ትንቢት ኤርምያስ 33

BCVትግርኛ26 ፍቕድታት4:40 ስማዕ
ስማዕ 4:40 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኤርሚያስ ገና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ እንተሎ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ንኻልኣይ ጊዜ ናብኡ መፀ፦

2ስሙ እግዚኣብሄር ዝኾነ፥ ንምድሪ ዝፈጠራን ዝመስረታን ዘፅንዓን እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦

3“ናባይ ጥራዕ፤ ኣነውን ክመልሰልካ እየ፤ ንስኻ ዘይትፈልጦ ዓቢይን ዘይምርመርን ነገር ድማ ኽገልፀልካ እየ።

4ብዛዕባ እቲ ብመፍረሲ ዕርድን፥ ብሰይፍን ዝፈርስ ዘሎ ኣባይቲ እዛ ኸተማ እዚኣን፥ ኣባይቲ ነገስታት ይሁዳን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦

5ምስ ከለዳውያን ክዋግኡ መፂኦም እዮም፤ እዚኣቶም ብሬሳታት እቶም ኣነ ብቝጥዓይ ዝቐተልኩዎም ሰባት ክመልእዋ እዮም። ብሰንኪ ዅሉ ኽፍኣቶም ካብዛ ኸተማ እዚኣ ገፀይ መሊሰ ኣለኹ።

6ይኹን እምበር ፈውስን መድሓኒትን ከምፅአላ እየ፤ ክፍውሶምውን እየ፤ ብዝሒ ሰላምን ሓቅን ድማ ኽገልፀሎም እየ።

7ምርኮ ይሁዳን ምርኮ እስራኤልን ክመልስ እየ፤ ከም ቀደም ከዓ ኽሃንፆም እየ።

8ካብቲ ንኣይ ዝበደሉሉ ሓጢኣት ከንፅሆም እየ፤ ኵሉ እቲ ኣብ ልዕለይ ዝዓመፅዎን ዝበደልዎን ሓጢኣቶም ይቕረ ኽብሎም እየ።

9እዛ ኸተማ እዚኣ፥ እቲ ዅሉ ንኣኣ ዝገበርክዎ ሰናይ ነገር፥ አብ ቅድሚ እቶም ኣህዛብ ምድሪ፥ ንስም ንደስታ ንምስጋና ንኽብሪ ኽትኮነኒ እያ፤ ካብቲ ዅሉ ኣነ ዝህባ ሰናይን ሰላምን ዝተልዓለ ድማ፥ ክፈርሑን ከንቀጥቅጡን እዮም።”

10እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንስኻትኩም ብዘይ ሰብን ብዘይ እንስሳን፥ ዝባደመት እያ ኣብ እትብልዋ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ፥ ዝነብረሎም ኣብ ዘየለ ብዘይ ሰብን ብዘይ እንስሳን፥ ባድማ ዝኾኑ ኸተማታት ይሁዳን ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን

11ድምፂ ሓጐስን ዕልልታን ድምፂ መርዓውን መርዓትን፥ ከምኡውን እግዚኣብሄር ሕያዋይ እዩ፤ ምሕረቱውን ንዘለኣለም እዩሞ፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣመስግንዎ ዝብሉ መስዋእቲ ምስጋና ሒዞም ናብ ቤት እግዚኣብሄር ናይ ዝመፁ ሰባት ድምፂ ኽስማዕ እዩ። ንምርኮ ምድሪ ኸዓ ኸምቲ ቐደም ዝነበሮ ገይረ ኽመልስ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”

12ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብዛ ሰብን እንስሳን ዘይብላ ስፍራን፥ ኣብ ኵለን ከተማታታን ከም ብሓድሽ፥ መሕደሪ እቶም መጓሰታቶም ዘስፍሩ ጓሶት ክኸውን እዩ።

13ኣብ ደጕዓ ኣብ ዘለዋ ኸተማታት፥ ኣብ ቈላ ኣብ ዘለዋ ኸተማታት፥ ኣብ ደቡብ ኣብ ዘለዋ ኸተማታት፥ ኣብ ምድሪ ብንያምን ኣብ ከባቢ ኢየሩሳሌምን ኣብ ዘለዋ ኸተማታት፥ ኣብ ይሁዳ ኣብ ዘለዋ ኸተማታት፥ እተን መጓሰታት መሊሰን ብትሕቲ ኢድ እቲ ተቘፃፃሪአን ክሓልፋ እየን፤ ይብል እግዚኣብሄር።”

14እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ እቲ ብዛዕባ ቤት እስራኤልን ብዛዕባ ቤት ይሁዳን፥ ዝተዛረብክዎ ሰናይ ቃል ዝፍፅመለን መዓልቲታት ክመፃ እየን፤ ይብል እግዚኣብሄር።

15በቲ ጊዜ እቱይን፥ በቲ ዘመን እቱይን፥ ንዳዊት ጨንፈር ፅድቂ ኸጠጥዐሉ እየ።

16በቲ ዘመን እቱይ ይሁዳ ኽድሕን እዩ፤ ኢየሩሳሌምውን ብህድኣት ክትነብር እያ፤ መፀውዒ ስማ ድማ ‘እግዚኣብሄር ፅድቅና’ ዝብል ይኸውን።

17ካብ ዳዊት፥ ኣብ ዙፋን ቤት እስራኤል ዝቕመጥ ሰብ ከቶ ኣይሰኣንን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።

18ካብ ሌዋውያን ካህናትውን፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ንምቕራብ፥ ናይ እኽሊ ቝርባን ንምቅፃል፥ ካልእ መስዋእቲ ንምስዋእ፥ ኵልሻዕ ኣብ ቅድመይ ዝቐውም ሰብ ኣይሰኣንን።”

19ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ፦

20እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ለይትን መዓልትን በብጊዜኡ ምእንቲ ኸይኸውን፥ ናይ መዓልቲ ቓል ኪዳነይን ናይ ለይቲ ቓል ኪዳነይን ምፍራስ እንተ ኽኢልኩም፥

21ሽዑ ድማ ኣብ ዙፋን ዝቕመጥ ውሉድ ከይኾነሉ፥ ምስ ዳዊት ባርያይን ምስ ኣገልገልተይ ሌዋውያን ካህናትን ዝኣተኹዎ ቓል ኪዳን ክፈርስ እዩ።

22ከምቲ ሰራዊት ሰማይ ዘይቝፀር፥ ሑፃ ባሕሪ እውን ዘይስፈር፥ ከምኡ ንዘርኢ ዳዊት ባርያይን ንኣገልገልተይ ሌዋውያንን ከብዝሖም እየ።”

23ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ፦

24“እዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ ‘እግዚኣብሄር ነዞም ዝሓረዮም ክልተ ነገድ ደርቢይዎም እዩ’ እናበሉ ዝዛረብዎ ዘለዉ ኣይትሪኦን ዲኻ? ድሕሪዙይ ኣብ ቅድሚኣቶም ህዝቢ ኸም ዘይኮኑ ቘፂሮም ይንዕቕዎም ኣለዉ።

25እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ምስ መዓልትን ምስ ለይትን ዘሎ ኺዳነይ እንተ ዘየፅኒዐ፥ ንሰማይን ምድርን ዝሓገግክዎ ስርዓትውን እንተ ዘየፅኒዐ፥

26ሽዑ ንዘርኢ ያእቆብን ንባርያይ ዳዊትን ክድርብዮ እየ። ካብ ዘርኢ ዳዊት ሓደ ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን ዝገዝኡ ኣየተስእን እየ። ንምርኮኦም ክመልሶ እየሞ፤ ክምሕሮምውን እየሞ።”

ትርጓሜ

33:1-13 እቶም ካብ ኣምላኽ ምጽንናዕ ኪቕበሉ ዚጽበዩ፡ ኣብኡ ኺጽውዑ ኣለዎም። ተስፋታት ጸሎት ንምጥፋእ ዘይኮነስ፡ ግን ንምብራብን ምትብባዕን እዩ ዚወሃብ። እዞም ተስፋታት እዚኦም ናብ ወንጌል ክርስቶስ ይመርሑና፤ ኣብኡ ድማ ኣምላኽ ሓቂ ገሊጹልና ንኽንምራሕ፡ ሰላም ከኣ ንኸናዕርፈና እዩ። ኵሎም እቶም ብጸጋ ምቅዳስ ካብ ርኽሰት ሓጢኣት ዚነጹ፡ ብምሕረት ምሕረት ካብ በደል ይፈትሑ። ሓጥኣን ከምኡ ጌሮም ብስም ጐይታ የሱስ ተሰግቶም፡ ተሓጺቦም፡ ተቐዲሶም ከምኡ’ውን ብመንፈስ ቅዱስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብሰላምን ንጽህናን ኪመላለሱ ይኽእሉ እዮም። ብዙሓት ነቲ ሓቀኛ ፍልልይ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽን እቲ ኣብ ዙሪያኦም ዘሎ ዓለምን ኪርእዩ ይመርሑ፡ መለኮታዊ ቍጥዓ ድማ ኪፈርሁ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6