ትንቢት ሚልክያስ 2

BCV aksumትግርኛ17 ፍቕድታት3:47 ስማዕ
ስማዕ 3:47 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ሕዚ እውን ኣቱም ካህናት፥ እዝ ትእዛዝ እዙይ ንኣኻትኩም ዝተውሃበ እዩ።

2ንስመይ ክብሪ ኽትህቡ እንተ ዘይሰሚዕኹም፥ ብልብኹምውን እንተ ዘይገበርኩምዎ፥ መርገም ክሰደልኩም፥ ንበረኸትኩምውን ክረግማ እየ። ሕዚ እውን ብልብኹም ኣይገበርኩምዎን እሞ፥ ኣነውን ረጊመያ ኣለኹ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።

3ንቕልፅምኩም ክግስፆ እየ፤ ነቲ ፋንዲያ መስዋእትኹም፥ ኣብ ገፅኩም ክብትኖ እየ፤ ምስኡውን ክትውገዱ ኢኹም።

4እቲ ምስ ሌዊ ዝኣተኹዎ ቓል ኪዳን ምእንቲ ኽፀንዕ ኢለ፥ ነዝ ትእዛዝ እዙይ ከም ዝለኣኽክዎ ትፈልጡ ኢኹም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።

5ቃል ኪዳነይ ምስኡ፥ ኪዳን ህይወትን ሰላምን ነበረ። ምእንቲ ኽፈርሕ ንኣኣቶም ሃብክዎ፤ ንሱውን ፈርሐኒ፤ ካብ ስመይ ዝተልዓለውን ደንገፀ።

6ሓቀኛ ሕጊ ኣብ ኣፉ ነበረ፤ ዝኾነ በደልውን ኣብ ከንፈሩ ኣይተረኽበን፤ ምሳይ ብሰላምን ብቕንዕናን ይኸይድ ነበረ፤ ንብዙሓትውን ካብ ሓጢኣት መለሰ።

7እቲ ኻህን፥ ናይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ልኡኽ ስለዝኾነ፥ ከናፍሩ ፍልጠት ክሕልዉ ይግባእ፤ ካብ ኣፉውን ሰባት ሕጊ ኽደልዩ ይግባእ።

8ንስኻትኩም ግና፥ ካብ መንገዱ ኣግለስኩም፤ ብሕጊ እውን ብዙሓት ከም ዝዕንቀፉ ጌርኩም ኢኹም፤ ኪዳን ሌዊ ድማ ኣነዊርኩም ኢኹም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።

9ስለዙይ ብመንገደይ ስለዘይከድኩምን፥ ብሕገይውን ኣድልዎ ስለዝገበርኩምን፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ኽትነዓቑን ክትዋረዱን ገይረኩም እየ።

10ንዅላትና ሓደ ኣቦዶ ኣይኮነን ዘለና? ዝፈጠረናስ ሓደ ኣምላኽዶ ኣይኮነን? ስለ ምንታይ ደኣ ንሕና ናይ ኣቦታትና ቓል ኪዳን ንምርካስ ንስንሳትና ንሓውና እነታልል?

11ይሁዳ ኣይተኣመነን፤ ይሁዳ ነቲ እግዚኣብሄር ዘፍቀሮ ቤተ መቕደስካ ኣርኪስዎ፤ ይሁዳ ጓል ባዕዲ ኣምላኽ ኣእትዩ እዩ፤ ኣብ እስራኤልን ኣብ ኢየሩሳሌምን ርኽሰት ተፈፂሙ እዩ፤ እዙይ ድማ ጌርኩም ኢኹም።

12ነዙይ ዝገብር ዝኾነ ይኹን ሰብ፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ቍርባን እንተምፀአ እኳ፥ እግዚኣብሄር ካብ ድንኳን ያእቆብ ከወግዶ እዩ።

13እትገብርዎ ኻልእ ነገር ከዓ፦ “ንመስዋእቲ ስለ ዘይጥምቶ፥ ካብ ኢድኩምውን ባህ ኢልዎ ስለ ዘይቕበሎን” ንመሰውኢ እግዚኣብሄር፥ ብንብዓትን ብብኽያትን ብዋይ ዋይታን ሸፈንኩምዎ።

