ትንቢት ህዝቅኤ 15

BCVትግርኛ8 ፍቕድታት1:34 ስማዕ
ስማዕ 1:34 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦

2“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ኦም ወይኒ እቲ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ዱር ዘሎ ሓረግስ፥ ብምንታይ እዩ ኻብቶም ካልኦት ኣእዋም ዝበልፅ?

3ብእኡ ስራሕ ክሰርሑ፥ ካብኡዶ ዕንፀይቲ ይወስዱ እዮም? ኣቕሓ ኽሰቕሉሉኸ ፀዋሪትዶ ኻብኡ ይወስዱ እዮም?

4እንሆ ምእንቲ ሞዅ ክብል ናብ ሓዊ ይድርበ፥ እቲ ሓዊ ኸዓ ንኽልቲኡ ጨንፈሩ ይበልዖ፤ እቲ ማእኸሉውን ይሓርር፤ ንዝኾነ ስራሕዶ ይጠቅም እዩ?

5እንሆ፥ ብዳሕናኡ እንተሎ እኳ ንስራሕ ዘይጠቐመስ፥ ሓዊ ምስ በልዖን ምስ ኣሕረሮን ግዳ፥ ከመይ ኢሉ ዝኾነ ስራሕ ክስርሖ ይከአል?”

6ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ከምቲ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ዱር፥ ብሓዊ ሞዅ ክብል ዝወፈኽዎ ኦም ወይኒ፥ ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ኸዓ፥ ከምኡ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።

7ንምፅራሮም ገፀይ ናብኣቶም ክመልስ እየ፤ ካብ ሓዊ ወፁ፤ ግናኸ ሓዊ ኽበልዖም እዩ፤ ንምፅራሮም ገፀይ ናብኣቶም ክመልስ እንተለኹ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።

8ስለ ዝጠለሙ፥ ነታ ምድሪ ኸባድማ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።”

ትርጓሜ

15:1-8 ኢየሩሳሌም ከም ዘይትፈሪ ወይኒ።

ሓደ ወይኒ ፍርያት እንተ ኣውጺኡ፡ ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ። ግናኸ ፍርያት እንተ ዘየውጺኡ፡ ዋጋ-ቢስን ዘይጠቅምን እዩ እሞ፡ ናብ ሓዊ ይድርበ። ከምኡ ድማ ሰብ፡ ንኣምላኽ ብምሕዋይ፡ ክቡር ፍርያት ከፍሪ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ናይ ህልውናኡ እንኮ ዕላማ እዩ። ኣብዚ እንተ ፈሺሉ ግን፡ ብዘይካ ምድናን ዝኾነ ይኹን ረብሓ የብሉን።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6