ትንቢት ኢሳይያስ 16

BCV aksumትግርኛ14 ፍቕድታት3:07 ስማዕ
ስማዕ 3:07 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ካብታ ኣብ ምድረ በዳ ዘላ ሴላ፥ ናብቲ ኣብ እምባ ጓል ፅዮን ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ንዝሰልጠነ፥ ጡቦታት ኣባጊዕ ስደዱ።

2ከም ዝነፍር ዒፍ ከም ዝተበተኑ ጫቚታት፥ ከምኡ ኣጓላት ደቂ ሞኣብ ኣብ መሳገሪታት ኣርኖን ክኾና እየን።

3“ምኽሪ ምኸሪ፤ ፍርዲ ፍረዲ፤ ቀትሪ እንተሎ ንፅላሎትኪ ኸም ለይቲ ግበርዮ። ንዝተሰጐጐ ሕብኢ፥ ንዝሃድሙ ኣይትግለፂ።

4ካብ ሞኣብ ዝተሰደዱ ምሳኺ ይቀመጡ፤ ካብ ቅድሚ እቶም ዘጥፍእዎም ከውሊ ኹኒዮም። እቶም ዘጨንቑ ሃሊቖም፥ ጥፍኣትውን ተሪፉ፥ እቶም ዝጭቍኑ ዝነበሩ ኻብ ምድሪ ጠፊኦም እዮም።”

5ዙፋን ምሕረት ክምስረት፥ ኣብኡውን ዝፈርድን፥ ቅንዕና ዝደልን፥ ፅድቂ ንምግባር ዝፈጥንን ብሓቂ ኣብ ዙፋን ዳዊት ክቕመጥ እዩ።

6ብዛዕባ ትዕቢት ሞኣብ የመና ስለ ምዕባዩን ስለ ኵርዓቱን ስለ ትዕቢቱን ስለ ቝጥዓኡውን ሰሚዕና ኢና፤ ትምክሕቱ ኸንቱ እዩ። ይሁዳ “ህዝቢ ሞኣብ ዕቡያት ምዃኖም ሰሚዕና ኣለና። ብርጡጣትን ኵሩዓትን ምዃኖም ከዓ ንፈልጥ ኢና፤ ትምክሕቶም ግና ኸንቱ እዩ” ይብሉ ኣለዉ።

7ስለዙይ ሞኣብ ንሞኣብ ዋይ ዋይ ክትብለላ እያ፤ ኵላቶም ዋይ ዋይ ክብሉ እዮም። ብዛዕባ ናይ ቂር ሓሬሴት ጎጎ ዘቢብ እናስቈርቈርኩም ክትበኽዩ ኢኹም።

8እቲ ኣብ ጥቓ ሄስቦን ዝነበረ ገራሁን ኣታኽልቲ ወይኒ ሲባማን ፀምልዩ እዩ። እቶም ገዛእቲ ኣህዛብ ዝሰባበርወን ጨናፍር ክሳዕ ኢያዜር በፂሑ ዝነበረ፥ ብወገን ምብራቕ ክሳዕ ናብ ምድረ በዳ ወፂኡ ነይሩ። ብወገን ምዕራብ ከዓ ኽሳዕ ባሕሪ ጨው(ሀ) በፂሑ ዝነበረ ኣታኽልቲ ወይኒ፥ ገዛእቲ ኣህዛብ ቈራረፅዎ።

9ስለዙይ ከምቲ ንኢያዜር ዝበኽየላ ዘለኹ፥ ንኣታኽልቲ ወይኒ ሴባማውን እበኽየሉ ኣለኹ። ኣብ ፍረ ሓጋይ፥ ኣብ ቀውዒ፥ ወኻዕታ ድምፂ ዂናት ወዲቑኪ እዩ እሞ፥ ኦ ሄስቦን፥ ኦ ኤልያሊ፥ ብንብዓተይ ኣተርክሰክን ኣለኹ።

10ኣብቲ ፈራዪ ገራሁ ሓጐስን ተድላን የለን። ኣብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ደርፍን ዕልልታን የለን። ኣብ መፅመቚ ሓደ እኳ ወይኒ ዝረግፅ ሰብ የለን። ንዕልልታ ረጋፆ ወይኒ መወዳእታ ገይረሉ እየሞ።

11ስለዙይ ኣምዑተይ ብናይ ሞኣብ፥ ውሽጠይውን ብዛዕባ ቂርሄሬስ፥ ከም መሰንቆ ይቝዝም ኣሎ።

12ሞኣብውን ናብ ኰረብታ ደዪቡ እንተ ፀዓረ፥ ኣብ መቕደሱውን ክፅሊ እንተ ኣተወ፥ ሓደ እኳ ዘስልጦ የብሉን።

13እግዚኣብሄር ብዛዕባ ሞኣብ ቀደም ዝተዛረቦ ቓል እዙይ እዩ።

14ሕዚ ኸዓ እግዚኣብሄር “ዝተዓስበ ሰብ መዓልቲ ኸም ዝቘፅር፥ ብሰለስተ ዓመት እቲ ዅሉ ኽብሪ ሞኣብን፥ ብዝሒ ህዝባውን ክዋረድ እዩ። ካብዝ ብዙሕ ህዝባ ውሑዳት ጥራሕ ክተርፉ እዮም። እቲ ዝተረፈ ህዝባውን ውሑድን ድኹምን ክኸውን እዩ” ይብል።

ትርጓሜ

16:1-5 ኣምላኽ ንሓጥኣን ካብ ጥፍኣት ንምድሓን እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎም ይነግሮም፤ ንሞኣብ ድማ ከምኡ ይገብር። እቲ ቀደም ንይሁዳ ክኸፍልዎ ዝተሰማምዕዎ ግብሪ ይስደዱ። እዚ ጽቡቕ ምኽሪ ገይሮም ይውሰድዎ። ሓጢኣትኩም ብጽድቂ ስበሩ፣ እዚ ሰላምኩም ከናውሓልኩም ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ናብቲ ዓቢ ናይ ወንጌል ግዴታ ዝኾነ ንክርስቶስ ምግዛእ ክውሰድ ይከኣል እዩ። በጊዕ፣ ዘለኩም ዝበለጸ፣ ንባዕልኹም ህያው መስዋእቲ ጌርኩም ስደዱሉ። ናብ ኣምላኽ፣ ናብቲ ዓቢ ገዛኢ ክትመጹ ከለኹም፣ ብስም በጊዕ፣ ብስም በጊዕ ኣምላኽ ምጹ። እቶም ንክርስቶስ ዘይግዝኡ፣ ከምቲ ኻብ уяኡ ዝዝንብል ዑፍ፣ ብቐረባ ዝመጽእ ገዳም ዑፍ ዝሓምስሳ፣ ክኾኑ እዮም። እቶም ንፍርሃት ኣምላኽ ዘይትሕዝኡ፣ ንፍርሃት ኩሉ ነገር ክትሕዝኡ ክግበሩ እዮም። ንዘርኢ እስራኤል ሕያውነት ክገብሩ ይመኽሮም። እቶም ባዕላቶም ኣብ ሽግር ከለዉ ጸጋ ንምርካብ ዝጽበዩ፣ ኣብ ሽግር ንዝርከቡ ሕያውነት ከርእዩ ይግባእ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6