ወንጌል ሉቃስ 18

BCV aksumትግርኛ42 ፍቕድታት6:32 ስማዕ
ስማዕ 6:32 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኢየሱስ፥ እንተይሰልከዩ ዅልሻዕ ክፅልዩ ኸም ዝግብኦም ንኸረድእ፥ ከምዙይ ኢሉ ብምስላ ተዛረቦም፦

2“ኣብ ሓንቲ ኸተማ ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሕ፥ ንሰብ ድማ ዘይሓፍር፥ ሓደ ፈራዲ ነበረ።

3ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ፥ ሓንቲ መበለት ነበረት፤ ናብኡ እናመፀት ከዓ፥ ‘ምስ ተፃራርየይ ፍረደለይ’ ትብሎ ነበረት።

4ንሱ ድማ ብዙሕ መዓልቲ ኣበያ። ብድሕሪኡ ግና ብልቡ ‘ንእግዚኣብሄር እኳ እንተ ዘይፈራሕኹ፥ ንሰብውን እንተ ዘይሓፈርኩ፥

5እዛ መበለት እዚኣ ኣሸጊራትኒ እያ እሞ፥ መመሊሳ እናመፀት ከይተትክረኒ፥ ክፈርደላ ደኣ’ በለ።”

6ጐይታ ኸዓ ኸምዙይ በለ፦ “እዝ ዓመፀኛ ፈራዲ ዝብሎ ዘሎ ስምዑ።

7እግዚኣብሄር ግዳ፥ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዝምህለሉ ሕሩያቱ፥ ኣይፈርደሎምንዶ? ወይ ዝድንጕዮምዶ ይመስለኩም?

8ቀልጢፉ ኽፈርደሎም እዩ እብለኩም ኣለኹ። እንተ ኾነ፥ ወዲ ሰብ ምስ መፀስ፥ ኣብ ምድሪ እምነትዶ ኽረክብ ይኸውን?”

9ኢየሱስ ነቶም ፃድቃን ከም ዝኾኑ፥ ብባዕልቶም ዝምክሑ ንኻልኦት ግና፥ ዝንዕቑ ዝነበሩ፥ ከምዙይ ኢሉ መሰለሎም፦

10“ክልተ ሰባት፥ ክፅልዩ ናብ ቤተ መቕደስ ደየቡ። እቲ ሓደ ፈሪሳዊ፥ እቲ ኻልኣይ ድማ፥ ተቐባሊ ቀረፅ ነበሩ።

11እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ ‘ኦ እግዚኣብሄር፥ ከምቶም ካልኦት፥ ከተርቲ፥ ዓመፅቲ፥ ዘመውቲ ሰባት፥ ወይ ከምዝ ተቐባሊ ቀረፅ እዙይ ስለ ዘይኮንኩ፥ አመስግነካ ኣለኹ።

12ኣብ ሰሙን ክልተ መዓልቲ እፀውም፤ ካብ ኵሉ ዘጥረኹዎውን ኣስራት ኣውፅእ’ እናበለ ፀለየ።

13እቲ ተቐባሊ ቀረፅ ግና፥ ኣብ ርሑቕ ደው ኢሉ፥ ዓይኑ ናብ ሰማይ ቈላሕ ከብል እኳ እንተይደፈረ፥ ‘ኦ ኣምላኽ፥ ንኣይ ንሓጢኣተኛ መሓረኒ’ እናበለ፥ ኣፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ።

14ካብቲ ፈሪሳዊ፥ እቲ ተቐባሊ ቀረፅ፥ ፀዲቑ ናብ ገዛኡ ኸም ዝተመለሰ እብለኩም ኣለኹ፤ ኵሉ ንባዕሉ ልዕል ልዕል ዘብል፥ ክዋረድ፥ ኵሉ ንባዕሉ ዘትሕት ግና፥ ልዕል ክብል እዩ።”

15ኢየሱስ ንህፃናት ኢዱ ኸንብረሎም፥ ናብኡ ኣምፅእዎም፤ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ፥ እዙይ ሪኦም ነቶም ሰባት ገሰፅዎም።

16ኢየሱስ ግና ፀዊዑ፥ “መንግስቲ እግዚኣብሄር ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፥ ህፃናት ናባይ ክመፁ ኣይትኸልክልዎም።

17ንመንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ከም ህፃን ኮይኑ ዘይቕበላ፥ ከቶ ኸም ዘይኣትዋ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።

18ሓደ ኻብቶም ኣሕሉቕ ድማ “ኦ ሕያዋይ መምህር፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ፥ እንታይ ክገብር?” ኢሉ ጠየቖ።

