ትንቢት ዳንኤል 3

BCV aksumትግርኛ30 ፍቕድታት6:19 ስማዕ
ስማዕ 6:19 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ንጉስ ናቡከደነፆር ስሳ እመት ዝቑመቱ፥ ሽዱሽተ እመት ዝጐድኑ ናይ ወርቂ ምስሊ ኣስርሐ። ኣብ ጐልጐል ዱራ ኣብ ኣውራጃ ባቢሎንውን ኣቖሞ።

2ንመኳንንትን ሹመኛታትን ኣሕሉቕን መማኽርትን መገብትን ዳያኑን ኣሕሉቕን፥ ኣብ በብሃገሩ ዝተሾሙ ምስለኔታትን፥ ነቲ ንሱ ዘቖሞ ምስሊ ንምረቓ ምእንቲ ኽእከቡ ለኣኸሎም።

3ሽዑ እቶም መሳፍንትን ሹመኛታትን ራእስታትን መማኽርትን መገብትን ዳያኑን ኣሕሉቕን ኣብ በብሃገሩ ዝተሸሙ ምስለኔታትን ነቲ ናቡከደነፆር ዘቖሞ ምስሊ ምረቓ ተኣከቡ፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ናቡከደነፆር ዘቖሞ ምስሊውን ቆሙ።

4እቲ ኣዋጅ ነጋሪ ዓው ኢሉ “ኣቱም ኣህዛብን ወገናትን በብዓይነቱ ቛንቋታት እትዛረቡን፥

5ድምፂ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ነጋሪትን ኵሉ መሳርሒ ሙዚቃን ደርፍን ምስ ሰማዕኹም፥ ሽዑ ነቲ ንጉስ ናቡከደነፆር ዘቖሞ ምስሊ ወርቂ፥ ፍግም ኢልኩም ስገዱሉ።

6ፍግም ኢሉ ዘይሰገደ፥ ግና ሽዑ ንሽዑ ናብ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ኽድርበ እዩ” ኢሉ ኣወጀ።

7ስለዙይ ነቲ ድምፂ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ብዅሉ መሳርሒ ሙዚቃን ደርፍን ምስ ሰምዑ፥ ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን በብዓይነቱ ቛንቋታት ዝዛረቡን ነቲ ንጉስ ናቡከደነፆር ዘቖሞ ምስሊ ወርቂ፥ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ።

8በቲ ጊዜ እቱይ ገሊኣቶም ከለዳውያን፥ ናብ ንጉስ ቀሪቦም ነቶም ኣይሁድ ከሰስዎም።

9ንንጉስ ናቡከደነፆር ከዓ “ኦ ንጉስ፥ ንዘለኣለም ህያው ኩን።

10ንስኻ ነፍሲ ወከፍ፥ ድምፂ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ነጋሪትን ብዅሉ መሳርሒ ሙዚቃ ደርፍን ዝሰምዕ ኵሉ ሰብ፥ ፍግም ኢሉ ነቲ ምስሊ ወርቂ ኽሰግደሉ ኣዘዝካ።

11ነፍሲ ወከፍ ፍግም ዘይብልን ዘይሰግድን፥ ኣብቲ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ኽድርበ ኸዓ ኣዘዝካ።

12እምበኣር፥ ኦ ንጉስ፥ እቶም ኣብ ኣውራጃ ባቢሎን ከመሓድሩ ዝሸምካዮም፥ ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ዝበሃሉ ኣይሁድ፥ ትእዛዝካ ኣይቕበሉን፤ ንኣማልኽትኻ ድማ ኣየምልኹን፤ ነቲ ዘቖምካዮ ምስሊ ወርቂውን ኣይሰግዱሉን እዮም” በልዎ።

13ሽዑ ናቡከደነፆር ሓሪቑን ተቘጢዑን፥ ንሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ከምፅእዎም ኣዘዘ። ንሳቶም ድማ ናብ ቅድሚ ንጉስ ቀረቡ።

14ናቡከደነፆር ከዓ “ሲድራቅ፥ ሚሳቅ፥ ኣብደናጎ፥ ንኣማልኽተይ ዘይምምላኽኩም፥ ነቲ ኣነ ዘቖምክዎ ምስሊ ወርቂውን ዘይምስጋድኩም ሓቂ ድዩ?

