ወንጌል ሉቃስ 12

BCV aksumትግርኛ58 ፍቕድታት9:13 ስማዕ
ስማዕ 9:13 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኣእላፋት ህዝቢ፥ ንስንሳቶም ክሳዕ ዝፀቓቐጡ ናብኡ ምስ ተኣከቡ፥ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዙይ ክብሎም ጀመረ፦ “ካብ ማይ ብሒቝ ፈሪሳውያን፥ ንሱውን ካብ ግብዝና፥ ርእስኹም ሓልዉ።

2ዘይቕላዕ ክዱን፥ ዘይፍለጥ ሕቡእ የለን።

3ስለዙይ እቲ ዅሉ ኣብ ፀልማት ዝተዛረብኩምዎ፥ ኣብ ብርሃን ክስማዕ እዩ፤ እቲ ኣብ ውሽጢ ገዛ፥ ኣብ እዝኒ ብሕሹኽሹኽ ዝተዛረብኩምዎ ድማ፥ ኣብ ናሕስታት ክስበኽ እዩ።

4“ንኣኻትኩም ነዕርኽተይ እብለኩም ኣለኹ፤ ስጋ ንዝቐትሉ፥ ብድሕሪኡ ኻብኡ ሓሊፎም፥ ሓደ እኳ ኽገብሩ ንዘይኽእሉ ኣይትፍርሑ።

5ኣነ ግና፥ ንመን ከም እትፈርሑ ኸርእየኩም እየ፤ ነቲ ምስ ቀተለ፥ ናብ ገሃነም ክድርቢ ስልጣን ዘለዎ፥ ንእኡ ፍርሑ። እወ፥ ንእኡ ፍርሕዎ እብለኩም ኣለኹ።

6ሓሙሽተ ኣዕዋፍ፥ ብኽልተ ሳንቲምዶ ኣይኮናን ዝሽየጣ? ካብኣተን ሓንቲ እኳ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣይትርሳዕን እያ።

7ንስኻትኩምስ፥ ኵለን ፀጕሪ ርእስኻትኩምውን ቍፁራት እየን። እምበኣርከስ፥ ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልፁ ኢኹም እሞ፥ ኣይትፍርሑ።

8“ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝምስክረለይ፥(ሀ) ኣነውን ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ እግዚኣብሄር፥ ክምስክረሉ እየ።

9እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዝኽሕደኒ ግና፥ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ እግዚኣብሄር ክኽሕዶ እየ።

10ኵሉ ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ፥ ዝኾነ ቓል ዝዛረብ(ለ) ክሕደገሉ እዩ፤ ንመንፈስ ቅዱስ ዝፀርፍ ግና፥ ኣይሕደገሉን(ሐ) እዩ።

11ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድን(መ) ገዛእትን ሰብ ስልጣንን እንተ ወሰዱኹም፥ ከመይ ወይ እንታይ ከም እትምልሱ ወይ እንታይ ከም እትናገሩ ኣይትጨነቑ።

12“በታ ሰዓት እቲኣ፥ እንታይ ከም ትምልሱን፥ እንታይ ከም ትናገሩን፥ መንፈስ ቅዱስ ክገልፀልኩም እዩ እሞ።”

13ሓደ ኻብቶም ህዝቢ ድማ “መምህር፥ ንሓወይ ርስቲ ኽመቕለኒ ተዛረበለይ” በሎ።

14ኢየሱስ ከዓ “ኣታ ሰብኣይ፥ ኣባኻትኩምከ ዳኛን መማቐልን ገይሩ መን ሸመኒ?” በሎ።

15ኣስዒቡውን “ህይወት ሰብ፥ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኮነትን እሞ ተጠንቀቑ፤ ካብ ኵሉ ስስዐውን ተዓቀቡ” በሎም።

16ከምዙይ ኢሉውን ምስላ መሰለሎም፦ “ገራሁኡ ብዙሕ ዝፈረየሉ፥ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ፤

17‘እኽለይ ዝእክበሉ ማዕኸን የብለይን፤ እንታይ ደኣ ኽገብር?’ ኢሉ ብልቡ ሓሰበ።

18ከምዙይ ድማ በለ፦ ‘እቲ ናይ ቅድም፥ ማዕኸነይ ኣፍሪሰ፥ ኣግፊሐ ኽሰርሖ እየ፤ ኣብኡ ድማ ዅሉ እኽለይን ሃብተይን ክእክብ እየ።

