ትንቢት ኣንባቆም 1

BCV aksumትግርኛ17 ፍቕድታት5:09 ስማዕ
ስማዕ 5:09 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ነቢይ እንባቆም ዝረኣዮ ፆር እዙይ እዩ።

2ኦ እግዚኣብሄር፥ ናባኻ እንተእዊ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትሰምዐኒ? “ግፍዒ በዝሐ” ኢለ ናባኻ ኣእዌኹ፤ ንስኻውን ኣየድሓንካን።

3ስለ ምንታይ በደል ኣርአኻኒ? ንስኻኸ ስለ ምንታይ ዓመፅ እትምልከት? ጥፍኣትን ግፍዕን ኣብ ቅድመይ እዩ። ባእስን ክርክርን ከዓ ይለዓል ኣሎ።

4ስለዙይ ሕጊ ላሕለሐ፤ ፍትሒውን ኣሰኒፉ ኣይወፀን። ሓጢኣተኛ ነቲ ፃድቕ ከቢብዎ እዩ እሞ፥ ፍርዲ ቀይኒኑ ይወፅእ ኣሎ።

5“ኣቱም እትንዕቑ ሓደ እንተ ተረኸልኩምኳ ዘይትኣምንዎ ስራሕ፥ ኣብ ዘመንኩም እሰርሕ ኣለኹሞ ረአዩ፤ ተመልከቱ፤ ተገረሙ።

6እንሆ፥ ዘይናቶም መንበሪ ኽወርሱ፥ ኣብ ስፍሓት ምድሪ ዝኸዱ፥ መረርትን ፍጡናትን ህዝቢ ከለዳውያን ከተስእ እየ።

7ንሳቶም ዘፍርሑን ዘደንግፁን እዮም፤ ፍርዶምን ክብረቶምን ካብኣቶም ይወፅእ።

8“ኣፍራሶም ካብ ነብሪ ይቕልጥፉ፤ ካብ ተዅላ ምሸትውን ይጭክኑ። ፈረሰኛታቶም ቀልጢፎም ይጋልቡ፤ ካብ ርሑቕ ስፍራውን ይመፁ። ከምቲ ነጢቁ ንምብላዕ ዝሃፅፅ ንስሪ ይነፍሩ።

9“ኵላቶም ክዕምፁ ይመፁ፤ ገፆምውን ከም ንፋስ ምብራቕ የቕንዑ። ምሩኻት ከዓ ኸም ሑፃ ይእክቡ።

10ንነገስታት የላግፁሎም፤ ንመሳፍንቲ ኸዓ መስሓቒ ይገብርዎም። ብዅሉ ዕርድታት ይስሕቑ፤ ነቲ ሓመድውን ኰሚሮም ይወስድዎ።

11ሽዑ ኸም ንፋስ ሓሊፉ ይኸይድ፤ ይብድልውን፤ ንሓይሉውን ከም ኣምላኽ ይገብሮ።”

12ኦ ቅዱስ ኣምላኸይ፥ ንስኻ ኻብ ዘለኣለም ጀሚሩ ዘለኻዶ ኣይኮንካን? ንሕና ኣይንመውትን፤ ኦ እግዚኣብሄር፥ ንፍርዲ ኣንበርካዮ፤ ኦ ኸውሐይ ንተግሳፅውን ገበርካዮ።

13ኣዒንትኻ ኽፉእ ከይሪኣ የመና ፅሩያት እየን፤ ንሓጢኣት ክትጥምትውን ኣይትኽእልን። ነቶም መታለልቲኸ፥ ስለ ምንታይ ስቕ ኢልካ እትጥምቶም? ስለ ምንታይከ እቲ ሓጥእ፥ ነቲ ኻብኡ ዝፀድቕ እንትውሕጦ ስቕ እትብል?

14ስለ ምንታይከ ንሰባት፥ ከምቶም ዓሳ ባሕርን፥ ከምቶም ገዛኢ ዘይብሎም ለመምታን እትገብሮም?

15ንዅላቶም ብመቝለብ የውፅኦም፤ ብመርበብውን ይሕዞም፤ ብመፃወዲኡ ድማ ይእክቦም፤ በዙይውን ተሓጒሱ ዕልል ይብል።

16ዕድሉ ብኣኣቶም ሰቢሓ እያሞ፥ ምግቡውን በዚሓ እያሞ፥ ንመርበቡ ይስውእ፤ ንመግፈፊኡውን ይዓጥን።

17ስለዙይ መርበቡ ኽድርቢ ድዩ? ዅልሻዕኸ ንህዝብታት ክቐትል ኣይርህርህንዶ?

ትርጓሜ

1:1-11 ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር ንኸምዚ ዝበለ ዘይፍርሃ እግዚኣብሔርን ዓመፅን እናርኣዩ ብጣዕሚ ይጕህዩ፤ ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ እቶም ሓቂ ነርኢ ኢና ዝብሉ። ሓደ እኳ ንብጻዩ ክጕድእ ኣይተሰከፈን። ናብቲ ቅድስናን ፍቕርን ንዘለኣለም ዝገዝኡሉ፡ ዓመፅ እውን ከይርአየና ዝኾነ ዓለም ክንምስጓዕ ክንናፍቕ ይግባእ። እግዚኣብሔር ንሕሱማት ሰባት ንዘርእዮ ትዕግስቲ ከምኡውን ነቶም ጽቡቓት ሰባት ዝበጽሖም ተግሳጽ ጽቡቕ ምኽንያታት ኣለዎ። እቲ መዓልቲ ክመጽእ እዩ፡ ናይ ሓጢኣት ኣውያት ነቶም ክፍኣት ዝገብሩ ዝሰምዓሉ፡ ናይ ጸሎት ኣውያት ድማ ነቶም ክፍኣት ዝበጽሖም ዝስማዕሉ እዩ። ኣብ መንጎ ኣህዛብ ብኸለዳውያን እንታይ ከም ዝኸይድ ከስተውዕሉ ነበሮም፡ ንርእሶም ድማ ብኣቶም ዝብቀዑ ህዝቢ ምዃኖም ክሓስቡ። ግን ብዙሓት ሰባት ኣብ ዝቕጽል ብልጽግና ይእመኑ፡ ወይ ድማ መከራ ኣብ ዘመኖም ከም ዘይበጽሕ ይሓስቡ። እቶም ከለዳውያን መሪርን ፈጣንን ህዝቢ እዮም፡ ረሲዕ፡ ጭካነ ዝመልኦም፡ ንኹሉ እሞ ክንድኦም ከይብሉ ዘጥፍኡ። ንኹሎም ዝጻረርዎም ክሰግሩ እዮም።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6