ትንቢት ኤርምያስ 7

BCVትግርኛ34 ፍቕድታት6:21 ስማዕ
ስማዕ 6:21 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እዙይ እዩ፦

2“ኣብ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ደው በል፤ እዝ ቓል እዙይውን ከምዙይ ኢልካ ተናገር፦ ኣቱም ንእግዚኣብሄር ክትሰግዱ በዘን ደገታት እዚኣተን እትኣትዉ ሰብ ይሁዳ ኵልኻትኩም፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፦

3እግዚኣብሄር፥ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ መንገድኹምን ግብርኹምን ኣፀብቑ፤ ኣነ ኸዓ ኣብዝ ስፍራ እዙይ ከንብረኩም እየ።

4መቕደስ እግዚኣብሄር! መቕደስ እግዚኣብሄር! መቕደስ እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፤ እናበልኩም ኣብ ቃል ሓሰት ኣይትተኣማመኑ።

5“ንመንገድኹምን ግብርኹምን ብሓቂ እንተ ኣፀቢቕኩምዎ፥ ኣብ መንጎ ንስንሳትኩም ብሓቂ እንተ ፈረድኩም፥

6ንጓናን ንደኽታምን ንመበለትን እንተ ዘየጨኒቕኩም፥ ኣብዝ ስፍራ እዙይ ንፁህ ደም እንተ ዘየፍሲስኩም፥ ንዝጐድኡኹም ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ዘይተኸቲልኩም፥

7ኣብዛ ነቦታትኩም ንዘለኣለመ ኣለም ዝሃብክዎም ምድሪ፥ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ኸንብረኩም እየ።

8“እንሆ፥ ንስኻትኩም ግና ኣብ ዘይጠቅም ቃል ሓሰት ትተኣማመኑ ኣለኹም።

9ኣየ ንስኻትኩም! ትሰርቁ፤ ትቐትሉ፤ ትዝምዉ፤ ብሓሰት ትምሕሉ፤ ንበዓል ትዓጥኑ፤ ንዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲውን ትኽተሉ ኣለኹም።

10መፂእኹምውን ስመይ ኣብ ዝተፀውዐሉ ኣብዝ ቤት እዙይ፥ ኣብ ቅድመይ ቆይምኩም፥ እዝ ፅዩፍ ዝኾነ ነገር ኣይገበርናን በልኩም።

11እዛ ብስመይ ዝተሰምየት ቤት፥ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም በዓቲ ጐሓሉትዶ ኾይና እያ? እንሆ፥ ኣነ ባዕለይ ሪአዮ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።

12እምበኣርከስ ናብታ ቕድም ስመይ ዘሕደርኩላ ስፍራ፥ ናብ ሴሎ ኺዱ እሞ፥ ብሰንኪ ኽፍኣት ህዝበይ እስራኤል ከመይ ከም ዝገበርክዋ ጠምቱ።

13ሕዚ ኸዓ እዝ ዅሉ ስለ ዝገበርኩም ኣንጊሀ ተሲአ ተዛረብኩኹም፤ ኣይሰማዕኹምን፤ ፀዊዐኩምውን ኣይመለስኩምን።

14ስለዙይ ከዓ ኸምቲ ኣብ ሴሎ ዝገበርክዎ፥ ስመይ ኣብ ዝተፀውዐሉ ብእትተኣማመኑሉ ቤት፥ ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ኣብ ዝሃብክዎ ስፍራ ኸምኡ ኽገብር እየ።

15ከምቲ ንዅሎም ኣሕዋትኩም፥ ንዅሎም ዘርኢ ኤፍሬም ዘወገድኩምዎ፥ ካብ ቅድመይ ከወግደኩም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”

16እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እምበኣር ኣይሰምዐካን እየ እሞ፥ ምእንቲ እዝ ህዝቢ እዙይ ኣይትለምን፤ ኣይትማህለል፤ ኣይትፀሊ፤ ላሕውን ኣይተብለኒ።

17ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን፥ ዝገብርዎ ዘለዉዶ ኣይትርእን ኢኻ?

