1ጐይታ ኢየሱስ፥ ካብ ናይ ዮሃንስ ዝበዝሑ ደቀ መዛሙርት፥ ከም ዝገበረን ከም ዘጥመቐን፥ ፈሪሳውያን ከም ዝሰምዑ ምስ ፈለጠ፥
2ግና ደቀ መዛሙርቱ ደኣ እምበር፥ ባዕሉ ኢየሱስ ኣየጥመቐን።
3እዙይ ምስ ፈለጠ ኸዓ፥ ንምድሪ ይሁዳ ሓዲጉ ናብ ገሊላ ተመለሰ።
4ብሰማርያ ኣቢሉ ኽሓልፍ ከዓ ግዲ ኾኖ።
5ስለዙይውን ናብ ጥቓ እታ ያእቆብ ንዮሴፍ ወዱ ዝሃቦ ምድሪ ዘላ፥ ሲካር ናብ እትብሃል ከተማ ሰማርያ መፀ።
6ኣብኡ ኸዓ ዒላ ያእቆብ ነበረ፤ ኢየሱስ ድማ ብምኻድ መንገዲ ደኺሙ፥ ኣብ ጥቓ እቲ ዒላ ተቐመጠ፤ ሽዑ ሽዱሽተ ሰዓት ናይ ቀትሪ ኣቢሉ ነበረ።
7ሓንቲ ሰበይቲ ኻብ ሰማርያ ማይ ክትቀድሕ መፀት፤ ኢየሱስ ድማ “ማይ ኣስትይኒ?” በላ።
8ደቀ መዛሙርቱ ግና፥ ምግቢ ኽዕድጉ ናብ ከተማ ኸይዶም ነበሩ።
9ኣይሁድ ምስ ሳምራውያን ኣይተሓባበሩን ነበሩ እሞ፥ እታ ሳምራዊት ሰበይቲ፥ “ንስኻ ኣይሁዳዊ እንተለኻስ፥ ካባይ ካብ ሳምራዊት ሰበይቲ ደኣ፥ ከመይ ኢልካ ማይ ክትሰቲ ትልምን ኣለኻ?” በለቶ።
10ኢየሱስ ድማ “ውህብቶ እግዚኣብሄርን፥ እቲ ማይ ኣስትይኒ ዝብለኪ ዘሎ መን ምዃኑን እንተ እትፈልጥስ፥ ንስኺ ምለመንክዮ ኔርኪ፤ ንሱ ኸዓ ማይ ህይወት ምሃበኪ ነይሩ” ኢሉ መለሰላ።
11እታ ሰበይቲ ድማ “ጐይታይ፥ መቕድሒ የብልካን፤ እዝ ዒላ ኸዓ፥ ዓሚቝ እዩ፤ እቲ ማይ ህይወት ደኣ ኻበይ ክተምፅኦ ኢኻ?
12ንስኻዶ ኻብቲ ነዝ ዒላ እዙይ ዝሃበና ኣቦና ያእቆብ፥ ትዓቢ ኢኻ? ንሱን ደቁን ጥሪቱን ካብኡ ሰተዩ” በለቶ።
13ኢየሱስ መሊሱ “ኵሉ ኻብዝ ማይ እዙይ ዝሰቲ፥ መሊሱ ኽፀምእ እዩ፤
14ካብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዝሰቲ ግና፥ ንዘለኣለም ኣይፀምእን፤ እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ፥ ኣብ ውሽጡ ዝፍልፍል ዓይኒ ማይ ክኾነሉ እዩ” በላ።
15እታ ሰበይቲ ኸዓ “ጐይታይ! ከይፀምእ እሞ ኽቐድሕ ድማ፥ መሊሰ ናብዙይ ከይመፅእስ፥ ካብቲ ማይ እቱይ እንዶ ሃበኒ” በለቶ።
16ኢየሱስ ከዓ “ኪዲሞ ሰብኣይኪ ፀዊዕኺ ናብዙይ ንዒ” በላ።
17እታ ሰበይቲ መሊሳ “ሰብኣይ የብለይን” በለቶ። ኢየሱስ ከዓ “ሰብኣይ የብለይን ምባልክስ ሓቂ ተዛሪብኪ፤
18ሓሙሽተ ሰብኡት ነይሮምኺ፤ እዝ ሕዚ ምሳኺ ዘሎውን ኣይሰብኣይክን እዩ፤ በዙይ ሓቂ ተዛሪብኪ” በላ።
19እታ ሰበይቲ ኸዓ “ጐይታይ! ንስኻ ነቢይ ምዃንካ እርኢ ኣለኹ።
