ትንቢት ህዝቅኤ 48

BCV aksumትግርኛ34 ፍቕድታት6:04 ስማዕ
ስማዕ 6:04 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ስማት እቶም ነገድ እዙይ እዩ፤ ካብ ወገን ሰሜን ሒዙ ብጥቓ መንገዲ ሃትሎን ክሳዕ ሃማትን ክሳዕ ኣሶር ዔናንን ወሰን ደማስቆ ናብ ሰሜን፥ ኣብ ጥቓ ሃማት ኣቢሉ፥ ካብ ምብራቕ፥ ክሳዕ ምዕራብን ንዳን ሓደ ኽፍሊ ዕፃ ይኹን።

2ኣብ ወሰን ዳን ድማ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ክሳዕ ወገን ምዕራብ፥ ንኣሴር ሓደ ኽፍሊ ዕፃ ይኹን።

3ኣብ ወሰን ኣሴር ከዓ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ክሳዕ ወገን ምዕራብ፥ ንንፍታሌም ሓደ ኽፍሊ ዕፃ ይኹን።

4ኣብ ወሰን ንፍታሌም ድማ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ንምናሴ ሓደ ኽፍሊ ዕፃ ይኹን።

5ኣብ ወሰን ምናሴ ኸዓ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ንኤፍሬም ሓደ ኽፍሊ ዕፃ ይኹን።

6ኣብ ወሰን ኤፍሬም ድማ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ንሮቤል ሓደ ኽፍሊ ዕፃ ይኹን።

7ኣብ ወሰን ሮቤል ከዓ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ ንይሁዳ ሓደ ኽፍሊ ዕፃ ይኹን።

8ኣብ ወሰን ይሁዳ ድማ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ እቲ እተቕርብዎ መባእ ይኹን፤ ወርዱ ዕስራን ሓሙሽተን እመት፥ ምንዋሑ ኸዓ ኻብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ክንዲ ሓደ ኽፍሊ ዕፃ ይኹን፤ እታ መቕደስ ድማ ኣብ ማእኸሉ ትኹን።

9እዛ ንእግዚኣብሄር እተቕርቡሉ መባእ፥ ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ፥ ወርዳውን ዓሰርተ ሽሕ ትኹን።

10እዛ ቅድስቲ መባእ እዚኣ ንኻህናት ትኹን። ንሰሜን ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ፥ ንምዕራብ ከዓ ወርዳ ዓሰርተ ሽሕ፥ ንምብራቕ ድማ ወርዳ ዓሰርተ ሽሕ፥ ንደቡብ ከዓ ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ እዩ፤ እታ መቕደስ እግዚኣብሄርውን ኣብ ማእኸላ ትኹን።

11እዚኣ ነቶም፥ እቶም ደቂ እስራኤል ክስሕቱ እንተለዉ፥ ከምቶም ዝስሕቱ ሌዋውያን ዘይሰሓቱ ዝተቐደሱ፥ ንኣገልግሎተይውን እተሓረዩ ኻህናት ደቂ ሳዶቅ ትኹን።

12እዚኣ ኻብታ ኣብ ወሰን ሌዋውያን ዘላ፥ የመና ቅድስቲ ዝኾነት መባእ ምድሪ፥ ንኣኣቶም መባእ ትኹነሎም።

13ኣብ ወሰን እታ ናይ ካህናት ከዓ፥ ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ፥ ወርዳውን ዓሰርተ ሽሕ ንሌዋውያን ትኹን፤ ምንዋሓ ዅላዅላ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ፥ ወርዳውን ዓሰርተ ሽሕ እያ።

14እዚኣ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰት እያ እሞ፥ ካብኣ ኣይሽጡ ኣይለውጡውን፤ እዛ በዅራት ምድሪ እዚኣ፥ ናብ ካልእ ኣይትሕለፍ።

15እታ ኣብ ኣንፃር እቲ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ዘላ፥ ካብቲ ወርዲ ዝተረፈ ሓሙሽተ ሽሕ ግና፥ ነታ ኸተማ ንሓባራዊ ጉዳይ ዝውዕልን ንመንበሪን ንመውፈሪን ይኹን፤ እታ ኸተማውን ኣብ ማእኸሉ ትኹን።

