ትንቢት ህዝቅኤ 7

BCV aksumትግርኛ27 ፍቕድታት4:37 ስማዕ
ስማዕ 4:37 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦

2“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንምድሪ እስራኤል ከምዙይ ይብላ ኣሎ፦ መወዳእታ፥ ናብ ኣርባዕተ መኣዝን እታ ሃገር መወዳእታ በፂሑ ኣሎ።

3“ሕዚ መወዳእታ ኣባኺ መፀ፤ ቍጥዓይ ድማ ኽሰደልኪ፥ ከም መንገድኺ መጠን ክፈርደኪ፥ ኵሉ ርኽሰትኪ ድማ ኣብ ልዕሌኺ ኸውርደልኪ እየ።

4ዓይነይ ኣየናሕስየልክን፤ ኣነውን ኣይርህርሀልክን፤ ኣነስ መንገድኺውን ኣብ ልዕሌኺ ኸምፅአልኪ እየ፤ ርኽሰትኪ ድማ ኣብ ማእኸልኪ ክኸውን እዩ እሞ፥ ንስኻትኩም እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።”

5እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “መዓት፥ በይኑ ዝኾነ መዓት እንሆ ይመፅእ ኣሎ።

6መወዳእታ መፀ፤ እቲ መወዳእታ መፀ፤ ተልዓለኪ፤ እንሆ ይመፅእ ኣሎ።

7ኣታ ኣብ ምድሪ እትነብር ዘለኻ፥ ተራኻ መፀካ፥ እቲ ጊዜ በፅሐ፤ ዕልልታ ኣብ እምባታት ዘይስምዐላ መዓልቲ ዕግርግር ቀረበት።

8“ሕዚ ብቕልጡፍ ቍጥዓይ ክኽዕወልኪ፥ ሕነ ቝጥዓይ ከዓ ኽወፀልኪ፥ ከም መጠን መንገድኺ ድማ ኽፈርደኪ፥ ንዅሉ ርኽሰትኪ ኣብ ልዕሌኺ ኸውርዶ እየ።

9ዓይነይ ኣየናሕስን እዩ፤ ኣነውን ኣይርህርህን፤ ኣነስ ከም መጠን መንገድኺ ኸምፅአልኪ እየ፤ ርኽሰትኪ ድማ ኣብ ማእኸልኪ ክኽውን እዩ። ንስኻትኩምውን እቲ ዝቐስፍ ዘሎ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።”

10እንሆ እታ መዓልቲ፥ እኒሃ መፀት፤ ተራኺ በፅሐ፤ እታ በትሪ ዓምበበት፤ ትዕቢት ከዓ ጠጥዐ።

11ዓመፃ፥ በትሪ ሓጢኣት ኮይና ተልዓለት፤ ካብቲ ብዙሕ ህዝቦምን ካብቲ ሃብቶምን ካብቲ ግርማኣቶምን ዝተርፍ ሓደ እኳ የለን።

12ዘመን በፂሑ፤ መዓልቲ ቐሪቡ ኣሎ፤ ጕሁር ቍጥዓ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ብዙሕ ህዝቦም እዩ እሞ፥ ዝገዝእ ኣይተሓጐስ፤ ዝሸይጥውን ኣይጕሀ።

13እቲ ዝሸይጥ ብህይወቱ እኳ እንተሎ፥ ናብቲ ዝሸጦ ኣይምለስን እዩ፤ ብዛዕባ እቲ ብዙሕ ህዝቦም ዝኾነ ራእይ፥ ንድሕሪት ኣይምለስን እዩ እሞ፥ ብዓመፅ ዝነብር ንህይወቱ ዘፅንዓ ሓደ እኳ የለን።

14መለኸት ተነፍሐ፤ ኵሉ ኸዓ ተዳለወ፤ ቍጥዓይ ግና ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ብዙሕ ህዝቦም ኣሎ እሞ፥ ናብ ውግእ ዝኸይድ ሓደ እኳ የለን።

15ኣብ ወፃኢ ሰይፊ፥ ኣብ ውሽጢ ኸዓ ፌራን ጥሜትን ኣሎ፤ እቲ ኣብ መይዳ ዘሎ ብሰይፊ ኽመውት፥ እቲ ኣብ ከተማ ዘሎውን ፌራን ጥሜትን ክውሕጦ እዩ።

