ወንጌል ዮሃንስ 20

BCVትግርኛ31 ፍቕድታት5:00 ስማዕ
ስማዕ 5:00 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፥(ሀ) ማርያም መግደላዊት፥ ገና ፀልማት እንተሎ፥ ኣንጊሃ ናብቲ መቓብር መፀት። እቲ እምኒ ኸዓ፥ ካብ ኣፍ መቓብር ተፈንቂሉ ረአየቶ።

2ስለዙይ ንሳ ጐይያ ናብ ስምኦን ጴጥሮስን፥ ናብቲ ኢየሱስ ዝፈትዎ ደቀ መዝሙርን መፂኣ “ንጐይታና ኻብ መቓብር ወሲዶምዎ፤ ኣበይ ከም ዘንበርዎውን ኣይንፈልጥን”(ለ) በለቶም።

3ሽዑ ጴጥሮስን እቲ ኻልእ ደቀ መዝሙርን ወፂኦም፥ ናብቲ መቓብር ከዱ።

4ክልቲኦም ብሓንሳእ እናጐየዩ እንተለዉ፥ እቲ ኻልእ ደቀ መዝሙር ንጴጥሮስ ቀዲምዎ፥ ኣብቲ መቓብር በፅሐ።

5ደኒኑ እንተ ጠመተ ኸዓ፥ ኣብኡ ነቲ መግነዝ ረአየ፤ ግና ኣይኣተወን።

6ሽዑ ስምኦን ጴጥሮስ፥ ደድሕሪኡ መፂኡ ናብቲ መቓብር ኣተወ፤ እቲ መግነዝውን ተቐሚጡ ረአየ።

7እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ መጠምጠምያ ኸዓ፥ ንበይኑ ተጠቕሊሉ ነበረ እምበር፥ ምስቲ መግነዝ ኣይነበረን።

8ሽዑ እቲ ቐዲሙ ናብቲ መቓብር ዝበፅሐ ኻልእ ደቀ መዝሙርውን ኣተወ፤ ሪኡ ድማ ኣመነ።(ሐ)

9ነቲ “ካብ ሙታን ክትስእ ይግብኦ እዩ” ዝብል ቃል መፅሓፍ ኣየስተውዓልዎን ነበሩ።

10ድሕሪዙይ እቶም ክልተ ደቀ መዛሙርት፥ ናብ ገዛኦም ተመለሱ።

11ማርያም ግና፥ ኣብቲ ኣፍ መቓብር ደው ኢላ ትበኪ ነበረት። እናበኸየት ከዓ፥ ናብቲ መቓብር ድንን ኢላ ጠመተት።

12ኣብቲ ስጋ ኢየሱስ ዝነበሮ፥ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸደኑ ኽልተ መላእኽቲ፥ ሓደ ብትርኣስ፥ ሓደ ኸዓ ብትርጋፅ ረአየት።

13ንሳቶም ድማ “ኣቲ ሰበይቲ ንምንታይ ትበኽዪ ኣለኺ?” በልዋ፤ ንሳ ድማ “ንጐይታይ(መ) ወሲዶምዎ፤ ኣበይ ከም ዘንበርዎውን ኣይፈልጥን” በለቶም።

14እዙይ ኢላ ንድሕሪኣ ግልፅ በለት እሞ፥ ንኢየሱስ ደው ኢሉ ረአየቶ። ኢየሱስ ከም ዝኾነ ግና ኣይፈለጠትን።

15ኢየሱስ ድማ “ኣቲ ሰበይቲ፥ ንምንታይ ትበኽዪ ኣለኺ? ንመንከ ትደልዪ ኣለኺ?” በላ፤ ንሳ ድማ ሓላዊ ኣታኽልቲ መሲልዋ፥ “ጐይታይ፥ ንስኻ ወሲድካዮ እንተ ዄንካስ ኣነ ምእንቲ ኽወስዶ፥(ሠ) ኣበይ ከም ዘንበርካዮ ንገረኒ” በለቶ።

