1ኣቱም ኣሕዋተይ፥ በቲ ናይ ክብሪ ጐይታ ዝኾነ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ እምነት፥ ገፅ ሰብ ርኢኹም ኣድልዎ ኣይትግበሩ።
2ሓደ በዓል ወርቂ ቐለበት፥ ፅቡቕ ክዳን ዝተኸድነ ሰብ፥ ናብ ኣኼባኹም እንተ ኣተወ፥ ሓደ ድኻ ረሳሕ ክዳን ዝተኸድነ ሰብውን እንተ ኣተወ፥
3እሞ ነቲ ፅቡቕ ክዳን ዝተኸድነ ኣድልዎ ብምግባር፥ “ንስኻ ኣብዝ ፅቡቕ ስፍራ ተቐመጥ” እንተ በልኩምዎ፥ ነቲ ድኻ ግና “ንስኻ ኣብቱይ ደው በል፤ ወይ ኣብዙይ ኣብ ትሕቲ እግረይ ተቐመጥ” እንተ በልኩምዎ፥
4ክፉእ ሓሳብ ዘለዎም ፈረድቲዶ ኣይኮንኩምን?
5ኣቱም ፍቑራት ኣሕዋተይ፥ እስኪ ስምዑ፤ እግዚኣብሄር ነቶም ዘፍቅርዎ ዘተስፈዎም፥ መንግስቲ፥ ምእንቲ ኽወርሱ፥ ብእምነት ሃብታማት ክኾኑ፥ ነቶም ድኻታት እዛ ዓለምዶ ኣይሓረዮምን እዩ?
6ንስኻትኩም ግና፥ ነቶም ድኻታት ኣዋረድኩምዎም። እቶም ሃብታማትዶ ኣይኮኑን ዝገፍዑኹምን፥ ናብ ቤት ፍርዲ ዝጐትኹምን?
7ንሳቶምዶኸ ኣይኮኑን፥ ነቲ እትፅውዑሉ ኽቡር ስም ዝፀርፉ ዘለዉ?
8ነቲ ኣብ መፅሓፍ ዝርከብ “ንብፃይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር” ዝብል ክቡር ሕጊ፥ እትፍፅምዎ እንተ ዄንኩም ግና፥ ሰናይ ትገብሩ ኣለኹም።
9ኣድልዎ እንተ ገበርኩም ግና፥ ሓጢኣት ትገብሩ ኣለኹም፤ ጠሓስቲ ሕጊ ኸም ዝኾንኩም ከዓ፥ እቲ ሕጊ ይፈርደኩም ኣሎ።
10ንዅሉ እቲ ሕጊ ፈፂሙ፥ ብሓንቲ ዝብድል ግና፥ ብዅሉ እዩ በደለኛ ዝኸውን።
11እቲ “ኣይትዘሙ” ዝበለ “ኣይትቕተል” ድማ በለ። ስለዙይ እንተ ዘይዘሞኻ፥ ግና እንተ ቐቲልካስ ጠሓስ ሕጊ ኢኻ።
12እምበኣር ከምቶም ሓራ ብዘውፅእ ሕጊ ዝፍረዶም፥ ተዛረቡን ግበሩን።
13እቲ ምሕረት ዘይገበረ፥ ብዘይ ምሕረት ክፍረድ እዩ እሞ፤ ይኹን እምበር፥ ምሕረት ኣብ ልዕሊ ፍርዲ ትምካሕ እያ።
14ኣሕዋተይ፥ ሓደ ሰብ እምነት ኣላትኒ እንተበለ፥ ተግባር ግና እንተ ዘይሃልይዎ፥ እንታይ ትጠቕሞ? እዛ እምነት እዚኣዶ ኽተድሕኖ ትኽእል?
15ሓው ወይ ሓፍቲ እንተ ዓረቑ፥ ናይ ዕለት ምግቢውን እንተ ሰኣኑ፥
16እሞ ሓደ ኻባኻትኩም ንስጋኦም ዘድሊ እንተይሃበ “ብሰላም ኪዱ፤ ሓዊ ሰሓኑ፤ ፅገቡ” እንተ በሎም እንታይ ይጠቕሞም?
17ከምኡ ኸዓ፥ እምነት በይና ተግባር እንተ ዘይብላ፥ ምውትቲ እያ።
18ሓደ ሰብ “ንስኻ እምነት ኣላትካ፤ ኣነ ኸዓ ተግባር ኣለኒ” ዝብል እንተ ሃልዩ፥ እምበኣር እምነትካ ብዘይ ተግባር ኣርእየኒ፤ ኣነውን እምነተይ፥ ብተግባረይ ከርእየካ እየ።
19ንስኻስ ሓደ እግዚኣብሄር ከም ዘሎ ትኣምን ኢኻ፤ ፅቡቕ ገበርካ፤ ኣጋንንቲ እውን፥ ይኣምኑን ብፍርሒ ይንቅጥቀጡን እዮም።
20ግና ኣታ ዓሻ ሰብ፥ እምነት ብዘይ ተግባር፥ ዝሞተት(ሀ) ምዃና ኽትፈልጥዶ ትደሊ እካ?
21ኣቦና ኣብርሃም ንወዱ ይስሓቅ፥ ኣብ መሰውኢ ምስ ኣቕረቦ፥ ብተግባሩዶ ኣይኮነን ዝፀደቐ?
22እምነት ምስ ተግባር ኮይና ኸም ዝሰርሐት፥ ከምኡውን ብተግባር፥ እምነት ከም ዝተፈፀመት ትርኢዶ ኣለኻ?
23“ኣብርሃም ብእግዚኣብሄር ኣመነ፤ ፅድቂ ኾይኑውን ተቘፀረሉ” ዝብል ቃል መፅሓፍ ተፈፀመ። በዙይውን ዓርኪ እግዚኣብሄር ተብሃለ።
24ሰብ ብእምነት ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ብተግባር ከም ዝፀድቕዶ ትርኢ ኣለኻ?
25ከምኡ ኸዓ እታ ኣመንዝራ ረኣብ፥ ነቶም ልኡኻት ምስ ተቐበለቶም፥ ብኻልእ መንገዲውን ምስ ኣውፅአቶም፥ ብተግባርዶ ኣይፀደቐትን?
26እምበኣር፥ ስጋ ብዘይ መንፈስ ምዉት ከም ዝኾነ፥ እምነትውን ብዘይ ተግባር ምውትቲ እያ።