ትንቢት ህዝቅኤ 2

BCV aksumትግርኛ10 ፍቕድታት1:45 ስማዕ
ስማዕ 1:45 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ንሱ ኸዓ፥ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ብእግርኻ ደው በል እሞ ኽዛረበካ እየ” በለኒ።

2ክዛረበኒ እንተሎ ኸዓ፥ መንፈስ ኣተወኒ፤ ብእግረይ ድማ ደው ኣበለኒ፤ ነቲ ዝዛረበኒውን ሰማዕኽዎ።

3በለኒውን፥ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ናብ ደቂ እስራኤል፥ ናብቶም ካባይ ዝዓመፁ ዓመፀኛታት ህዝቢ እልእኸካ ኣለኹ፤ ንሳቶምን ኣቦታቶምን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዓሚፆሙኒ ኣለዉ።

4ናብ እዞም ገፆም ዝተረረ፥ ልቦም ዝሓረነ ደቂ እሰደካ ኣለኹ፤ ንስኻ ድማ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ” በሎም።

5“ንሳቶም ዓማፂት ቤት እዮም እሞ፥ እንተ ሰምዑ ወይ እንተ ኣበዩ፥ ኣብ ማእኸሎም ነቢይ ኸም ዘሎ ኽፈልጡ እዮም።

6“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንኣኣቶም ኣይትፍርሓዮም፤ ንቓላቶምውን ኣይትፍርሓዮ፤ ምንም እኳ ምስ ኣምዐን እሾዅን እንተ ኾንካ፥ ኣብ ማእኸል ዕንቅርቢታት ተቐሚጥካ እንተለኻስ፥ ዓማፂት ቤት እዮም እሞ፥ ንቓላቶም ኣይትፍርሓዮ፤ ገፆምውን ኣየደንግፅካ።

7ዓለውቲ እዮም እሞ፥ እንተ ሰምዑ ወይ እንተ ኣበዩ፥ ቃለይስ ንገሮም ደኣ።

8“ንስኻ ግና ኣታ ወዲ ሰብ፥ ዝብለካ ዘለኹ ስማዕ፤ ከምታ ዓማፂት ቤት፥ ዓማፂ ኣይትኹን፤ ኣፍካ ኽፈት፤ ነዝ ዝህበካ ዘለኹ ድማ ብልዓዮ።”

9ጠመትኩ እሞ፥ እንሆ፥ ኢድ ናባይ ኣቢላ ተዘርጊሓ ነበረት፤ እንሆ፥ ኣብኣ ጥቕልልቲ መፅሓፍ ነበረት።

10ንሱ ኸዓ ኣብ ቅድመይ ዘርግሓ፤ ብውሽጣን ብደገኣን ተፅሒፍዋ ነበረ፤ ኣብኣ ኸዓ ቝዘማን ብኽያትን ዋይ ዋይታን ተፅሒፍዋ ነበረ።

ትርጓሜ

2:1-5 ህዝቅኤል ብብዙሕ ህሉፋት ራእያት ከይዕበ፣ ድሕሪ ሕጂ እውን ወዲ ሰብ፣ ማለት ድኹም ምዉት ፍጥረት ምዃኑ ተዘኪርዎ ኣሎ። ክርስቶስ ንርእሱ ወዲ ሰብ እናበለ ዝጽውዕ ከም ዝነበረ፣ እዚ እውን ክቡር ኣፈላላይ ነበረ። ኣቕዋም ህዝቅኤል ምፍርራህን ኣኽብሮትን የርኢ ነበረ፣ ግናኸ ደው ምባሉ ንዕዮ ዝያዳ ድልውነትን ቅሩብነትን ዝገልጽ ኣቕዋም እዩ። ንትእዛዙ ክንገብር ቅሩባት ኮይና ደው ክንብል ከሎና፣ ኣምላኽ ክዛረበና እዩ። ህዝቅኤል ናይ ገዛእ ርእሱ ሓይሊ ስለዘይነበሮ፣ መንፈስ ቅዱስ ኣብኡ ኣተወ። ኣምላኽ ኣብና ንዝኾነ ይኹን ዝደልዮ ነገር ብጸጋኡ ተባዕተወ ይገብሮ። መንፈስ ቅዱስ ንፍቓድና ናብ ግቡእና ብምምላኽ ደው የብለና።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6