16ኢየሱስ ድማ “ማርያም” በላ። ንሳውን ግልፅ ኢላ ብዕብራይስጢ “ረቡኒ!” በለቶ፤ ትርጕሙውን “መምህር” ማለት እዩ።

17ኢየሱስ ድማ “ገና ናብ ኣቦይ ስለ ዘይዓረግኩ ኣይትንክእኒ፤ ግና ናብ ኣሕዋተይ ኪዲ እሞ ‘ናብ ኣቦይን ናብ ኣቦኻትኩምን፥ ናብ ኣምላኸይን ናብ ኣምላኽኩምን፥ ኣዓርግ ኣለኹ’ በሊዮም” በላ።

18ማርያም መግደላዊት ድማ፥ ንጐይታ ኸም ዝረአየቶን፥ እዙይውን ከም ዝበላን፥ ከይዳ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ነገረቶም።

19በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፥ ምድሪ ምስ መሰየ፥ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሑ፥ እቲ በሪ ተዓፅዩ እንተሎ፥ ኢየሱስ ናብታ ተኣኪቦምላ ዝነበሩ መፂኡ፥ ኣብ ማእኸሎም ደው ኢሉ “ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን” በሎም።

20እዙይ ምስ በሎም ከዓ፥ ኣእዳዉን ጐኑን(ረ) ኣርኣዮም፤ እቶም ደቀ መዛሙርቱውን፥ ንጐይታ ምስ ረአይዎ ተሓጐሱ።

21ሽዑ ኢየሱስ መሊሱ “ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን፤ ከምቲ ኣብ፥ ንኣይ ዝለኣኸኒ ኣነውን ከምኡ እልእኸኩም ኣለኹ” በሎም።

22እዙይ ኢሉ ኡፍ በለሎም እሞ፥ “መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ!

23ሓጢኣቶም ንዝሓደግኩምሎም ክሕደገሎም፥ ንዘይሓደግኩሙሎም ግና፥ ኣይሕደገሎምን እዩ” በሎም።

24ሓደ ካብቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርት፥ እቲ ዲዲሞስ ዝበሃል ቶማስ ግና፥ ኢየሱስ ክመፅእ እንተሎ ምስኣቶም ኣይነበረን።

25እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርት ከዓ “ንጐይታ ሪኢናዮ” በልዎ፤ ቶማስ ግና “ኣሰር እቲ ሽንካር ኣብ ኣእዳዉ እንተ ዘይረአኹ፥ ኣፃብዕተይውን ኣብቲ ዝተሸንከሮ እንተ ዘየእተኹ፥ ኣብ ጐኑውን ኢደይ ሰዲደ እንተ ዘይዳህሰስኩ፥ ኣይኣምንን እየ” በሎም።

26ድሕሪ ሸሞንተ መዓልቲ ኸዓ፥ እቶም ደቀ መዛሙርቱ መሊሶም ኣብ ውሽጢ ገዛ እንተለዉ፥ ቶማስ ምስኣቶም ነበረ። እቲ በሪ ተዓፅዩ እንተሎ፥ ኢየሱስ መፂኡ ኣብ ማእኸሎም ደው ኢሉ “ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን” በሎም።

27ድሕሪዙይ ንቶማስ፥ “ኣፃብዕትካ ናብዙይ ኣምፅእ፤ ኣእዳወይውን ረአ፤ ኢድካ ናብዙይ ኣምፅእ እሞ፥ ናብ ጐነይ ሰዲድካ ኣእትዎ። ኣማኒ እምበር፥ ዘይኣማኒ(ሰ) ኣይትኹን” በሎ።

28ቶማስ ከዓ መሊሱ “ጐይታይን፥ ኣምላኸይን!” በሎ።

29ኢየሱስ ድማ ንቶማስ “ስለ ዝረአኻኒዶ ኣሚንካ? እቶም እንተይረአዩ ዝኣምኑ፥ ብፁኣን እዮም” በሎ።

30ኢየሱስ ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ዘይተፅሓፈ፥ ካልእ ብዙሕ ተኣምራት፥ ኣብ ቅድሚ ደቀ መዛሙርቱ ገበረ።