20ኣቦታትና ኣብዝ እምባ እዙይ ሰገዱ፤ ንስኻትኩም ግና፥ እቲ ሰባት ክሰግዱሉ ዝግባእ ስፍራ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም እዩ ኢኹም እትብሉ” በለቶ።
21ኢየሱስ ድማ “ኣቲ ሰበይቲ፥ ኣብዝ እምባ እዙይ ወይ ኣብ ኢየሩሳሌም፥ ንኣብ ዘይሰግዱሉ ጊዜ ኸም ዝመፅእ እመንኒ።
22ንስኻትኩም ንዘይትፈልጥዎ ኢኹም እትሰግዱ፤ ንሕና ግና ምድሓን ካብ ኣይሁድ እዩ እሞ፥ ንእንፈልጦ ኢና እንሰግድ።
23እንተ ኾነ እቶም ብሓቂ ዝሰግዱ፥ ንኣብ ብመንፈስን ብሓቅን ዝሰግዱላ ሰዓት ክትመፅእ እያ፤ ንሳ ኸዓ ሕዚ እያ።
24ኣብ ከዓ ኸምዚኣቶም ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዝደሊ፤ እግዚኣብሄር መንፈስ እዩ፤ እቶም ዝሰግዱሉ ድማ፥ ብመንፈስን ብሓቅን ክሰግዱሉ ይግባእ” በላ።
25እታ ሰበይቲ ድማ “እቲ ክርስቶስ ዝብልዎ መሲሕ ከም ዝመፅእ እፈልጥ እየ፤(ሀ) ንሱ ምስ መፀ ኸዓ፥ ኵሉ ኽነግረና እዩ” በለቶ።
26ኢየሱስ ድማ “ዝዛረበኪ ዘለኹ ኣነ ንሱ እየ” በላ።
27ሽዑ እቶም ደቀ መዛሙርቱ መፁሞ፥ ምስ ሰበይቲ ብምዝርራቡ ተገረሙ፤ ግና “እንታይ ትደሊ?” ወይ “ስለ ምንታይከ ምስኣ ትዛረብ ኣለኻ?” ዝበሎ ሓደኳ ኣይነበረን።
28እታ ሰበይቲ ኸዓ፥ ዕትሮኣ ሓዲጋ ናብ ከተማ ኣተወት፤ ነቶም ሰባትውን
29“ኵሉ ዝገበርክዎ ዝነገረኒ ሰብኣይ ንዑ ረአዩ፤ እንድዒ ክርስቶስ ደኣ ኸይኸውን?” በለቶም።
30እቶም ህዝቢ ኸዓ ኻብ ከተማ ወፂኦም ናብኡ መፁ።
31እዙይ ክኸውን እንተሎ እቶም ደቀ መዛሙርቱ “መምህር፥ ብላዕ” ኢሎም ለመንዎ።
32ኢየሱስ ከዓ “ኣነስ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ዝበልዖ ምግቢ ኣለኒ” በሎም።
33እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ንስንሳቶም “ሰብ ደኾን ዝብላዕ ኣምፂኡሉ ኾይኑ?”(ለ) ተበሃሃሉ።
34ኢየሱስ ድማ “ምግበይስ፥ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ምግባርን፥ ስራሑ ምፍፃምን እዩ።
35ንስኻትኩም ‘ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ቐውዒ ክኸውን ኢዩዶ ኣይኮንኩምን እትብሉ?’ እንሆ እምበኣር ኣዒንትኹም ኣልዒልኩም፥ ናብቲ ገራሁ ጠምቱ፤ እቲ እኽሊ ኸም ዝፃዕደወ፥ ንዓፂድውን ድሮ ኸም ዝበፅሐ ረአዩ፤ እብለኩም ኣለኹ።
36እቲ ዝዘርእን እቲ ዝዓፅድን፥ ብሓባር ምእንቲ ኽሕጐሱ፥ እቲ ዝዓፅድ ዓስቡ ይቕበል፤ ንዘለኣለም ህይወት ዝኸውን ፍረውን ይእክብ።