19ኢየሱስ ከዓ፥ “ንምንታይ ሕያዋይ ትብለኒ? ብዘይ ሓደ እግዚኣብሄር፥ ሕያዋይ የለን።

20ነተን ‘ኣይትቕተል፤ ኣይትዘሙ፤ ኣይትስረቕ፤ ብሓሰት ኣይትመስክር፤ ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር’ ዝብላ ትእዛዛት ትፈልጠን ኢኻ” በሎ።

21ንሱ ኸዓ “ነዙይ ኵሉስ፥ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ሓልየዮ እየ” በለ።

22ኢየሱስ ድማ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ “እምበኣር ሓንቲ ተሪፋትካ ኣላ፤ ዘለካ ዅሉ ሼጥኻ፥ ንድኻታት ሃብ፤ ኣብ ሰማይ ሃብቲ ኽትረክብ ኢኻ፤ ነዓ ተኸተለኒ” በሎ።

23ንሱ ኸዓ ነዙይ ምስ ሰምዐ፥ የመና ሃብታም ስለ ዝነበረ፥ ብዙሕ ሓዘነ።

24ኢየሱስ ብዙሕ ምሕዛኑ ሪኡ፥ “ሃብቲ ንዘለዎም፥ ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ምእታው ክንደይ ጭንቂ እዩ።

25ሃብታም፥ ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ካብ ዝኣቱስ፥ ግመል ብዓይኒ መርፍእ ክሓልፍ ይቐልል” በለ።

26እቶም ዝሰምዑ ድማ “መን ደኣ ኾን ክድሕን ይኽእል?” በሉ።

27ንሱ ኸዓ “እቲ ንሰብ ዘይከኣሎ፥ ንእግዚኣብሄር ይከኣሎ እዩ” በሎም።

28ሽዑ ጴጥሮስ “እንሆ ንሕና ዅሉ ሓዲግና፥ ተኸቲልናካ ኣለና”(ሀ) በሎ።

29ንሱ ኸዓ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ምእንቲ መንግስቲ እግዚኣብሄር ኢሉ፥ ቤት ኮነ ወይ ሰበይቲ፥ ወይ ኣሕዋት፥ ወይ ወለዲ፥ ወይ ውሉድ ዝሓደገ፥

30ኣብዝ ዓለም እዙይ ብዙሕ ካዕበት፥ ኣብታ እትመፅእ ዓለም ከዓ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የለን” በሎም።

31ኢየሱስ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርት ናብኡ ወሲዱ “እንሆ ናብ ኢየሩሳሌም ንድይብ ኣለና፤ ኵሉ እቲ ብዛዕባ ወዲ ሰብ፥ ብነቢያት ዝተፅሓፈ ኽፍፀም እዩ።

32ንኣህዛብ ኣሕሊፎም ክህብዎ፥ ከላግፁሉ፥ ክፀርፍዎ፥ እንትፍውን ክብሉሉ፥

33ገሪፎም ድማ ኽቐትልዎ እዮም። ብሳልሰይቲ መዓልቲ እውን፥ ክትስእ እዩ” በሎም።

34ንሳቶም ግና፥ ካብዝ ነገር እዙይ ሓደኳ ኣየስተውዓሉን፤ እዝ ዘረባዙይ ተሰዊርዎም ስለ ዝነበረ፥ ነቲ ዝተዛረቦ ኣየስተውዓልዎን ነበሩ።

35ናብ ኢያሪኮ ምስ ቀረበ፥ እንሆ ሓደ ዕውር ሰብኣይ፥ ኣብ ጥቓ መንገዲ ተቐሚጡ ይልምን ነበረ።

36ህዝቢ ብእኡ ኽሓልፍ እንተሎ ድምፂ ሰሚዑ፥ “እዝ ዝሰምዖ ዘለኹ እንታይ እዩ?” ኢሉ ጠየቐ።

37ንሳቶም ከዓ “እቲ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ይሓልፍ ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ።

38ሽዑ ንሱ፥ ድምፁ ዓው ኣቢሉ “ኦ ኢየሱስ ወዲ ዳዊት፥ ራህርሀለይ!” በለ።

39እቶም ቅድሚት ይኸዱ ዝነበሩ፥ ስቕ ክብል ገሰፅዎ፤ ንሱ ግና ብዝበለፀ ዓው ኢሉ “ኦ ኢየሱስ ወዲ ዳዊት፥ ራህርሀለይ!” በለ።

40ኢየሱስ ከዓ ደው ኢሉ፥ ናብኡ ኸምፅእዎ ኣዘዘ። ናብኡ ምስ ቀረበ ድማ ኢየሱስ፦ “እንታይ ክገብረልካ ትደሊ?” ኢሉ ጠየቖ። እቲ ዕዉር ከዓ “ጐይታ! ኣዒንተይ ክሪኣ” በለ።

