ትንቢት ሃጌ 2

BCVትግርኛ22 ፍቕድታት4:36 ስማዕ
ስማዕ 4:36 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ብሻውዐይቲ ወርሒ፥ ብመበል ዕስራን ሓደን መዓልቲ፥ ብነቢይ ሓጌ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መፀ፦

2ንዘሩባቤል ወዲ ሰላትያል ገዛኢ ይሁዳን፥ ንኢያሱ ወዲ ሊቀ ካህናት ኢዮሴዴቅን፥ ነቶም ዝተረፉ ህዝብን ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦

3“ነዝ ቤተ መቕደስ እዙይ፥ በቲ ቐዳማይ ክብረቱ ዝረአዮ፥ ካባኻትኩም ዝተረፈ መን ኣሎ? ሕዚኸ ኸመይ ኮይኑ ትሪእዎ ኣለኹም? ኣብ ኣዒንትኹም ከም ዘየለዶ ኣይኮነን?

4ሕዚ ኸዓ፥ ኦ ዘሩባቤል፥ ፅናዕ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻ ኢያሱ ወዲ ሊቀ ካህናት ኢዮሴዴቅውን ፅናዕ፤ ኵልኻትኩም ህዝቢ እታ ሃገርውን ፅንዑ፤ ስርሑውን፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ምሳኻትኩም እየ እሞ፥ ስርሑ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።

5ካብ ግብፂ ኽትወፁ እንተለኹም ምሳኻትኩም ዝኣተኹዎ ቓል ኪዳን፥ መንፈሰይ ኣብ ማእኸልኩም ይነብር ኣሎ እሞ፥ ኣይትፍርሑ።

6ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ፥ ኣነ ንሰማይን ንምድርን ንባሕርን ንየብስን ከናውፅ እየ።

7ንዅላቶም ኣህዛብ ከናውፅ እየ፤ ንዅላቶም ኣህዛብ ዝተመረፀ ኽቡር ነገር ድማ ኽመፅእ እዩ፤ ነዝ ቤት እዙይ ከዓ ብኽብሪ ኽመልኦ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።

8እቲ ብሩር ናተይ እዩ፤ እቲ ወርቂውን ናተይ እዩ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።

9ካብቲ ቐዳማይስ እቲ ዳሕረዋይ ክብሪ እዝ ቤት እዙይ ክበልፅ እዩ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ኣብዛ ቦታ እዚኣ ሰላም ክህብ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።”

10ብዳርዮስ ብኻልኣይ ዓመት፥ ኣብ ታሽዓይ ወርሒ፥ ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ብነቢይ ሓጌ መፀ፦

11ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ሓደ ኣብ ዘፈር ክዳኑ ዝተቐደሰ ስጋ እንተ ቛፀረ፥ በዛ ዘፈር ክዳኑ ከዓ እንጀራ ወይ ፀብሒ ወይ ወይኒ ወይ ዘይቲ ወይ ዝኾነ ይኹን ካልእ ምግቢ እንተ ነኽአ፥ እቲ ዝተነኽአ በዙይዶ ይቕደስ እዩ? ኢልካ፥ ብዛዕባ ሕጊ ነቶም ካህናት ጠይቆም” በሎ። እቶም ካህናት ከዓ “ኣይፋሉን” ኢሎም መለሱሉ።

13ሽዑ ሓጌ “ሬሳ ብምንካእ ዝረኸሰ ሰብ ካብዚኣቶም እንተ ነኽአኸ ይረክስዶ?” ኢሉ ጠየቖም። እቶም ካህናት ድማ “እወ ይረክስ” ኢሎም መለሱሉ።

14ሽዑ ሓጌ “እዝ ህዝብን እዝ ወገን እዙይን ኣብ ቅድመይ ከምኡ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኵሉ ስራሕ ኣእዳዎም ከምኡ እዩ፤ እቲ ንኣይ ኣብኡ ዘቕርቡለይውን ርኹስ እዩ” ኢሉ መለሰሎም።

15“እምበኣር ካብ ሎሚ ጀሚርኩም፥ ኣብ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር፥ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ቅድሚ ምንብባሩ ዝነበረ ዅነታት ኣስተውዕሉ።

16ሓደ ሰብ ዕስራ መስፈሪ ናብ ዝርከቦ ምህርቲ እኽሊ ምስ መፀ፥ ዓሰርተ መስፈሪ ጥራሕ ረኸበ፤ ሓምሳ ዕትሮ ወይኒ ንምቕዳሕ ናብ መፅመቚ እንተ ኸደ፥ ዝተረኽበ ዕስራ ጥራሕ እዩ።

