ትንቢት ኤርምያስ 30

BCV aksumትግርኛ24 ፍቕድታት4:31 ስማዕ
ስማዕ 4:31 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቃል እዙይ እዩ፤

2እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል፦ “ነዘን ኵለን ዝነገርኩኻ ቓላት ኣብ መፅሓፍ ፀሓፈን።

3እንሆ እተን ንህዝበይ እስራኤልን ይሁዳን፥ ካብ ምርኮ ዝመልሰለን መዓልቲታት ክመፃ እየን፤ ናብታ ነቦታቶም ዝሃብክዋ ሃገር ክመልሶም እየ፤ ንሳቶምውን ክወርስዋ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”

4እግዚኣብሄር ብዛዕባ እስራኤልን ብዛዕባ ይሁዳን ዝተዛረቦ ቓል እዙይ እዩ።

5እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ እሞ፦ “ዘፍርሕ ድምፂ ሰማዕና፤ ናይ ፍርሓት እምበር ናይ ሰላም ኣይኮነን።

6እስኪ ጠይቑን ተመልከቱን፤ ታባዕታይዶ ኽወልድ ይኽእል? ስለ ምንታይ ደኣ እዩ ዅሎም እቶም ሰብኡት፥ ከምታ ንምውላድ እትፅዓር ሰበይቲ ኾይኖም፥ ኣእዳዎም ኣብ ሕቘኦም ገይሮም ዝርኢ ዘለኹ? ገፅ ኵሉ ሰብከ ፀሊሙ ዝረአ ዘሎ ስለ ምንታይ እዩ?

7እታ መዓልቲ፥ ዓባይ እያሞ ዝመዓራረያ የለን፤ ንያእቆብ፥ ጊዜ ጭንቂ እያ፤ ግና ኻብኣ ኽድሕን እዩ።”

8“በታ መዓልቲ እቲኣ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፦ ነቲ ኣብ ክሳዶም ዘሎ ኣርዑት ክሰብሮ እየ፤ ነቲ መእሰሪኦምውን ክበትኮ እየ። ድሕሪ ደጊም ባዕዳን ኣይገዝእዎምን እዮም።

9ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምን፥ ነቲ ኣነ ዘተስአሎም ካብ ዘርኢ ዳዊት ዝኾነ ንጉስን ክግዝኡ እዮም።

10“ስለዙይ ኣታ ኣገልጋሊየይ ያእቆብ ኣይትፍራሕ፤ ኣታ እስራኤል፥ ኣይትደንግፅ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ እንሆ ኣነ ንኣኻ ኻብ ርሑቕ፥ ንዘርእኻውን ካብቲ ዝተማረኹሉ ሃገር፥ ከናግፎም እየ። ያእቆብ ክምለስ እዩ፤ ብሰላምን ብህድኣትን ክነብር እዩ፤ ዘፍርሖውን ኣይህሉን።

11ኣነ ምስኻ እየ፤ ከድሕነካውን እየ፤ ነቶም ናብኣቶም ፋሕ ዘበልኩኹም ኵላቶም ህዝብታት፥ ፈፂመ ኸጥፍኦም እየ፤ ንኣኻ ግና ፈፂመ ኣየጥፍአካን እየ፤ ብመጠኑ ኽቐፅዐካ እየ፤ ብዘይ ቅፅዓት ግና ኣይሓድገካን።”

12እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ስብራትካ ዘይፅገን፥ ቍስልኻውን ብርቱዕ እዩ።

13ዝማጐተልካ የለን፤ ንቝስልኻ መድሓኒት የብሉን፤ ፈውስውን ኣይትረክብን።

14ኵሎም ፈተውትኻ ረስዑኻ፤ ብኣኻውን ኣይግደሱን፤ ብሰንኪ ዓብዪ በደልካን፥ ሓጢኣትካውን ስለ ዝበዝሐን፥ ከም ፀላኢ ቐፃዕኹኻ፤ እወ፥ መቕፃዕትኻ ብርቱዕ ነበረ።

15ፈውሲ ንዘይርከቦ ሕማምካ፥ ብዛዕባ ቝስልኻ ንምንታይ እተእዊ? ብበደልካን ብበዝሒ ሓጢኣትካን እየ ዝቐፃዕኹኻ።

16ሕዚ ግና እቶም ፈፂሞም ዝውሕጡኻ፥ ክወሓጡ እዮም፤ ኵሎም ፀላእትኻ ንምርኮ ኽወሃቡ እዮም። ኵሎም ዝዓመፁኻ ኽዕመፁ እዮም፤ ኵሎም ዝዘመቱኻ ኸዓ ኽዝመቱ እዮም፤

