1እግዚኣብሄር ካብ ጥንቲ ጀሚሩ፥ ብብዙሕ ዓይነትን ብብዙሕ መንገድን፥ ብነቢያት ገይሩ ነቦታትና ተናጊርዎም ነይሩ፤
2ኣብዘን ዳሕረዎት መዓልቲታት ግና፥ ንኣና በቲ ወራሲ ኵሉ ብዝገበሮ፥ ብእኡውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተናገረና።
3ንሱውን ክብሪ እግዚኣብሄር መግለፂ፥ ንዅሉ ነገር ብናይ ቃሉ ሓይሊ ዘቕውም፥ ብባህርዩ ፍፁም ኣርኣያ እግዚኣብሄር ዝኾነ እዩ። ሓጢኣትና ምስ ኣንፅሀውን፥ ኣብ ሰማይ ኣብ የማን ልዑል እግዚኣብሄር ተቐመጠ።
4እቲ ዝወረሶ ስም፥ ካብ ስም መላእኽቲ የመና ኸም ዝዓቢ፥ ወልድ ኸዓ ኻብ መላእኽቲ የመና ይዓቢ እዩ።
5ካብ መላእኽቱ፥ “ንስኻ ወደይ ኢኻ፤ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ” ከምኡ ኸዓ “ኣነ ኣቦ ክኾኖ እየ፤ ንሱውን ውሉድ ክኾነኒ እዩ” ዝበሎ ንመን እዩ?
6መሊሱ፥ ነቲ በዅሪ ወዱ ናብ ዓለም ክልእኾ እንተሎ፥ “ኵላቶም መላእኽቲ እግዚኣብሄር ይስገዱሉ”(ሀ) ይብል።
7ብዛዕባ መላእኽቲ ኸዓ “ንመላእኽቱ ንፋሳት፥ ንኣገልገልቱውን ነበልባል ሓዊ ይገብሮም” ይብል።
8ብዛዕባ ወልድ ግና፥ “ኦ ኣምላኸይ፥ ዙፋንካ ንዘለኣለመ ኣለም ይነብር፤ በትሪ መንግስትኻውን በትሪ ቕንዕና እያ።
9ፅድቂ ፈተኻ፤ ዓመፅውን ፀላእኻ፤ ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፥ ሕልፊ ብፆትካ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብአካ” ይብል።
10ከምኡ ድማ፦ “ኦ ጐይታይ፥ ንስኻ፥ ካብ መጀመርታ ንምድሪ መስረትካያ፤ ሰማያትውን ግብሪ ኣእዳውካ እዮም።
11ንሳቶም ክጠፍኡ እዮም፤ ንስኻ ግና ትነብር፤ ንሳቶም ከም ክዳን ክበልዩ እዮም፤
12ንስኻ ከም ዓለባ ኽትጥቕልሎም ኢኻ፤ ንሳቶምውን ክልወጡ እዮም፤ ንስኻ ግና ዅልሻዕ ንስኻ ኢኻ፤ ንዘመናትካውን መወዳእታ የብሉን” ይብል።
13እግዚኣብሄር ካብ መላእኽቲ፦ “ንፀላእትኻ መርገፂ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፥ ኣብ የማነይ ተቐመጥ” ዝበሎ ንሓደኳ የለን።
14ኵላቶም መላእኽቲ፥ ንኣገልግሎት እቶም ክድሕኑ ዘለዎም ዝለኣኹ፥ ናይ ኣገልግሎት መናፍስቲዶ ኣይኮኑን?