ትንቢት ዳንኤል 9

BCV aksumትግርኛ27 ፍቕድታት5:47 ስማዕ
ስማዕ 5:47 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ዳርዮስ ወዲ ኣርጤክስስ ሜዶናዊ፥ ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ ብመጀመርታ ዓመት፥

2ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመት መንግስቱ፥ ኣነ ዳንኤል፥ ነቲ እግዚኣብሄር ብቓሉ፥ ንነቢይ ኤርሚያስ ዝተዛረቦ፥ ዕንወት ኢየሩሳሌም ዝፍፀመሉ ሰብዓ ዓመታት ኣብ ቅዱሳት መፃሕፍቲ፥ ቍፅሪ ዘመናት ኣስተብሃልኩ።

3ወጮ ተኸዲነ፥ ኣብ ልዕሊ ሓሙዅሽቲ ኾይነ፥ ብፆምን ብፀሎትን ብምህለላን፥ ገፀይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቕናዕኹ።

4ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይውን፥ ከምዙይ ኢለ ፀለኹ ተናዘዝኩውን። “ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ንዝፈትዉኻን ትእዛዛትካ ንዝሕልዉን፥ ኪዳንካን ምሕረትካን እተፅንዕ፥ ዓቢይን ዝተፈራሕኻን ኣምላኽ!

5“ንሕና ሓጢኣት ገበርና፤ በደልና፤ ክፍኣት ገበርና፤ ከዳዓትውን ኮንና፤ ካብ ትእዛዛትካን ካብቲ ሕግጋትካን ኣግለስና።

6ነቶም ንነገስታትናን ነሕሉቕናን ነቦታትናን ንዅሉ ህዝቢ ሃገርናን ብስምካ ዝተዛረቡ ባሮትካ ነቢያት ኣይሰማዕናዮምን።

7ኦ ጐይታ፥ ፅድቂ ንኣኻ እዩ፤ ንኣና ግና ኣብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ዝነብሩ፥ ብሰንኪ እቲ ንኣኻ ዝበደልዎ በደሎም፥ ኣብ ቀረባን ኣብ ርሑቕን ናብ ዘለዋ ሃገራት፥ ፋሕ ዘበልካዮም ኵሎም እስራኤላውያን ዝበፅሐና ሕፍረት እዩ። እዙይ ከዓ ንሳቶም ንኣኻ ስለ ዝጠለሙ እዩ።

8ኦ ጐይታ፥ ንሕናን ነገስታትናን፥ ኣሕሉቕናን ኣቦታትናን፥ በደልና፤ ሓፍረት ገፅውን ተኸደንና።

9ንሕና እኳ እንተ ኸዳዕና፥ ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽና መሓርን ይቕረ በሃልን ኢኻ።

10ንሕና ድምፂ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣይሰማዕናን፤ ነቲ ብባሮትካ ነቢያት ጌርካ ዝሃብካና ሕጊ ኣይሓለናን።

11ኵሉ እስራኤል ሕግኻ ኣፍረሰ፤ ምስማዕውን ኣበየ። ኣብ ልዕሌኻ ሓጢኣት ስለ ዝሰራሕና፥ ኣብ ሕጊ እቲ ብኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴ ዝተፅሓፈ፥ ማሕላን መርገምን ወረደና።

12ነቲ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ መራሕትናን ከም እትገብሮ ዝተነግረ፥ ኣባና ኣውረድካዮ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝወረደስ፥ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ሰማይ ከምኡ ዝበለ ፈፂሙ ኣይተገብረን።

13ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተፅሒፉ ዘሎ፥ እዝ ዅሉ መዓት ወረደና። ግና፥ ካብ ሓጢኣትና ኽንምለስ፥ ናብ ሓቅኻ ድማ ኽነቕልብ ኢልና እኳ፥ ገፅ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣይደለናን።

14እግዚኣብሄር ኣምላኽና ብዝገብሮ ዅሉ ፃድቕ እዩ እሞ፤ ንሕና ግና ቓልካ ኣይሰማዕናን። ስለዙይ እግዚኣብሄር፥ ነዝ መዓት እዙይ ኣምፃእኻልና፤ ኣብ ልዕሌና ኻብ ምምፃእውን ኣይትምለስን።

15“ሕዚ እውን ንህዝብኻ ኻብ ምድሪ ግብፂ ብብርትዕቲ ኢድ ዘውፃእኻ፥ ከምዝ ሎሚ ኽሳዕ እዝ መዓልቲ እዙይውን ስምካ ኽፍለጥ ዝገበርካ ጐይታ ኣምላኽና፥ ሓጢኣት ሰሪሕና ኢና፤ ንኣኻውን በዲልና ኢና።

