1ኢየሱስ ኣብ ሓንቲ ስፍራ ኽፅሊ ፀኒሑ ምስ ወድአ፥ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ፥ “ኦ ጐይታ! ከምቲ ዮሃንስ ንደቀ መዛሙርቱ ፀሎት ዝመሃሮም፥ ፀሎት መሃረና” በሎ።
2ንሱ ኸዓ በሎም፦ “ክትፅልዩ እንተለኹም ከምዙይ በሉ፦ ‘ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፥ ስምካ ይቀደስ፤ መንግስትኻ ትምፃእ፤ ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ ዝኾነ፥ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።
3ናይ ዕለት ምግብና በብዕለቱ ሃበና።
4ንሕና ንዝበደሉና ይቕረ ኸም እንብለሎም፥ ሓጢኣትና ይቕረ በለልና፤ ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፥ ናብ ፈተና ኣይተእትወና።’ ”
5ከምዙይ ከዓ በሎም፦ “ካባኻትኩም ሓደ ዓርኪ ዘለዎ እሞ፥ ፍርቂ ለይቲ ናብኡ ኸይዱ ‘ዓርከይ፥ ፈታዊየይ ገይሹ መፂኡንስ፥ ዘቕርበሉ ስኢነ እሞ፥ በይዛኻ ሰለስተ እንጀራ ኣለቅሐኒ’ እንተ በሎ፥
7እቲ ዓርኩ ኸዓ ኻብ ውሽጢ መሊሱ ‘ኣይተሸግረኒ፤ ሕዚ ማዕፆ ተሸጕሩ እዩ፤ ደቀይውን ምሳይ ኣብ ዓራት ደቂሶም ኣለዉ፤ ተሲአ ኽህበካ ኣይክእልን’ ዘይብሎ መን እዩ?
8ይኹን እምበር፥ ዓርኩ ስለ ዝኾነ፥ ተሲኡ ኽህቦ እኳ እንተ ዘይደለየ፥ ምእንቲ ኸየትክሮ ኢሉ፥ ተሲኡ ዝደለዮ ኸም ዝህቦ እብለኩም ኣለኹ።
9ኣነውን ‘ለምኑ፥ ክወሃበኩም እዩ፤ ድለዩ፥ ክትረኽቡ ኢኹም፤ ማዕፆውን ኳሕዅሑ፥ ክኽፈተልኩም እዩ’ እብለኩም ኣለኹ።
10ኵሉ ዝለመነ፥ ይቕበል፤ ዝደሊ ድማ ይረክብ፤ ማዕፆ ንዝዃሕዅሐ ይኽፈተሉ እዩ እሞ።
11ካባኻትኩምከ እንታዋይ ኣቦ እዩ፥ ወዱ እንጀራ እንተ ለመኖ፥ እምኒ ዝህቦ? ወይ ዓሳ እንተ ለመኖ፥ ክንዲ ዓሳ ተመን ዝህቦ?
12ወይ እንቍላሊሕ እንተ ለመኖ፥ ዕንቅርቢት(ሀ) ዝህቦ?
13እምበኣር ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት እንተለኹም፥ ንደቅኹም ሰናይ ውህብቶ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፥ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኻትኩም ግዳ፥ ንዝልምንዎ ኽንደይ ኣብሊፁ፥ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም!”
14ኢየሱስ ንበሃም ጋኔን የውፅእ ነበረ፤ እቲ ጋኔን ምስ ወፀ፥ እቲ በሃም ዝነበረ ሰብ ተዛረበ፤ እቶም ህዝቢ ኸዓ ተገረሙ።
15ካብኣቶም ድማ “ንኣጋንንቲ ብብኤል ዜቡል፥ ብሓለቓ ኣጋንንቲ እዩ ዘውፅኦም ዘሎ” በሉ።(ለ)
16ካልኦት ድማ ኽፍትንዎ፥ ካብኡ ኻብ ሰማይ ምልክት ይደልዩ ነበሩ።
17ንሱ ግና ሓሳባቶም ፈሊጡ ኸምዙይ በሎም፦ “ንስንሳታ ዝተፈላለየት መንግስቲ ትጠፍእ፤ ንስንሳታ ዝተፈላለየት ቤትውን ትወድቕ።
18ንኣይ ‘ንኣጋንንቲ፥ ብብኤል ዜቡል እዩ ዘውፅኦም ዘሎ’ እትብሉንስ፥ መንግስቲ ሰይጣን ንስንሳታ እንተ ተፈላለየት ደኣ፥ እታ መንግስቱ ኸመይ ኢላ ትቐውም?
