ትንቢት ዳንኤል 8

BCVትግርኛ27 ፍቕድታት5:12 ስማዕ
ስማዕ 5:12 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ብልጣሶር ምስ ነገሰ ኣብ ሳልሳይ ዓመቱ፥ ድሕሪ እቲ ቕድም ዝተገለፀለይ ራእይ ኣነ ዳንኤል ካልእ ራእይ ረአኹ።

2ብራእይ ከዓ ረአኹ፤ እንትርኢ ድማ፥ ኣብታ ኣብ ኣውራጃ ኤላም ዘላ ኸተማ ሱሳን ከም ዘለኹ ረአኹ። በቲ ራእይ ኣብ ጥቓ ሩባ ኡባል ነበርኩ።

3ኣዒንተይ ኣልዒለ ረአኹ፤ እንሆ፥ ክልተ ዝቐርኑ ማጕላ ኣብ ቅድሚ እቲ ሩባ ደው ኢሉ ነበረ፤ እተን ክልተ ኣቕርንቱ ድማ ነዋሕቲ ነበራ። እታ ሓንቲ ኻብታ ሓንቲ ዝነውሐት ነበረት። እታ ነዋሕ ቐርኒ ደሓር ዝወፀት ነበረት።

4እቲ ማጕላ በጊዕ ድማ ንምዕራብ፥ ንሰሜን፥ ንደቡብ ኣቢሉ በቕርንቱ ይፍልስ ነበረ፤ ክቃወሞ ዝኽእል ኣራዊት ግና ኣይነበረን፤ ካብ ኢዱ ኸናግፍ ዝኽእልውን ኣይነበረን። ንሱ ኸም ዝደለዮ ገበረ፤ ዓብዪ ድማ ኾነ።

5ነዙይ ከስተብህል እንተለኹ፥ እንሆ ዲበላ ጤል ካብ ምዕራብ፥ ምድሪ እንተይረገፀ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ መፀ። እዝ ዲበላ ጤል እዙይ ኣብ መንጎ ኽልተ ኣዒንቱ(ሀ) ዓባይ ቀርኒ ነበረቶ።

6ንሱ ናብቲ ኽልተ ዝቐርኑ፥ ኣብ ቅድሚ ሩባ ደው ኢሉ ናብ ዝረአኽዎ ማጕላ በጊዕ መፀ፤ ብቝጡዕ ሓይሉ ድማ ናብኡ ኣቢሉ ጐየየ።

7ምስቲ ማጕላ በጊዕ ክዋጋእ እንተሎ ድማ ረአኽዎ፤ የመና ተቘጢዑ ስለ ዝነበረ ኸዓ፥ ነቲ ማጕላ በጊዕ ወቕዖ እሞ ኽልቲአን ኣቕርንቱ ሰበሮ፥ ናብ ምድሪ እውን ኣውደቖን ረገፆን። እቲ ማጕላ በጊዕ ንምቅዋሙ ሓይሊ ሰኣነ፤ ስለዙይ ነቲ ማጕላ፥ ካብ ኢዱ ኸናግፎ ዝኸኣለ ኣይነበረን።

8እቲ ዲበላ ጤል ግና እምብዛ እናበርትዐ ኸደ። ምስ በርትዐ ድማ፥ እታ ዓባይ ቀርኑ ተሰበረት፤ ክንድኣ ኸዓ ናብ ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ ኣቢለን ዝጥምታ፥ ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣቕርንቲ ኣብ ትሕቲኡ ወፃ።

9ካብ ሓዲአን ከዓ ንእሽተይ ቀርኒ ወፀ፤ ንሱውን ናብ ደቡብን ናብ ምብራቕን ናብታ ሰናይ ምድርን ኣቢሉ የመና ዓበየ።

10ክሳዕ ሰራዊት ሰማይ ልዕል ልዕል በለ፤ ካብ ሰራዊትን ካብ ከዋኽብትን ድማ፥ ንብዙሓት ናብ ምድሪ ኣውዲቑ ረገፆም።

11ክሳዕ እቲ ሓለቓ ሰራዊት ሰማይ እኳ፥ ርእሱ ልዕል ኣበለ፤ ነቲ ዅሉ መዓልቲ ናብኡ ዝቐርብ መስዋእቲ ኸዓ ኣትረፎ፤ እታ ማሕደሩ ዝኾነት ቤተ መቕደስውን ፈረሰት።