18ደቆም ዕንፀይቲ ይእክቡ፤ ኣቦታት፥ ሓዊ ይኣጕዱ፤ ኣንስቲ ኸዓ ነታ ንግስቲ ሰማይ ዝብልዋ ጣዖት ዝኸውን ቅጫ ኽስንክታ ብሑቕ የቘምጥዓ፤ ንኣይ ምእንቲ ኸቘጥዑኒ፥ መስዋእቲ መስተ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ይውፍዩ ኣለዉ።

19ንኣይ ከቘጥዑ ድዮም? ይብል እግዚኣብሄር፤ ንገፆምስ ሕፍረትዶ ኣይኮነን?

20ስለዙይውን፥ እንሆ፥ ቍጥዓይን ናህረይን ኣብዛ ስፍራ እዚኣ፥ ኣብ ሰብን እንስሳን፥ ኣብ ኣእዋም በረኻን፥ ኣብ ፍረ ምድርን ከፍስስ እየ። ቍጥዓይ ሓደ እኳ ኸጥፍኦ ኽሳዕ ዘይኽእል ክነድድ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።”

21ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ነቲ ዝቃፀል መስዋእትኹም ኣብቲ ኻልእ መስዋእትኹም ወስኽዎ እሞ፥ ነቲ ስጋኡውን ብልዑ።

22ነቦታትኩም ካብ ግብፂ ኸውፅኦም እንተለኹ፥ ብናይ መስዋእትን ዝቃፀል መስዋእትን ኣይተዛረብክዎምን ኣይኣዘዝክዎምንውን።

23እኳ ደኣ ‘ቃለይ ስምዑ፤ ኣነ ኣምላኽ ክኾነኩም እየ፤ ንስኻትኩምውን ህዝበይ ክትኮኑ ኢኹም። ፅቡቕ ምእንቲ ኽትረኽቡ እውን፤ በቲ ዅሉ ኣነ ዝእዝዘኩም መንገድታት ተመላለሱ’ ኢለ ኣዘዝክዎም።

24“ግናኸ በቲ ኽፉእ ሓሳብን ህልኽ ልቦምን ደኣ ኸዱ፤ ክንዲ ንቕድሚት ምድፋእ፥ ንድሕሪት ኣቢሎም ተመለሱ እምበር፥ ንኣይስ ኣይሰምዑንን፤ ኣእዛኖም ድማ ናባይ ፅን ኣየበሉን።

25ካብታ ኣቦታትኩም ካብ ምድሪ ግብፂ ዝወፁላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ፥ ንዅላቶም ኣገልገልተይ ነቢያት ለኣኽኩልኩም፤ ኣብ ፀፅባሕውን ለኣኽኩልኩም።

26ግና ኽሳዶም ደኣ ኣትረሩ እምበር፥ ንኣይስ ኣይሰምዑንን፤ ኣእዛኖምውን ናባይ ፅን ኣይበላን፤ ካብቲ ናይ ኣቦታቶም ዝገድድ ድማ ገበሩ።

27“እዝ ዅሉ እኳ እንተ ነገርካዮም፥ ኣይሰምዑኻን እዮም፤ እንተ ፀዋዕኻዮምውን ኣይምልሱልካን እዮም።

28ንድምፂ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ዘይሰምዑ፥ ተግሳፅ ከዓ ዘይቕበሉ ህዝቢ እዚኣቶም እዮም። ሓቂ ጠፊኣ እያ፤ ካብ ኣንደበትኩምውን ርሒቃ እያ፤ ክትብሎም ኢኻ።

29“እግዚኣብሄር፥ ነቲ ዘቘጠዖ ትውልዲ፥ ደርቢይዎን ኣወጊድዎን እዩ እሞ፥ ኢየሩሳሌም፥ ፀጕሪ ርእስኺ ቘሪፅኪ ደርብዪ፤ ኣብ በረኽቲ ደዪብኪውን፥ ዋይ ዋይ እናበልኪ ብኸዪ።

