1ኣቱም ውሉድ፥ ግቡእ እዩ እሞ፥ ንወለድኹም ብጐይታ ተኣዘዝዎም።
2ሰናይ ክኾነልካ፥ ኣብ ምድሪ እውን ዕድሜኻ ምእንቲ ኽነውሕ፥ ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር። ንሳውን ናይ ተስፋ ቓል ዘለዋ፥ ቀዳመይቲ ትእዛዝ እያ።
4ኣቱም ወለዲውን፥ ብናይ ጐይታ ምኽርን ተግሳፅን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፥ ንደቅኹም ኣይተቘጥዕዎም።
5ኣቱም ኣገልገልቲ፥ ነቶም ብስጋ ጐይቶትኩም፥ ብፍርሓትን ብራዕድን ብቕኑዕ ልብን፥ ከም ንክርስቶስ ጌርኩም ተኣዘዝዎም።
6ፈቓድ እግዚኣብሄር ከም ዝገብሩ፥ ከም ኣገልገልቲ ክርስቶስ እምበር፥ ንሰብ ከም እተሐጕሱ፥ ንይምሰል ከም እትግዝኡ ኣይትኹኑ።
7ንሰብ ዘይኮነስ፥ ንጐይታ ኸም እትግዝኡ፥ ብትግሃትን ብሰናይ ድልየትን ተገዝኡ።
8ኣገልጋሊ ኾነ፥ እቲ ተገልጋሊ፥ ነፍሲ ወከፍ ሰናይ ዝገበረ፥ ካብ እግዚኣብሄር ዓስቡ ኸም ዝቕበል ፍለጡ።
9ንስኻትኩምውን ኣቱም ጐይቶት፥ ምፍርራሕ ሓዲግኩም፥ ልክዕ ከምኡ ግበሩሎም። እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ናታቶምን ናታትኩምን ጐይታ፥ ገፅ ሰብ ሪኡ ዘየዳሉ ምዃኑ ትፈልጡ ኢኹም።
10ብዝተረፈ ኣሕዋተይ፥ ብጐይታን ብፅንዓት ሓይሉን ጠንክሩ።
11ንተንኰል ሰይጣን ምክልኻል ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ኣፅዋር እግዚኣብሄር ብምሉኡ ልበሱ።
12ውግእና ምስ ኣሕሉቕን፥ ስልጣናትን፥ ምስቶም ነዝ ዘመን ፀልማት ዘመሓድሩ ገዛእቲ ዓለምን፥ ምስቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ ኽፉኣት መናፍስትን እዩ እምበር፥ ምስ ስጋን ደምን ኣይኮነን።
13ስለዙይ በታ ኽፍእቲ መዓልቲ፥ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ኵሉ ስዒርኩም ድማ ደው ክትብሉስ፥ ምሉእ ኣፅዋር እግዚኣብሄር ኣልዕሉ።
14እምበኣር ሕቘኹም ብሓቂ ተዓጢቕኩም፥ ድርዒ ፅድቂ እውን ተኸዲንኩም ቁሙ።
15ነቲ ናይ ሰላም ወንጌል ብምድላው፥ ኣብ ኣእጋርኩም ከም ኣሳእን ብምእታው፥ ተዳሊኹም ቁሙ።
16ምስ እዝ ዅሉ ኸዓ፥ ነቲ ናይቲ ኽፉእ ሃልሃል ዝብል ኵሉ ፍላፃታት ኽተጥፍኡሉ እትኽእሉ፥ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ።
17ናይ ምድሓን ቁራዕ ርእሲ ድፍኡ፤ ናይ መንፈስ ሰይፊ ድማ ሓዙ፤ ንሱውን ቃል እግዚኣብሄር እዩ።
18ብኹሉ ፀሎትን ብልመናን ኵልሻዕ ብመንፈስ ፀልዩ። ምስ እዙይውን፥ ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብፀሎት ትግሁ።
19ምእንታይውን፥ ክዛረብ እንተለኹ፥ ነቲ ምስጢር ወንጌል ብትብዓት ምእንቲ ኽነግር፥ ቃል ክወሃበኒ ፀልዩለይ።
20ምእንቲ ወንጌል እሱር ዝኾንኩ ልኡኽ እየ እሞ፥ ምእንታኡ ኸምቲ ዝግብአኒ፥ ብትብዓት ምእንቲ ኽዛረብ ፀልዩለይ።
21ሕዚ ኸዓ ኸመይ ከም ዘለኹን፥ እንታይ ከም ዝገብርን ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ እቲ ፍቑር ሓወይን ብጐይታ ኸዓ፥ እሙን ኣገልጋልን ዝኾነ ቲኪቆስ፥ ኵሉ ኽነግረኩም እዩ።
22ናባኻትኩም ዝሰደድክዎውን፥ ብዛዕባና ዅሉ ፈሊጥኩም፥ ልብኹም ምእንቲ ኽፀናናዕ ኢለ እየ።
23ሰላምን ፍቕርን ምስ እምነት፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ነቶም ኣሕዋትና ይኹን።
24ነቶም፥ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብዘየቋርፅ ፍቕሪ ዘፍቅሩዎ ዅሎም፥ ፀጋ ይኹነሎም።