19ኣነ ንኣጋንንቲ፥ ብብኤል ዜቡል ዘውፅኦም እንተ ኾይነ ደኣ፥ ደቅኹም ብመን የውፅእዎም ኣለዉ? ስለዙይ ንሳቶም ፈረድትኹም ክኾኑ እዮም።
20ኣነ ንኣጋንንቲ፥ ብሓይሊ እግዚኣብሄር ዘውፅኦም ካብ ኮንኩ ግና፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ናባኻትኩም መፂኣ እያ።
21እቲ ሓያል ሰብ፥ ኣፅዋሩ ዓጢቑ ቤቱ እንተ ሓለወ፥ ኵሉ ጥሪቱ ብሰላም ይነብር።
22ካብኡ ዝሕይል መፂኡ እንተ ሰዓሮ ግና፥ ነቲ ዝእመኖ ዝነበረ ኣፅዋሩ ይምንዝዖ፤ ነቲ ዝማረኾውን የማቕል።
23እቲ ምሳይ ዘይኮነ፥ ንሱ መፃርርተይ እዩ፤ እቲ ምሳይ ዘይእክብ ድማ ይብትን።
24“ርኹስ መንፈስ ካብ ሰብ ምስ ወፀ፥ ዕረፍቲ ደልዩ፥ ማይ ናብ ዘይብሉ ኣፃምእ ቦታ ይኸይድ እሞ፥ እንተ ዘይረኸበ፥ ‘ናብታ ዝወፃእኹላ ገዛይ ደኣ ኽምለስ’ ይብል።
25ምስ መፀ ድማ፥ ተዀስቲሩን ተመዓራርዩን ይፀንሖ።
26ብድሕሪዙይ ንሱ ይኸይድ፤ ካብኡ ዝገደዱ ኻልኦት ሸውዓተ መናፍስቲ እውን፥ ምስኡ ይማላእ፤ ኣትዮም ከዓ ኣብኡ ይሰፍሩ። ነቲ ሰብ እቱይ፥ ካብ ቀዳማዩ ዳሕረዋዩ ዝገደደ ይኸውን።”
27ኢየሱስ እዙይ እናተዛረበ እንተሎ፥ ካብቶም ህዝቢ፥ ሓንቲ ሰበይቲ ድምፃ ዓው ኣቢላ፥ “ዝፆረትካ ማህፀንን ዝጠቦኻየን ኣጥባትን ብፁኣት እየን” በለቶ።
28ንሱ ግና፥ “ብፁኣንስ፥ እቶም ንቓል እግዚኣብሄር ዝሰምዕዎን ዝሕልውዎን እዮም” በላ።
29ብዙሓት ሰባት ተኣኪቦም እንተለዉ ኸምዙይ ክብሎም ጀመረ፦ “እዝ ትውልዲ እዙይ፥ ክፉእ ትውልዲ እዩ፤ ምልክትውን ይደሊ ኣሎ፤ ብዘይ ምልክት ነቢይ ዮናስ ድማ፥ ምልክት ኣይወሃቦን እዩ።
30ከምቲ ዮናስ፥ ንሰብ ነነዌ ምልክት ዝኾኖም፥ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ፥ ነዝ ትውልዲ እዙይ፥ ምልክት ክኾኖ እዩ።
31ንግስተ ኣዜብ፥ ጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ፥ ካብ ወሰን ምድሪ መፂኣ እያ እሞ፥ ብመዓልቲ ፍርዲ፥ ምስ ሰባት እዝ ትውልዲ እዙይ ተሲኣ፥ ክትኵንኖም እያ፤ እንሆ ኻብ ሰሎሞን ዝዓቢ ግና ኣብዙይ ኣሎ።
32ሰብ ነነዌ፥ ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም እሞ፥ ብመዓልቲ ፍርዲ ምስ እዝ ትውልዲ እዙይ ተሲኦም፥ ክዅንንዎ እዮም። ካብ ዮናስ ዝዓቢ ግና፥ እንሆ ኣብዙይ ኣሎ።
33“ንመብራህቲ ኣብሪሁ፥ እቶም ዝኣትዉ ብርሃኑ ምእንቲ ኽሪኡ፥ ኣብ በሪኽ መቐመጢኡ እምበር፥ ኣብ ከውሊ ወይ ኣብ ትሕቲ ኸፈር፥ ዘንብሮ ሓደኳ የለን።
34ናይ ሰብነትካ መብራህቲ፥ ዓይንኻ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ኾይና፥ ኵሉ ሰብነትካ ብሩህ ይኸውን፤ ዓይንኻ ሕምምቲ እንተ ኾይና ግና፥ ኵሉ ሰብነትካ ፀልማት ይኸውን።
35እምበኣርከስ፥ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን፥ ፀልማት ከይኸውን ተጠንቀቕ።
36ኵሉ ሰብነትካ ፈፂሙ ፀልማት ዘይብሉ ብሩህ እንተ ኾነ፥ ከምቲ መብራህቲ ብምድማቑ ዘብርሀልካ፥ ኵሉ ሰብነትካ ድማ ብሩህ ክኸውን እዩ።”
37ኢየሱስ እዙይ ክዛረብ እንተሎ፥ ሓደ ፈሪሳዊ ምስኡ ኽመስሕ ፀውዖ፤ ኣትዩ ኸዓ ኣብ ማእዲ ተቐመጠ።
38እቲ ፈሪሳዊ፥ ኢየሱስ ቅድሚ ምሳሕ፥ ኢዱ ኸም ዘይተሓፀበ ምስ ረአየ ተገረመ።
39ጐይታ ግና ኸምዙይ በሎ፥ “እንሆ ንስኻትኩም ፈሪሳውያን፥ ንዋንጫን ፃሕልን ላዕሊ ላዕሉ ተፅርዩ፤ ውሽጥኹም(ሐ) ግና፥ ከትርን ክፍኣትን ዝመልአ እዩ።
40ኣቱም ግብዛት፥ እቲ ላዕሊ ላዕሉ ዝፈጠረ፥ ነቲ ውሽጡስ ኣይፈጠረንዶ?
