ወንጌል ሉቃስ 2

BCVትግርኛ51 ፍቕድታት6:34 ስማዕ
ስማዕ 6:34 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1በቲ ጊዜ እቱይ፥ ኵሉ ዓለም ክምዝገብ ካብ ቄሳር ኣውግስጦስ ትእዛዝ ወፀ።

2እዝ ምዝገባ እዙይውን፥ ቄሬኔዎስ ኣብ ሶርያ ተሸይሙ እንተሎ ዝኾነ፥ ቀዳማይ ምዝገባ እዩ።

3ሽዑ ዅሉ ሰብ ክምዝገብ፥ ነናብ ዓዱ ኸደ።

4ዮሴፍውን ካብ ቤት ዳዊትን፥ ካብ ዓሌቱን ስለ ዝነበረ፥ ካብ ገሊላ ኻብ ከተማ ናዝሬት፥ ምስታ ጠኒሳ ዝነበረት ሕፅይቱ ማርያም ናብ ይሁዳ፥ ቤተ ልሔም ናብ እትበሃል ከተማ ዳዊት፥ ክምዝገብ ደየበ።

6ኣብኡ እንተለዉ ድማ እትወልደሉ ዕለት በፅሐ።

7በዅሪ ወዳ ድማ ወለደት፤ በጭርቕትውን ጠቕለለቶ፤ ኣብቲ መሕደሪ ኣጋይሽ፥ ሰፈር ስለ ዘይነበሮም ድማ፥ ኣብ መብልዒ ኸፍቲ ኣደቀሰቶ።

8ኣብቲ ኸባቢ እቱይ፥ ብለይቲ መጓሰኦም ክሕልዉ፥ ኣብ ወፍሪ ዝሓደሩ ጓሶት ነበሩ።

9እንሆ ድማ መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ጥቓኦም ቆመ፤ ክብሪ እግዚኣብሄርውን ኣብ ዙርያኦም ኣብርሀ፤ የመና ድማ ፈርሑ።

10እቲ መልኣኽ ድማ “እንሆ ንዅሉ ህዝቢ ዝኸውን፥ ዓብዪ ሓጐስ ኣብስረኩም ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሑ።

11ሎሚ መድሕን፥ ንሱውን ክርስቶስ ጐይታ፥ ኣብ ከተማ ዳዊት ተወሊዱልኩም ኣሎ።

12ምልክቱ ኸዓ እዙይ ኢዩ፦ በጭርቕቲ ዝተጠቕለለ ህፃን፥ ኣብ መብልዒ ኸፍቲ ደቂሱ ኽትረኽቡ ኢኹም” በሎም።

13ብድንገት ከዓ፥ ብዙሓት ሰራዊት ሰማይ ምስቲ መልኣኽ ኮይኖም፥ ንእግዚኣብሄር እናመስገኑ፦

14“ክብሪ ንእግዚኣብሄር፥ ኣብ ኣርያም! ሰላምውን ኣብ ምድሪ፥ ንሰብውን ፅቡቕ ፍቓድ ይኹን!” ይብሉ ነበሩ።

15እቶም መላእኽቲ፥ ካብኣቶም ናብ ሰማይ ምስ ዓረጉ ድማ፥ እቶም ጓሶት ንስንሳቶም፥ “ነዝ እግዚኣብሄር ዝገለፀልና ኽዉን ነገር ክንርኢ፥ ንዑ ናብ ቤተ ልሔም ንኺድ” ተበሃሃሉ።

16ቀልጢፎም ድማ ኸዱ፤ ንማርያምን ንዮሴፍን፥ ነቲ ኣብ መብልዒ ኸፍቲ ዝደቀሰ ህፃንውን ረኸብዎም።

17ነዙይ ምስ ረአዩ ድማ፥ ብዛዕባ እቲ ህፃን ዝተነገሮም ነገር ኣውረዩ።

18እቶም ዝሰምዑ ዅሎም ከዓ፥ በቲ እቶም ጓሶት ዝነገርዎም ተገረሙ።

19ማርያም ግና፥ ነዝ ዅሉ ነገር እዙይ፥ ኣብ ልባ ተዓቝሮን ትሓስቦን ነበረት።

20እቶም ጓሶት ድማ ኸምቲ ዝተነግሮም ኮይኑ ስለ ዝረኸብዎ፥ ስለ እቲ ዅሉ ዝሰምዕዎን ዝረአይዎን፥ ንእግዚኣብሄር እናኽበሩን እናመስገኑን ተመለሱ።

