ትንቢት ኢሳይያስ 11

BCV aksumትግርኛ16 ፍቕድታት3:38 ስማዕ
ስማዕ 3:38 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ካብቲ ጕንዲ እሴይ፥ በትሪ ኽወፅእ እዩ፤ ካብ ሱሩውን ቈጥቋጥ ክፈሪ እዩ።

2መንፈስ እግዚኣብሄር፥ መንፈስ ጥበብን ምስትውዓልን፥ መንፈስ ምኽርን ሓይልን፥ መንፈስ ፍልጠትን ፍርሓት እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ልዕሊኡ ኽዓርፍ እዩ።

3ንእግዚኣብሄር ብምፍራሕ ክሕጐስ እዩ፤ ዓይኑ ኸም ዝሪኦ ኣይፈርድን፤ እዝኑ ኸም ዝሰምዖ ኣይብይንን እዩ፤

4ግና ንሱ ንድኻታት ብፅድቂ ኽፈርድ፥ ነቶም ምስኪናት ምድሪ ኸዓ፥ ብቕንዕና ኽብይን እዩ። ብናይ ኣፉ በትሪ ንምድሪ ኽወቕዓ፥ ብእስትንፋስ ከናፍሩውን፥ ንኽፉኣት ክቐትሎም እዩ።

5ፅድቂ መዕጠቒ ሕቘኡ፥ ተኣማንነትውን ናይ ጐኑ መቐነት ክኸውን እዩ።

6ተዅላ ምስ ጥቦት በጊዕ ክነብር፥ ነብሪ ኸዓ ምስ ማሕሲእ ጤል ክድቅስ እዩ፤ ምራኽን ሽደን ኣንበሳን ስቡሕ ዝራብዕን፥ ብሓደ ኽወፍሩ እዮም፤ ንእሽተይ ቈልዓውን ክጓስዮም እዩ።

7ላሕምን ድብን ሓቢሮም ክወፍሩ እዮም፤ ዘዝወለድዎምውን ብሓደ ኽዔሙ እዮም፤ ኣንበሳውን ከም ብዕራይ ሓሰር ክበልዕ እዩ።

8ዝጠቡ ህፃን ድማ፥ ኣብ ልዕሊ ጕድጓድ መርዛም ተመን ይፃወት፤ ጡብ ዝሓደገ ህፃን ድማ፥ ኢዱ ኣብ ጕድጓድ ኣፍዑት የእቱ።

9ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተቐደሰ እምባይ፥ ጕድኣት ወይ ጥፍኣት ኣየብፅሑን፤ ማይ ንባሕሪ ኸም ዝሽፍን፥ ምድሪ ንእግዚኣብሄር ብምፍላጥ፥ ክትመልእ እያ እሞ።

10በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንኣህዛብ ምልክት ክኸውን ንዝቖመ ሱር እሴይ፥ ኣህዛብ ክደልይዎ እዮም። መዕረፊኡውን ዝኸበረ ክኸውን እዩ።

11በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ኢዱ ዘርጊሑ፥ ነቶም ዝተረፉ ተረፍ ህዝቡ ኻብ ኣሶርን፥ ካብ ግብፅን፥ ካብ ጳጥሮስን፥ ካብ ኢትዮጵያን፥ ካብ ኤላምን፥ ካብ ባቢሎንን፥ ካብ ሃማትን፥ ካብ ደሴታትን፥ ካብ ገማግም ባሕርን፥ ክእክቦም እዩ።

12እግዚኣብሄር ንኣህዛብ ምልክት ከቕውም እዩ፤ ነቶም ካብ እስራኤል ዝተሰደዱን፥ ነቶም ካብ ይሁዳውን ዝተበተኑን፥ ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ኽኣኻኽቦም እዩ።

13ቅንኢ ኤፍሬም ክርሕቕ እዩ፤ ፀላእቲ ይሁዳ ኸዓ ኽጠፍኡ እዮም። ኤፍሬም ንይሁዳ ኣይቐንአሉን፤ ይሁዳ ድማ ንኤፍሬም ኣየጨንቖን እዩ።

14ኣብ ማእገር ፍልስጥኤማውያን ንምዕራብ ኣቢሎም ክነፍሩ እዮም፤ ብሓደ ኾይኖም ንሰብ ምብራቕ ከዓ ኽዘምትዎም እዮም። ኣብ ልዕሊ ኤዶምያስን ሞኣብን ኣእዳዎም ክዝርግሑ እዮም፤ ደቂ ኣሞን ከዓ ኽእዘዝዎም እዮም።

15እግዚኣብሄር ድማ፥ ንባሕሪ ግብፂ ኸንቅፆ እዩ፤ ንፈለግ ኤፍራጥስ ከንቅፅ፥ ብርቱዕ ነፋስ ክሰድድ እዩ። ሸውዓተ ሩባታት ገይሩውን ክወቕዖ እዩ፤ ሰባት ድማ ሳእኒ ኣእትዮም ከም ዝሳገርዎ ኽገብሮ እዩ።

16እግዚኣብሄር ከምቲ ቐደም ንእስራኤል ካብ ግብፂ ኽወፁ እንተለዉ ዝገበረሎም፥ ሎሚ ኸዓ ነቶም ካብ ጥፍኣት ዝተረፉ ተረፍ ህዝቡ ኻብ ኣሶር ዝወፁሉ መንገዲ ኸዳልወሎም እዩ።

ትርጓሜ

11:1-9 መሲሕ ጭብጪብን ጨንፈርን ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ቃላት እዚ ንእሽቶን ልሙጽን ፍረ፡ በሊሕ ዝቑረጽ ጭብጪብ ማለት እዩ። ንሱ ካብ ሱር እሴይ እዩ ዝብገስ፤ እቲ ንጉሳዊ ስድራ ቤት ምስ ተቖርጸን ምስ ምድሪ ምስ ተመጣጠሐን፡ እንደገና ኪበቊል እዩ። ቤት ዳዊት ኣብ ግዜ ልደት ክርስቶስ ብጣዕሚ ትሑት ደረጃ በጺሑ ነበረ። በዚ ድማ እቲ መሲሕ፡ መንግስቱ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ከም ዘይኰነት ኣቐዲሙ ኣፍለጠ።

ግናኸ መንፈስ ቅዱስ ብኹሉ ህያባቱን ጸጋታቱን ኣብኡ ኬዕርፍን ኪነብርን እዩ፤ ምልኣት መለኮት ኣብኡ ኪነብር እዩ። ቈሎሴ 1:19፤ 2:9። ብዙሓት ሰባት፡ ሰብዓተ ህያባት መንፈስ ቅዱስ ኣብዚ ከም እተጠቕሱ ይኣምኑ። እቲ ትምህርቲ ጽልዋታት መንፈስ ቅዱስ ከኣ ኣብዚ ብንጹር ተመሂሩ ኣሎ። እቲ መሲሕ ኣብ ኵሉ ምሕደራኡ ጻድቕን ቅኑዕን ኪኸውን እዩ። ምፍርራሑ ብግብሪ መንፈሱ ብመሰረት ቃሉ ተባዕተወ ኪኸውን እዩ። ኣብ ትሕቲ ምሕደራኡ ዓቢ ሰላምን ህድኣትን ኪኸውን እዩ።

ወንጌል ባህሪ ይቕይር፡ ነቶም ንለውሃት ምድርና ዝረገጹ ከኣ ከምኦም ለዋሃትን ሕያዎትን ይገብሮም።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6