19ንነፍሰይ ከዓ፦ ኦ ነፍሰይ! ንብዙሕ ዓመታት ዝኣክል፥ ብዙሕ ዝተኣከበ ሃብቲ ኣለኪ እሞ ኣዕርፊ፤ ብልዒ፤ ስተዪ፤ ተሓጐሲ፤ ክብላ እየ’ በለ።

20እግዚኣብሄር ግና፥ ‘ኣታ ዓሻ! በዛ ለይቲ እዚኣ፥ ንነፍስኻ ኻባኻ ኽወስድዋ እዮም፤ እዝ ዝኣከብካዮ ደኣ ንመን ክኸውን እዩ?’ በሎ።

21እቲ ንባዕሉ ሃብቲ ዝእክብ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ግና ሃብታም ዘይኮነ፥ ከምኡ እዩ።”

22ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዙይ በሎም፦ “ካብ ምግቢ፥ ህይወት ትዓቢ፤ ካብ ክዳንውን፥ ሰብነት እዩ ዝዓቢ፤ ስለዙይ ንህይወትኩም ብትበልዕዎ ወይ ንሰብነትኩም ብትኽደንዎ፥ ኣይትጨነቑ እብለኩም ኣለኹ።

24እስኪ ናብ ኳዃት ተመልከቱ፤ እግዚኣብሄር ይቕልቦም እምበር ኣይዘርኡ፤ ኣይዓፅዱ፤ ማዕኸን ወይ ቆፎ የብሎምን፤ ካብ ኣዕዋፍስ ንስኻትኩምዶ ግዳ፥ እምብዛ ኣይትበልፁን!

25ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ፥ ኣብ ቁመቱ ሓንቲ እመት ክውስኽ ዝኽእል መን ኣሎ?

26እዝ ቀሊል ነገር ምግባር ካብ ዘይትኽእሉ ደኣ፥ ንምንታይ ብኻልእ ነገር እትጭነቑ?

27ዕምበባታት ከመይ ኢሎም ከም ዝዓብዩ ኣስተብህሉ፤ ኣይፅዕሩ ኣይፈትሉ፤ ኣነ ግና እብለኩም ኣለኹ፤ ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ፥ ካብኣቶም ከም ሓደ ኣይተኸደነን።

28እግዚኣብሄር ነዝ ሎሚ ዘሎ ፅባሕ ግና፥ ናብ እቶን ዝድርበ ሳዕሪ በረኻ፥ ከምዙይ ገይሩ ዝኸድኖ ኻብ ኮነ፥ ኣቱም እምነት ዝጐደለኩም፥ ንኣኻትኩም ግዳ ኸመይ ኣብዚሑ ዘይኸድነኩም?

29ንስኻትኩም ከዓ ‘እንታይ ክንበልዕ ኢና? እንታይከ ኽንሰቲ ኢና?’ ኢልኩም ኣይትሸበሩን ኣይትጨነቑን።

30ነዝ ዅሉስ ኣህዛብ ዓለም ይደልይዎ እዮም፤ ንኣኻትኩም ግና፥ እዝ ዅሉ ኸም ዘድልየኩም፥ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም ይፈልጥ እዩ።

31ንስኻትኩምስ፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ደኣ ድለዩ፤ እዝ ዅሉ ድማ ክውሰኸልኩም እዩ።

32“ኣቱም ንኡስ መጓሰ፥ ኣቦኻትኩም መንግስቲ ኽህበኩም ፈትዩ ኣሎ እሞ፥ ኣይትፍርሑ።

33ጥሪትኩም ሼጥኩም ምፅዋት ሃቡ። ሰራቒ ኣብ ዘይረኽቦ፥ ነቐዝ ኣብ ዘየባላሽዎ፥ ዘይበሊ ሙዳይን፥ ዘይጐድል ሃብትን፥ ኣብ ሰማይ ኣዋህልሉ።

34ሃብትኻትኩም ኣብ ዘለዎ፥ ልብኹም ኣብኡ ኣሎሞ።

35“ሕቘኻትኩም ዕጡቕ፥ መብራህትኻትኩም ብሩህ ይኹን።

36ንስኻትኩምውን፥ ከምቶም ጐይታኦም ካብ መርዓ ኽሳዕ ዝምለስ ዝፅበይዎ እሞ፥ መፂኡ ምስ ኳሕዅሐ፥ ሽዑ ንሽዑ ዝኸፍቱሉ ሰባት ኩኑ።