14ንስኻትኩም፥ ስለ ምንታይ እዩ ኸዓ ትብሉ ኣለኹም? እዙይ ዝኾነ፥ ናይ ሓዳር ብፀይትኻን፥ ናይ ቃል ኪዳን ሰበይትኻን ኣታሊልካ ኢኻ እሞ፥ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎኻን፥ ኣብ መንጎ ሰበይቲ ንእስነትካን፥ ንዘሎ ቓል ኪዳን ምስክር ስለዝኾነ እዩ።

15እግዚኣብሄር ናይ ህይወት መንፈስ፥ ሓደ ገይሩዶ ሓልዩልና ኣይኮነን? ንሱ ዝደልዮ እንታይ እዩ? ቅዱስ ዘርኢዶ ኣይኮነን? እምበኣርከስ መንፈስኩም ሓልዉ፤ ዝኾነ ሰብ፥ ንሰበይቲ ንእስነቱ ኣየታልል።

16ምፍታሕ እፀልእ እየ፤ ይብል ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር። ንኽዳኑ፥ ብግፍዒ ተግባር ንዝሽፍን ሰብ እፀልእ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ስለዙይ ከይተታልሉ መንፈስኩም ሓልዉ።

17ንእግዚኣብሄር ብቓላትኩም ኣትኪርኩምዎ ኢኹም፤ ንስኻትኩምውን “ከመይ ኢና ዘትከርናዮ?” ትብሉ ኣለኹም። “ኵሉ ኽፉእ ዝገብር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፤ ንሱ ብኣኣቶም ደስ ይብሎ እዩ” ወይ “ናይ ፍርዲ ኣምላኽ ኣበይ ኣሎ?” ብምባልኩም እዩ።

ትርጓሜ

2:1-9 እዚ ብዛዕባ ኪዳን ክህነት እተባህለ፡ ምስ ኩሎም ምእመናን ከም መንፈሳውያን ካህናት እተገብረ ንኪዳን ጸጋ እውን ሓቂ እዩ። ንሱ ኪዳን ህይወትን ሰላምን እዩ። ንኹሎም ምእመናን ከም ኣብዛ ዓለም ከም ኣብታ እትመጽእ ኩሉ ሓጎስ የረጋገጽ። ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም መልእክተኛታቱ ኾይኖም ምግልጋል ክብርቲ እያ። ከናፍር ካህን ንፍልጠት ካብ ህዝቡ ኪሓብእ የብሉን፡ የግዳስ ንሳቶም ኪረኽብዎ ኪሕልዎ ኣለዎ። ኩሉ ህዝቢ ንፍቓድ እግዚኣብሄር ንምፍላጥ ይግደስ። ንጽሑፍ ቃል ጥራይ ክንምርምር ኣይኮነን፡ የግዳስ ብዛዕባ ጉዳያት ነፍሳትና ካብ መልእክተኛታት ኣምላኽ መምርሕን ምኽርን ክንደሊ ኣለና። ኣገልገልቲ ንምምላስ ሓጥኣን ክሳዕ ዝዓበየ ድኻሞም ኪጽዕሩ ኣለዎም፡ ኣብቶም እስራኤላውያን እተባህሉ እውን እንተኾነ ብዙሓት ካብ ዓመጽ ኪምለሱ ዘለዎም ኣለዉ። እቶም ቅኑዕ ትምህርቲ ዝሰብኩን ከምቲ ቅዱስ ጽሑፋት ድማ ቅዱስ ህይወት ዝነብሩን ኣገልገልቲ ጥራይ እዮም ንሰብ ካብ ሓጢኣት ኬምልሱ ዝኽእሉ። ብዙሓት ካብዛ መገዲ እዚኣ ፈንቂሎም፡ ከምኡ ድማ ንህዝቢ ኣስሒቶም። እቶም ምስ ኣምላኽ ብሰላምን ጽድቅን ዚመላለሱን ንኻልኦት ድማ ካብ ሓጢኣት ዜምልሱን ንኣምላኽ የኽብርዎ። ንሱ ኸኣ የኽብሮም። እቶም ዚንዕቕዎ ግና ብንእሽቶ ኺቑጸሩ እዮም።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6