ትንቢት ሆሴእ 2

BCV aksumትግርኛ23 ፍቕድታት3:51 ስማዕ
ስማዕ 3:51 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ስለዙይ ነሕዋትኩም “ዓሚ” ነኣሓትኩም ድማ “ሩሃማ” ኢልኩም ፀውዕዎም።

2ደቀይ፥ ድሕሪ ሕዚ እኖኹም ሰበይተይ ኣይኮነትን፤ ኣነውን ሰብኣያ ኣይኮንኩን እሞ፥ ተማጐቱ፤ ምስ እኖኹም ተሟጐቱ፤ ምንዝርናኣ ኻብ ገፃ፥ ዝሙታ ኸዓ ኻብ መንጎ ኣጥባታ ተርሕቕ።

3እንተ ዘይኮነ ቀሚሻ ቀንጢጠ ኸምታ ዝተወለደትላ መዓልቲ ጥራሓ ኽገብራ እየ፤ ከም ምድረ በዳን፥ ከም ንቑፅ ምድርን ክገብራ፥ ብፅምኢ ማይ ድማ ኽቐትላ እየ።

4ንደቃ ድማ ደቂ ምንዝርናኣ እዮም እሞ፥ ኣይምሕሮምን እየ።

5እኖኣቶም ኣመንዚራ እያ፤ እታ ዝጠነሰቶምውን ነወረት። ንሳ “ደድሕሪ እቶም እንጀራይን ማየይን ፀምረይን ሃረይን ዘይተይን መስተይን ዝህቡኒ ፈተውተይ ክኸይድ እየ” ኢላ ኣነወረቶም።

6ስለዙይ፥ እንሆ፥ ንመንገድኺ ብእሾዅ ኽሓፅሮ እየ፤ መንገድታት ከይትረክብ ከዓ ንዙርያኣ ብመንደቕ ክሓፅሮ እየ።

7ደድሕሪ ፈተውታ ኽትጐዪ እያ፥ ግና ኣይተርክቦምን፤ ክትደልዮም እያ፥ ግና ኣይትረኽቦምን። ሽዑ ንሳ “ካብ ሎሚ ቕድም ይሕሸኒ ነይሩ እዩሞ፥ ክኸይድ ናብቲ ቐዳማይ ሰብኣየይ ክምለስ እየ” ኽትብል እያ።

8ንሳ፥ እኽልን ወይንን ዘይትን ኣነ ኸም ዝሃብክዋ፥ እቲ ንበዓል ዝበሃል ጣዖት ዝተሰርሐ፥ ብሩርን ወርቅን ኣነ ኸም ዘብዛሕኩላ ኣይፈለጠትን።

9ስለዙይ እኽለይ ብጊዜኡ፥ ወይነይ ከዓ ብወርሓቱ፥ መሊሰ ኽወስዶ እየ። ነቲ ዕርቃና እትሽፍነሉ ፀምረይን ሃረይን ድማ ኽቕንጥጣ እየ።

10ሕዚ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ፈተውታ፥ ሓፍረታ ኽቐልዓ እየ፤ ካብ ኢደይ ከድሕና ዝኽእል ድማ፥ ሓደ እኳ የለን።

11ንዅሉ ሓጐሳን በዓላታን፥ ንዅሉ ሰርቀ ወርሓን ሰናብታን፥ ዝተቀደሱ ኣኼባታታን፥ ከትርፍ እየ።

12ንሳ ነቲ “ፈተውተይ ዝሃቡኒ ዓስበይ እዙይ እዩ” ዝበለቶ ተኽሊ ወይናን ኦም በለሳን ከባድሞ፥ ዱር ከዓ ኽገብሮ እየ፤ ኣራዊት በረኻውን ክበልዕዎ እዮም።

13ብምኽንያት እተን በዓል ንዝተብሃሉ ጣዖታት ዕጣን ዝዓጠነትለን መዓልቲታት ክቐፅዓ እየ፤ ንኣይ ረሲዓ ብቐለቤታን ብሽልማታን ኣጋይፃ፥ ደድሕሪ ፈተውታ እናሰዓበት፥ ንኣይ ግና ረሲዓትኒ፤ ይብል እግዚኣብሄር።

14ስለዙይ፥ እንሆ፥ ኣነ ኽሓባብላ ናብ ምድረ በዳውን ከምፅኣ እየ፤ ንልባ ድማ ኽዛረባ እየ።

15ብድሕሪኡ ኣታኽልቲ ወይና ኽህባ እየ፤ ንለሰ ኣኮርውን ናይ ተስፋ በሪ ክኾና ኽህባ እየ። ኣብኡ ኸምቲ ጊዜ ህፃንነታ፥ ከምቲ በታ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዝወፀትላ መዓልቲ ኽትዝምር እያ።

16በታ መዓልቲ እቲኣ፥ “ሰብኣየይ” ኢልኪ ኽትፅውዕኒ ኢኺ፤ ካብ ደጊም ግና “በዓለይ”(ሀ) ኢልኪ ኣይትፅውዕንን ኢኺ፤ ይብል እግዚኣብሄር።

