ትንቢት ኤርምያስ 1

BCVትግርኛ18 ፍቕድታት5:57 ስማዕ
ስማዕ 5:57 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ካብ ዓሌት እቶም ኣብ ኣናቶት ኣብ ምድሪ ብንያም ዝነበሩ ኻህናት፥ ካብ ኬልቅያ ዝተወልደ፥ ኤርሚያስ ዝተዛረቦ ቓል፥

2ኢዮስያስ ወዲ ኣሞፅ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ ዓመቱ ቓል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ።

3ከምኡውን ብዘመን ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ ንጉስ ይሁዳ ኽሳዕ እታ መወዳእታ መበል ዓሰርተ ዓመት ግዝኣት ሴዴቅያስ ወዲ ኢዮስያስ ንጉስ ይሁዳ ኽሳዕ እቲ ኢየሩሳሌም ዝተማረኸትሉ መወዳእታ ሓምሻይ ወርሒ መፀ።

4ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ “ኣብ ከርሲ እኖኻ እንተይሃነፅኩኻ ኻብ ማህፀን እንተይወፃእኻ ቐደስኩኻ፤ ንኣህዛብውን ነቢይ ገይረካ ኣለኹ” በለኒ።

6ኣነ ድማ “ኣይፋልካን፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፥ ገና ቘልዓ እየሞ፤ እንሆ ኸመይ ከም ዝዛረብ ኣይፈልጥን እየ” በልኩ።

7እግዚኣብሄር ግና “ገና ቘልዓ እየ ኣይትበል፤ ናብቶም ዝልእኸካ ዅሎም ክትከይድ ኢኻ፤ እቲ ዅሉ ዝእዝዘካ ድማ ኽትነግር ኢኻ።

8ኣነ ኸድሕነካ ምሳኻ እየ እሞ ኣብ ቅድሚኣቶም ኣይትፍራሕ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”

9ሽዑ እግዚኣብሄር ኢዱ ዘርግሐ እሞ ኣፈይ ዳህሰሰኒ፤ “እንሆ፥ ክትዛረቦ ዝግብኣካ ቓል ኣብ ኣፍካ ኣንቢረ እየ።

10ረአ፥ ሎሚ ኽትብቍስን ከተፍርስን፥ ክተዕኑን ክትግልብጥን፥ ክትነድቕን ክትተክልን ኣብ ልዕሊ ህዝብታትን መንግስታትን ኣቝመካ እየ” በለኒ።

11ድሕሪዙይ “ኤርሚያስ፥ እንታይ ትርኢ ኣለኻ?” ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ ኣነ ድማ “በትሪ ኦም ለውዚ(ሀ) እርኢ ኣለኹ” ኢለ መለስኩሉ።

12እግዚኣብሄር ከዓ “ፅቡቕ ርኢኻ፥ ንቓለይ ክተግሀሉን ከም ዝፍፀም ክገብሮን እየ” በለኒ።

13ንኻልኣይ ጊዜ “እንታይ ትርኢ ኣለኻ?” ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ ኣነውን “ገፁ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ዝፈልሕ ድስቲ እርኢ ኣለኹ” በልኩ።

14ሽዑ እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “ካብ ሰሜን ወገን ኣብዛ ምድሪ ናብ ዝነብሩ ዅሎም፥ ክፉእ ነገር ክወርድ እዩ።

15እንሆ፥ ኣነ ንዅሎም ናይ ሰሜን መንግስታት ኣህዛብ ክፅውዖም እየ” ይብል እግዚኣብሄር። “ንሳቶም ከዓ መፂኦም ነፍሲ ወከፎም ኣብ ኣፍ ደገታት ኢየሩሳሌምን ኣብ ዙርያ ቕፅራን ኣብ ዙርያ እተን ካልኦት ከተማታት ይሁዳን ዘዙፋኖም ከንብሩ እዮም።

16ብሰንኪ ሓጢኣቶም፥ ንኣይ ስለ ዝሓደጉን፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸዓ ዕጣን ስለ ዝዓጠኑን፥ ኣእዳዎም ንዝሰርሕዎም ጣዖታት ስለ ዝሰገዱን ፍርደይ ኣብ ልዕሊኣቶም ከንብር እየ።

17ንስኻ ግና ሕቘካ ተዓጠቕ፤ ተሲእኻ ዅሉ እቲ ኣነ ዝእዝዘካ ንገሮም። ኣነ ኣብ ቅድሚኣቶም ከየሕፍረካስ ኣብ ቅድሚኣቶም ኣይትፍራሕ።

18እንሆ፥ ኵሎም ኣብታ ምድሪ ዘለዉ ነገስታት ይሁዳን ሹመኛታታን ካህናታን ህዝባን፥ ሎሚ ኸም ዝተዓረደት ከተማን ከም ዓምዲ ሓፂንን ከም ቅፅሪ ነሃስን ገይረካ ኣለኹ።

19ክዋግኡኻ እዮም፤ ግና ምእንቲ ኸድሕነካ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይስዕሩኻን እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።

ትርጓሜ

ኤርምያስ 1:1-10

ኤርምያስ ናብ ዕዮን ማዕርግን ነብዪ ዝቐረበሉ ቀዳማይ ጻውዒቱ 1:1-10 ተዘርዚሩ ኣሎ። ንሱ ነብዪ ኪኸውን ነበሮ፡ ንኣይሁድ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ግን ከኣ ነቶም ከባቢኦም ዝነበሩ ህዝብታት። ንሱ ክሳብ ሕጂ ንብዘሎ ዓለም ነብዪ እዩ፡ እሞ ነዘን መጠንቀቕታታት እዚኤን እንተደኣ ተገዲስዎም፡ ጽቡቕ ምዀነ። እቲ ዝፈጠረና እግዚኣብሔር፡ ንምንታይ ፍሉይ ኣገልግሎታትን ዕላማታትን ከም ዝሓሰበና ይፈልጥ እዩ። ግን ከኣ ብሓዳስ ዝፈጥር መንፈሱ እንተዘይ ኣቕዲሱና (ምቅዳስ)፡ ኣብ ምድሪ ንቕዱስ ኣገልግሎቱ ኣይክንበቅዕን ኢና፡ ኣብ ሰማይ ከኣ ንቕዱስ ሓጎሱ። ስለ ባዕልና ትሕት ዝበለ ሓሳባት ክህልወና ይግባእ። እቶም መንእሰያት፡ ንርእሶም ከም መንእሰያት ጌሮም ኪርእዩ፡ ካብ ዓቕሞም ወጻኢ ድፍረት ከይገብሩ ይግባእ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6