ትንቢት ኤርምያስ 38

BCV aksumትግርኛ26 ፍቕድታት5:37 ስማዕ
ስማዕ 5:37 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ሰፋጥያስ ወዲ ማታንን፥ ጎዶልያስ ወዲ ጳስኮርን፥ ዩካል ወዲ ሰሌምያን፥ ጳስኮር ወዲ መልክያን፥ ነቲ ኤርሚያስ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ” ኢሉ ንዅሉ ህዝቢ ዝተዛረቦ ቓል ሰምዕዎ።

2“ኵሉ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዝተርፍ፥ ብውግእን ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ክመውት እዩ፤ ንባቢሎናውያን ኢዱ ዝህብ ግና ኣይመውትን እዩ። ነፍሱ ኣትሪፉ ብህይወት ክነብር እዩ።

3እዛ ኸተማ እዚኣ ብርግፅ ናብ ኢድ ሰራዊት ንጉስ ባቢሎን ክትወሃብ እያ፤ ንሱውን ክሕዛ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”

4ሽዑ እቶም ኣሕሉቕ ንንጉስ “እዝ ሰብኣይ እዙይ ጕድኣት ህዝቢ እምበር፥ ድሕነቱ ዘይደሊ ስለ ዝኾነ፥ ከምዙይ ዘመሰለ ቓል እናተዛረበ፥ ነቶም ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ተሪፎም ዘለዉ ተዋጋእትን፥ ንዅሉ ህዝብን ተስፋ የቝርፆም ኣሎ እሞ፥ ነዝ ሰብኣይ እዙይ ኣቕትሎ” በልዎ።

5ንጉስ ሴዴቅያስ ከዓ “ንሱ ኣብ ኢድኩም እዩ፤ ንጉስ ኣይቃወመኩምን” በለ።

6ሽዑ ንኤርሚያስ ወሲዶም፥ ናብታ ኣብ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረት ጕድጓድ ማይ ናይ መልክያ ወዲ እቲ ንጉስ ደርበይዎ፤ ብገመድ ኣሲሮምውን ናብኡ ኣውረድዎ። ኣብቲ ጕድጓድውን ጭቃ እምበር፥ ማይ ኣይነበረን እሞ ኣብቲ ጭቃ ተረግረገ።

7እቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዝነበረ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ኣቢሜሌክ፥ ንኤርሚያስ ናብ ጕድጓድ ከም ዘእተውዎ ሰምዐ፤ ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብታ በሪ ብንያም ተቐሚጡ እንተሎ፥

8ኣቢሜሌክ ካብ ቤተ መንግስቲ ወፂኡ፥ ንንጉስ “ኦ ጐይታይ ንጉስ፥ እዞም ሰባት እዚኣቶም ንነቢይ ኤርሚያስ ኣብ ጕድጓድ ብምድርባዮም ክፉእ ገይሮም ኣለዉ። ኣብዛ ኸተማ እዚኣ እንጀራ ስለ ዘየለ፥ ንሱ ኣብታ ዘለዋ ብጥሜት ክመውት እዩ” ኢሉ ነገሮ።

10እቲ ንጉስ ድማ ነቲ ኢትዮጵያዊ ኣቢሜሌክ “ካብዙይ ሰላሳ ሰብኡት ተማላእ እሞ ንነቢይ ኤርሚያስ ከይሞተ እንተሎ ኻብታ ጕድጓድ ኣውፅኣዮ” ኢሉ ኣዘዞ።

11ኣቢሜሌክ ከዓ ነቶም ሰብኡት ተማሊኡ፥ ናብ ቤተ መንግስቲ ኣብ ትሕቲ እቲ ቤተ መዝገብ ኣትዩ፥ ካብኡ ቕዳድ ኣጭርቕትን ብላይ ክዳውንትን ወሰደ እሞ ብገመድ ገይሩ ናብ ኤርሚያስ ናብታ ጕድጓድ ኣውረዶ።

12እቲ ኢትዮጵያዊ ኣቢሜሌክ ድማ ንኤርሚያስ “እዝ ቕዳድ ኣጭርቕትን ብላይ ክዳውንትን ኣብ ትሕቲ መንኰርኳዕትኻ ኣብ ትሕቲ እቲ ገመድ ግበሮ” በሎ። ኤርሚያስ ከዓ ኸምኡ ገበረ።