17ንዅሉ ስራሕ ኣእዳውኩም ብሃጕን ብሕሞድያን ብበረድን ወቓዕክዎ፤ ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን፤ ይብል እግዚኣብሄር።

18ካብ ሎሚ ታሽዓይ ወርሒ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ጀሚሩ፥ መሰረት ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ክሳዕ ዝተመስረተሉ ዘሎ ዘመን ኣስተውዕሉ።

19እኽልስ ገናዶ ኣብ ቆፎ ኣሎ እዩ? ተኽሊ ወይንን ኦም በለስን ሮማንን ኣውሊዕን፥ ክሳዕ ሎሚ ኣይፈረየን፤ ካብዛ መዓልቲ እዚኣ ጀሚረ ግና ኽባርኸኩም እየ።”

20ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ናይታ ወርሒ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ንኻልኣይ ጊዜ ናብ ሓጌ መፀ።

21“ንዘሩባቤል ገዛኢ ይሁዳ ኸምዙይ ኢልካ ንገሮ፦ ኣነ ሰማይን ምድርን ከናውፅ እየ፤

22ዙፋን መንግስታት ክገላብጥ እየ፤ ሓይሊ መንግስታት ኣህዛብ ከጥፍእ እየ፤ ሰረገላታትን ዝቕመጥዎምንውን ክገላብጥ እየ። ኣፍራስን ዝቕመጥወንን ከዓ፥ ነፍሲ ወከፍ ብሰይፊ ሓዉ ተወቒዑ ክወድቕ እዩ።

23ኦ ባርያይ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትያል፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣነ ኽወስደካ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ኣነ ሓርየካ እየ እሞ፥ ከም ቀለበት ማሕተም ክገብረካ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።”

ትርጓሜ

2:1-9 እቶም ንኣገልግሎት እግዚአብሔር ብቕንዕና ዝነጥፉ፡ ክቕጽሉ ምትብባዕ ክረኽቡ እዮም። ግናኸ፡ ሽዑ ከምቲ ሰሎሞን ዝሰርሖ ዓይነት ቤተ መቕደስ ክሰርሑ ኣይከኣሉን። እቲ ጸጋዊ ኣምላኽና፡ ኣብ ኣገልግሎቱ ክሳብ እንኽእሎ ብዝበለጸ እንተገበርና ፍስሓ ይረክብ እኳ እንተኾነ፡ ትዕቢተኛ ልብና ግና፡ ክእለቶም ካብ ናትና ዝበለጸ ካልኦት ዝገበርዎ ኣቢልና እንተዘይገበርና፡ ብዙሕ ግዜ ኣየሐጉሰናን እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ኣይሁድ ነቲ ዕዮ ንኽቕጽልዎ ምትብባዕ ተዋሂብዎም። ኣምላኽ ምስኦም እዩ፡ መንፈሱን ፍሉይ ህልውናኡን ምሳኦም እዩ። ንሓጥያቶም ይቐጽዖም እኳ እንተኾነ፡ እሙንነቱ ግና ኣይዝሕልን እዩ። መንፈስ ቅዱስ ኣብ ማእከሎም ገና ይነብር ነበረ። ኣብ ቀረባ ግዜ ድማ መሲሕ ኣብ ማእከሎም ክህሉ እዩ፡ እቲ ዝመጽእ። ኣብ ማሕበርን መንግስትን ኣይሁድ፡ ምድንጋርን ምቅይያራትን ክኸውን እዩ፡ ቅድሚኡ ግና ኣብ መንጎ ህዝብታት ዓብዪ ለውጥን ምንቕናቕን ክኸውን እዩ። ከም እቲ ብኹሎም ህዝብታት እተደለየ ኾይኑ ኺመጽእ እዩ፡ ንዅሎም ህዝብታት እተደለየ፡ ምኽንያቱ ብእኡ ንብምሉኣ ምድሪ ብብሉጽ በረኸታት ክትባረኽ እያ፡ ብዅሎም ምእመናን ንነዊሕ ግዜ እተጸበየን እተደልየን። እቲ ይሰርሕዎ ዝነበሩ ቤት፡ ካብ ቤተ መቕደስ ሰሎሞን ዝበለጸ ክብሪ ክመልኦ እዩ። እዚ ቤት እዚ ብኻልእ ዓይነት ክብሪ ክምላእ እዩ። ወርቅን ብሩርን እንተኣሎና፡ ኣምላኽ ንኽነገልግሎን ንኸነኽብሮን ክንጥቀመሉ ይግባእ፡ ምኽንያቱ እቲ ንብረት ናቱ እዩ። ወርቅን ብሩርን እንተዘይብልና ግና፡ ብዘሎና ጌርና ክነኽብሮ ይግባእ፡ ንሱ ድማ ክቕበለና እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6