12እቲ ሰራዊት፥ ምስ ናይ መዓልታዊ መስዋእቲ፥ ብሰንኪ ሓጢኣት እዩ ዝተውሃቦ። ንሱውን ንሓቂ ናብ ምድሪ ደርበያ፤ ኵሉ ዝገብሮ ኸዓ ሰለጦ።

13ሽዑ ኻብ ቅዱሳን ሓደ ኽዛረብ እንተሎ ሰማዕኹ። ሓደ ኻልእ ቅዱስ ድማ፥ ነቲ ዝዛረብ ዘሎ “ብዛዕባ እቲ መዓልታዊ መስዋእትን፥ ብሰንኪ ዓመፅ ዝኸውን እቲ መቕደስን ሰራዊትን ንምርጋፅ ምእንቲ ኽወሃብ፥ ብዛዕባ ዝመፅእ ዕንወት፥ ብራእይ ዝተርኣየ ነገራት ክሳዕ መኣዝ እዩ ዝኸውን?” ኢሉ ጠየቖ።

14ንሱ ኸዓ “ክሳዕ ክልተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን፥ ምሸትን ጊሓትን እዩ። ብድሕሪኡ እቲ ቤተ መቕደስ መሊሱ ኽነፅህ እዩ” በለኒ።

15ኣነ ዳንኤል ነቲ ራእይ ምስ ረአኹ፥ ከስተውዕሎ ደለኹ፤ እንሆ ኸዓ፥ ሰብ ዝመስል ኣብ ቅድመይ ደው በለ።

16ካብ ማእኸል ሩባ ኡባል ድማ “ገብርኤል፥ ትርጉም እዝ ራእይ እዙይ፥ ነዝ ሰብ እዙይ ግለፀሉ” ዝብል ድምፂ ሰብ ሰማዕኹ።

17ገብርኤል ከዓ ናብታ ደው ኢለያ ዝነበርኩ ስፍራ ቐረበ። ናባይ ምስ መፀ ደንገፅኩ፤ ፈሪሐውን ብግምባረይ ተደፋእኹ። ንሱ ድማ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እዝ ራእይ እዙይ፥ ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም ከም ዝኾነ ኣስተውዕል” በለኒ።

18ንሱ ኽዛረበኒ እንተሎ፥ ደንጊፀ ብግምባረይ ናብ ምድሪ ተደፋእኹ። ግና ንሱ ዳህሰሰኒ፤ ቀጥ ኣቢሉ ድማ ኣቖመኒ።

19ከምዙይ ድማ በለኒ፦ “እዝ ራእይ እዙይ፥ ኣብ መወዳእታ ዘመን ክኸውን ዘለዎ ዘመልክት ስለ ዝኾነ፥ ደሓር በቲ ዘመን ቍጥዓ እንታይ ከም ዝግበር ከፍልጠካ እየ።

20“እቲ ዝረአኻዮ ኽልተ ዝቐርኑ ማጕላ፥ ነገስታት ሜዶንን ፋርስን እዮም።

21እቲ ዲበላ ድማ መንግስቲ ግሪክ እዩ። እቲ ኣብ መንጎ ኣዒንቱ ዝነበረ ዓብዪ ቐርኒ ኸዓ፥ እቲ ቐዳማይ ንጉስ እዩ።

22እቶም ክንዲ እቲ ዝተሰብረ ቐርኒ ዝወፁ ኣርባዕተ ኣቕርንቲ ድማ፥ ካብቲ መንግስቲ ዝለዓሉ ኣርባዕተ መንግስታት እዮም። ብሓይሊ ግና ኣይመዓራረይዎን እዮም።

23“እዞም መንግስታት እዚኣቶም መወዳእታኦም ምስ በፅሐ፥ መስፈሪ በደሎም መሊኡ ዝቕፅዑሉ ጊዜ ምስ መፀ፥ ሓደ ጨካንን ክኢላን ተንኰለኛን ንጉስ ክለዓል እዩ።