21ብሻምናይ መዓልቲ፥ ነቲ ህፃን ክገርዝዎ ወሰድዎ። ስሙውን ከምቲ ገና ኣብ ማህፀን ከይተጠንሰ እንተሎ፥ እቲ መልኣኽ ኣቐዲሙ ዝሰመዮ፥ “ኢየሱስ” ኢሎም ሰመይዎ።

22ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዘሎ፥ ናይ ምንፃሆም እዋን ምስ ኣኸለ፥ ነቲ ህፃን ናብ እግዚኣብሄር ከቕርብዎ ናብ ኢየሩሳሌም ወሰድዎ።

23እዙይ ድማ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር “ኵሉ ማህፀን እኖኡ ዝኸፍት፥ በዅሪ ወዲ፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ይበሃል” ዝብል ተፅሒፉ ስለ ዝነበረ እዩ።

24ከምኡውን ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር “ክልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ጫቚታት ርግቢ መስዋእቲ የቕርቡሉ” ስለ ዝብል እዩ።

25እንሆ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ስምኦን ዝበሃል ሰብ ነበረ። እዝ ሰብ እዙይ፥ ምፅንናዕ እስራኤል ክርኢ ዝፅበ፥ ፃድቕን ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕን ሰብ ነበረ፤ መንፈስ ቅዱስ ድማ ሓዲርዎ ነበረ።

26ነቲ ናይ እግዚኣብሄር መሲሕ እንተይረአየ ኸም ዘይመውትውን፥ መንፈስ ቅዱስ ገሊፁሉ ነበረ።

27ዮሴፍን ማርያምን ከም ስርዓት ሕጊ ኽገብሩሉ፥ ንህፃን ኢየሱስ ናብ ቤተ መቕደስ ምስ ኣእተውዎ፤ ስምኦን ብመንፈስ ቅዱስ ተለዓዒሉ ናብኡ መፀ።

28ንሱ ድማ ኣብ ሕቝፉ ተቐቢሉ፥ ንእግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ ኣመስገኖ፦

29“ኦ ጐይታ! ደጊም ንባርያኻ ኸም ቃልካ ብሰላም ኣፋንዎ፤

30ኣዒንተይ ነቲ ምድሓንካ ሪአናኦ እየንሞ።

31እዙይ ከዓ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ፥ ዘዳሎኻዮ ድሕነት እዩ፤

32ንሱ እቲ ንኣህዛብ ብርሃን ዝገልፅ፥ ንህዝብኻ እስራኤልውን ክብሪ እዩ።”

33ዮሴፍን እኖኡን ግና፥ በቲ ብዛዕባኡ ዝተብሃለ ይግረሙ ነበሩ።

34ስምኦን ከዓ ባረኾም፤ ንኖኡ ማርያም ድማ “እንሆ እዝ ህፃን እዙይ፥ ኣብ እስራኤል ንብዙሓት ምኽንያት ምውዳቖምን ምትሳኦምን፥ ከምኡውን ንዝቃወምዎ፥ ምልክት ኮይኑ ተሸይሙ እዩ።

35በዙይ ናይ ብዙሓት ሓሳባት ልቦም ክግለፅ እዩ፤ ንኣኺ ግና ብነፍስኺ ሰይፊ ኽሓልፍ እዩ” በላ።

36ካብ ነገድ ኣሴር ሃና እትብሃል ጓል ፋኑኤል፥ የመና ዝኣረገት ነቢዪት ነበረት፤ ብድንግልናኣ ምስ ዘእተወቶ ሰብኣያ ሸውዓተ ዓመት ገበረት።

37ንሳ ሰማንያን ኣርባዕተን ዓመት ዝዕድሚኣ መበለት ነበረት። ካብ ቤተ መቕደስ እንተይወፀትውን፥ ብፆምን ብፀሎትን ለይትን መዓልትን፥ ንእግዚኣብሄር ተገልግል ነበረት።

38ሽዑ መፂኣ ንእግዚኣብሄር ኣመስገነቶ፤ ንዅሎም ነቶም ምድሓን ኢየሩሳሌም ዝፅበዩ ከዓ፥ ብዛዕባኡ ተዛረበቶም።

39ከምቲ ዅሉ ሕጊ እግዚኣብሄር ዝእዝዞ ምስ ፈፀሙ፥ ንገሊላ ናብ ናዝሬት ዓዶም ተመለሱ።

40እቲ ህፃን ዓበየ፤ ብመንፈስውን ፀንዐ፤ ጥበብውን መሊእዎ ነበረ፤ ፀጋ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሊኡ ነበረ።