16ልክዓ ኸዓ ብወገን ሰሜን ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እመት፥ ብወገን ደቡብ ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን፥ ብወገን ምብራቕ ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን፥ ብወገን ምዕራብውን ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እዩ።

17እቲ ኣብ ከባቢ እታ ኸተማ ዘሎ ቦታ ድማ፥ ብሰሜን ክልተ ሚእትን ሓምሳን፥ ብደቡብ ክልተ ሚእትን ሓምሳን፥ ብምዕራብውን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ይኹን።

18እታ ተረፍ ናይቲ ምንዋሕ ብኣንፃር እታ ቅድስቲ መባእ፥ ኣብ ምብራቕ ኣቢላ ዓሰርተ ሽሕ ትኹን፤ እዚኣ ኣንፃር እታ ቅድስቲ መባእ እያ፤ እቶታውን ምግቢ እቶም ሰራሕተኛታት እታ ኸተማ ይኹን።

19እቶም ካብ ኵሎም ነገድ እስራኤል ዝኾኑ ኣብታ ኸተማ ዝሰርሑ ኸዓ ነታ ምድሪ ይሕረስዋ።

20እታ መባእ ኵላዅላ ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ፥ ወርዳ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ትኹን፤ ንርስቲ እታ ኸተማ ዝኸውን ራብዓይ ክፍሊ እታ ቅድስቲ መባእ ኣልዕሉ።

21እቲ ዝተረፈ ነቲ ሓለቓ ይኹን፤ በዙይን በቱይን እታ ቅድስቲ መባእ ርስቲ እታ ኸተማ፥ ኣብ ኣንፃር እቲ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ እመት፥ እታ መባእ ክሳዕ ወሰን ምብራቕ፥ ኣብ ምዕራብ ከዓ ኣብ ኣንፃር እቲ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ናብ ወሰን ምዕራብ ዘብል፥ ማዕረ ማዕረ እቲ ኽፍልታት ዘሎ፥ ነቲ ሓለቓ ይኹን፤ እታ ቅድስቲ መባእን መቕደስ እታ ቤትን ከዓ፥ ኣብ ማእኸል ይኹና። ካብቲ ኣብ ማእኸል ናይ ሓለቓ ዘሎ ርስቲ ሌዋውያንን ርስቲ እታ ኸተማን፥ ኣብ መንጎ ወሰን ይሁዳን ወሰን ብንያምን ዘሎ፥ ነቲ ሓለቓ ይኹን።

23ነቶም ዝተረፉ ነገድ ድማ፥ እዙይ እዩ፤ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ሓደ ኽፍሊ ንብንያም ይኹን።

24ኣብ ወሰን ብንያም ድማ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ሓደ ኽፍሊ ንስምኦን ይኹን።

25ኣብ ወሰን ስምኦን ከዓ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ሓደ ኽፍሊ ንይሳኮር ይኹን።

26ኣብ ወሰን ይሳኮር ድማ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ሓደ ኽፍሊ ንዛብሎን ይኹን።

27ኣብ ወሰን ዛብሎን ከዓ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ሓደ ኽፍሊ ንጋድ ይኹን።

28ኣብ ወሰን ጋድ ድማ፥ ካብ ወገን ደቡብ ናብ ደቡብ ኣቢሉ፥ ወሰኑ ኻብ ታማር ሒዙ ኽሳዕ ማይ መሪባ ናይ ቃዴስ፥ ክሳዕ እቲ ሩባ ግብፂ፥ ክሳዕ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ይኹን።

29እታ ንነገዳት እስራኤል ዕፃ ኣውዲቕኩም ርስቲ እተማቕልዎም ምድሪ እዚኣ እያ፤ እተን ግዴታታት ከዓ እዚኣተን እየን፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

30መውፅኢታት እታ ኸተማ ድማ እዙይ እዩ፤ ብወገን ሰሜን ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እመት እዩ ልክዑ።

31ደገታት እታ ኸተማ ኸዓ፥ ብስም ነገዳት እስራኤል ይፀውዓ፤ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ሰለስተ ደገ፥ ደገ ሮቤል ሓንቲ፥ ደገ ይሁዳ ሓንቲ፥ ደገ ሌዊ ሓንቲ።

32ብወገን ምብራቕ ድማ ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እመት፥ ደገታትውን ሰለስተ ደገ ዮሴፍ ሓንቲ፥ ደገ ብንያም ሓንቲ፥ ደገ ዳን ሓንቲ።

