1ድሕሪዙይ በልዳዶስ በዓል ሹሓ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦
2“ስልጣንን ተፈራሕነትን ናይ እግዚኣብሄር እዩ፤ ብልዕልናኡውን ገባሪ ሰላም እዩ።
3ብሓቂ ንሰራዊቱዶ ቝፅሪ ኣለዎም እዩ? ብርሃኑኸ ኣብ ልዕሊ መን እዩ ዘይወፅእ?
4ሰብከ ኸመይ ገይሩ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፃድቅ፥ ክኸውን ይኽእል? ካብ ሰበይቲ ዝተወለደኸ፥ ከመይ ንፁህ ክኸውን ይኽእል?
5ወርሒ እኳ ኣብ ቅድሚኡ ብርህቲ ኣይኮነትን፤ ከዋኽብትውን ንፁሃት ኣይኮኑን፤ እዝ በስባስን ሓሳኽን ዝኾነ መዋቲ ሰብ ግዳ ኸመይ ይንእስ!”