ትንቢት ኤርምያስ 10

BCV aksumትግርኛ24 ፍቕድታት4:23 ስማዕ
ስማዕ 4:23 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኣቱም ቤት እስራኤል፥ እዝ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ዝዛረቦ ዘሎ ቓል ስምዑ።

2እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “መንገዲ ኣህዛብ ኣይትመሃሩ፤ ኣህዛብ ይፈርሕዎም እዮም ኢልኩም ከዓ በቲ ኣብ ሰማይ እትሪእዎ ምልክታት ኣይትፍርሑ።

3ልማድ ኣህዛብ ከንቱ እዩ፤ ኦም ካብ ዱር ይቘርፁ፤ ፀራቢ ኸዓ ብምሳር ይፀርቦ፤

4ብብሩርን ብወርቅን ይልብጥዎ፤ ከይወድቕ ድማ ብሽንካርን ብመዶሻን የጋጥምዎ።

5ኣብ ውሽጢ ተኽሊ ዱባ፥ ንመፈራርሒ ኣዕዋፍ ከም ዝትከሉ ነገራት እዮም፤ ክኸዱ ስለ ዘይኽእሉ ሰብ እዩ ዝፆሮም፤ ዝገብርዎ ፅቡቕ የብሎምን፤ ክፉእ ድማ ኽገብሩ ኣይኽእሉን እዮምሞ ኣይትፍርሕዎም።”

6ኦ እግዚኣብሄር፥ ከማኻ ሓደ እኳ የለን፤ ንስኻ ዓብዪ ኢኻ፤ ሓይሊ ስምካ ድማ ዓብዪ እዩ።

7ኣታ ንጉስ ኣህዛብ፥ ክትከብር ይግብአካ እዩ፤ ካብ ኵሎም ጠቢባን ህዝብታትን፥ ካብ ኵሎም መንግስታቶምን፥ ሓደ እኳ ከማኻ የለንሞ፤ ንኣኻ ዘይፈርሕ መን እዩ?

8ኵላቶም ድንዙዛትን ዓያሹን እዮም፤ ከንቱ ናይ ጣዖታት ትምህርቲ፥ ዕንፀይቲ እዩ።

9ጣዖታቶም ካብ ተርሴስ ብዝመፀ ብሩርን፥ ካብ ኦፌር ብዝመፀ ወርቅን፥ ብስራሕ ኣንጠረኛን፥ ብኢድ ብልሓተኛን ዝተገብሩ እዮም። ክዳውንቶምውን ብብልሓተኛታት ሰባት ዝተገብረ፥ ሰማያውን ቀይሕን እዩ።

10እግዚኣብሄር ግና ናይ ብሓቂ ኣምላኽ እዩ፤ ንሱ ህያው ኣምላኽ፤ እቲ ዘለኣለማዊ ንጉስ እዩ። ብቝጥዓኡ ምድሪ ተንቀጥቅጥ፤ ንቝጥዓኡ ድማ ኣህዛብ ክፅመምዎ ኣይኽእሉን።

11“ንስኻትኩምውን፥ ‘እዞም ሰማይን ምድርን ዘይፈጠሩ ኣማልኽቲ፥ ካብ ምድርን ካብ ትሕቲ ሰማይን፥ ክጠፍኡ እዮም’ ክትብልዎም ኢኹም።”

12እግዚኣብሄር ግና ብሓይሉ ምድሪ ፈጠረ፤ ብጥበቡ ኸዓ ንዓለም ኣቖማ፤ ብፍልጠቱ ድማ ንሰማያት ዝዘርግሐ ንሱ እዩ።

13ድምፁ ምስ ኣስምዐ፥ ማያት ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማያት ይእከቡ፤ ንግመ ኻብ ወሰን ምድሪ የልዕሎ፤ ብጊዜ ዝናም መባርቕ ይገብር፤ ንንፋስ እውን ካብ መዛግቡ የውፅኦ።

14ኵሎም ሰባት ፍልጠት ስኢኖም ደንዘዙ፤ እቲ ብፍሲ ዝተገብረ ምስሊ ጣዖት፥ ሓሰትን ህይወት ዘይብሉን እዩ እሞ፥ ኣንጠረኛ ዝኾነ ዅሉ፥ በቲ ዝገበሮ ምስሊ ሓፈረ፤