31ግና እዙይ ዝተፅሓፈ፥ ኢየሱስ ንሱ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽትኣምኑን፥ ኣሚንኩምውን ብስሙ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡን እዩ።

ትርጓሜ

20:1-10 ክርስቶስ ህይወቱ ቤዛ እንተሃበ እሞ ኸኣ ዳግማይ እንተዘይምወሰዳ፣ እቲ ምሃቡ ከም ምስጋት ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ኣይምተራእየን ነይሩ። እቲ ስጋ ከም ዝጠፍአ ነታ ማርያም ዓብዪ ፈተና ነይሩዋ። ድኹማት ምእመናን፣ ብሓቂ ቅኑዕ ናይ ተስፋ ምኽንያትን ናይ ሓጎስ ዛዕባን ኮይኑ እኳ እንተሎ፣ ብዙሕ ግዜ ናይ ጥርዓን ዛዕባ ይገብርዎ። በቲ ናይ ደቀ መዛሙርቲ መሰላት ካብ ካልኦት ዝበለጸ ክብሪ ዝረኸቡ ሰባት፣ ኣብቲ ናይ ደቀ መዛሙርቲ ግዴታ ካብ ካልኦት ዝበለጸ ተበግሶ ክገብሩ፣ ኣብ ጽቡቕ ዕዮ ድማ ዝበለጸ ድሉዋት ኮይኖም መከራ ንምቕባልን ሓደጋ ንምግጣምን ክኾኑ ከለዉ ጽቡቕ እዩ። ንሕና ዝላዓለና ክንገብር ኣሎና፣ ካብኦም ዝሓይሽ ክገብሩ ዝኽእሉ ከኣ ኣይንቕነኦም፣ ድሕሪኦም እኳ እንተለዉ፣ ብዝኽእልዎ መጠን ጽቡቕ ዝገብሩ ድማ ኣይንንዕቆም። የሱስ ብፍሉይ ዝፈትዎ እሞ ኸኣ ስለዚ ንሱ’ውን ንየሱስ ብፍሉይ ዝፈትዎ ደቀ መዝሙር፣ ኣብ ቅድሚት ነበረ። ፍቕሪ ክርስቶስ ካብ ዝኾነ ይኹን ካልእ ዝበለጸ ኣብ ኩሉ ግዴታ ክንዐብየና እዩ። ድሕሪኡ ዝነበረ ጴጥሮስ፣ ንክርስቶስ ዝኸሓደ ነበረ። ሕፍረት በደል ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ይዓግተና። ደቀ መዛሙርቲ ግን ገና ክርስቶስ ካብ ምዉታት ክትንስእ ከም ዘለዎ ካብ ቅዱስ ጽሑፍ ኣይፈልጥዎን ነበሩ።

20:11-18 ብፍቕሪን ብንብዓትን ክንደሊ ከለና፡ ክንድለየሉን ክንረኽቦን ዕድልና ሰፊሕ እዩ። ግናኸ ብዙሓት ምእመናን ኣብ ትሕቲ ዝኾነሉ ዘለዉ ብርሕታትን ጸልማትን የማርሩ። እዚ ድማ ንነፍሶም ንምትሕትና፡ ንሓጢኣቶም ንምቕታል፡ ንክርስቶስ ከፍቅርዎ ድማ ንምግባር ዝኾነ መገዲ ጸጋ እዩ። ርእየት መላእኽትን ፍሽኽታኦምን ኣይዓግብን እዩ፡ ንኢየሱስን ብእኡ ኸኣ ንርህራሄ ኣምላኽን እንተዘይርኢና። እቲ ጽንጽናን ሓዘንን ናይ እተደርበየት ነፍሲ፡ ኣብ ክርስቶስ ፍቕሪ ኣምላኽን ተስፋ ሰማይን ዝህብ መርትዖታት ዝነበራ፡ ሕጂ ግን ዝሰኣነቶን ኣብ ጸልማት እትመላለስን፡ ካብቶም ዝጠዓምዎ ሓሊፉ ሓደ እኳ ኣይፈልጥን። ከምዚ ዝኣመሰለ እተወግአ መንፈስከ መን እዩ ዝጸውር?