15ሕዚ እውን ነቲ ድምፂ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ነጋሪትን ብዅሉ መሳርሒ ሙዚቃን ደርፍን ክትሰምዑ እንተለኹም፥ ፍግም ክትብሉን ነቲ ዝገበርክዎ ምስሊ እንተ ሰገድኩም ሰናይ እዩ። እንተ ዘይሰጊድኩምሉ ግና፥ ሽዑ ንሽዑ ናብቲ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ኽትድርበዩ ኢኹም። እቲ ኻብ ኢደይ ዘድሕነኩም ኣምላኽከ መን እዩ?” በሎም።

16ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ከዓ ነቲ ንጉስ “ኦ ናቡከደነፆር፥ በዝ ነገር እዙይ መልሲ ኽንህበካ ኣድላዪ ኣይኮነን።

17ኦ ንጉስ፥ እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ካብቲ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ኸድሕነና ይኽእል እዩ፤ ካብ ኢድካውን ከናግፈና እዩ።

18ንሱ ኸድሕነና እንተ ዘይደለየውን፥ ንሕናስ ንኣማልኽትኻ ኸም ዘይነምልኾምን፥ ነቲ ዘቖምካዮ ምስሊ ወርቂ ድማ ኸም ዘይንሰግደሉን ፍለጥ” በልዎ።

19ሽዑ ናቡከደነፆር ብሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን የመና ተቘጥዐ፤ ትርኢት ገፁውን ተለወጠ። ነቲ እቶን ካብቲ ዝነበሮ ሸውዓተ ኢድ ኣበርቲዖም ከንድድዎ ኣዘዘ።

20ካብ ሰራዊቱ ሓያላት ሰባት ፀዊዑ ኸዓ ንሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ኣሲሮም ናብቲ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ኽድርብይዎም ኣዘዘ።

21ሽዑ እዞም ሰባት እዚኣቶም፥ ምስ ቀምሾምን ባርኖሶምን መጐናፀፍያኦምን ምስ ኵሉ ኽዳውንቶምን ተኣሰሩ፤ ናብቲ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ኸዓ ተደርበዩ።

22እቲ ትእዛዝ ንጉስ ህፁፅ ስለ ዝነበረን፥ እቲ እቶን ድማ የመና ረሲኑ ስለ ዝነበረን፥ ነቶም ንሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ዝደርበይዎም ሰባት እቲ ሃልሃልታ ሓዊ ቐተሎም።

23ሰለስቲኦም ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ግና ብእሱሮም ናብቲ ሃልሃል ዝብል ሓዊ ወደቑ።

24ሽዑ ንጉስ ናቡከደነፆር ተደነቐ፤ ቀልጢፉውን ተስአ፤ ንኣማኸርቱ ድማ “እቶም ኣሲርና ናብ ሓዊ ዝደርበናዮም ሰለስተ ሰባትዶ ኣይኮኑን?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ከዓ ንንጉስ “ኦ ንጉስ ሓቂ እዩ” ኢሎም መለሱሉ።

25ንሱ ኸዓ “እንሆ፥ ኣነ እተፈትሑ ሰባት፥ ጕድኣት እንተይበፅሖም፥ ኣብ ማእኸል እቲ ሓዊ እናተመላለሱ እርኢ ኣለኹ፤ ትርኢት እቲ ራብዓይ ድማ ወዲ ኣማልኽቲ(ሀ) ይመስል” በሎም።