37እቶም ጐይታኦም ክምለስ እንተሎ፥ ነቒሖም ዝረኽቦም መገልገልቲ ብፁኣን እዮም። ተዓጢቑ ኣብ ማእዲ ኸም ዘቐምጦም፥ ቀሪቡውን ከም ዘገልግሎም ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።

38ኣብ ካልአይቲ ወይ ኣብ ሳልሰይቲ ኽፍለ ጊዜ ናይ ለይቲ፥ መፂኡ ነቒሖም ዝረኽቦም መገልገልቲ ብፁኣን እዮም።

39ግና እዙይ ፍለጡ፤ በዓል ቤት፥ ነታ ሰራቒ ዝመፀላ ጊዜ እንተ ዝፈልጣስ፥ ምነቕሐ፤ ገዛኡ ኽኰዓት እንተሎውን ስቕ ኣይምበለን ነይሩ።

40ንስኻትኩምውን፥ ወዲ ሰብ፥ ብዘይሓሰብኩምዎ ጊዜ ኽመፅእ እዩ እሞ፥ ተዳሊኹም ንበሩ።”

41ጴጥሮስ ከዓ “ኦ ጐይታ! እዝ ምስላ እዙይስ፥ ንኣና ዲኻ እትምስሎ ዘለኻ ወይ ከዓ ንዅሉ ኢኻ?” በሎ።

42ጐይታ ድማ ኸምዙይ በለ፦ “እቲ ቐለቦም በብጊዜኡ ኽህቦም፥ ጐይታኡ ኣብ ቤተሰቡ ዝሸሞ እሙንን መስተውዓልን መጋቢ መን እዩ?

43እቲ ጐይታኡ ኽምለስ እንተሎ፥ ከምዙይ እናገበረ ዝረኽቦ ኣገልጋሊ ብፁእ እዩ።

44ኣብ ልዕሊ ዅሉ ጥሪቱ ኸም ዝሸሞ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።

45እቲ ኣገልጋሊ ብልቡ ‘ምምፃእ ጐይታይ ገና ኽድንጕ እዩ’ ኢሉ፥ ነቶም ሓሻኽርን ኣግራድን ክገርፍ፥ ክበልዕ፥ ክሰትን ክሰክርን እንተ ጀመረ ግና፥

46ጐይታ እቲ ኣገልጋሊ እቱይ፥ ንሱ ብዘይተፀበያ መዓልትን ብዘይፈለጣ ሰዓትን፥ መፂኡ ኽቐፅዖ፥(ሠ) ዕድሉ ኸዓ ምስቶም ዘይኣምኑ ኽገብሮ እዩ።

47እቲ ፍቓድ ጐይታኡ ፈሊጡ ዘይተዳለወ፥ ከምታ ፍቓዱውን ዘይገበረ ኣገልጋሊ፥ ብዙሕ መቕፃዕቲ ኽቕፃዕ እዩ።

48እቲ እንተይፈለጠ ንመቕፃዕቲ ዘብፅሕ ግብሪ ዝገበረ ግና፥ መቕፃዕቱ ኽቐለሉ እዩ፤ ብዙሕ ንዝሃብዎ፥ ካብኡ ብዙሕ ይደልዩ፤ ብዙሕ ሓደራ ንዝሃብዎ ድማ፥ ካብኡ ኣብዚሖም ይፅበዩ።(ረ)

49“ሓዊ ኸምፅእ እየ ናብ ምድሪ ዝመፃእኹ፤ ሕዝኸ ዝነደደ ኻብ ኮነ፥ እንታይ እደሊ?

50ግና ዝጥመቖ ጥምቀት ኣለኒ፤ ክሳዕ እትፍፀም ድማ ኸመይ ዘይጭነቕ?

51ናብ ምድሪ ሰላም ከምፅእ ዝመፃእኹዶ ይመስለኩም? እብለኩም ኣለኹ ኣይፋሉን፤ ምፍልላይ ደኣ እምበር።

52ካብ ሕዚ ንደሓር፥ ሓሙሽተ ኣብ ሓንቲ ቤት እንተ ሃለዉ፥ ሰለስተ ኣብ ልዕሊ ኽልተ፥ ክልተ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ተልዒሎም ክፈላለዩ እዮም።

53ኣቦ ኣብ ልዕሊ ወዱ፥ ወዲውን ኣብ ልዕሊ ኣቦኡ፥ እኖ ኣብ ልዕሊ ጓላ፥ ጓልውን ኣብ ልዕሊ እኖኣ፥ ሓማት ኣብ ልዕሊ ሰበይቲ ወዳ፥ ሰበይቲ ወዲውን ኣብ ልዕሊ ሓማታ፥ ተልዒሎም ክፈላለዩ እዮም።”