41ግና ነቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ንምፅዋት ሃቡ፤ ድሕሪዙይ ኵሉ ነገር ፅሩይ ክኾነልኩም እዩ።
42“ኣቱም ፈሪሳውያን፥ ካብ ሽላንን ጨና ኣዳምን ኵሉ ኣሕምልትን ዕሽር እተውፅኡ፥ ፍትሕን ፍቕሪ እግዚኣብሄርን ግና፥ ሸለል እትብሉ ኢኹም እሞ ወይለኹም! ነቱይ እንተይሓደግኩምስ፥ ነዙይውን ክትገብሩ እዩ ዝግብአኩም ነይሩ።
43ኣቱም ፈሪሳውያን፥ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ(መ) ዝለዓለ መቐመጢ፥ ኣብ ዕዳጋውን ኢድ ክነስኡልኩም ትደልዩ ኢኹም እሞ ወይለኹም!
44ኣቱም መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ከምቲ ሰብ እንተይፈለጠ ረጊፅዎ ዝሓልፍ፥ ዘይረአ መቓብር ኢኹም እሞ ወይለኹም!”
45ሽዑ ሓደ ኻብቶም ሊቃውንቲ ሕጊ መሊሱ “መምህር፥ ከምዙይ ክትብል እንተለኻስ ንኣናውንኮ ትፀርፈና ኢኻ ዘለኻ” በሎ።
46ንሱ ኸዓ ኸምዙይ በሎ፥ “ንስኻትኩም ኣቱም ሊቃውንቲ ሕጊ እውን፥ ንሰብ ከቢድ ፆር እተሰክምዎ፥ ንባዕልኻትኩም ግና፥ ነቲ ፆር ብሓንቲ ኣፃብዕትኹም እኳ ኣይትነኽእዎን ኢኹም እሞ ወይለኹም!
47ናይቶም ኣቦታትኩም ዝቐተልዎም ነቢያት መቓብር እትሃንፁ ኢኹም እሞ ወይለኹም!
48ንሳቶም ቀተልዎም፤ ንስኻትኩም ድማ መቓብሮም ትሃንፁ ኢኹም እሞ፥ ንስኻትኩም ተሓባበርትን መሰኻኽሮምን ኢኹም።
49ስለዙይ ድማ ጥበብ እግዚኣብሄር ከምዙይ በለት፦ ‘ነቢያትን ሃዋርያትን ናብኣቶም ክልእኽ እየ፤ ካብኣቶም ከዓ ንብዙሓት ክቐትልዎምን ከሳጕጉዎምን እዮም።’
50እቲ ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ዝፈሰሰ ደም ኵሎም ነቢያት፥ ካብ ደም ኣቤል ጀሚሩ፥ ክሳዕ እቲ ኣብ መንጎ መሰውእን ቤተ መቕደስን ዝቐተልዎ ደም ዘካርያስ፥ ካብዝ ትውልዲ እዙይ ክድለ እዩ። እወ፥ ካብዝ ትውልዲ እዙይ ክድለ እዩ እብለኩም ኣለኹ።
52ኣቱም ሊቃውንቲ ሕጊ፥ መርሖ ፍልጠት ሒዝኩም እንተለኹም፥ ንባዕልትኹም ኣይኣተኹምን፤ ነቶም ክኣትዉ ዝደልዩ ድማ፥ ትኽልክሉ ኢኹም እሞ ወይለኹም!”
53ኢየሱስ እዙይ ምስ ተዛረበ፥ እቶም መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ብፅኑዕ ክቃወምዎን፥ ብዛዕባ ብዙሕ ነገር ክጥይቕዎን ጀመሩ።
54ምእንቲ ክኸስዎ ድማ፥ ካብ ኣፉ ዝኾነ ዘረባ ደልዮም ይፀናፀንዎ ነበሩ።