17እታ ሓደኳ ዘይግደሰላ ድርብይቲ ፅዮን ኢሎም ሰምዮምኺ እዮምሞ፥ ኣነ ንኸጥዕየኪ፥ ንቝስልኺውን ከሕውዮ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”

18እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ምርኮ ድንኳን ያእቆብ ክምልስ እየ፤ ንመንበሪኡውን ክርህርሀሉ እየ፤ እታ ኸተማ ኣብ ልዕሊ ዀረብታታት፥ ክትህነፅ እያ፤ እቲ ኣዳራሻውን ከም ቅድሙ፥ መንበሪ ሰብ ክኸውን እዩ።

19ካብኣቶም፥ መዝሙር ምስጋናን፥ ድምፂ ዕልልታን ክስማዕ እዩ፤ ኣነ ኸብዝሖም እየሞ፥ ቍፅሮም ድማ ኣይውሕድን፤ ከኽብሮም እየሞ፥ ኣይዋረዱን እዮም።

20ደቆም ከም ቀደም ክኾኑ እዮም፤ ማሕበሮም ድማ ኣብ ቅድመይ፥ ፀኒዑ ኽቐውም እዩ፤ ንዅሎም ገፋዕቶም ክቐፅዖም እየ።

21መራሒኦም ካብኣቶም ክኸውን እዩ፤ ገዛኢኦም ከዓ ኻብ ማእኸሎም ክትስእ እዩ፤ ናባይ ከቕርቦ እየ፤ ንሱውን ክቐርበኒ እዩ፤ እንተ ዘይኮይኑ ናባይ ደፊሩ ዝቐርብ መን እዩ? ይብል እግዚኣብሄር።

22ስለዙይ ንስኻትኩም ህዝበይ ክትኮኑኒ ኢኹም፤ ኣነ ድማ ኣምላኽኩም ክኸውን እየ።”

23እንሆ ናይ እግዚኣብሄር ህቦብላ ይለዓል፤ ዝገለባበጥ ኣውሎ ንፋስ፥ ኣብ ልዕሊ ናላ ኽፉኣት ክወርድ እዩ።

24ፅኑዕ ቍጥዓ እግዚኣብሄር፥ ሓሳብ ልቡ እንተይፈፀመ፥ ስቕ ኢሉ ኣይምለስን፤ በተን ዳሕረዎት ዘመናት፥ ነዙይ ክተስተውዕልዎ ኢኹም።

ትርጓሜ

30:1-11 ኤርምያስ ኣምላኽ ዝነገሮ ኪጽሕፍ ኣለዎ። እቲ ቃላት እኳ መንፈስ ቅዱስ ዝምህሮም እዮም። እዚኣቶም እቲ ኣምላኽ ክጽሓፉ ዝኣዘዞም ቃላት እዮም እሞ፡ እቶም ብትእዛዙ እተጻሕፉ ተስፋታት ብሓቂ ቃሉ እዮም። እቲ ህዝቢ ሕጂ ዘሎዎ ጭንቅን፡ ገና እውን ኪመጾ ዝኽእል ጭንቅን ጽሒፉ ኪገልጾ ኣለዎ። ነዘን መከራታት ሓጎስ ዝመልኦ መወዳእታ ኪግበረለን እዩ። እቲ መከራታት ቤተ ክርስትያን ንነዊሕ እዋን ኪጸንሕ እኳ እንተኾነ፡ ንሓዋሩ ኣይኪጸንሕን እዩ። ኣይሁድ እንደገና ኪምለሱ እዮም። ንመሲሕ፡ ነቲ ክርስቶስ፡ ንወዲ ዳዊት፡ ንጉሶም ኪእዘዙ ወይ ኪሰምዑ እዮም። ምድሓን ኣይሁድ ካብ ባቢሎን ኣብ ትንቢት ይሕበር ኣሎ፡ ግናኸ ናብ ክርስቶስ ንጉሶም ክምለሱ ከለዉ፡ ምምላስን ሓጎስ ዝመልኦ ኩነታትን እስራኤልን ይሁዳን ይንገር ኣሎ። ከምኡ እውን መከራ ህዝብታት ቅድሚ ምምጻእ ክርስቶስ ይንገር ኣሎ። ኩሎም ሰባት ከምቲ ንኣብ ዝኸብሩዎ፡ ንወልድ ከኽብሩዎ ኣለዎም፡ ብእኡ ድማ ናብ ኣገልግሎትን ኣምልኾን ኣምላኽ ኪኣትዉ ኣለዎም። ጸጋዊ ጐይታና፡ ሓጢኣት እቲ ዝኣምን ይቕርየሉ፡ ኣርዑት ሓጢኣትን ሰይጣንን ይሰብሮ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6