ትንቢት ሆሴእ 1

BCV aksumትግርኛ11 ፍቕድታት5:27 ስማዕ
ስማዕ 5:27 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ብነገስታት ይሁዳ ብዖዝያንን፥ ብዘመን ኢዮኣታምን ብኣካዝን ብሕዝቅያስን፥ ከምኡውን ብዘመን ንጉስ እስራኤል ብወዲ ኢዮኣስ ኢዮርብዓምን፥ ናብ ወዲ ብኤሪ ሆሴዕ ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ።

2እግዚኣብሄር ብመጀመሪያ ብሆሴዕ ገይሩ ኽዛረብ ምስ ጀመረ፥ እግዚኣብሄር ንሆሴዕ “እታ ምድሪ ኻብ እግዚኣብሄር ርሒቓ ዓብዪ ምንዝርና ተመንዝር ኣላ እሞ፥ ንስኻ ኸዓ ኺድ፥ ኣመንዝራ ሰበይትን ደቂ ኣመንዝራን ንኣኻ ውሰድ” በሎ።

3ሆሴዕ ከዓ ኸይዱ ንጎሜር ጓል ዴቤላይም ኣእተወ። ንሳ ኸዓ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደትሉ።

4እግዚኣብሄር ድማ “ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ንደም ኢይዝራኤል፥ ኣብ ልዕሊ ቤት ኢዩ ኽብቀል እየ፤ ንመንግስቲ ቤት እስራኤል ድማ ኸጥፍኣ እየ እሞ፥ ስሙ ኢይዝራኤል ኢልካ ስመዮ።

5በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንቐስቲ እስራኤል ኣብ ለሰ ኢይዝራኤል ክሰባብሮ እየ” በሎ።

6ጎሜር ከዓ መሊሳ ጠነሰት፤ ጓልውን ወለደት። እግዚኣብሄር ከዓ “ደጊም ንቤት እስራኤል ኣይምሕሮምን እየ እሞ ‘ሎሩሃማ’(ሀ) ኢልካ ስም ኣውፅአላ” በሎ።

7ንቤት ይሁዳ ግና ኽምሕሮም እየ፤ ብእግዚኣብሄር ኣምላኾም እየ ዘድሕኖም እምበር፥ ብቐስትን ብሰይፍን ብውግእን በፍራስን ብፈረሰኛታትን ኣይኮነን በሎ።

8ጎሜር ንሎሩሃማ ጡብ ምስ ኣሕደገታ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት።

9እግዚኣብሄር ድማ ንሆሴዕ “ንስኻትኩም ህዝበይ ኣይኮንኩምን፤ ኣነውን ኣምላኽኩም ኣይኮነኩምን እሞ፥ ‘ሎዓሚ’(ለ) ኢልካ ስመዮ” በሎ።

10ግና ቝፅሪ ደቂ እስራኤል፥ ከምቲ ኽስፈርን ክቝፀርን ዘይከኣል ሑፃ ባሕሪ ክኸውን እዩ፤ ከምዙይውን ክኸውን እዩ፦ “ንስኻትኩም ህዝበይ ኣይኮንኩምን” ኣብ ዝተብሃሉሉ ቦታ “ውሉድ ህያው እግዚኣብሄር” ተብሂሎም ክፅውዑ እዮም።

11ደቂ ይሁዳን ደቂ እስራኤልን፥ ብሓድነት ክእከቡ እዮም፤ ንኣኣቶም ከዓ ሓደ ሓለቓ ኽመርፁ እዮም፤ ካብታ ምድሪ እውን ክወፁ እዮም። መዓልቲ ኢይዝራኤልውን(ሐ) ዓባይ መዓልቲ ኽትከውን እያ።