16እቶም ካብኣቶም ዘምለጡ ግና ኸምተን ርግቢታት ሽንጥሮ፥ ነፍሲ ወከፍ ብሓጢኣቶም እናቘዘሙ፥ ኣብ እምባታት ክኾኑ እዮም።

17ኵለን ኣእዳው ክዳኸማ፥ ኵለን ኣብራኽ ድማ ኸም ማይ ክፈሳ እየን።

18ከሊ ኽዕጠቑ፥ ራዕዲ ኽኽደኑ፥ ኵሉ ገፅ፥ ሕፍረት ክጕልበብ፥ ኵሉ ኣራእሶም ድማ ኽነፅይዎ እዮም።

19ብሩሮም ኣብ ኣደባባያት ክድርብዩ፥ ወርቆም ከዓ ኸም ርኹስ ነገር ክኽውን እዩ፤ በታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር፥ ብሩሮምን ወርቆምን፥ ናይ ሓጢኣቶም መዐንቀፊ እምኒ ስለ ዝኾነ፥ ከድሕኖም ኣይኽእልን፤ ንጥሜቶም ኣየፅግቦን፤ ንኸብዶምውን ኣይመልአሎምን እዩ።

20መልክዕ ሽልማቶም ንትዕቢት ኮኖም፤ ምስሊ ርኽሰቶምን እቶም ዘፈንፍኑ ጣዖታቶምን ንርኽሰት ገበርክዎ።

21“ዘመተ ክኸውን ድማ ኣብ ኢድ ጓኖት፥ ምርኮ ክኽውን ከዓ ንዓመፅቲ ምድሪ ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፤ ንሳቶም ድማ ኸርክስዎ እዮም።

22ካብኣቶም ገፀይ ክምልስ እየ፤ ንሳቶም ከዓ ንምስጢረይ ከርክስዎ፥ ገፋዕቲ ኣትዮም ድማ ኸርክስዋ እዮም።

23“እዛ ምድሪ እዚኣ ብደም መሊኣ ኣላ፤ እዛ ኸተማ እዚኣውን ዓመፅ መሊእዋ እዩ እሞ፥ ሞቑሕ ኣዳሉ።

24ነቶም የመና ሕሱማት ካብ ኣህዛብ ከምፅእ እየ እሞ፥ እዚኣቶም ኣባይቶም ክወርሱ እዮም፤ ንትዕቢት እቶም ሓያላት ከጥፍኦ እየ፤ መቕደሳቶም ከዓ ኽረኽሳ እየን።

25ጥፍኣት ይመፅእ ኣሎ፤ ንሳቶም ከዓ ሰላም ክደልዩ እዮም፤ ኣይርከብንውን።

26መዓት ኣብ ርእሲ መዓት ክመፅእ፥ ወረውን ኣብ ርእሲ ወረ ክኸውን እዩ፤ ካብ ነቢይ ራእይ ክደልዩ እዮም፤ ግናኸ፥ ሕጊ ኻብ ካህን፥ ምኽሪውን ካብ ኣረጋውያን ክጠፍእ እዩ።

27እቲ ንጉስ ክትክዝ፥ እቲ ሓለቓ ድማ ሓዘን ክኽደን፥ ኣእዳው እቶም ህዝቢ እታ ሃገር ከዓ ራዕራዕ ክብል እዩ። ከም መጠን መንገዶም ክፈድዮም፥ ከከም ዝግብኦም ከዓ ኽፈርዶም እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይውን ክፈልጡ እዮም።”

ትርጓሜ

7:1-15 እቲ ናይዚ ትንቢት ድንገታዊነትን እቲ ብዙሕ ምድግጋምን፡ እቲ ነብዪ በቲ ዝመጽእ ዘሎ መዓት ብርቱዕ ተንኪፉ ከም ዝነበረ የርኢ። ጥፍኣት ሓጥኣን ከምኡ እዩ ክኸውን፤ ከመይሲ ማንም ክሃድሞ ኣይክእልን እዩ። ኣቤት እሞ እከይ ናይቶም እኩያት ንኣኦም ከየጥፍኦም ይውዳእ ነይሩ! ሽግር ንዘይተነሰሑ ሕማቕ ጥራይ እዩ፡ ልቦም የደስክዕ እሞ ንብልሽውናኦም የነቓቕሕ። ግናኸ ንገሊኦም ግና ብጸጋ ኣምላኽ ዝተቐደሰሎም እሞ መበገሲ ናይ ብዙሕ ጽቡቕ ዝኸውንሎም እዩ። እታ ናይ ሓቀኛ ሽግር መዓልቲ ቀሪባ እያ፡ ቅሩብ ምብልባጥ ወይ ወረ ናይ ሽግር ጥራይ ኣይኮነን። ፍረታት ፍርድታት ኣምላኽ ዝኾነ ይኹን፡ ሓጢኣትና እዩ መሰረቶም።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6