33ብወገን ደቡብ ከዓ ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እመት እዩ ልክዑ፤ ደገታትውን ሰለስተ፥ ደገ ስምኦን ሓንቲ፥ ደገ ይሳኮር ሓንቲ፥ ደገ ዛብሎን ሓንቲ።

34ብወገን ምዕራብ ድማ ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እመት፥ ደገታትውን ሰለስተ፥ ደገ ጋድ ሓንቲ፥ ደገ ኣሴር ሓንቲ፥ ደገ ንፍታሌም ሓንቲ እዩ።

35ዙርያኡ ዓሰርተ ሸሞንተ ሽሕ እመት እዩ፤ ድሕሪ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸዓ፥ ስም እታ ኸተማ “እግዚኣብሄር ኣብኣ እዩ” ተብሂላ ኽትፅዋዕ እያ።

ትርጓሜ

48:1-35 እዚ ድማ ንነፍሲ ወከፍ ነገድ ዝምድኦ ግራት ዝገልጽ እዩ። ኣብ ዘመነ ወንጌል፣ እንሆ ኩሉ ሓድሽ ኮይኑ ኣሎ። ብዙሕ ነገር ብምልክታትን ቑጽርታትን ተኸዊሉ ይርከብ። ኣምላኽ ኣብ ቃሉ ምስጢራዊ ሓቅታት ንምግላጽ ዝጥቀመሉ እዚ ኣገባብ እዚ፣ ክሳዕ ቅኑዕ እዋኑን ግዜኡን ብንጹር ኣይግለጽን እዩ። ግናኸ ናብ ቤተ ክርስቲያን ክርስቶስ፣ ኣብ ኩነታታ ናይ ውግእን ዓወትን ይኹን፣ ካብ ነፍሲ ወከፍ ወገን ብእምነት ናጻ መእተዊ ኣሎ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG የነገዶችም ስም ይህ ነው። በሔትሎን መንገድ አጠገብ ወደ ሐማት መግቢያ በደማስቆም ድንበር ባለው በሐጸርዔናን በሐማትም አጠገብ በሰሜን በኩል ካለው ከሰሜን ድንበር ይጀምራል። ወርዳቸውም ከም… አማርኛ ENGNIV “These are the tribes, listed by name: At the northern frontier, Dan will have one portion; it will follow the Hethlon … English BCV ስማት እቶም ነገድ እዙይ እዩ፤ ካብ ወገን ሰሜን ሒዙ ብጥቓ መንገዲ ሃትሎን ክሳዕ ሃማትን ክሳዕ ኣሶር ዔናንን ወሰን ደማስቆ ናብ ሰሜን፥ ኣብ ጥቓ ሃማት ኣቢሉ፥ ካብ ምብራቕ፥ ክሳዕ ምዕራብ… ትግርኛ GAZBIB Maqaan gosoota sanaas kanatti aanee jira;“Gosi Daan ga'aa tokko argata; daariin isaas karaa dhuma gara bitaa galaana ir… Afaan Oromoo BCV GIZ ወዝውእቱ አስማቲሆሙ ለእለ ቀደሙ ነገድ እምወሰን ሰሜናዊ፡ ኀበ እደ ፍኖተ ሔትሎን ለበዊአ ኤማት ሐጻረ ኤኖን፡ ደወለ ደማስቆ ሰሜናዊ ኀበ እደ ኤማት፡ ወይከውን ሎቱ እመንገለ ጽባሕ እስከ ባ… giz GAZGAZ Maqaan gosoota sanaas kanatti aanee jira;“Gosi Daan ga'aa tokko argata; daariin isaas karaa dhuma gara bitaa galaana ir… Afaan Oromoo AMHNIV “ስማቸው የተዘረዘረው ነገዶች እነዚህ ናቸው፤ በሰሜኑ ድንበር የዳን ነገድ አንድ ድርሻ ይኖረዋል፤ ይህም የሔትሎንን መንገድ ተከትሎ እስከ ሐማት መተላለፊያ ይደርሳል። ሐጸርዔናንና ከሐማት ቀ… አማርኛ SWAHSUV Basi, haya ndiyo majina ya kabila hizo; toka mwisho wa pande za kaskazini, karibu na njia ya Hethloni, hata maingilio y… Kiswahili