ትንቢት ህዝቅኤ 1

BCV aksumትግርኛ28 ፍቕድታት8:18 ስማዕ
ስማዕ 8:18 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኮነ ድማ፥ ኣብ መበል ሰላሳ ዓመት፥ ኣብታ ራብዐይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ ሓምሸይቲ መዓልቲ፥ ኣብ ሩባ ኮቦር ኣብ ማእኸል እቶም ምሩኻት እንተለኹ፥ ሰማያት ተኸፈቱ፤ ራእይ እግዚኣብሄርውን ረአኹ።

2ኣብ ሓምሻይ መዓልቲ ናይቲ ወርሒ፥ ካብቲ ንጉስ ኢኮንያን ዝተማረኸሉ ኣብ ሓምሻይ ዓመቱ፥

3ቃል እግዚኣብሄር ናብቲ ኻህን ሕዝቅኤል ወዲ ቡዝ፥ ኣብ ሃገር ከለዳውያን፥ ኣብ ሩባ ኮቦር መፀ፤ ኣብኡ ኸዓ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ ነበረት።

4እንሆ ኸዓ፥ ካብ ሰሜን ህቦብላ ንፋስ፥ ብርቱዕ ደመና ምስ ናይ ሃልሃልታ ሓዊ፥ ኣብ ዙርያኡ ኸዓ ፀዳል ብርሃን ክመፅእ እንተሎ ረአኹ፤ ከም ብልጭልጭ ዝብል ወርቂ ድማ ኻብ ማእኸሉ፥ ካብ ማእኸል እቲ ሓዊ ወፀ።

5ካብቲ ማእኸሉ ኸዓ ምስሊ ኣርባዕተ እንስሳ ወፀ፤ ትርኢቶም ድማ እዙይ እዩ፤ ሰብ ይመስሉ ነበሩ።

6ንነፍሲ ወከፎም ኣርባዕተ ኽንፊ ነበሮም፤ ንነፍሲ ወከፎምውን፥ ኣርባዕተ ገፅ ነበሮም።

7ኣእጋሮም ቀጥ ዝበለ ኣእጋር ነበረ፤ ከብዲ እግሮም ከዓ፥ ከም እግሪ ሸዀና ምራኽ ነበረ፤ ከም ርሱን ነሃስ ድማ ብልጭልጭ ይብል ነበረ።

8በርባዕተ ወገኖም ኣብ ትሕቲ ኣኽናፎም ኢድ ሰብ ነበሮም፤ ነርባዕቲኦም ከምዙይ ዝበለ ገፅን ክንፍን ነበሮም።

9ኣኽናፎም ንስንሳተን ዝተተሓሓዛ ነበራ፤ ክኸዱ እንተለዉ የማነ ፀጋም ግልፅ ኣይብሉን፤ ነፍሲ ወከፍ ኣቕኒዑ ንቕድሚኡ ይኸይድ ነበረ።

10ምስሊ ገፆም ገፅ ሰብ ይመስል፤ ኣርባዕቲኦም ከዓ በቲ የማናይ ወገኖም ገፅ ኣንበሳ፥ ኣርባዕቲኦም ድማ በቲ ፀጋማይ ወገኖም ገፅ ብዕራይ፥ ኣርባዕቲኦምውን ገፅ ንስሪ ነበሮም።

11ኣኽናፎምውን ብላዕሊ ተዘርጊሑ ነበረ፤ ናይ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ኽንፊ፥ እታ ሓንቲ ምስቲ ናይቲ ሓደ እትላገብ፥ እተን ክልተ ድማ ኣካሎም ዝኸድና እየን።

12ነፍሲ ወከፎም ኣቕኒዑ ንቕድሚኡ ይኸይድ፤ እቲ መንፈስ ናብ ዝኸዶ ይኸዱ፤ ክኸዱ እንተለዉ ድማ የማነ ፀጋም ግልፅ ኣይብሉን ነበሩ።

13ትርኢት እቶም እንስሳ ኸም ጕሁር ሓዊን ከም ዝነድድ ሽግን ነበረ፤ እቲ ሓዊ ኸዓ ኣብ ማእኸል እቶም እንስሳ ይዘውርን የንፀባርቕን ነበረ፤ ካብቲ ሓዊውን በርቂ ይወፅእ ነበረ።