37‘እቲ ሓደ ይዘርእ፤ እቲ ሓደ ኸዓ ይዓፅድ’ ዝብል ቃል፥ ሓቂ እዩ እሞ።
38ኣነ ንኣኻትኩም፥ ኣብ ዘይፀዓርኩምሉ ኽትዓፅዱ ለኣኽኩኹም፤ ካልኦት ፀዓሩ፤ ንስኻትኩም ከዓ ኣብቲ ዝፀዓሩሉ ኣተኹም” በሎም።
39እታ ሰበይቲ “ኵሉ ዝገበርክዎ ነጊሩኒ” ኢላ ብዝመስከረቶ ቓል፥ ካብታ ኸተማ እቲኣ ብዙሓት ሳምራውያን ብኢየሱስ ኣመኑ።
40እቶም ሳምራውያን ከዓ፥ ናብኡ መፂኦም ምስኣቶም ክቕመጥ ለመንዎ፤ ኣብኡ ኸዓ ኽልተ መዓልቲ ፀንሐ።
41ካብ ቃሉ ዝተልዓለ ድማ ብዙሓት ኣመኑ።
42ነታ ሰበይቲ እውን “ባዕልትና ሰሚዕና ደኣ እዝ ሰብ እዙይ ብሓቂ ክርስቶስ መድሓኒ ዓለም ምዃኑ ፈሊጥና እምበር፥ ብዘረባኺ ጥራሕ ኣይኮንናን ዝኣመንና” በልዋ።
43ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ፥ ካብኡ ወፂኡ ናብ ገሊላ ኸደ፤
44ነቢይ ኣብ ዓዱ ኸም ዘይኸብር፥ ኢየሱስ ባዕሉ መስኪሩ ነበረሞ።
45መሊሱ ናብ ገሊላ ምስ መፀ እቶም ሰብ ገሊላ ዅሎም ንበዓል መፂኦም ነበሩ እሞ፥ ነቲ ዅሉ በቲ በዓል፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝገበሮ ስለ ዝረአዩ ተቐበልዎ።
46ኢየሱስ መሊሱ ናብታ ንማይ ናብ ወይኒ ዝለወጠላ፥ ኣብ ገሊላ ናብ እትርከብ ቃና መፀ፤ ኣብ ቅፍርናሆም ከዓ፥ ወዱ ዝሓመሞ ናይ ንጉስ ወገን ዝኾነ፥ ሓደ ሹም ነበረ።
47ንሱ ኢየሱስ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ኸም ዝመፀ ምስ ሰምዐ፥ ናብኡ ኸደ፤ ወዱ ንሞት ቀሪቡ ስለ ዝነበረ ድማ፥ ናብ ቅፍርናሆም ወሪዱ ምእንቲ ኸሕውየሉ ንኢየሱስ ለመኖ።
48ሽዑ ኢየሱስ “ምልክትን ተኣምራትን እንተ ዘይረአኹም ኣይትኣምኑን ኢኹም” በሎ።
49እቲ ሹም ከዓ “ጐይታይ! ወደይ እንተይሞተ ቐልጢፍካ ውረድ” በሎ።
50ኢየሱስ ድማ “ኪድ፥ ወድኻ ሓውዩ እዩ” በሎ። እቲ ሰብኣይ በቲ ኢየሱስ ዝተዛረቦ ቓል ኣሚኑ ኸደ።
51ክወርድ እንተሎ ኣገልገልቱ ተቐበልዎሞ “ወድኻ ሓውዩ” ኢሎም ኣብሰርዎ።
52ንሱ ኸዓ እታ ዝሓወየላ ሰዓት ጠየቖም፤ ንሳቶም ድማ “ትማሊ ብሻውዐይቲ ሰዓት ናይ ቀትሪ ረስኑ ሓዲግዎ” በልዎ።
53ሽዑ ኣቦኡ በታ ኢየሱስ “ወድኻ ሓውዩ እዩ” ዝበሎ ሰዓት ምዃና ፈለጠ፤ ምስ ኵሉ ስድራ ቤቱ ኸዓ ብኢየሱስ ኣመነ።
54ኢየሱስ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ መፂኡ ዝገበሮ ተኣምራት እዙይ ካልኣይ እዩ።