26ድሕሪዙይ ናቡከደነፆር ናብ ኣፍ እቲ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ቐረበ እሞ “ኣቱም ባሮት ልዑል ኣምላኽ፥ ሲድራቅ፥ ሚሳቅ፥ ኣብደናጎ፥ ንዑ ናብዙይ ውፁ” ኢሉ ፀውዖም። ሽዑ ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ካብቲ ሓዊ ወፁ።

27እቶም መኳንንቲ፥ ሹመኛታት፥ እቶም ገዛእቲ ሃገርን ኣማኸርቲ ቤተ መንግስትን ኣብ ዙርያኦም ተኣከቡ፤ ንሳቶም እቲ ሓዊ ኣብ ሰብነቶም ሓይሊ ኸም ዘይነበሮ፥ ካብ ፀጕሪ ርእሶም ሓንቲኳ ኸም ዘይተቓፀለት ረአዩ፤ ትርኢት ክዳውንቶም ድማ ኣይተለወጠን፤ ጨና ሓዊውን ኣይሓለፎምን።

28ናቡከደነፆር ከዓ ኸምዙይ በለ፦ “ብዘይ ንኣምላኾም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸየምልኹን ከይሰግዱን ኢሎም፥ ንሰብነቶም ኣሕሊፎም ዝሃቡ፥ ኣብኡ ተኣሚኖም ንቓል ንጉስ ዘይተኣዘዙ፥ ነቶም ባሮቱ መልኣኹ ሰዲዱ ዘድሓኖም፥ እቲ ኣምላኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ይባረኽ።”

29“ሕዚ ኸዓ ኸምኡ ገይሩ ኸናግፍ ዝኽእል ካልእ ኣምላኽ የለን እሞ፥ ዝኾነ ይኹን ካብ ኵሎም ኣህዛብን ወገናትን በብዓይነቱ ቛንቋታት ዝዛረቡን፥ ንኣምላኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ክፉእ ቃል ዝናገር፥ ንሱ ኽቈራረፅ፥ ቤቱ ኸዓ መደርበዪ ጐሓፍ ክኸውን ኣዚዘ ኣለኹ” በለ።

30ድሕሪዙይ እቲ ንጉስ፥ ንሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን፥ ኣብ ኣውራጃ ባቢሎን ልዕል ልዕል ኣበሎም።

ትርጓሜ

3:1-7 ቁመት እቲ ምስሊ፥ ኣስታት ሰላሳ እመት ከም ዝነበረ ምናልባት መሰረቱ ወይ መራገፊኡ ሓዊስዎ ይኸውን። እቲ ምስሊ ኸኣ ብጠጠው ዝበለ ወርቂ ዘይኮነስ፥ ብወርቂ ሰሌዳታት ጥራይ ዝተሸፈነ ከም ዝነበረ እዩ። ትዕቢትን ዓመፃዊ ኣድልዎን ሰባት ንተገዛእቶም ቅኑዕ ይኹን ጌጋ፥ ሃይማኖቶም ክስዕቡ ንኽደልዩ ይገብሮም። ዓለማዊ ረብሓ ምስ ኣታልል፥ ቅጽዓት ድማ ምስ ኣፍርሕ፥ ኣብዩ ዝብል ቍጽሪ ውሑድ እዩ። እዚ ንሕሱር ልቢ ዘለዎም፥ ንስጋውያን ከምኡ’ውን ንዘይኣምኑ ሰባት ቀሊል እዩ። እዞም ድማ እቲ ዝበዝሐ ቍጽሪ ስለ ዝኾኑ፥ መብዛሕትኦም መገዶም ይኸዱ። ሕሱር ልቢ ዘለዎ ዓለም ብተዋስኦ ሙዚቃዊ መደብ ዘይሳሓብ፥ ወይ ብጓህንቲ እቶን ዘይብድራ ዝኸፉእ ነገር የልቦን። ብኸምዚ ዝኣመሰለ ኣገባብ ድማ ሓሶት ኣምልኾ ተተኺሉን ተኻይዱን።