ትርጓሜ

1:1-7 እስራኤል ብብልጽግና ትነብር ነበረት፣ እኳ ደኣ ግና ሆሴእ ብትብዓት ሓጢኣቶም ገሊጽሎም ከምኡ'ውን ጥፍኣቶም ተነበየ። ሰባት ኣብ ዓለም ስለ ዝበልጹ ኣብ ሓጢኣታዊ መንገዲ ኺንእዱ የብሎምን፤ ኣብ ገበናቶም እንተ ቀጸሉ ድማ፣ እዚ ንነዊሕ ኣይጸንሕን። እቲ ነብዪ ንእስራኤል ሓጢኣቶም ኬርእዮም ኣለዎ፤ ብጣዕሚ ጽሉእ ከም ዝኾነ'ውን ኬርእዮም ኣለዎ። እቲ ኣብዚ ዝተኸሰሱሉ ሓጢኣት ኣምልኾ ጣኦት እዩ። ነቲ ንኣምላኽ ጥራይ ዝግባእ ክብርን ግርማን ንዝኾነ ፍጡር ምሃብ ንኣምላኽ ጕድኣትን ነውርን እዩ፤ ከም ሰበይቲ ንባዕዳዊ ሰብኣይ ምውሳዳ ንሰብኣያ ዘውርድዎ ነውሪ ማለት እዩ። ጐይታ ነብዪ ኸምዚ ዝበለ ትእዛዝ ንምሃብ ጽቡቕ ምኽንያታት ከም ዝነበሮ ዘጠራጥር ኣይኮነን፤ እዚ ኸኣ ብዛዕባ ዘይትግብኦ ጸጋ ጐይታን ዘይውዳእ ትዕግስቱን፣ ከምኡ'ውን ብዛዕባ ዕንክሊልነትን ዘይምስጋናን እስራኤል ልቢ-ዚትንክፍ ስእሊ ይፈጥር ነይሩ። እቲ ንሕና ንትዕግስቲ ኣምላኽና እንፍትንሉን ንመንፈሱ እንሰጕእሉን ዕንክሊልነት፣ ግማሹ ኻብ ካልኦት እንተ ረኺብናዮ ንኣና ኺሰብረናን ኬድክመናን ምሃበና። ጐይታ ዝሾሞ ዝኾነ መስቀል ክንጸውር ድልዋት ንኹን። እቲ ነብዪ በቲ ንውሉዳቱ ዝሃቦም ኣስማት ጥፍኣት እቲ ህዝቢ ኬርኢ ኣለዎ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG በይሁዳ ነገሥታት በዖዝያንና በኢዮአታም በአካዝና በሕዝቅያስም ዘመን በእስራኤልም ንጉሥ በዮአስ ልጅ በኢዮርብዓም ዘመን ወደ ብኤሪ ልጅ ወደ ሆሴዕ የመጣ የእግዚአብሔር ቃል ይህ ነው። አማርኛ ENGNIV The word of the Lord that came to Hosea son of Beeri during the reigns of Uzziah, Jotham, Ahaz and Hezekiah, kings of J… English BCV ብነገስታት ይሁዳ ብዖዝያንን፥ ብዘመን ኢዮኣታምን ብኣካዝን ብሕዝቅያስን፥ ከምኡውን ብዘመን ንጉስ እስራኤል ብወዲ ኢዮኣስ ኢዮርብዓምን፥ ናብ ወዲ ብኤሪ ሆሴዕ ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እ… ትግርኛ GAZBIB Kun dubbii Waaqayyoo isa bara Uziyaa, Yotaam, Ahaaz, Hisqiyaasis tarreetti biyya Yihudaa irratti mo'anii, Yerobi'aam il… Afaan Oromoo BCV GIZ ቃለ እግዚአብሔር ዘኮነ ኀበ ሆሴዕ ወልደ ቤዕርም በመዋዕለ ዖዝያን ወኢዮአታም ወአካዝ ወሕዝቅያስ ነገሥተ ይሁዳ በመዋዕለ ኢየሩበዓም ወልደ ዮአብ ንጉሠ እስራኤል። giz GAZGAZ Kun dubbii Waaqayyoo isa bara Uziyaa, Yotaam, Ahaaz, Hisqiyaasis tarreetti biyya Yihudaa irratti mo'anii, Yerobi'aam il… Afaan Oromoo AMHNIV በይሁዳ ነገሥታት በዖዝያን፣ በኢዮአታም፣ በአካዝና በሕዝቅያስ ዘመን እንዲሁም በእስራኤል ንጉሥ በዮአስ ልጅ በኢዮርብዓም ዘመን ወደ ብኤሪ ልጅ ወደ ሆሴዕ የመጣው የእግዚአብሔር ቃል ይህ ነው፤ አማርኛ SWAHSUV Hili ndilo neno la Bwana lililomjia Hosea, mwana wa Beeri, siku za Uzia, na Yothamu, na Ahazi, na Hezekia, wafalme wa Y… Kiswahili