13ንሳቶም ድማ ንኤርሚያስ ብገመድ ስሒቦም ካብቲ ጕድጓድ ኣውፅእዎ። ኤርሚያስ ከዓ ኣብቲ ኣደባባይ ቤት ማእሰርቲ ተቐመጠ።

14ሽዑ ንጉስ ሴዴቅያስ ናብ ኤርሚያስ ልኢኹ፥ ናብታ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘላ ሳልሰይቲ ኣፍ ደገ ኣምፅኦ። “ሓንቲ ነገር ዝጥይቐካ ኣላትኒ እሞ፥ ሓንቲ እኳ ኣይትሕብአለይ” በሎ።

15ኤርሚያስ ድማ ንሴዴቅያስ “እንተ ነገርኩኻ ብርግፅ ኣይትቐትለንንዶ? እንተ መኸርኩኻ ኸዓ ኣይትሰምዐንን ኢኻ” በሎ።

16ሽዑ ንጉስ ሴዴቅያስ “ከም ዘይቀትለካን፥ ናብቶም ንነፍስኻ ዝደልዩ ዘለዉ ኣሕሊፈ ኸም ዘይህበካን፥ በቲ ህይወት ዝሃበና ህያው እግዚኣብሄር እምሕለልካ ኣለኹ” ኢሉ ብምስጢር መሓለሉ።

17ኤርሚያስ ድማ ንሴዴቅያስ “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል፦ ‘ወፂእኻ ናብቶም ኣሕሉቕ ንጉስ ባቢሎን እንተ ኼድካ፥ ነፍስኻ ብህይወት ክትነብር እያ፤ እዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ብሓዊ ኣይትባራዕን እያ፤ ንስኻን ስድራኻን ከዓ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም። ግና ወፂእኻ ናብ ኣሕሉቕ ንጉስ ባቢሎን እንተ ዘይኼድካ፥ እዛ ኸተማ እዚኣ ናብ ኢድ ባቢሎናውያን ክትወሃብ፥ ንሳቶም ከዓ ብሓዊ ኸባርዕዋ እዮም፤ ንስኻውን ካብ ኢዶም ኣይተምልጥን ኢኻ’ ይብል ኣሎ” በሎ።

19ንጉስ ሴዴቅያስ ድማ ንኤርሚያስ “ንኣይ ኣብ ኢድ እቶም ናብ ባቢሎናውያን ዝኣተዉ ኣይሁድ፥ ኣሕሊፎም ከይህቡኒ እሞ ኸየላግፁለይ እፈርሕ ኣለኹ” በሎ።

20ኤርሚያስ ከዓ “ኣሕሊፎም ኣይህቡኻን እዮም፤ ክቐንዐካ ብህይወትውን ክትነብርስ፥ እዝ ዝብለካ ዘለኹ ቓል እግዚኣብሄር ደኣ ስማዕ።

21ኣይወፅእን ኢልካ እንተ ኣበኻ ግና፥ እንታይ ከም ዝበፅሐካ እግዚኣብሄር ኣርኢዩኒ ኣሎ።

22እንሆ፥ ኵለን እተን ኣብ ቤተ መንግስቲ ይሁዳ ተሪፈን ዘለዋ ኣንስቲ፥ ናብቶም ኣሕሉቕ ንጉስ ባቢሎን ከውፅእወን እዮም፤ ክኸዳ እንተለዋ ኸዓ ‘ፈተውትኻ ጠበሩኻን ኣስድዑኻን፤ ኣእጋርካ ኣብ ጭቃ ተረግረገ፤ ንሳቶም ከዓ ሓደጉኻ’ ክብላኻ እየን” በልክዎ።

23“ንዅለን ኣንስትኻን ደቅኻን ናብ ባቢሎናውያን ከውፅእዎም እዮም፤ ንስኻውን ብኢድ ንጉስ ባቢሎን ክትተሓዝ ኢኻ እምበር ካብ ኢዶም ኣይተምልጥን ኢኻ፤ እዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ብሓዊ ኽትባራዕ እያ” በሎ።

24ሽዑ ሴዴቅያስ ንኤርሚያስ ከምዙይ በሎ፦ “ነዝ ቃል እዙይ ሓደ እኳ ኣይፍለጥ፤ ንስኻውን ኣይትሞትን።

25እቶም ኣሕሉቕ ምሳኻ ኸም ዝተዛረብኩ እንተ ሰሚዖም፥ ናባኻ መፂኦም ድማ ‘ንንጉስ እንታይ ከም ዝበልካዮ፥ እቲ ንጉስ ድማ እንታይ ከም ዝበለካ እንተይሓባእኻ እንተ ነጊርካና ኣይንቐትለካን ኢና’ እንተ በሉኻ፥

