ትንቢት ኢሳይያስ 1

BCV aksumትግርኛ31 ፍቕድታት8:11 ስማዕ
ስማዕ 8:11 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ብነገስታት ይሁዳ ብዖዝያንን ኢዮኣታምን ብኣካዝን፥ ብዘመን ሕዝቅያስን፥ ወዲ ኣሞፅ ኢሳይያስ ብዛዕባ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ዝረአዮ ራእይ።

2እግዚኣብሄር ተናጊሩ እዩሞ፥ ኣቱም ሰማያት ስምዑ! ኣቲ ምድሪ እውን ፅን በሊ! ውሉድ ወለድኩን ኣዕበኹን፥ ንሳቶም ግና ኣብ ልዕለይ ዓመፁ።

3ብዕራይ ንዋናኡ፥ ኣድጊውን ናይ ጐይታኡ መብልዒ ኸፍቲ ይፈልጥ፤ እስራኤል ግና ኣይፈለጠን፤ ህዝበይውን ኣየስተውዓለን።

4ኣቱም ዓሌት ሓጥኣን! በደል ዝመልአኩም ህዝቢ፥ ዘርኢ ገበርቲ ኽፉእ፥ ርኽሰት እትፍፅሙ ውሉዳት፥ ወይለኹም! ንእግዚኣብሄር ሓደግዎ፤ ንናይ እስራኤል ቅዱስውን ነዓቕዎ፤ ንድሕሪት ድማ ተመለሱ።

5ዓመፅ ኣብ ልዕሊ ዓመፅ እናወሰኽኩም ስለ ምንታይ ትቕፅዑ? እንሆ፥ ኵሉ ርእሲ ንሕማም፥ ኵሉ ልቢውን ንድኻም ኮይኑ እዩ።(ሀ)

6ካብ ከብዲ እግሪ ጀሚሩ ኽሳዕ ፀጕሪ ርእሲ፥ ጥዕና የብሉን፤ ቍስልን ሕበጥን ዝመግልንውን እዩ፤ ኣይነትዐን፤ ኣይተፀገነን፤ ብዘይትውን ኣይለስለሰን።

7ሃገርኩም ዓንያ፥ ከተማታትኩምውን ብሓዊ ተቓፂለን፤ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ጓኖት ንገራሁኹም ይበልዕዎ፤ ጓኖት ከም ዘፍረስዋ ምድሪ ዓነወት።

8ጓል ፅዮን ከዓ ኸምቲ መከላኸሊ ዘይብሉ፥ ኣብ ማእኸል ኣታኽልቲ ወይኒ ዘሎ ዳስ፥ ኣብ ውሽጢ ተኽሊ ዱባ ኸም ዘሎ ጐጆን፥ ከም ዝተኸበበት ከተማ ኾይና ተረፈት።

9ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዘርኢ እንተ ዘየትርፈልናስ፥ ከም ሰዶም ምኾንና፤ ንገሞራውን ምመሰልና ኔርና።

10ኣቱም መራሕቲ ሰዶም ቓል እግዚኣብሄር ስምዑ፤ ኣቱም ህዝቢ ገሞራውን፥ ናብ ሕጊ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ፅን በሉ።

11“ብዝሒ መስዋእትኹም ንኣይ እንታይ ይጠቕመኒ?” ይብል እግዚኣብሄር። “ዘቕረብኩምለይ ዝቃፀል መስዋእቲ ዲበላታትን፥ ዝቃፀል መስዋእትን ስብሒ ዝራብዕን ፀጊበ ኣለኹ። ደም ዝራብዓት ኮነ ደም ማጓሉ ወይ ደም ዲበላታት ኣየሕጕሰንን እዩ።

12ኣብ ቅድመይ ክትረኣዩ ናባይ ክትመፁ፥ ቅፅሪ ቤተ መቕደሰይ ክትረግፁኸ መን ደለየኩም?

13ከንቱ ዝኾነ መባእ ወሲኽኩም ኣይተምፅኡለይ። ዕጣንኩም ብኣይ ፅዩፍ እዩ፤ በዓላት ሰርቂ ወርሕኹምን ሰናብትኹምን ብኽፍኣት ዝተመልአ ኣኼባታትኩምን ክዕገሶ ኣይከኣልኩን። ክፍኣት እናገበርኩም እትገብርዎ ኣኼባታትውን፥

14ንበዓላት ሰርቂ ኣዋርሕኹምን ንዓመታዊ በዓላትኩምን ነፍሰይ ፀሊኣቶ ኣላ፤ ሸኽሚ ኾይኑኒ ኣሎ፤ ክዕገሶውን ኣይከኣልኩን።

15“ኣእዳውኩም ናባይ እንተ ዘርጋሕኹም፥ ኣዒንተይ ካባኻትኩም ክኽውል እየ፤ ልመና እንተ ኣብዛሕኹምውን ኣይሰምዐኩምን እየ፤ ኣእዳውኩም ደም መሊአን እየንሞ።

