1ስለዙይ ምእንቲ ኻብቲ ዝሰማዕናዮ ስሒትና ኸይንወድቕ፥ የመና ኽነቕልብ ይግብአና እዩ።
2ነቲ ብመላእኽቲ ዝተነግረ ቓል፥ ክትእዘዞ ዝግባእ ሓቂ ኻብ ኮነ፥ ኵሉ ዝብድልን ዘይእዘዝንውን፥ ፍርዱ ዝቕበል ካብ ኮነ፥
3ንሕና ግዳ ንኽንድዙይ ዝኣክል ዓብዪ ድሕነት ሸለል ክንብል እንተለና፥ ከመይ ጌርና ኽነምልጥ ንኽእል? እዙይ እቲ ብመጀመርታ ብጐይታ ዝተነግረ ድሕነት፥ በቶም ዝሰምዕዎ ተረጋጊፁልና እዩ።
4እግዚኣብሄር ከዓ ብምልክትን ብዘደንቕ ነገራትን፥ በብዓይነቱ ብዝኾነ ተኣምራትን፥ በቲ ኸም ፍቓዱ ዝዕድሎ መንፈስ ቅዱስን ገይሩ፥ ምስክርነቶም ኣፅኒዑ እዩ።
5ነታ ብዛዕባኣ እንዛረብ ዘለና እትመፅእ ዓለምስ፥ ኣብ ትሕቲ መላእኽቲ ኣየግዝኣን።
6እኳ ደኣ መፃሕፍቲ፥ “ንስኻ ኽትሓስቦስ ሰብ እንታይ እዩ? ወይ ንስኻ ኽትሓልየሉኸ፥ ወዲ ሰብ እንታይ እዩ?”
7ካብ መላእኽቲ ንቑሩብ ኣንኣስካዮ፤ ኣኽሊል ክብርን ግርማን ደፋእኻሉ፤ ኣብ ልዕሊ ግብሪ ኣእዳውካ ኸዓ ሸምካዮ፤(ሀ)
8ንዅሉውን ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኣግዛእኻሉ ኢሉ መስኪሩ ኣሎ። ንዅሉ ኸግዝአሉ እንተሎ፥ ንእኡ ዘየግዝኦ ሓደ እኳ ኣይሓደገን። ሕዚ ግና ዅሉ ገና ኸም ዝተገዝአሉ ኣይንርእን ዘለና።
9ነቲ ኻብ መላእኽቲ ንቑሩብ ኣንኣስካዮ ተብሂሉ ዝነበረ ኢየሱስ ግና፥ ብምኽንያት ሞቱ ሕዚ ኣኽሊል ክብርን ምስጋናን ደፊኡ ንሪኦ ኣለና። እዙይ ከዓ ንሱ ብፀጋ እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ ዅሉ ሰብ ስለ ዝሞተ እዩ።
10እቲ ዅሉ ምእንታኡ ዅሉውን ብእኡ ዝተፈጥረ፥ ንብዙሓት ውሉድ ናብ ክብሪ ምእንቲ ኸእትዎም፥ ነቲ ናይ ድሕነቶም መራሒ፥ ብመከራ ፍፁም ክገብሮ ተገብኦ።
11እቲ ዝቕድስን እቶም ዝቕደሱን ካብ ሓደ እዮም እሞ፤ በዝ ምኽንያት እዙይ ከዓ፥ “ስምካ ነሕዋተይ ክነግሮም እየ፤ ኣብ ማእኸል ማሕበርውን፥ ምስጋናኻ ኽዝምር እየ” ስለ ዝብል “ኣሕዋተይ” ክብሎም ኣይሓፍርን እዩ።
13መሊሱ ኸዓ “ኣነ ኣብኡ ኽእመን እየ።” መሊሱውን፥ “ኣነን እቶም እግዚኣብሄር ዝሃበኒ ውሉድን እኒሀና” ይብል።
14እቶም ውሉድ፥ ስጋን ደምን ዝለበሱ ሰባት ስለ ዝኾኑ፥ ኢየሱስውን ከምኣቶም ሰብ ኮነ፥ እዙይ ከዓ ብሞቱ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ስልጣን ንዘለዎ ዲያብሎስ ምእንቲ ኽስዕሮ፥
15ነቶም ብናይ ሞት ፍርሓት፥ ምሉእ ዕድመኣቶም ብባርነት ተኣሲሮም ንዝነበሩ ኸዓ፥ ሓራ ምእንቲ ኸውፅእ ኢሉ እዩ።
16ንዘርኢ ኣብርሃም እምበር፥ ንመላእኽቲ ኸድሕን ኣይመፀንሞ።
17ስለዙይውን ርህሩህን እሙንን፥ ንእግዚኣብሄር ዘገልግል ሊቀ ካህናት ምእንቲ ክኸውን፥ ንሓጢኣት ህዝቢ እውን ምእንቲ ኸስተስሪ፥ ነቶም ኣሕዋቱ ብዅሉ ኽመስሎም ተገብኦ።
18ንሱ ባዕሉ ኽፍተን እንተሎ ተሳቕዩ እዩ እሞ፥ ነቶም ዝፍተኑ ኽረድኦም ይከኣሎ እዩ።