3:8-18

ሓቀኛ ምምልላኽ ንመንፈስ የህድኦ፣ የጸብቆን የልዝቦን፣ ኣመንዝራ እምነትን ንሓሳውቲ ኣማልኽቲ ምምልላኽን ግና ንሰብኣዊ ስምዒታት የቓጥዕዎ። እቲ ጉዳይ ብሓጺሩ ተቐሚጡ ኣሎ፡ ተመለሱ ወይ ድማ ተቓጸሉ። ትዕቡታት ሰባት ከም ነቡካድነጻር፡ “እቲ ጐይታ መን እዩ እሞ ንሓይሉ ክፈርህ?” ክብሉ ድሉዋት እዮም። ሰድራኽ፣ ሜሳኽን ኣቤድኔጎን ክእዘዙ ወይ ኣይክእዘዙን ኣየንቆራቆሩን። ህይወትን ሞትን ክሕሰባ ኣይነበረን። ካብ ሓጢኣት ክርሕቑ ዝደልዩ፡ እቲ እንፍተነሉ ወይ እንፈርሖ ነገር ብግልጺ ክፍኣት ምስ ዝኸውን ምስ ፈተና ኪዘራረቡ የብሎምን። ብዛዕባኡ ንኸተቋርጽ ኣይትቑም፡ የግዳስ ከምቲ ክርስቶስ ዝበሎ፡ “ኣቱም ሰይጣን፡ ካባይ ርሓቕ” በል። ቀጥታዊ መልሲ ምስ ተደልየ፡ ዘዋስብ መልሲ ኣይሓንጸጹን። ንግቡኦም ቀንዲ ዕዮኦም ዝገብሩ፡ ብዛዕባ ውጽኢቱ ክጭነቑ ወይ ክፈርሁ ኣየድልዮምን።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ንጉሡ ናቡከደነፆር ቁመቱ ስድሳ ክንድ ወርዱም ስድስት ክንድ የሆነውን የወርቁን ምስል አሠራ፤ በባቢሎንም አውራጃ በዱራ ሜዳ አቆመው። አማርኛ ENGNIV King Nebuchadnezzar made an image of gold, ninety feet high and nine feet wide, and set it up on the plain of Dura in t… English BCV ንጉስ ናቡከደነፆር ስሳ እመት ዝቑመቱ፥ ሽዱሽተ እመት ዝጐድኑ ናይ ወርቂ ምስሊ ኣስርሐ። ኣብ ጐልጐል ዱራ ኣብ ኣውራጃ ባቢሎንውን ኣቖሞ። ትግርኛ GAZBIB Nebukadnezaar mootichi bifa fakkeenyaa hojjaa isaa dhundhuma jaatamaan, bal'ina isaa immoo dhundhuma ja'aan warqee irra… Afaan Oromoo BCV GIZ አመ ዐሠርቱ ወሰማንቱ ዓመተ መንግሥቱ ለናቡከደነጾር ገብረ ምስለ ዘወርቅ ኑኁ ስሳ በእመት ወግድሙ ስድስ በእመት፤ ወአቀሞ ውስተ ሐቅለ ዱራ ብሔረ ባቢሎን። giz GAZGAZ Nebukadnezaar mootichi bifa fakkeenyaa hojjaa isaa dhundhuma jaatamaan, bal'ina isaa immoo dhundhuma ja'aan warqee irra… Afaan Oromoo AMHNIV ንጉሡ ናቡከደነፆር ከፍታው ሥልሳ ክንድ፣ ወርዱ ስድስት ክንድ የሆነ የወርቅ ምስል አሠራ፤ በባቢሎንም አውራጃ በዱራ ሜዳ አቆመው። አማርኛ SWAHSUV Nebukadreza, mfalme, alifanya sanamu ya dhahabu, ambayo urefu wake ulikuwa ni dhiraa sitini, na upana wake dhiraa sita;… Kiswahili