42ኢየሱስ ድማ “ረአ፥ እምነትካ እያ ኣሕውያትካ” በሎ።

43ሽዑ ንሽዑ ድማ ረአየ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር እናመስገነ ተኸተሎ፤ ኵሎም እቶም ህዝቢ እውን ነዙይ ምስ ረአዩ፥ ንእግዚኣብሄር ኣመስገንዎ።

ትርጓሜ

18:1-8 ህዝቢ ኣምላኽ ኩሎም ሰብ ጸሎት እዮም። ኣብዚ ንመንፈሳዊ ምሕረት ብትግሃትን ብጽንዓትን ምጽላይ ይምሃር። ትግሃት እታ መበለት ነቲ ዘይጻድቕ ዳኛ እውን ኣሰጋጊርዎ። እቲ ዳኛ ብዝያዳ ከም ዝጻረራ ክትፈርህ ትኽእል እያ ነይራ፣ ግናኸ እቲ ትጉህ ጸሎትና ንኣምላኽና ባህ የብሎ። ክሳብ መወዳእታ እውን፡ ብዛዕባ ድኻም እምነት ተመሳሳሊ ቅሬታ ክህሉ እዩ።

ሉቃስ 18:9-14

እዚ ምሳሌ እዚ፡ ኣብ ገዛእ ርእሶም ጻድቃን ምዃኖም ዝተኣማመኑን ንኻልኦት ዝንዕቁ ዝነበሩን ገለ ሰባት ንምእማን እዩ ዝሃቦ። ኣምላኽ ናብኡ ብቅዱሳት ስርዓታት ክንመጽእ ከለና፡ በየናይ መንፈስን ዕላማን ከም እንመጽእ ይርኢ እዩ። እቲ ፈሪሳዊ ዝበሎ፡ ኣብ ርእሱ ጻድቕ ምዃኑ ይኣምን ከም ዝነበረ የርኢ። ካብ ከባብን ነውርን ዝኾኑ ሓጢኣታት ንጹህ ምንባሩ ክንገምት ንኽእል። እዚ ኩሉ ብዙሕ ጽቡቕን ዘድንቕን እዩ ነይሩ። ካብ ጽድቂ ናይዚ ፈሪሳዊ እዚ ዝጎድሉ ሰባት ዘሕዝን ኩነታት ኣለዎም፣ ግናኸ ንሱ እኳ ተቐባልነት ኣይረኸበን፤ ስለምንታይከ? ናብ ቤተ መቕደስ ንምጽላይ ደየበ፡ ግን ብነፍሱን ብጽቡቕ ተግባራቱን ዝመልአ ነበረ፤ ሞገስን ጸጋን ኣምላኽ ክሓትት ዝግብኦ ኣይመሰሎን። ትዕቢተኛ ዝኾነ ኣምልኾ ንእግዚኣብሔር ንኸየቕርብን ንኻልኦት ንኸይንዕቕን ንጥንቀቕ።

እቲ ቀራጻ ናብ ኣምላኽ ዘቕረቦ ጸሎት፡ ብትሕትናን ብንስሓ ሓጢኣትን ናብ ኣምላኽ ብዝነበሮ ሃረርታን ዝመልአ ነበረ። ጸሎቱ ሓጺር ነበረ፡ ግን መልእኽቱ ዝሰሓበ እዩ ነይሩ፤ “ኣምላኽ ሆይ፡ ንኣይ ሓጢኣተኛ ምሓረኒ።” ኣምላኽ ይባረኽ! እዚ ሓጺር ጸሎት እዚ ከም ዝተመለሰ ጸሎት ኮይኑ ኣብ መዝገብ ተሰኒዱ ስለዘሎን፡ እቲ ዝጸለዮ ድማ ምስጋት ረኺቡ ናብ ቤቱ ከም ዝኸደን ስለ እንተኣማመን፤ ንሕና እውን ልክዕ ከምኡ ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢልና እንተ ጸሊና፡ ክንስገት ኢና። ብባህርይኡን ብግብሩን ሓጢኣተኛ ምዃኑ፡ ቅድሚ ኣምላኽ ድማ በዳሊ ምዃኑ ተኣሚኑ። ካብ ምሕረት ኣምላኽ ወጻኢ ካልእ ዝምክሐሉ ነገር ኣይነበሮን፤ በቲ ጥራይ ተወኪሉ ነበረ። ክብሪ ኣምላኽ ድማ ንትዕቢተኛታት ምቅዋምን ንትሑታት ጸጋ ምሃብን እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6