16ተሓፀቡ፤ ንርእስኹም ኣንፅሁ፤ ክፉእ ስራሕኹም ካብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣርሕቑ፤ ክፉእ ምግባር ሕደጉ።

17ሰናይ ምግባር ተምሃሩ፤ ፍትሒ ድለዩ፤ ንግፉዕ ርድኡ፤ ንደኽታማት ፍትሒ ኣውፅኡሎም፤ ንመበለታት ተጣበቑለን።”

18“እምበኣር ንዑ፤ ንዋቐስ” ይብል እግዚኣብሄር “ሓጢኣትኩም ከም ጁዅ እኳ እንተ ቐይሐ፥ ከም በረድ ከፃዕድዎ እየ። ከም ደም እንተ ቐይሐውን፥ ከም ፃዕዳ ፀምሪ ክኸውን እዩ።

19እሺ እንተ በልኩምንን እንተ ተኣዚዝኩምንን ግና፥ በረኸት ምድሪ ኽትበልዑ ኢኹም።

20እምቢ ኢልኩም እንተ ዓሚፅኩም ግና፥ ሰይፊ ኽበልዐኩም እዩ። ኣፍ እግዚኣብሄር ነዙይ ተዛሪቡ እዩ እሞ።”

21እታ ፍትሒ መሊእዋ ዝነበረ እምንቲ ኸተማ ኸመይ ኣመንዝራ ኾነት! ቀደም ፍትሒ ዝነበራ፥ ሓቂውን ዝመልኣ ነበረት፤ ሕዚ ግና መሕደሪ ቐተልቲ ነፍሲ ኾነት።

22ብሩርኪ ናብ ምምራት ተለወጠ፤ ወይንኺውን ምስ ማይ ተሓዋወሰ።

23ገዛእትኺ ሸፋቱን ኣዕርኽቲ ጐሓሉትን እዮም፤ ኵሎም ጉቦ ይፈትዉ፤ ደድሕሪ ጉቦውን ይጐዩ፤ ንደኽታም ፍትሒ ኣየውፅኡሉን፤ ጥርዓን መበለት ከዓ ኣብኣቶም ኣይበፅሕን እዩ።

24ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ እቲ ናይ እስራኤል ሓያል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ልዕሊ ተፃረርተይ ቍጥዓይ ክገልፅ እየ። ነቶም ዝቃወሙኒውን ክብቀሎም እየ።

25ኢደይ ኣብ ልዕሌኺ ኸልዕል እየ፤ ንዝዕገትኪውን ፈፂመ ኸፅርዮ፥ ንዅሉ ቆርቆሮኺ እውን ከወግዶ እየ።

26ንፈራዶኺ ኸምቶም ቀደም ዝነበሩ፥ መማኽርትኺ ድማ ኸምቶም ብመጀመርታ ዝነበሩ ኽመልሶም እየ። ድሕሪኡ ኸተማ ፅድቂ፥ እምንቲ ኸተማ ተብሂልኪ ኽትፅውዒ ኢኺ።”

27ፅዮን ብፍርዲ፥ እቶም ናብኣ ዝምለሱ ኸዓ ብፅድቂ ኽድሕኑ እዮም።

28ዓመፀኛታትን ሓጢኣተኛታትን ግና ብሓደ ኽስበሩ እዮም። እቶም ንእግዚኣብሄር ዝሓድግዎ ድማ፥ ፈፂሞም ክጠፍኡ እዮም።

29ብዝፈተኹምዋ ኦም ኣድባር ክትሓንኩ ኢኹም፤ በቶም ዝመረፅኩምዎም ኣታኽልቲውን ክትሓፍሩ ኢኹም።

30ቈፅላ ኸም ዝፀምለወ ኦምን፥ ማይ ከም ዘይብሉ ኣታኽልትን ክትኮኑ ኢኹም።

31እቲ ሓያል ከም ልሕፂ እንጣጢዕ፥ ስራሑውን ከም ቍልዒ ሓዊ ክኾኑ እዮም፤ ክልቲኦም ብሓደ ኽነዱ እዮም፤ ንኣኣቶም ዘጥፍእውን ሓደ እኳ የለን።

ትርጓሜ

1:1-9 ስም ኢሳይያስ፡ 'ምድሓን እግዚአብሔር' ማለት እዩ። ንሱ ብዛዕባ የሱስ መድሓንን ምድሓኑን ብብዝሒ ስለ ዝነበየ፡ እዚ ስም እዚ ንዚ ነብዪ ኣዝዩ ዝግባእ እዩ። እቲ ናይ ኣምላኽ ዝብል ህዝቢ፡ ህይወቶምን ምቹእ ኩነታቶምን ንኣቦኣዊ ሓልዮትን ደግነትን ኣምላኽ ከም ዝእምስሉ፡ ኣይፈለጡን ወይ ኣየስተውዓሉን። ክንደይ ብዙሓት ሰባትከ ብዛዕባ ጉዳያት ነፍሶም ኣዝዮም ግዲ ዘይብሎም! ብሃይማኖት እንፈልጦ ዘይምግንዛብና፡ ልክዕ ከምቲ ክንፈልጦ ዝግብኣና ዘይምፍላጥና፡ ክሳዕ ክንድዚ ይጎድኣና።