41እቶም ወለዱ ንበዓል ፋሲካ ዓመት ዓመት፥ ናብ ኢየሩሳሌም ይኸዱ ነበሩ።

42ኢየሱስ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ምስ ኮኖ፥ ከምቲ ልማዳቶም በዓል ከኽብሩ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ደየቡ።

43ነተን በዓላት ኣሕሊፎም፥ ናብ ዓዶም ክምለሱ እንተለዉ፥ ህፃን ኢየሱስ ኣብ ኢየሩሳሌም ተረፈ፤ ዮሴፍን ማርያምን ግና ኣይፈለጡን።

44ምስ መኻይዶም ዘሎ መሲልዎም፥ መንገዲ ሓደ መዓልቲ ተጕዓዙ፤ ኣብ ኣዝማዶምን ኣብ ዝፈልጥዎምን ድማ ደለይዎ።

45ምስ ሰኣንዎ ግና፥ እናደለይዎ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ።

46ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ድማ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ፥ ኣብ ማእኸል መምህራን ተቐሚጡ፥ ክሰምዖምን ክጥይቖምን እንተሎ ረኸብዎ።

47ዅሎም እቶም ዝሰምዕዎ ድማ፥ በቲ ምስትውዓሉን መልስታቱን ተገረሙ።

48ምስ ረአይዎ ድማ ገረሞም። እኖኡ ኸዓ “ወደይ፥ ስለ ምንታይ ደኣ ኸምዙይ ገበርካና? እንሆ ኣነን ኣቦኻን፥ ተጨኒቕና ኽንደልየካ ቐኒና” በለቶ።

49ንሱ ድማ “ንምንታይሞ ትደልዩኒ? ኣብቲ ገዛ ኣቦይ ክህሉ፥ ከም ዝግብአኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?” በሎም።

50ንሳቶም ግና፥ ነቲ ዝበሎም ዘረባ ኣየስተውዓልዎን።

51ምስኣቶም ወሪዱ ናብ ናዝሬት ከደ፤ ይእዘዞምውን ነበረ፤ እኖኡ ድማ ነዝ ዅሉ ነገር፥ ኣብ ልባ ተዓቝሮ ነበረት።

52ኢየሱስ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ሰብን፥ ብጥበብን ብቑመትን ብፀጋን ዓበየ።

ትርጓሜ

2:1-7 ምልኣት ግዜ ሕጂ በጺሑ ነበረ፣ ኣምላኽ ካብ ሰበይቲ እተወልደ እሞ ኣብ ትሕቲ ሕጊ እተገብረ ወዱ ኺሰድድ ከሎ። ኩነታት ልደቱ ብዙሕ ትሑት ነበረ። ክርስቶስ ኣብ ቤት እንግዶ ተወልደ፤ ከም ኣብ ቤት እንግዶ ገይሩ ንሓጺር እዋን ክቕመጥ ናብ ዓለም መጸ፣ ንኣናውን ከምኡ ኽንገብር ኬምህረና። ብሓጢኣትና ኸም እተደርበየ ሓይሊ ዘይብሉን ተስፋ ዝተቖረጸሉን ሕጻን ኴንና፣ ክርስቶስ ከኣ ከምኡ ነበረ። ብትሕትና ኽንቕመጥ፣ ክንለብስ ወይ ክንብላዕ ክንደይ ከም ዘይንደሊ፣ ንደቅና ኸኣ ክንጽብቕን ክንሓብሓቦምን ክንደይ ከም እንምነየሎም፣ ድኻታት ንሃብታማት ኪቐንኡ ክንደይ ከም ዝቐልሎም፣ ሃብታማት ድማ ንድኻታት ክንደይ ከም ዝንዕቑ ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጥ ነበረ። ግናኸ ብእምነት ወዲ ኣምላኽ ሰብ ኴኑ ኣብ መብልዕ እንስሳታት ደቂሱ ክንርኢ ኸሎና፡ ሓሳረይናነትና፡ ሃንቀውታናን ቅንኣትናን ይግትኣና። እዚ ዕላማ እዚ ቅኑዕ ገይሩ ኣብ ቅድሜና ኽህሉ ኸሎ፡ ንኣና ወይ ንደቅና ዓበይቲ ነገራት ክንደሊ ኣይንኽእልን ኢና።

