዖዝያን ንኢዮኣታም ወለደ፥ ኢዮኣታም ንኣካዝ ወለደ፥ ኣካዝ ንሕዝቅያስ ወለደ፥

10ሕዝቅያስ ንምናሴ ወለደ፥ ምናሴ ንኣሞፅ ወለደ፥ ኣሞፅ ንኢዮስያስ ወለደ፥

11ኢዮስያስ ከዓ ብጊዜ ምርኮ ባቢሎን ንኢኮንያንን ነሕዋቱን ወለደ።

12ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን ድማ፥ ኢኮንያን ንሰላትያል ወለደ፥ ሰላትያል ንዘሩባቤል ወለደ፥

13ዘሩባቤል ንኣብዩድ ወለደ፥ ኣብዩድ ንኤልያቄም ወለደ፥ ኤልያቄም ንኣዛር ወለደ፥

14ኣዛር ንሳዶቅ ወለደ፥ ሳዶቅ ንኣኪም ወለደ፥ ኣኪም ንኤልዩድ ወለደ፥

15ኤልዩድ ንኣልኣዛር ወለደ፥ ኣልኣዛር ንማታን ወለደ፥ ማታን ንያእቆብ ወለደ፥

16ያእቆብ ድማ ክርስቶስ(ሀ) ንዝተብሃለ ኢየሱስ ንዝወለደት ንሕፁይ ማርያም ንዮሴፍ ወለደ።

17እምበኣር ኵሉ ትውልዲ፥ ካብ ኣብርሃም ክሳዕ ዳዊት ዓሰርተ ኣርባዕተ ትውልዲ፥ ካብ ዳዊት ክሳዕ ምርኮ ባቢሎን ዓሰርተ ኣርባዕተ ትውልዲ፥ ካብ ምርኮ ባቢሎን ክሳዕ ክርስቶስ ድማ፥ ዓሰርተ ኣርባዕተ ትውልዲ እዩ።(ለ)

18ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዙይ እዩ፦ እኖኡ ማርያም ንዮሴፍ ተሓፅያ እንተላ፥ እንተይተቓረቡ ብመንፈስ ቅዱስ ጠኒሳ ተረኸበት።

19ሕፁያ ዮሴፍ ግና ፃድቕ ስለ ዝነበረ፥ ብሕቡእ ክሓድጋ ደኣ ሓሰበ እምበር ክገልፃ ኣይደለየን።

20እዙይ እናሓሰበ እንተሎ፥ እንሆ መልኣኽ እግዚኣብሄር ብሕልሚ ተርኣዮ፤ ከምዙይ ድማ በሎ፦ “ዮሴፍ ወዲ ዳዊት፥(ሐ) እቲ ኻብኣ ዝውለድ ብመንፈስ ቅዱስ እዩ እሞ፥ ንሕፅይትኻ ማርያም ምውሳዳ ኣይትፍራሕ።

21ወዲ ኽትወልድ እያ፤ ንሱ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ከድሕኖም እዩ እሞ፥ ስሙ ኢየሱስ ክትብሎ ኢኻ።”

22እዝ ዅሉ ዝኾነ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ብነቢይ “እንሆ ድንግል ክትጠንስ፥ ወዲውን ክትወልድ እያ፤ ስሙ ኸዓ ‘ኣማኑኤል’ ክበሃል እዩ፤ ትርጕሙ ድማ ‘እግዚኣብሄር ምሳና’ ማለት እዩ” ኢሉ ዝተዛረቦ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።

24ዮሴፍ ድማ ኻብ ድቃሱ ተሲኡ ኸምቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ፤ ንሕፅይቱ ማርያም ድማ ወሰዳ፤

25በዅሪ ወዳ ኽሳዕ እትወልድውን ኣይፈለጣን፤ ኢየሱስ ኢሉ ድማ ሰመዮ።

ትርጓሜ

1:1-17 ብዛዕባ እዚ ዘርኢ ናይ ኣዳኝና፡ ቀንዲ ዕላማኡ ኣስተብህሉ። ዘይድለ ዘርኢ ኣይኮነን። ከምቲ ናይ ዓበይቲ ሰባት ብዙሕ ግዜ ዝኸውን፡ ንኸንቱ ክብሪ ዝብጻሕ ኣይኮነን። ጐይታና የሱስ ካብታ መሲሕ ክወጽእ ዝነበሮ ህዝብን ስድራን ከም ዝኾነ የመስክር። ተስፋ በረኸት ንኣብርሃምን ንዘርኡን ተዋሂቡ ነይሩ፤ ናይ ስልጣን ድማ ንዳዊትን ንዘርኡን። ክርስቶስ ካብኡ ከም ዝመጽእ ንኣብርሃም ተስፋ ተዋሂቡ ነይሩ (ዘፍ 12:3፤ 22:18)፤ ካብኡ ከም ዝመጽእ ድማ ንዳዊት ተስፋ ተዋሂቡ ነይሩ (2ሳሙ 7:12፤ መዝ 89:3, ወዘተ. 132:11)። ስለዚ፡ የሱስ ወዲ ዳዊትን ወዲ ኣብርሃምን እንተ ዘይኮነ፡ ንሱ እቲ መሲሕ ኣይኮነን። ሕጂ እዚ ኻብ ሕቡራት መዛግብቲ ተረጋገጸ። ወዲ ኣምላኽ ንባህርይና ኺወስድ ምስ ተፈተወ፡ ኣብቲ ዝወደቕናዮ፡ ርጉም ኩነታትና ቐረበና፤ ንሱ ግና ካብ ሓጢኣት ምሉእ ብምሉእ ንጹህ ነበረ። ኣብቲ ዘርኡ ዘሎ ኣስማት ክነንብብ ከለና ድማ፡ ጐይታ ክብሪ ንወድሰብ ኬድሕን ክንደይ ከም ዝተዋረደ ኽንርስዕ የብልናን።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6