54ነቶም ህዝቢ ድማ በሎም፦ “ደመና ብወገን ምዕራብ፥ ድብንብን እንትብል ምስ ረአኹም፥ ሽዑ ዝናም ክዘንም እዩ ትብሉ፤ ከምኡ ድማ ይኸውን።

55ንፋስ ደቡብ ክነፍስ ምስ ረአኹምውን፥ ሃሩር ክኸውን እዩ ትብሉ፤ ከምኡ ድማ ይኸውን።

56ኣቱም ግብዛት፥ ምምርማር ገፅ ሰማይን ምድርን ትፈልጡ፤ ከመይ ደኣ ነዝ ዘመን እዙይ፥ መርሚርኩም ዘይትፈልጥዎ?

57“ስለ ምንታይከ ባዕልኻትኩም ሓቂ ዘይትፈርዱ?

58መባእስትኻ ናብ ቤት ፍርዲ እንተ ወሰደካ፥ ኣብ ፈራዲ ኸየብፅሐካ፥ እቲ ፈራዲ ኸዓ፥ ንወታደር ኣሕሊፉ ኸይህበካ፥ እቲ ወታደርውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸይድርብየካስ፥ ኣብ መንገዲ እንተለኻ፥ ምስ መባእስትኻ ንምትዕራቕ ፀዓር።

59እንተ ዘይኮነ፥ እታ መወዳእታ ሳንቲም ክሳዕ እትዓዲ፥ ካብኣ ኸም ዘይትወፅእ እነግረካ ኣለኹ።”

ትርጓሜ

12:1-12 ጽኑዕ እምነት ብትምህርቲ ምሉእ መለኮታዊ ኣስተዳዳር ኣምላኽን ስፍሓቱን፡ ኣብ ግጥም እንከለና ኬዕግበና ነይሩ፤ ከምኡ'ውን ኣብ መገዲ ግዴታና ንኣምላኽ ክንውከል ከባብዓና ነይሩ። እቲ መለኮታዊ ኣስተዳዳር ንዝንእሽቱ ፍጡራት፣ ንዕፍሩታት እኳ ይርእዮም እዩ፤ ስለዚ ድማ ነቲ ዝንእሽቱ ጥቕሚ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ይርእዮ። ሕጂ ንክርስቶስ ዚእመኑ፣ በቲ ዓባይ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ብእኡ ክፍለጡ እዮም። ካብ ምኽሓድ ክርስቶስን ምጥላም ሓቅታቱን መገድታቱን ንምክልኻልና፡ እቶም ንክርስቶስ ዚኽሕዱ፡ ብኡ ኣቢሎም ህይወቶም እኳ እንተ ኣድሓኑ፡ ወይ ድማ ብእኡ ኣቢሎም መንግስቲ እንተ ረኸቡ፡ ኣብ መወዳእታ ዓበይቲ ከሳርቲ ከም ዚኾኑ ኣብዚ ንረጋግጸሉ። ከመይሲ ክርስቶስ ኣይፈልጦምን፣ ኣይቅበሎምን፣ ኣይርሕርሓሎምን እዩ። ግናኸ ዝርዕድ፣ ንስሓ ዝገበረ ተንካሪ ምሕረት ምቕባል ኣይጠራጠር። እዚ ኸኣ ካብቲ ንመንፈስ ቅዱስ ዚጸርፍ ጽኑዕ ጽልኢ ፈጺሙ ዝተፈላለየ እዩ፤ እዚ ኸኣ ንዝኾነ ይኹን ግዜ ኣይክመሓርን፣ ምኽንያቱ ፈጺሙ ኣይክንሳሓሉን እዩ።

12:13-21 መንግስቲ ክርስቶስ መንፈሳዊት እያ እሞ ኸኣ ናይዛ ዓለም እዚኣ ኣይኮነትን። ክርስትና ኣብ ፖለቲካ ኣይትኣትውን። ንዅሎም ንቕንዕና ኺገብሩ ተገድዶም እያ እምበር፡ ናይ ዓለም ግዝኣት ግን ብጸጋ ዝተመስረተ ኣይኮነን። ብሃይማኖት ዓለማዊ ረብሓታት ንምርካብ ዝግበር ትጽቢት ኣይተተባብዕን። ዓስቢ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ካልእ ባህርይ ዘለዎ እዩ። ስስዔ፡ ብቐጻሊ ኽንብገሰሉ ዘሎና ሓጢኣት እዩ። ከመይሲ ሓጎስን ምጽንናዕን ኣብ ሃብቲ እዛ ዓለም እዚኣ ኣይኮነን ዝምርኮስ። ነገራት እዛ ዓለም እዚኣ ንትምኒት ነፍሲ ኣይተዕግብን እዩ።