16ብሰንኪ ሓጢኣትናን ብሰንኪ በደል ኣቦታትናን፥ ኢየሩሳሌምን ህዝብኻን መፃረፊ እቶም ኣብ ዙርያና ዘለዉ ዅሎም ኴንና ኢናሞ፥ ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ፃድቕ ኢኻ፤ ንቝጥዓኻን ንመዓትካን ካብ ከተማኻ ኢየሩሳሌምን፥ ካብታ ቕድስቲ እምባኻን ክትምልስ እልምነካ ኣለኹ።

17ኦ ኣምላኽና፥ እምበኣር ናይ ባርያኻ ፀሎትን ምህለላን ስማዕ፤ ስለ ስምካ ኢልካውን ነታ ዝፈረሰት መቕደስካ ገፅካ ኣብርሀላ።

18ኦ ኣምላኽ እዝንኻ ፅን ኣቢልካ ስማዕ፤ ዓይንኻውን ቋሕ ኣብልሞ ምጥፋእናን፥ ስምካ ዝተፀውዐሉ ኸተማን ተመልከት፤ እቲ እነቕርቦ ልመና ስለ ፅድቅና ዘይኮነስ፥ ስለ እቲ ዓብዪ ምሕረትካ እዩ።

19ኦ ጐይታ፥ ኣድምፀና፤ ኦ ጐይታ፥ ይቕረ በል። ኦ ጐይታ፥ ስማዕ ግበርውን፤ ስምካ ኣብ ከተማኻን ኣብ ህዝብኻን ተፀዊዑ እዩ እሞ ኦ ኣምላኸይ፥ ስለ ስምካ ኢልካ ኣይትደንጒ።”

20ኣነውን እናተናገርኩን እናፀለኹን፥ ናይ ባዕለይን ናይ ህዝበይ እስራኤል ሓጢኣትን እናተናዘዝኩ፥ ስለ እቲ ቅዱስ እምባ ንእግዚኣብሄር ኣምላኸይ እናለመንኩ እምህለል ነበርኩ።

21እናፀለኹ እንተለኹ፥ እቲ ቕድም ብራእይ ሪአዮ ዝነበርኩ ሰብ፥ ገብርኤል ቀልጢፉ እናበረረ ናባይ መፂኡ ዳህሰሰኒ። ሽዑ ጊዜ መስዋእቲ ምሸት ነበረ።

22ንሱ መሃረኒ፤ ተዛረበኒውን፦ “ዳንኤል! ኣነ ሕዚ ጥበብን ምስትውዓልን ክህበካ መፂአ ኣለኹ።

23ንስኻ የመና ዝተፈተኻ ስለ ዝኾንካ፥ ገና ፀሎት እንትትጅምር፥ ትእዛዝ ተውሂቡ እዩ፤ ኣነውን ክነግረካ መፂአ ኣለኹ። ስለዙይ ነዝ ነገር ኣቕልበሉ፤ ነዝ ራእይ እዙይውን ኣስተውዕሎ።

24“ንዓመፅ መወዳእታ ኽግበሮ፥ ሓጢኣት ክፍፀም፥ በደል ንምስትስራይ፥ ዘለኣለማዊ ፅድቂ ኽመፅእ፥ ራእይን ትንቢትን ክሕተም፥ ቅዱሰ ቅዱሳን ድማ ኽቕባእስ፥ ኣብ ህዝብኻን ኣብታ ቕድስቲ ኸተማን፥ ሰብዓ ሱባዔ ተመዲቡ ኣሎ።

25እዙይ ፍለጥን ኣስተውዕልንውን፦ ‘እቲ ኢየሩሳሌም ክትሕደስን ክትህነፅን እያ’ ዝብል ትእዛዝ ካብ ዝወፀሉ ጀሚሩ፥ ክሳዕ እቲ ሓለቓ ዝኾነ መሲሕ ዝመፅእ፥ ሸውዓተ ሱባዔን ስሳን ክልተን ሱባዔን ክኸውን እዩ። ኢየሩሳሌምውን ብዘመን ጭንቀት፥ ምስ ኣደባባያታን ቅፅርታታን መሊሳ ኽትህነፅ እያ።

26ድሕሪ ሸውዓተ ሻዕ ስሳን ክልተን ዓመታት መሲሕ ክቕተል እዩ፤ ንባዕሉ ግና ኣይኮነን። ሰራዊት እቲ ዝመፅእ ሓለቓ ድማ፥ ነታ ኸተማን ነቲ ቤተ መቕደስን ክድምስስ እዩ። መወዳእታ ጥፍኣታ ድማ ኸም ውሕጅ ክመፅእ እዩ። ውግእ ክሳዕ መወዳእታ ክኸውን፥ ጥፍኣትውን ተወሲኑ እዩ።