17ኣነ ድማ ስም በዓሊም ካብ ኣፋ ኸወግድ እየ፤ ድሕሪዙይ ከዓ ብስሞም ኣይዝከሩን እዮም።

18በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ምስ ኣራዊት በረኻን፥ ምስ ኣዕዋፍ ሰማይን፥ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምስ ዝንቀሳቐሱ ፍጥረታትን፥ ቃል ኪዳን ክኣትወሎም እየ። ኵሎም ብሰላም ምእንቲ ኽነብሩውን፥ ቀስትን ሰይፍን ኲናትን ካብ ምድሪ ኸወግድ እየ።

19ንዘለኣለም ንኣይ ክትኮኒ ኽሕፀየኪ እየ፤ ብፅድቅን ብፍርድን ብምሕረትን ብርህራሀን ክሓፅየኪ እየ።

20ብእምነት ንኣይ ክትኮኒ ኽሓፅየኪ እየ፤ ንስኺውን ንእግዚኣብሄር፥ ክትፈልጢ ኢኺ።

21በታ መዓልቲ እቲኣ ኽምልስ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ኣነ ንሰማይ ክምልሰሉ እየ፤ ሰማይውን ንምድሪ ኽምልሰላ እዩ።

22ምድሪ እውን ንእኽልን ንወይንን ንዘይትን ክትምልስ እያ፤ ዝናም ከዓ ንምድሪ ከጥልላ እዩ፤ እዚኣቶም ድማ ንኢይዝራኤል ክምልሱሉ እዮም።

23ኣብ ምድሪ ንኣይ ክዘርኣ እየ፤ “ነታ ምሕረት ዘይረኸበት” ንዝተብሃለት ክምሕራ እየ፤ ነቲ “ዘይህዝበይ” ዝተብሃለ ድማ “ንስኻ ህዝበይ ኢኻ” ኽብሎ እየ፤ ንሱውን “ኣምላኸይ ኢኻ” ኽብለኒ እዩ።

ትርጓሜ

2:1-5 እዚ ምዕራፍ እዚ፡ ንሰበይትን ውሉዳትን ሆሴእ ብምምልካት፡ ነቲ ንእስራኤል ብምሳሌያዊ ቃል ዝቐረበ መልእኽቲ ይቕጽሎ። ንእግዚኣብሔር ውሉዱ ምዃኖም ዘርኣየና ንኹሎም፡ ከም ኣሕዋት ንቕበሎምን ንፈትዎምን። በቲ ዝረኸብዎ ምሕረት ከኣ ነተባብዖም። ግናኸ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን፡ ብኣብነቱን ብኣካይዳኡን፡ እንተላይ ኣብቶም ዝርከበሎምን ክብሪ ዝገብረሎምን ዘሎ ክፉእን ዘይግባእ ተግባራትን ክቃወም ኣለዎ። ዘይተነሰሑ ሓጥኣን፡ ነቲ ብዘይቅዱስ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ረብሓታትን ኣብ ትምኒቶም ዘጥፍእዎን ቀልጢፎም ክግፈፉ እዮም።

2:6-13

ኣምላኽ ነዚ ከዳዕን ጣኦታዊን ህዝቢ እዚ ኪገብሮ ብዝሓስቦ ነገር የጠንቅቕ። ንሳቶም ኣይተመልሱን፣ ስለዚ እዚ ኩሉ በጺሕዎም፤ ንዓና ንምእማም ድማ ተጻሒፉ ኣሎ። ንኣሽቱ ሽግራት እንተ ተሳገሩ፣ ኣምላኽ ዝዓበዩ ኬልዕል እዩ። እቶም ብሓጢኣታዊ ተግባራት ዝጸንዑ ሰባት፣ ብብዝሒ ኣብኡ ዕንቅፋት ይረኽቡ። መገዲ ኣምላኽን ግዴታን ብዙሕ ግዜ ብእሾኽ ዝተኸበበ እዩ፣ ግን ብእሾኽ ተሸፊኑ ዝተዓጸወ መገዲ ሓጢኣታዊ መገዲ እዩ ክንብል ምኽንያት ኣለና። ኣብ ክፉእ መገዲ ዘጋጥሙና ፈተናታትን ዕንቅፋታትን ዓበይቲ ጸጋታት እዮም፣ ከምኡ ድማ ክቑጸሩ ይግባእ፤ ንሳቶም ኣምላኽ ካብ ምፍራስ ሓጢኣት ንኽሕልወና፣ መገዲ ሓጢኣት ከጸግሞ፣ ከምኡ ድማ ካብኡ ንኽሕልወና ዝሰርዖም መሓልዊ እዮም። ንተቖጻጻሪ ጸጋኡን፣ ንተቖጻጸርቲ ምድላዋት ኣምላኽን፣ ከምኡውን ንከቢድ ቃንዛ፣ ሕማም ወይ መዓት ካብ ሓጢኣት እንተ ሓሊዩና ንኣምላኽ ክንባርኾ ምኽንያት ኣለና።

ካብ ፍጡራት ዕግበት ክንረክብ ከሎና ዘጋጥሙና ዘይምዕዋታት፣ ካልእ እንተዘይገብሮ፣ ናብ ፈጣሪ ክመርሑና ይግባእ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6