1ንስኻትኩም ብበደልኩምን ብሓጢኣትኩምን ምዉታን ነበርኩም።
2ብናይ ዓለም ክፉእ መንገዲውን ትነብሩ ነበርኩም፤ ነቲ ሕዚ፥ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ሰባት ዝመልኽ ርኹስ መንፈስ፥ ኣብ ኣየር ናይ ዘለዉ ሓለቓ መናፍስቲ ድማ፥ ትእዘዙ ነበርኩም።
3ንሕናውን ቀደም ኵልና ኸምኣቶም፥ ትምኒት ስጋና እናፈፀምና፥ ከም ድልየትናን ሓሳብናን ንነብር ነበርና። ብባህርይና ኸምቶም ካልኦት፥ ደቂ ቝጥዓ ነበርና።
4ግና እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ እታ ብኣኣ ገይሩ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፥
5ብበደልና ምዉታን እኳ እንተ ነበርና፥ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና፤ ብፀጋ ኢኹም ዝደሓንኩምሞ።
6እግዚኣብሄር ምስ ክርስቶስ ኣተስአና፤ ብኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ኸዓ፥ ኣብ ሰማያት ምስኡ ኣቐመጠና።
7እዙይ ከዓ፥ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገለፀልና ሕያዋይነት፥ ነቲ ዓቐን ዘይብሉ ሃብቲ ፀጋኡ፥ ምእንቲ ኸርኢ ኢሉ እዩ።
8ንክርስቶስ ብምእማን፥ ብፀጋ ኢኹም ዝደሓንኩም። እዙይ ከዓ ውህብቶ እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ካባኻትኩም ኣይኮነን።
9ሓደኳ ኸይምካሕስ ብግብሪ ኣይኮነን።
10ንሕና ፍጥረቱ ኢናሞ፥ ምእንቲ ኽንመላለሰሉ ኣቐዲሙ ዘዳለዎ ሰናይ ተግባር እናፈፀምና ኽንነብር፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ተፈጠርና።
11እምበኣር ንስኻትኩም፥ ቀደም ብትውልድኻትኩም ኣህዛብ ዝነበርኩም፥ እቶም “ግሩዛት” በታ ኣብ ስጋ እትግበር ግርዘት ብምምካሕ፥ “ዘይግሩዛት” ኢሎም ይፅውዑኹም ከም ዝነበሩ ዘክሩ።
12ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኻብ እግዚኣብሄር ዝረሓቕኩም፥ ካብ ሕብረት እስራኤል ፍሉያት፥ ነታ ኺዳን ተስፋ ኣጋይሽ፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኸዓ፥ ብዘይ እግዚኣብሄር እትነብሩ፥ ተስፋ ዘይብልኩም ከም ዝነበርኩም ዘክሩ።
13ሕዚ ግና፥ ንስኻትኩም ቀደም ርሑቓት ዝነበርኩም፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ኴንኹም፥ ብደሙ ቐረብኩም።
14ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ፥ ናይ ፅልኢ መንደቕ ብስጋኡ ብምፍራስ፥ ነቶም ክልተ ሓደ ዝገበረ፥ ንሱ ሰላምና እዩ እሞ።
15ነቶም ክልተ ዝነበሩ፥ ብእኡ ሓደ ሓድሽ ሰብ ምእንቲ ኽገብሮም፥ ንሕጊ ምስ ትእዛዛቱን ስርዓቱን፥ ብስጋኡ ስዒሩ ሰላም ገበረ።
16ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ብሙማት፥ ነቲ ፅልኢ ደምሰሶ፤ ንኽልቲኦም ሓደ ብምግባር ከዓ፥ ብመስቀሉ ምስ እግዚኣብሄር ኣተዓረቖም።
17መፂኡ ኸዓ፥ ንኣኻትኩም ርሑቓት ንዝነበርኩምን፥ ነቶም ቀረባ ዝነበሩን ሰላም ኣብሰረ።
18ክልቴና ብእኡ ጌርና፥ ብሓደ መንፈስ፥ ናብ ኣብ እንኣቱ ኢና እሞ።
19እምበኣር ንስኻትኩም፥ ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝኾነ፥ መሰረት ነቢያትን ሃዋርያትን ዝተሃነፅኩም፥ ደጊም ንቕዱሳን ደቂ ዓዶም፥ ንእግዚኣብሄር ድማ፥ ቤተሰቡ ኢኹም እምበር፥ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ኣይኮንኩምን።
21እቲ ህንፃ ብምሉኡ፥ ዝተቐደሰ ቤተ መቕደስ ምእንቲ ክኸውን፥ ብጐይታ እናተገጣጠመ ይዓቢ።
22ንስኻትኩምውን ብመንፈስ ቅዱስ መሕደሪ እግዚኣብሄር ክትኮኑ፥ ሓቢርኩም ብእኡ ትህነፁ ኣለኹም።