ክርስቶስ ንርእሱ ነቶም ዝደልይዎ ክገልጽ ከሎ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንትጽቢቶም ይበልጾ። ልቢ ማርያም ንኢየሱስ ንምርካብ ከመይ ብሃንቀውታ ከም ዝነበረ ክትርኢ ትኽእል። ክርስቶስ ንርእሱ ንህዝቡ ዘፍልጠሉ መገዲ ብቓሉ እዩ፤ ቃሉ ንነፍሶም ተባዕተወ፡ ብፍላይ ድማ ንኣታቶም ዝዛረብ እዩ። “መምህረይ ድዩ?” ተባሂሉ ክንበብ ይኽእል እዩ። እቶም ንኢየሱስ ዘፍቅርዎ፡ ብዛዕባ ስልጣኑ ኣብ ልዕሊኦም ከመይ ብሓጎስ ከም ዝዛረቡ ርአ። ንስጋዊ ምህላዉ ካብቲ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ንላዕሊ ከይትጽበይ ይኽልከላ።

ካብ ሓድነት ምስ ክርስቶስ ዝርአ ዝምድና ምስ ኣምላኽ ኣስተብህል። ንሕና፡ መለኮታዊ ባህሪ ብምምቓስና፡ ኣቦ ክርስቶስ ኣቦና እዩ፤ ንሱ ድማ፡ ሰባዊ ባህሪ ብምምቓሱ፡ ኣምላኽና ኣምላኹ እዩ። ዕርገት ክርስቶስ ናብ ሰማይ፡ ኣብኡ ኸኣ ምእንታና ንምልማን፡ ብዘይንገር ምጽንናዕ እዩ። እዛ ምድሪ እዚኣ ገዝኦምን ዕረፍቶምን እያ ኢሎም ከይሓስቡ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ከሳምንቱም በፊተኛው ቀን መግደላዊት ማርያም ገና ጨለማ ሳለ ማለዳ ወደ መቃብር መጣች ድንጋዩም ከመቃብሩ ተፈንቅሎ አየች። አማርኛ ENGNIV Early on the first day of the week, while it was still dark, Mary Magdalene went to the tomb and saw that the stone had… English GAZBIB Guyyaa jalqaba torbaniitti, [gaafa Sanbata guddaa,] utuu dukkanaa'uutti jiruu obboroodhaan, Maariyaam isheen Magdalaa g… Afaan Oromoo BCV GIZ ወበእሑድ ሰንበት መጽአት ማርያም መግደላዊት በጽባሕ ኀበ መቃብር እንዘ ዓዲሁ ጽልመት ወረከበት እብነ እቱተ እምአፈ መቃብር። giz GAZGAZ Guyyaa jalqaba torbaniitti, [gaafa Sanbata guddaa,] utuu dukkanaa'uutti jiruu obboroodhaan, Maariyaam isheen Magdalaa g… Afaan Oromoo BCV aksum በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፥(ሀ) ማርያም መግደላዊት፥ ገና ፀልማት እንተሎ፥ ኣንጊሃ ናብቲ መቓብር መፀት። እቲ እምኒ ኸዓ፥ ካብ ኣፍ መቓብር ተፈንቂሉ ረአየቶ። ትግርኛ AMHNIV በሳምንቱ የመጀመሪያ ቀን፣ በማለዳ ገና ጨለማ ሳለ፣ መግደላዊት ማርያም ወደ መቃብሩ ሄደች፤ ድንጋዩም ከመቃብሩ መግቢያ ተንከባሎ አየች። አማርኛ SWAHSUV Hata siku ya kwanza ya juma Mariamu Magdalene alikwenda kaburini alfajiri, kungali giza bado; akaliona lile jiwe limeon… Kiswahili