26ንስኻ ድማ ‘ኣብኣ ኸይመውትስ ናብ ቤት ዮናታን ኣይትምለሰኒ ኢለ እየ ንንጉስ ዝለመንክዎ’ በሎም።”

27ሽዑ ዅሎም እቶም ኣሕሉቕ ናብ ኤርሚያስ መፂኦም ጠየቕዎ። ንሱ ኸዓ ኸምቲ ዅሉ ንጉስ ዝኣዘዞ ነገሮም። እቲ ነገር ኣይተሰምዐን ነበረ እሞ፥ ስቕ ኢሎም ከዱ።

28ኽሳዕ እታ ኢየሩሳሌም ዝተትሓዘትላ መዓልቲ ድማ ኤርሚያስ ኣብ ኣደባባይ ቤት ማእሰርቲ ተቐመጠ።

ትርጓሜ

38:1-13 ኤርምያስ ብቕኑዕ ስብከቱ ቀጸለ። እቶም መሳፍንቲ ግን ብኽፋኦም ቀጸሉ። እኩያት ሰባት ንእሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም ጸላእቲ ገይሮም ምጥማቶም ልሙድ እዩ፣ ከመይሲ ንሳቶም ብዘይንስሓ ኣብ ዝነብሩሉ እዋን እቶም እኩያት ንርእሶም ክንደይ ጸላእቲ ምዃኖም የርእዩ። ኤርምያስ ናብ ጕድጓድ ተደርበየ። ብዙሓት እሙናት መሰኻኽር ኣምላኽ ድማ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ብሕቡእ ተቐቲሎም። እብድ-ሜሌክ ኢትዮጵያዊ ነበረ፤ ግናኸ ንጉስ ብእሙንነት ተዛረቦ፣ "እዞም ሰባት እዚኣቶም ንኤርምያስ ብዝገበርዎ ኩሉ ክፉእ ገይሮም እዮም።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ኤርምያስም ለሕዝቡ ሁሉ የተናገረውን ቃል የማታን ልጅ ስፋጥያስ፥ የጳስኮርም ልጅ ጎዶልያስ፥ የሰሌምያም ልጅ ዮካል፥ የመልክያም ልጅ ጳስኮር ሰሙ። አማርኛ ENGNIV Shephatiah son of Mattan, Gedaliah son of Pashhur, Jehucal son of Shelemiah, and Pashhur son of Malkijah heard what Jer… English BCV ሰፋጥያስ ወዲ ማታንን፥ ጎዶልያስ ወዲ ጳስኮርን፥ ዩካል ወዲ ሰሌምያን፥ ጳስኮር ወዲ መልክያን፥ ነቲ ኤርሚያስ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ” ኢሉ ንዅሉ ህዝቢ ዝተዛረቦ ቓል ሰምዕዎ። ትግርኛ GAZBIB Shefaaxiyaan ilmi Maataan, Gedaaliyaan ilmi Phashhur, Yukaal ilmi Shelemiiyaa akkasuma Phashhur ilmi Malkiiyaa isa ani … Afaan Oromoo BCV GIZ ወሰምዐ ሶፎንያስ ወልደ ናታን ወጎዶልያስ ወልደ ጳስኮር ወዮአክል ወልደ ሴልምዩ ወጳስኮር ወልደ ሜልያ፤ ነገረ ዘነገረ ኤርምያስ ለኵሉ ሕዝብ። giz GAZGAZ Shefaaxiyaan ilmi Maataan, Gedaaliyaan ilmi Phashhur, Yukaal ilmi Shelemiiyaa akkasuma Phashhur ilmi Malkiiyaa isa ani … Afaan Oromoo AMHNIV ኤርምያስ ለሕዝቡ የተናገረውን ቃል የማታን ልጅ ሰፋጥያስ፣ የጳስኮር ልጅ ጎዶልያስ፣ የሰሌምያ ልጅ ዮካል እንዲሁም የመልክያ ልጅ ጳስኮር ሰሙ፤ ቃሉም እንዲህ የሚል ነበር፦ አማርኛ SWAHSUV Na Shefatia, mwana wa Matani, na Gedalia, mwana wa Pashuri, na Yukali, mwana wa Shelemia, na Pashuri, mwana wa Malkiya,… Kiswahili