2:8-20 መላእኽቲ ናይቲ ዝተወልደ መድሓኒ ምሉሕቲ ነበሩ፣ ንሳቶም ግና ናብ ገለ ድኻታት፣ ትሕትና ዝመልኦም፣ ፈራሃት ኣምላኽ፣ ትጉሃት ጓሶት ጥራይ ተላእኩ፣ ንመስርሕ ጽውዓኦም ዝፍጽሙ፣ ንመጓሰኦም እናሓለዉ ዝነበሩ። ቅኑዕ ዕዮ እናዓየናን ምስኡ እናጸናሕናን ከለና፣ ካብ መበጽሒ ኣምላኽ ኣይንርሕቕን። እግዚአብሔር ክብሪ እዚ ዕዮ እዚ ይውሰድ። ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕለይ። እግዚአብሔር ንደቂ ሰብ ዘለዎ ሰናይ ፍቓድ፣ ነቲ መሲሕ ብምልኣኽ ዝተገልጸ፣ ናብ ምስጋናኡ ይውሕዝ። ካልኦት ግብሪ ኣምላኽ ንኽብሩ እዮም፣ ቤዛነት ዓለም ግና ንኽብሩ ኣብ ላዕለይ እዩ። እቲ ኣምላኽ ነቲ መሲሕ ብምልኣኽ ዘርኣዮ ሰናይ ፍቓድ፣ ሰላም ናብዛ ታሕተዋይ ዓለም እዚኣ ኣምጽአ። ኣብዚ ሰላም ማለት ክርስቶስ ባህርያትና ብምውሳዱ ናባና ዝውሕዝ ኩሉ ሰናይ እዩ። እዚ እሙን ቃል እዩ፣ ብዘይቝጽሮም መላእኽቲ ዝተመስከረሉ፣ ንምቕባል ድማ ምሉእ ብምሉእ ዝግብኦ፣ እቲ ናይ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ሰናይ ፍቓድ፣ ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕለይ፣ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ምዃኑ። እቶም ጓሶት ግዜ ኣይደንገዩን፣ ብሃውሪ ድማ ናብቲ ቦታ መጹ። ረኣይዎም እሞ ኣዕገቡ፣ ብዛዕባ እዚ ቘልዓ እዚ ናብ ወጻኢ ኣፍለጡ፣ ንሱ እቲ መድሓኒ፣ ክርስቶስ ጐይታ ምዃኑ። ማርያም ነዚ ኩሉ ነገር ብጥንቃቐ ትዕዘቦን ትሓስቦን ነበረት፣ እዚ ድማ ንቕዱስ ስምዒታ ንምንቃሕ ዝበቅዕ ነበረ። ነዚ ነገር እዚ ኣብ ልብና ብዝበለጸ ምሉእ ብምሉእ እንተ ኣስተንቲንናዮ፣ ካብ ስሕተት ፍርዲን ተግባርን ዝበለጸ ንድሕን። ሕጂውን ንኣና መድሓኒ፣ ክርስቶስ ጐይታ፣ ከም ዝተወልደልና ኣብ ኣእዛንና ይእወጅ ኣሎ። እዚ ንኹሉ ብስራት ኪኸውን ይግባእ።

2:21-24 እግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ ብሓጢኣት ኣይተወልደን፣ እቲ ብልሹው ባህሪ ምምታት ወይ እቲ ብግዝረት ዚምእርግ ናብ ቅድስና ምሕዳስ ኣየድለዮን። እዚ ስርዓት እዚ ብእኡ፣ ኣብ ማእከል መከራታትን ፈተናታትን ንኣና ኢሉ ክሳዕ ሞት እኳ፣ ንምሉእ ሕጊ ፍጹም ምእዛዙ መብጽዓ ነበረ። ድሕሪ ኣርባዓ መዓልቲ፣ ማርያም ንንጽረታ ኢላ እቲ እተሰርዖ መስዋእቲ ንምቕራብ ናብ ቤተ መቕደስ ደየበት። ዮሴፍ ከኣ ነቲ ቅዱስ ህጻን ኢየሱስ ኣቕረቦ፣ ምኽንያቱ ኸኣ ከም በዅሪ ወዲ ንእግዚኣብሔር ኪቐርብን ከም ሕጊ ኸኣ ኪቤዘወን ነበሮ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6