እብራውያን 8

BCVትግርኛ13 ፍቕድታት2:50 ስማዕ
ስማዕ 2:50 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እምበኣር እቲ ኽንብሎ ዝደለና ቑም ነገር እዙይ እዩ፦ ንሕናስ ኣብ ሰማያት፥ ኣብ የማን ዙፋን ልዑል እግዚኣብሄር ዝተቐመጠ ሊቀ ካህናት ኣለና።

2ንሱ ኣብታ ሰብ ዘይኮነስ፥ እግዚኣብሄር ዝተኸላ መቕደስን፥ ናይ ብሓቂ ድንኳንን እዩ ዘገልግል።

3ኵሉ ሊቀ ካህናት ዝኾነ፥ መባእን መስዋእትን ከቕርብ እዩ ዝሽየም፤ ስለዙይ እዝ ካህን እዙይውን ዘቕርቦ ኽህልዎ ግድን እዩ።

4እምበኣርከስ ኣብ ምድሪ እንተ ዝኸውንስ፥ ከምቲ ሕጊ ዝእዝዞ ገይሮም፥ መባእ ዘቕርቡ ካህናት ስለ ዘለዉ፥ ንሱ ኸቶ ካህን ኣይምኾነን ነይሩ።

5እዚኣቶም ንምስልን ፅላሎትን፥ ናይቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ መቕደስ ዘገልግሉ እዮም። ስለዙይ ከዓ እዩ ንሙሴ ድንኳን ክገብር እንተሎ፥ “ኵሉ ኸምታ ኣብ እምባ ዝረአኻያ ምስሊ ጌርካ ተጠንቂቕካ ስራሕ” ዝበሎ።

6ሕዚ ግና እታ ኢየሱስ ማእኸላይ ኮይኑ ዘገልግለላ ኺዳን፥ ካብታ ኣረጊት ዝበለፀትን፥ ኣብ ዝበለፀ ተስፋ ዝተመስረተትን ስለ ዝኾነት፥ እቲ ንእኡ ዝተውሃቦ ኣገልግሎት፥ ካብቲ ናታቶም ዝበለፀ እዩ።

7እታ ቐዳመይቲ ኺዳን ነቐፋ እንተ ዘይርከባስ፥ እታ ኻልአይቲ ኣይመድለየትን ነይራ።

8ንሱ ንኣኣቶም እናነቐፈ፥ ከምዙይ ይብሎም እዩሞ፦ “እንሆ ምስ ቤት እስራኤልን፥ ምስ ቤት ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን፥ ዝኣትወለን መዓልቲታት ክመፃ እየን፤ ይብል እግዚኣብሄር።

9ከምታ ብኢዶም ሒዘ፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ኸውፅኦም እንተለኹ፥ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኽዎ ኺዳን ኣይኮነን፤ ንሳቶም ብኺዳነይ ኣይፀንዑን እሞ፥ ኣነውን ሸለል በልክዎም፤ ይብል እግዚኣብሄር።

10እንሆ ድሕሪ እተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ምስ እስራኤል ዝኣትዎ ኺዳን እዙይ እዩ፦ ንሕግታተይ ኣብ ኣእምሮኦም ከእትዎ፥ ኣብ ልቦምውን ክፅሕፎ እየ፤ ኣነ ኣምላኾም ክኾኖም እየ፤ ንሳቶምውን ህዝበይ ክኾኑኒ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።

11ካብ ኣናእሽቶም ክሳዕ ዓበይቶም ስለ ዝፈልጡኒ፥ ‘ንእግዚኣብሄር ፍለጦ’ ኢሉ ብፃይ ንብፃዩ፥ ሓው ንሓዉ ኣይምህሮን፤

12ንበደሎም ክምሕር እየ፤ ንሓጢኣቶምውን ድሕሪዙይ ኣይዝክሮን እየሞ።”

13ነዝ ኺዳን እዙይ “ሓድሽ” ኢሉ ብምፅዋዑ፥ ነቲ ቐዳማይ ብሉይ ገበሮ። እቲ ዝበለየን ዝኣረገን ከዓ፥ ክጠፍእ ቀሪቡ እዩ።

ትርጓሜ

8:1-6 እቲ ዝተገልጸ ሓሳብ ወይ ድማ ሓጺር መግለጺ እዚ ነበረ፥ ክርስትያናት ከምቲ ዜድልዮም ዝነበረ ዓቢይ ሊቀ-ካህናት ከም ዘሎዎም እዩ። ንሱ ሰባዊ ባህሪ ለበሰ፣ ኣብ ምድሪ ተገሊጹ፣ ኣብኡ ድማ ንሓጢኣት ህዝቡ መስዋእቲ ኮይኑ ንኣምላኽ ኣቕረበ። ናብ ኣምላኽ ንምቕራብ ወይ ንዕኡ ገለ ንምቕራብ ክንደፍር የብልናን፣ እንተ ዘይኮነ ብክርስቶስን ብእኡ ኣቢልናን ጥራይ እዩ፣ ብጽድቁን ምልጃኡን ብምውካል፤ ከመይሲ ብፍቑር ወዱ ጥራይ ኢና ተቐባልነት ዘሎና። ኣብ ኩሉ ምእዛዝን ኣምልኾን፣ ንቓል ኣምላኽ ቀረባ ክንከውን ይግባእ፣ እቲ እንኮን ፍጹምን መለክዒ እዩ። ክርስቶስ እቲ ትርጉምን መወዳእታን ሕጊ ጽድቂ እዩ። እቲ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ኪዳን ግና ምስ እስራኤል ከም ህዝቢ ዝተገብረ፣ ግዝያዊ በረኸታት ዘውሕስ ነበረ። እቲ ናይ ኩሉ መንፈሳዊ በረኸታት ተስፋታት ከምኡ’ውን ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት፣ ኣብ ወንጌል ዝተገልጸ፣ ብክርስቶስ ድማ ዝተረጋገጸ፣ ብዘይ መጠን ዓብዪ ዋጋ ኣለዎም። ንኣምላኽ ነመስግኖ እምበኣር ንሕና ግዱላት ኣብ ዘሎናዮ ኩነታት ዚሰማማዕ ዓቢይ ሊቀ-ካህናት ከም ዘሎና።

8:7-13 እቲ ናይ ክርስቶስ ክህነት ካብቲ ናይ ኣሮን ብላዕለዋይ ክብሪኡ፡ ክርስቶስ ኣማላጅ ዝነበሮ ናይ ጸጋ ኪዳን ተርእዩ እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6