30“ደቂ ይሁዳ ኣብ ቅድመይ ክፉእ ገበሩ፤ ዘፀይፍ ጣዖት ኣብኡ ብምቕማጥ ከዓ፥ ነቲ ብስመይ ዝተሰምየ ቤት ኣርከስዎ።

31ኣነ ኸቶ ዘይኣዘዝክዎን ዘይሓሰብክዎን፥ ኣወዳቶምን ኣጓላቶምን ኣብ ሓዊ ምእንቲ ኸንድዱ፥ ኣብ ለሰ ወዲ ሄኖም ንቶፌት መስገዲ ዀረብታ ሰርሑ፤ ይብል እግዚኣብሄር።

32ስለዙይ ከዓ እንሆ፥ ለሰ ምሕራድ እምበር፥ ቶፌት ወይ ለሰ ወዲ ሂኖም ተብሂሉ ዘይስመየለን መዓልቲታት ክመፃ እየን። ካልእ ስፍራ ስለ ዝተስአነ ድማ፥ ኣብ ቶፌት ሰባት ክቐብሩ እዮም።

33ሬሳታት እዝ ህዝቢ እዙይ ብልዒ ኣዕዋፍ ሰማይን ኣራዊት በረኻን ክኸውን እዩ። ዘባርሮምውን ሓደ እኳ ኣይህሉን እዩ።

34እታ ሃገር እቲኣ ኽትባድም እያ፤ ካብ ከተማታት ይሁዳን ካብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን፥ ድምፂ ዕልልታን ድምፂ ሓጐስን፥ ድምፂ መርዓትን ድምፂ መርዓውን ከጥፍእ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።

ትርጓሜ

7:1-16 ምንም ስርዓታት፣ ምምስካራት፣ ወይ ድማ ዝተረኽቡ ይኹኑ ዝበሃሉ ምግላጻት፣ ሰብ ንመገዶምን ንግብሮምን እንተዘይኣዐርዩ፣ ኣይጠቕሙን። እቶም ንርእሶም ብፍሉጥ ሓጢኣት ንኽፍጽሙ ዝፈቕዱ ወይ ድማ ንፍሉጥ ግቡእ ኣብ ምንጓይ ዝነብሩ፣ ብናጻ ምድሓን መሰል ኣለኒ ክብሉ ኣይኽእሉን። እቲ ዘርከሱዎ መቕደስ ንዕኦም ዕቝባ ኪኸውን እዩ ዝብል ሓሳብ ነበሮም። ግናኸ፣ እቶም ጸጋ በዚሑ እዩ ስለዚ ኣብ ሓጢኣት ዝቕጽሉ ወይ ድማ ጸጋ ምእንቲ ኪበዝሕ ዝብሉ፣ ንክርስቶስ ኣገልጋሊ ሓጢኣት ይገብርዎ። መስቀል ክርስቶስ ድማ፣ ብግቡእ እንተተረዲኡ፣ ንኸምዚ ዝበለ መርዛም ኣተሓሳስባ እቲ ዝበለጸ ተባዕተወ ዝኾነ መድሓኒት ይኸውን። ወልድ ኣምላኽ ምእንቲ ገበናትና ንርእሱ ሃበ፣ ንልዕልና ሕጊ ኣምላኽን ንኽፍኣት ሓጢኣትን ንምርኣይ ድማ እዩ። ምንም እዋን ከይተቐጻዕናሉ ክፉእ ክንገብር ከም እንኽእል ኣይንሕሰብ።

7:17-20 ኣይሁድ ንጣኦቶም እናቐንኡ ይሕበኑ ነበሩ። ንሕና ድማ ካብዚ ሕማቕ ኣብነት እኳ እንተኾነ፡ ንኣገልግሎት ኣምላኽና ብዕቱብነት ክንነጥፍ ንማሃር።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6