27እቲ ሓለቓ ንሓደ ሱባዔ፥ ምስ ብዙሓት ፅኑዕ ኪዳን ክኣቱ እዩ። ኣብ ፍርቂ እቲ ሱባዔ ኸዓ፥ ነቲ መስዋእቲ ሕሩድን፥ ነቲ መስዋእቲ ቝርባንን፥ ከወግድ እዩ። እቲ መጥፍኢ ድማ በኽናፍ ርኽሰት ክመፅእ እዩ። እዙይ ከዓ ኽሳዕ እቲ ምዱብ መፈፀምታ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ መጥፍኢ ኽፈስስ እዩ።”

ትርጓሜ

ዳንኤል 9:1-3 ዳንኤል ካብ መጻሕፍቲ ነብያት፡ ብፍላይ ድማ ካብ ኤርምያስ፡ ምውዳም የሩሳሌም ሰብዓ ዓመት ከምዝቕጽልን እቲ ግዜ ድማ ናብ መወዳእታኡ ይቕረብ ከምዝነበረን ተማህረ። መብጽዓታት ኣምላኽ ንጸሎትና ንምብርትታዕ እዩ እምበር፡ ዘየድልዩ ንምግባር ኣይኮነን። ኣፈጻጽማኦም ክቐርብ ከሎ ድማ፡ ብዝያዳ ብትግሃት ንኣምላኽ ክንልምኖም ይግባእ።

9:4-19

ኣብ ኩሉ ጸሎትና፣ ዝበደልናዮ ሓጢኣት ምእማን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብእግዚአብሔር ዘሎና እምነትን ብእኡ ምትእምማንን፡ ብሓጢኣትና ዘሎና ጓህን፡ ንሓጢኣት ዘሎና መብጽዓን ክንኣምን ይግባእ። እዚ ናይ ምርግጋእና ቛንቋ ዝኾነ፡ ናይ ንሕና ንእምኖ ነገር ምእማን ክኸውን ኣለዎ። ኣብዚ ዳንኤል ንእግዚአብሔር ዘቕረቦ ትሑት፡ ከቢድ፡ እምነታዊ ልመና ኣሎ፤ በዚ ድማ ከምቲ ዝፍርሃ እግዚአብሔርን ከምቲ ዝእመነሉ እግዚአብሔርን ክብርን ምስጋናን ይህቦ። ኣብ ጸሎትና፡ ንዑቀት እግዚአብሔርን ንጽቡቕነቱን፡ ንግርማ ሞገሱን ንምሕረቱን ክንርኢ ይግባእ። ኣብዚ ብብዙሕ ዓመታት ህዝቢ ዝወረዶ መከራ ምኽንያት ዝኾነ፡ ናይ ሓጢኣት ንስሓዊ ምእማን ኣሎ። ምሕረት ክረኽቡ ዝደልዩ ኩሎም ብዚኸኣለ መጠን ሓጢኣቶም ክእመኑ ኣለዎም። ኣብዚ ንርእሱ ዝትሕት ዘርከብ፡ ንጽድቂ እግዚአብሔር ዝምስክር ነገር ኣሎ፤ ንሓቀኛ ተናሰሕቲ ድማ ንእግዚአብሔር ቅኑዕ ምዃኑ ምግላጽ ኩሉሳዕ እዚ እዩ። መከራ ሰባት ካብ ሓጢኣቶም ምእንቲ ኪምለሱ፡ ሓቂ እግዚአብሔር ምእንቲ ኪፈልጡ እዩ ዝፍነወሎም። ኣብዚ ንምሕረት እግዚአብሔር ዝምልከት እምነታዊ ምውካስ ኣሎ። እግዚአብሔር ንሓጢኣት ንምምሓር ኩሉሳዕ ድሉው ምንባሩ ምጽንናዕ እዩ። ምሕረት ናይ እግዚአብሔር ምዃኑ ምዝካር ዘተባብዕ እዩ፡ ከምኡውን ጽድቂ ናቱ ምዃኑ ምዝካር ኣእማኒን ንርእስና ዘትሕትን እዩ። ኣብ እግዚአብሔር ብዙሕ ምሕረት ኣሎ፡ ምሕረት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብዙሕ ምሕረታት እዩ ዘሎ። ኣብዚ ህዝቢ እግዚአብሔር ዝነበሮ ሕፍረት፡ ከምኡውን ቅዱስ ስፍራ እግዚአብሔር ዝነበሮ ፍራስ ይሕተት ኣሎ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6