14እቶም እንስሳ ኸዓ ኸም በርቂ ይጐዩን ይምለሱን ነበሩ።

15ነቶም እንስሳ ኽጥምት እንተለኹ፥ እንሆ፥ ሓደ መንኰራዅር ኣብ ምድሪ፥ ኣብ ጥቓ እቶም እንስሳ ንነፍሲ ወከፍ በርባዕተ ገፆም ረአኹዎም።

16ትርኢት እቲ መንኰራዅርን ኣሰራርሓኡን ከም ሕብሪ ብርለ ነበረ፤ ኣርባዕቲኡውን ይመሳሰል ነበረ። ትርኢቱን ኣሰራርሓኡን ድማ እቲ ሓደ መንኰራዅር ኣብ ውሽጢ እቲ ሓደ መንኰራዅር ከም ዘሎ ይመስል ነበረ።

17ክኸዱ እንተለዉ፥ በርባዕተ ወገኖም ይኸዱ፤ እንትኸዱ ድማ ኣይምለሱን ነበሩ።

18ቁመቶምውን ነዊሕን መፍርሕን ነበረ፤ ኣርባዕቲኦም ድማ ኣብቲ ዙርያ ኹለንተናኦም ኣዒንቲ መሊእዎም ነበረ።

19እቶም እንስሳ ክኸዱ እንተለዉ፥ እቲ መንኰራዅር ብጥቓኣቶም ይኸይድ ነበረ። እቶም እንስሳ ኻብ ምድሪ ልዕል ልዕል ክብሉ እንተለዉ፥ እቲ መንኰራዅር ከዓ ብጥቃኣቶም ልዕል ልዕል ይብል ነበረ።

20ናብቲ እቲ መንፈስ ዝኸዶ ንሳቶምውን ይኸዱ ነበሩ፤ መንፈስ እቶም እንስሳ ኣብቲ መንኰራዅር ነበረ እሞ፥ እቲ መንኰራዅር ብጥቓኣቶም ልዕል ልዕል ይብል ነበረ።

21መንፈስ እቶም እንስሳ ኣብቲ መንኰራዅር ስለ ዝነበረ፥ ንሳቶም ክኸዱ እንተለዉ፥ ይኸይድ፤ ንሳቶም ደው ክብሉ እንተለዉ፥ እቲ መንኰራዅር ከዓ ብጥቓኣቶም ልዕል ልዕል ይብል ነበረ።

22ኣብ ልዕሊ ኣራእስ እቶም እንስሳ ኸዓ ኸም ግሩም ዝኾነ ክሪስታል፥ ጠፈር ሰማይ ዝመስል፥ ኣብ ላዕሊ፥ ኣብ ልዕሊ ኣራእሶም ተዘርጊሑ ነበረ።

23ኣብ ትሕቲ እቲ ጠፈር ድማ ነፍሲ ወከፍ እንስሳ ኽልተ ኣኽናፉ፥ ናብቲ ኣብ ጥቓኡ ዘሎ እንስሳ ኣቢሉ ዘርጊሑ ደው ኢሉ ነበረ። ነፍሲ ወከፎም ድማ፥ ኣካሎም ዝኸድኑሉ ኸክልተ ኽንፊ ነበሮም።

24ክኸዱ እንተለዉ ኸዓ፥ ድምፂ ኣኽናፎም ከም ህማም ብዙሕ ማያት፥ ከም ድምፂ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ፥ ከም ድምፂ ሰራዊት ሰማዕኹ፤ ደው ክብሉ እንተለዉ፥ ኣኽናፎም ይዕዅልሉ ነበሩ።

25ካብ ልዕሊ እቲ ኣብ ልዕሊ ርእሶም ዝነበረ ጠፈር ድማ ድምፂ ተሰምዐ፤ ደው ክብሉ እንተለዉውን ኣኽናፎም ትሕት የብሉ።

26ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ልዕሊ ርእሶም ዝነበረ ጠፈር ከዓ እምኒ ሰንፔር ዝመስል ምስሊ ዙፋን ነበረ፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ዙፋን ዝመስል ድማ ምስሊ ሰብ ዝመስል ነበረ።