15ከንቱን ክንዓቑ ዘለዎምን እዮም፤ ብጊዜ ቕፅዓቶም ከዓ ኽጠፍኡ እዮም።

16እቲ ግደ ያእቆብ ግና ኸምዚኣቶም ኣይኮነን፤ ንሱ ንዅሉ ዝፈጠረ እዩሞ፤ እስራኤል ድማ ነገድ ርስቱ እዩሞ፤ ስሙውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።

17“ኣቲ ኣብ ዕርዲ ዘለኺ፥ ኣቓሑኺ ኻብ ምድሪ ኣክቢ፤ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ነዞም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዝነብሩ ዘለዉ፥ በዝ ጊዜ እዙይ ናብ ርሑቕ ሃገር ከወንጭፎም እየ፤ ክሳዕ ዝፍለጦምውን ከፅብበሎም እየ።”

19“ስለ ስብራተይ ወይለይ፤ ቍስለይ ዝኸፍአ እዩ፤ ኣነ ግና እዙይ ናይ መከራ ቝስለይ እዩ እሞ፥ ክፅመሞ እየ በልኩ።

20ድንኳነይ ተበላሸወ፤ ኵሉ ገመዳተይ ተበታተኸ፤ ደቀይ ተበታተኑ፤ ምሳይ የለዉን፤ ደጊም ድንኳነይ ዝተክል፥ መጋረጃይ ከዓ ዝሰቅል የለን።”

21እቶም ጓሶት ሰኒፎም፤ ንእግዚኣብሄር ድማ ኣይጠየቑን፤ ስለዙይ እውን ኣይሰለጦምን፤ እቲ መጓሰ ኸዓ ፋሕ ኢሉ ኣሎ።

22ድምፂ ወረ ስምዑ፤ እንሆ፥ ንኸተማታት ይሁዳ፥ ዑናን መስፈሪ ወኻሩን ምእንቲ ኽገብርን፥ ድምፅን ብርቱዕ ህምህምታን፥ ካብ ሃገር ሰሜን ይመፅእ ኣሎ።

23ኦ እግዚኣብሄር፥ ህይወት ሰብ፥ ኣብ ኢዱ ኸም ዘይኮነት እፈልጥ እየ፤ ኣካይዳኡውን ኣቕኒዑ ኽመርሕ፥ ካብ ባዕሉ ኣይኮነን።

24ኦ እግዚኣብሄር፥ ቅፅዐኒ፤ ግና ብልክዕ ደኣ ይኹን፤ ምእንቲ ኸይጠፍእስ ብቝጥዓኻ ኣይኹን።

25ንያእቆብ በሊዖምዎ፥ ውሒጦምዎን ወዲኦምዎን፥ ንመንበሪኡውን ኣዕንዮምዎ እዮም እሞ፥ ቍጥዓኻ ናብቶም ዘይፈልጡኻ ኣህዛብን፥ ናብቶም ስምካ ዘይፅውዑ ዓሌትን ኣፍስሶ።

ትርጓሜ

፲:፩-፲፮ እቲ ነብዪ ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል የርኢ፣ ከምኡ ድማ ዕሽነት ጣኦታውያን የቃልዕ። ጥንቈላን ካልእ ልዕለ-ባህርያዊ ሓገዝ ንምርካብ ወይ ንምብርዓም መጻኢ ዚግበር ፈተነታትን፣ ካብ እኩይ ልምድታት ኣረማውያን እተወስዱ እዮም። ብፍርሃት ንቁም፣ ከምኡ ድማ ንሱ በይኑ ዚግብኦ ክብሪ ንኻልእ ብምሃብ ኣምላኽ ከነቖጥዕ ኣይንደፍር። ንሱ ይቕረ ንምባል ድሉው እዩ፣ ከምኡ ድማ ብስም ወዱ የሱስ ክርስቶስ ዚንስሑን ዚኣምኑን ንኹሎም ከድሕን ድሉው እዩ። እምነት ነዘን ቅዱሳት ሓቅታት ካብ ቃል ኣምላኽ ትምሃር፣ ግናኸ ካብኡ ዘይወጸ ኩሉ ፍልጠት ናብ ትምህርትታት ከንቱ የብጽሕ።

10:17-25 ኣብ ገዛእ ምድሮም ዝቐጸሉ ኣይሁድ፡ ርእሶም ድሑናት ኰይኖም ተሰሚዖምዎም።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6