እቲ ክፍኣት ምልኣታዊ ነበረ። ኣብዚ ሓሚሙ ብሕማም እተዋሕጠ ስጋ ዚመስል ንጽጽር ቀሪቡ ኣሎ። እቲ ሕማም ገዳማይ ንምዃን የፈራርህ። ካብ እግሪ ኽሳዕ ርእሲ፡ ማለት ካብቲ ዝተዋሕደ ገባር ጀሚርካ ኽሳዕ እቲ ዝዓበየ መኳንንቲ፡ ቅንዕና የልቦን፡ ጽቡቕ መሰረት የልቦን፡ ሃይማኖት የልቦን። ምኽንያቱ ንሳስ ጥዕና ነፍሲ እያ እሞ። ጥፋትን ብልሽውናን ጥራይ ነበረ፤ እዚ ኸኣ ሓዘን ዝመልኦ ውጽኢት ምውዳቕ ኣዳም እዩ። እዚ ክፍልፍል እዚ ምሉእ ብልሽውና ባህሪ ሰብ የርኢ። ሓጢኣት ከይተነሰሐ እንተጸንሓት፡ ነዘን ቁስሊ ንምሕዋይን ገዳሞ ዝኾኑ ሳዕቤናት ንምክልኻልን ዝግበር የልቦን።

የሩሳሌም ቅሉዕን ዘይተኸላኸለትን ነበረት፡ ልክዕ ከምቶም ንበስሊ ፍረታት ንምሕላው ዝስርሑ ድንኳናት ወይ ጽላልታት። እዚኦም ከኣ ኣብ ምብራቕ፡ ፍረታት ብዙሕ ክፋል ናይቲ ናይ በጋይ ምግቢ ህዝቢ ዚኸውንሉ ቦታ፡ ክሳዕ ሕጂ ይርኣዩ። ግናኸ እግዚአብሔር ኣብ የሩሳሌም ንእሽቶ ዝተረፉ ቅዱሳን ኣገልገልቲ ነበሮ። እቲ ዘይንጠፍእስ ብምሕረት እግዚአብሔር እዩ። እቲ እኩይ ባህሪ ኣብ ነፍሲ ወከፍና ኣሎ፤ የሱስን መንፈስ ምቅዳሱ ድማ ጥራይ ናብ መንፈሳዊ ጥዕና ኬምልሱና ይኽእሉ።

1:10-15 ይሁዳ ምድረ በዳ ኮይና ነበረት፣ ከተማታታ ኸኣ ተቓጺለን ነበራ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG በይሁዳ ነገሥታት በዖዝያንና በኢዮአታም በአካዝና በሕዝቅያስ ዘመን ስለ ይሁዳና ስለ ኢየሩሳሌም ያየው የአሞጽ ልጅ የኢሳይያስ ራእይ። አማርኛ ENGNIV The vision concerning Judah and Jerusalem that Isaiah son of Amoz saw during the reigns of Uzziah, Jotham, Ahaz and Hez… English BCV ብነገስታት ይሁዳ ብዖዝያንን ኢዮኣታምን ብኣካዝን፥ ብዘመን ሕዝቅያስን፥ ወዲ ኣሞፅ ኢሳይያስ ብዛዕባ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ዝረአዮ ራእይ። ትግርኛ GAZBIB Mul'anni Isaayaas ilmi Amoz bara Uziyaa, Yotaam, Ahaazii fi Hisqiyaas mootota Yihudaa turanitti waa'ee Yihudaa fi waa'e… Afaan Oromoo BCV GIZ ራእይ ዘርእየ ኢሳይያስ ወልደ አምጽ ዘርእየ በእንተ ይሁዳ ወበእንተ ኢየሩሳሴም በመንግሥተ ዖዝያን ወኢዮአታም፤ ወአካዝ ወሕዝቅያስ እለ ነግሡ በይሁዳ። giz GAZGAZ Mul'anni Isaayaas ilmi Amoz bara Uziyaa, Yotaam, Ahaazii fi Hisqiyaas mootota Yihudaa turanitti waa'ee Yihudaa fi waa'e… Afaan Oromoo AMHNIV በይሁዳ ነገሥታት በዖዝያን፣ በኢዮአታም፣ በአካዝና በሕዝቅያስ ዘመን፣ የአሞጽ ልጅ ኢሳይያስ ስለ ይሁዳና ስለ ኢየሩሳሌም ያየው ራእይ፤ አማርኛ SWAHSUV Haya ni maono ya Isaya, mwana wa Amozi, aliyoyaona katika habari za Yuda na Yerusalemu, siku za Uzia na Yothamu na Ahaz… Kiswahili