27ካብቲ ሕቘኡ ዝመስል ንላዕሊ፥ ርሱን ወርቂ ዝሕብሩ፥ ከም ሓዊ ዝትርኢቱ ኣብ ውሽጥን ኣብ ዙርያኡን ረአኹ፤ ካብቲ ሕቘኡ ዝመስል ንታሕቲ ኸዓ ኸም ሓዊ ዝትርኢቱ ረአኹ፤ ኣብ ዙርያኡውን ፃዕዳ ነበረ።

28ከምቲ ብመዓልቲ ዝናም፥ ኣብ ደመና ዝኸውን ትርኢት ቀስተ ደመና፥ ከምኡ ትርኢት ፀዳል እቲ ብርሃን ኣብ ዙርያኡ ነበረ፤ ትርኢት ክብሪ እቲ ምስሊ እግዚኣብሄር ከምኡ ነበረ፤ ምስ ረአኽዎ ኸዓ ብገፀይ ወደቕኩ፤ ሓደ ዝዛረብውን ሰማዕኹ።

ትርጓሜ

1:1-14

ቃል ኣምላኽ ናባና ምምጻኡ ጸጋ እዩ፣ ኣብ ጭንቀት ከለና ድማ ብትግሃት ክንምህርሉ ግዴታና እዩ። ድምጺ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስ ብሙሉእ ብርሃንን ሓይልን መጸ። እዞም ራእያት እዚኦም፡ ነቲ ናይ ነብዪ ኣእምሮ ብዛዕባ ኣምላኽ ዓብይን ልዑልን ሓሳባት ንኽመልእ፣ ኣብ ሓጥኣን ፍርሂ ንምሕዳር፣ ከምኡ’ውን ነቶም ንኣምላኽ ዝፈርሑን ርእሶም ዘትሕቱን ምጽንናዕ ንምሃብ ተዋሂቦም ዝነበሩ ይመስሉ።

ኣብ ፍቕዲ 4-14፡ እታ ቐዳመይቲ ክፋል እቲ ራእይ ትርከብ። እዚ ራእይ እዚ ንኣምላኽ ብብዙሓት መላእኽቲ ከም ዝተኸበበን ከም ዝተገልገለሉን የመልክት። እዞም መላእኽቲ እዚኦም ድማ ኵሎም ኣደይወቱን ኣገልገልቱን ኰይኖም ትእዛዛቱ ዝፍጽሙ እዮም። እዚ ራእይ እዚ ኣብ ኣእምሮ ጽዑቕ ፍርሃትን ረቢሽ ፍርሂ ቍጥዓ ኣምላኽን የሕድር፣ እንተኾነ ግና፡ ተስፋ በረኸት ድማ ይፈጥር።

እቲ ሓዊ ብኽብሪ ተኸቢቡ ነበረ። ንኣምላኽ ብምድላይ ፍጹም ክንረኽቦ እኳ እንተ ዘይከኣልና፡ ነቲ ዙሪያኡ ዝነበረ ብርሃን ግና ንርኢ ኢና። ምስሊ እቶም ህያዋን ፍጥረታት ካብ ማእከል እቲ ሓዊ ወጽአ፣ መላእኽቲ ንህላዌኦምን ሓይሎምን ካብ ኣምላኽ ይረኽቡ። ኣእምሮ ሰብ ኣለዎም፣ ካብኡ ንላዕሊ ድማ እዩ። ኣንበሳ ብሓይልን ትብዓትን ይበልጽ። ብዕራይ ብትግሃትን ትዕግስትን ይበልጽ፣ ንስርሑ ድማ ብዘይ ምድኻም ይፍጽሞ። ንስሪ ብቕልጡፍነቱን መራቕ ርእየቱን ብልዕልና ምብራርን ይበልጽ፣ እቶም ኣብዚ ኵሉ ሰብ ዝበልጹ መላእኽቲ ድማ ነዚ መልክዕ እዚ ገይሮምዎ።