ኣብዚ ንዕሽነት ስጋውያን ዓለማውያን ብህይወት ከለዉን፡ ሞቶም ከኣ ንመከራኦም ዝገልጽ ምሳሌ ኣሎ። እቲ ተሳኢሉ ዘሎ ባህርይ፡ ናይ ሓደ ልባም ኮይኑ ዓለማዊ ዝኾነ ሰብ ብልክዕ እዩ። እዚ ሰብ’ዚ ንምሕረት ኣምላኽ ምስጋና ዘይብሉ፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ዘይምርግጋእ ሰብኣዊ ጉዳያት፡ ዋጋ ነፍሱ፡ ወይ ክብሪ ዘለኣለማዊነት ቅኑዕ ሓሳብ ዘይብሉ እዩ። ክንደይ ኢዮም እኳ ደኣ ኣብ መንጎ እቶም ክርስትያን ኢና ዝብሉ፡ ንዝመሳሰሉ ባህርያት ከም ኣብነታት ንምምሳልን ንዝምድና ዝጥዕሙ ሰባትን የመልክቱ! ሓሳባት ተሓቢኦም እዮምን ናጻ እዮም እንተደኣ ሓሲብና ጌጋ እዩ።

ኣብ ግራቱ ብዙሕ ፍርያት ምስ ረኣየ፡ ንኣምላኽ ምምስጋን ወይ ዝያዳ ሰናይ ንምግባር ብምኽኣሉ ምሕጓስ ኣብ ክንዲ ዝብል፡ ንርእሱ የጨንቕ። “ሕጂ እንታይ ክገብር እየ?” ኣብታ ሃገር ዝደኸየ ለማኒ ዝበለጸ ጭንቂ ዘለዎ ቃል ኣይምበለን።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG በዚያን ጊዜ የሕዝብ አእላፍ እርስ በርሳቸው እስኪረጋገጡ ድረስ ተሰብስበው ሳሉ፥ ለደቀ መዛሙርቱ እንዲህ ይል ጀመር፦ “አስቀድማችሁ ከፈሪሳውያን እርሾ ተጠበቁ፥ እርሱም ግብዝነት ነው። አማርኛ ENGNIV Meanwhile, when a crowd of many thousands had gathered, so that they were trampling on one another, Jesus began to spea… English BCV ኣእላፋት ህዝቢ፥ ንስንሳቶም ክሳዕ ዝፀቓቐጡ ናብኡ ምስ ተኣከቡ፥ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዙይ ክብሎም ጀመረ፦ “ካብ ማይ ብሒቝ ፈሪሳውያን፥ ንሱውን ካብ ግብዝና፥ ርእስኹም ሓልዉ። ትግርኛ GAZBIB Namoonni hamma wal irra ejjetanitti kumaatama baay'ee ta'anii, yeroo walitti qabamanitti, Yesus duraan dursee bartoota … Afaan Oromoo BCV GIZ ወተጋብኡ ኀቤሁ አእላፍ ሰብእ እስከ ይትካየዱ በበይናቲሆሙ ወአኀዘ ይበሎሙ ለአርዳኢሁ፦ “ቅድመ ተዐቀቡ እምነብሑኦሙ ለፈሪሳውያን ዘውእቱ አድልዎ። giz GAZGAZ Namoonni hamma wal irra ejjetanitti kumaatama baay'ee ta'anii, yeroo walitti qabamanitti, Yesus duraan dursee bartoota … Afaan Oromoo AMHNIV በዚያን ጊዜ፣ በብዙ ሺህ የሚቈጠር ሕዝብ እርስ በርስ እስኪረጋገጥ ድረስ ተሰብስቦ ሳለ፣ ኢየሱስ ለደቀ መዛሙርቱ እንዲህ ይል ጀመር፤ “ከፈሪሳውያን እርሾ ተጠንቀቁ፤ ይህም ግብዝነት ነው። አማርኛ SWAHSUV Wakati huo, makutano walipokutanika elfu elfu, hata wakakanyagana, alianza kuwaambia wanafunzi wake kwanza, Jilindeni n… Kiswahili