24ብሓይሉ ደኣ ኣይኮነን እምበር እምብዛ ኽብርትዕ እዩ፤ ዘስካሕክሕ ጥፍኣትውን ክገብር እዩ። ዝገብሮ ዅሉ ኸዓ ኽሰልጦ እዩ፤ ንሓያላት ሰባትን ንቅዱሳን ህዝብን ድማ ኸጥፍኦም እዩ።

25ብኽእሎ ምድንጋሩ፥ ተንኰሉ ኽሰልጠሉ እዩ፤ የመና ብልቡ ኽዕበ እዩ፤ ብዙሓት ተደላዲልና ብሰላም ተቐሚጥና ኣለና እንትብሉ የጥፍኦም፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ልዑላን ልዑል እኳ ኽትስእ እዩ። ንሱውን ክጠፍእ እዩ፤ ግና ብዘይ ኢድ ሰብ ክስበር እዩ።

26እቲ ዝተውሃበካ ናይ ምሸትን ጊሓትን ራእይ ሓቂ እዩ። እዝ ራእይ እዙይ፥ ድሕሪ ነዊሕ ዘመን ክፍፀም እዩ እሞ፥ ምስጢር ጌርካ ሕተሞ።”

27ሽዑ ኣነ ዳንኤል የመና ደኸምኩ፤ ንብዙሕ መዓልቲ ድማ ሓሚመ ደቀስኩ፤ ብድሕሪኡ ተሲአ ኸዓ ናብ ስራሕ እቲ ንጉስ ከድኩ። በቲ ራእይ ከዓ እድነቕ ነበርኩ፤ ክርድኦ ዝኽእልውን ኣይነበረን።

ትርጓሜ

8:1-14 ኣምላኽ ንዳንኤል፡ ብዘመኖም ከም ናይ ባቢሎን ሓያላት ዝነበሩ ካልኦት መንግስታት ክፈራረሱ ምዃኖም ቅድመ-ርእየት ሃቦ። ንሕና ምስ ሞትና፡ ዝኸውን ለውጥታት ቅድሚ ሕጂ ክንርእዮ እንተኽኢልና ኔርና፡ ብዘመናና ብዝኸውን ለውጥታት ብዙሕ ኣይምተሃወኽናን ኔርና።

እቲ ክልተ ቐርኒ ዘለዎ ድዑል፡ ካልኣይ መንግስቲ ማለት ናይ ሜዶን ከምኡ’ውን ፋርስ ነበረ። እዚ ድዑል ብተባዕታይ ወይኒ ክስዓር ረኣየ። እዚ ድማ እስክንድር ዓብዪ ነበረ። እስክንድር፡ ወዲ ሰላሳ ሰለስተ ዓመት ኣቢሉ ብምሉእ ሓይሉ ከሎ ምስ ሞተ፡ ንኸንቱነት ናይ ዓለማዊ ሞገስን ሓይልን፡ ከምኡ’ውን ንሰብ ሓጐስ ከም ዘይህቡ ኣርኣየ። ሰባት ብዛዕባ ሞት ገለ ዕዉት ተዋጋኣይ፡ ከም ኣብቲ ጉዳይ እስክንድር፡ ክከራኸሩ ከለዉ፡ ግሉጽ ዝኾነ ነገር ግን እቲ ዓብዪ ቀዳማይ ምኽንያት ናይ ኩሉ፡ ንሱ ዝፍጽሞ ካልእ ትልሚ ኣይነበሮን፡ ስለዚ ድማ ኣብቀዖ። ኣብ ክንዲ እቲ ሓደ ዓብዪ ቐርኒ ድማ፡ ኣርባዕተ ፍሉጣት ቐርኒታት፡ ማለት ኣርባዕተ ቀንዲ ሓለፍቲ ሰራዊት እስክንድር ወጹ።

ንእሽቶ ቐርኒ ድማ ናይ ቤተ ክርስቲያንን ህዝቢ ኣምላኽን ዓብዪ መሳቕዪ ኮነ። ኣብዚ እቲ እስላማዊ ምስሓት ተመልኪቱ ዘሎ ይመስል። ኣድለበ፡ ኣብ ሓደ እዋን ድማ ነቲ ኣምላኽ ብየማናይ ኢዱ ዝተኸሎ ቕዱስ ሃይማኖት ክጥፍእ ቀሪቡ ነበረ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6