መላእኽቲ ኣኽናፍ ኣለዎም፣ ኣምላኽ ኣብ ዝኾነ ይኹን ዕዮ ዝልእኮም ከኣ ግዜ ኣይጠፍኡን። ቐጥ ኢሎም፣ ጽኑዓትን ህዱኣትን ኰይኖም ደው ኢሎም። ንምንቅስቓስ ኣኽናፍ ጥራይ ኣይነበሮምን፣ ንዕዮ ግና ኣእዳው ኣለዎም። ብዙሓት ሰባት ቕልጡፋት እዮም፣ ግናኸ ንጡፋት ኣይኮኑን፣ ይባሕርሩ እምበር፡ ንዝኾነ ዕላማ ዝኾነ ነገር ኣይገብሩን። ኣኽናፍ ኣለዎም፣ ግናኸ ኣእዳው የብሎምን። ኣኽናፍ እቶም መላእኽቲ ናበይ ከም ዘብረርዎም ከኣ፣ ኣእዳው ምስኦም ይወስዱ ነበሩ፣ ግዴታ ዝሓትቶ ንምግባር። ዝኾነ ይኹን ኣገልግሎት እንተ ጀመሩ፣ ነፍሲ ወከፎም ቐጥ ኢሎም ይኸዱ ነበሩ። ቐጥ ምስ እንኸይድ፡ ንቕድሚት ንኸይድ ኢና፣ ንኣምላኽ ብሓንቲ ልቢ ምስ እነገልግል ድማ ዕዮ ንፍጽም። ኣብ ዝኸዱሉ ግዜ ኣይተመልሱን። ስሕተት ኣይገበሩን፣ ስርሖም ድማ እንደገና ክድገም ኣየድለዮን። ካብ ዕዮኦም ንዝኾነ ነገር ንምዝባዕ ኣይተመልሱን። መንፈስ ኣምላኽ ናበይ ክኸዱ ከም ዝደለዮም ናብኡ ይኸዱ ነበሩ።

ነብዪ ነዞም ህያዋን ፍጥረታት ብናቶም ብርሃን ረኣዮም፣ ምኽንያቱ መልክዖም ከም ዝነድድ ፍሕሶ ሓዊ ነበረ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG በሠላሳኛው ዓመት በአራተኛው ወር ከወሩም በአምስተኛው ቀን በኮቦር ወንዝ በምርኮኞች መካከል ሳለሁ ሰማያት ተከፈቱ፥ የእግዚአብሔርንም ራእይ አየሁ። አማርኛ ENGNIV In the thirtieth year, in the fourth month on the fifth day, while I was among the exiles by the Kebar River, the heave… English BCV ኮነ ድማ፥ ኣብ መበል ሰላሳ ዓመት፥ ኣብታ ራብዐይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ ሓምሸይቲ መዓልቲ፥ ኣብ ሩባ ኮቦር ኣብ ማእኸል እቶም ምሩኻት እንተለኹ፥ ሰማያት ተኸፈቱ፤ ራእይ እግዚኣብሄ… ትግርኛ GAZBIB Waggaa soddommaffaatti, ji'a afuraffaatti, ji'icha keessaa guyyaa shanaffaatti, laga Kebaar bukkee warra booji'aman gid… Afaan Oromoo BCV GIZ ወኮነ አመ ሠላሳ ክረምት በራብዕ ወርኅ በኃምስ ሠርቀ ወሀሎኩ ማእከለ ፄዋ በፈለገ ኮቦር ተርኅዉ ሰማያት ወርኢኩ ራእየ እግዚአብሔር። giz GAZGAZ Waggaa soddommaffaatti, ji'a afuraffaatti, ji'icha keessaa guyyaa shanaffaatti, laga Kebaar bukkee warra booji'aman gid… Afaan Oromoo AMHNIV በሠላሳኛው ዓመት፣ በአራተኛው ወር፣ በአምስተኛው ቀን፣ በኮቦር ወንዝ አጠገብ በምርኮኞች መካከል ሳለሁ፣ ሰማያት ተከፈቱ፤ እኔም የእግዚአብሔርን ራእይ አየሁ። አማርኛ SWAHSUV Ikawa katika mwaka wa thelathini, mwezi wa nne, siku ya tano ya mwezi, nilipokuwa pamoja na watu waliohamishwa, karibu … Kiswahili